Monday, March 6, 2023

ዲዮስቆሮስ

 


ዕላማ ዲዮስቆሮስ( παράσημος Διοσκούροις ፓራሲሞስ ዲያስኩሮስ

እምድኅረ ሠለስቱ አውራኅ ዐረግነ ዲበ ሐመረ ሰብአ እስክንድርያ ዘከረመት በይእቲ ደሴት ወባቲ ላዕሌሃ ለይእቲ ሐመር ትእምረተ ዲዮስቆሮስ ዘውእቱ አምላከ ኖትያት

ማቴ22፡29 ኢየሱስ መለሰ በሎምውን፡ መጻሕፍቲ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ትጋገዩ አሎኹም።

ኦ ጐይታ ቃላትካ ሓቂ እዩ። ንቃላትካ ዘይምፍላጥ ከኣ ዓመጽ እዩ`ሞ ይቕረ በለልና። ቃልካ ንጸልማት ዝቕንጥጥ ብርሃን እዩ`ሞ ወርትግ ኣብ ልብና ይብራህ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት መጽሓፍ ግብሪ ሓዋርያት ከንብብ ከለኹ፡ መንፈስ ኣምላኽ ነዛ ቓል ብዝተፈልየ መገዲ ክርድኣን ኣዕሚቘ ክምርምራን ደረኸኒ። ሽሕ`ኳ ነዚ ክፍሊ መጽሓፍ ክፍሊ ግብሪ ሓዋርያት ምዕራፍ 28 ነቢበዮ እንተነበርኩ፡ ነዛ `ዕላማ ዲዮስቆሮስ` ትብል ቃል ዝተፈልየ ምብራህ ረኺበላ ኣይፈልጥን። ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን ግን ነዚ ስም`ዚ ናብ መበቆላዊ ቋንቋኡ ተመሊሰ ክርእዮ ምስ ጀመርኩን ብዛዕብኡ ጽሑፋት ምስ ገንጸልኩን ኣዝየ እየ ሰንቢደ፡ ምኽንያቱ ኸኣ እዚ ስም እዝስ ሓደ ካብ ኣስማት ጵጵስናን ከምኡ`ውን ገለ ድርሰታትን እዩ። እምበኣር ንዑ ነዚ ዕያግ ርኽሰት ብሓይሊ ቃል ኣምላኽ ነርሕቆ።

ዲያስኩሮስ ዚብል ጥምሮ ቃል፡ ዲያስ ከምኡ ውን ኩሮስ ዘቖምዎ እዩ። ልዑል ኣምላኽ፡ ኣቦ ረድኤት ተባሂሉ ብግሪኻውያንን ሮማውያንን ዚእመን፡ ዚምለኽ `ዙስ` ዚበሃል ኣምላኽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ`ውን ብዛዕባ እዚ ከምዚ ብምባል ይምስክረልና። ግብ 14፡12-13 ንበርናባስ፡ ድያ፡ በልዎ፡ ንጳውሎስ ድማ፡ መራሕ ዘረባ ስለ ዝዀነ፡ ሄርሜስ። በልዎ። ካህን እቲ ኣብ መንጽር ከተማ ዝነበረ መቕደስ ድያ ድማ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ደጌታት ኣምጺኡ ምስቶም ሰብ ኰይኑ ኺስውኣሎም ደለየ። ስለዚ እምበኣር ምንጪ `ዲያስ` ዚብል ቃል `ዙስ` ዚብል ግሪኻዊ ቃል ምዃኑ ተረዲእና ኣሎና። `ኩሮስ` ውሉድ ማለት እዩ። ዲያስኩሮስ፡ ውሉድ ዲያስ ወይ ዙስ ማለት እዩ። እዞም ማንታ ውሉድ ከኣ ካስቶርን ፖሊዴከስን ይበሃሉ። ብመሠረት ግሪኻዊ እምነት ታንድሮስ ንጉሥ ስፓርታን ከምኡ`ውን በዓልቲ ቤቱ  ሌዳ ንግሥቲ ስፓርታ ምዃና ይነግር። ንሳ ጽብቕትን ምልክዕትን ምንባራ`ውን ይነግር፡ ዙስ ከኣ ብኣኣ ተማረኸ። ንሳ ሰብነታ ክትሕጸብ ኣብ ሩባ ከላ፡ `ዙስ` ብኣምሳል ማይ ደርሆ ብምምጻእ፡ ንኣኣ`ውን ብምትላል ምስኣ ደቀሰ፡ ብድኅሪ`ዚ ንሳ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ንጉሥ ታንድሮስ ደቀሰት፡ በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ ካብ ሓንቲ እንቋቚሖ፡ ክልተ ሓደ ዓይነት ማንታ ተወልዱ፡ ዲያስኩሮስ ተባሂሎም ከኣ ይፍለጡ።

እዞም ማንታ ኣሕዋት ከኣ ከም ሓያላት ተዋጋእቲ ሰብ ፈረስን ከምኡ`ውን ክም ኣማልኽቲ ባሕሪ ይፍለጡ። ኣብ ኣቴንስን ኣብ ዴሎስን መቕደስ ዝነበሮም፡ ከም ሓለውቲ ወተሃደራት ሮማን ከምኡ`ውን ሓለውቲ ባሕረኛታት ተባሂሊም ይፍለጡን ይእመኑን ነበሩ። ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ምዕራፍ 28፡11 ከኣ ተጻሒፎም ንረኽቦም። ጳውሎስ ኮነ እቶም ምስኡ ንሮማ ዝኸዱ ዝነበሩ፡ 3 ወርሒ ኣብ መሊጠ (ማልታ) ምስ ተቐመጡ ናብ ሲራኩላ ክኸዱ ዝተበገሱላ መርከብ እስክንድርያ ኣርማ ዲዮስቆሮስ ነበራ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸኣ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት፡ ዕላማ ድዮስቆሮስ ዘለዋ ናይ እስክንድርያ መርከብ ጌርና ተበገስና። ጸሓፊ እዚ መጽሓፍ ዝኾነ ወንጌላዊ ሉቃስ፡ ንጹር ዝኾነ መልእኽቲ እዩ ዘሕልፈልና ዘሎ። ዲያስኩሮስ(ዲዮስቆሮስ)፡ ማንታ ደቂ ዙስ ኣምላኽቲ ባሕሪ ብምንባሮም፡ ብባሕሪ ዝጎዓዙ መርከበኛታት ካብ ክመጾም ዝኽእል ሓደጋታት ባሕሪ ንምድሓን፡ ከድሕኑና እዮም ብምባል ንዕኦም አምልኹን፡ ንኣሳእሎም ከኣ ዕላማ ይገብርዎን ነበሩ።

እዚ ስም ኣማልኽቲ ባሕርን ተዋጋእትን ዝኾነ ዲዮስቆሮስ ደኣ ከመይ ኣቢሉ እዩ ከም ሓደ ቅዱስ ስም ኣብ ቤተክርስቲያን ዝኣተወ? ብፍላይ እኳ ኣብ ግእዝ ‘አማልክተ ኖትያት` ኢሉ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። መዝገበ ቃላት አለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ፡ ኖትያት መርከበኛ ብምባል ፈቲሕዎ ይርከብ። መጻሕፍትን ሓይሊ ኣምላኽን ሰኣን ምፍላጥና ቀደም ካብ ተጋገናስ ሕጂ ግን ልብና ከየትረርና ነቲ ሕያው ቃሉ ንከተሎ። ድሕሪ ደጊም ነዚ ስም እዚ ወጊድ ንበሎ፡ ስም ኣማልኽቲ ግሪኽ ደኣ እምበር ስመ-ክርስትና ኣይኮነን።

ኦ ጐይታ እቲ ብርሃን ዝኾነ ቃል ንልባት ይምልኣዮ። ጸጋ ጐይታ ምሳኹም ይኹን።

 

 

 

 

Friday, August 26, 2022

ተአምረ ማርያም 9ይ ክፋል

 


ሮሜ11፡33 ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኮታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰር ኣሰር ዘይርከብ እዩ መገዱ።

ኣቦየ! ብምግራም አመስግነካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ከቶ ውን ኣይትምርመርን ኢኻ`ሞ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እባርኸካ ኣሎኹ።

ሕሊናሃ ለእግዝእትነ ማርያም ሕሊና አምላክ። (መቅ. ገጽ 17 ቁ, 26)

ኣብ 5ይ ክፋል ጀሚርናዮ ዚነበርና ጽሑፍ እነሆ ሎሚ ንቕጽሎ ኣሎና፡ ንመዘከርታ ዝኣክል ተመሊስኩም 5ይ ክፋል ተንበብክምዎ ተመራጺ`ዩ እሞ ብትሕትና እሓትት። ኣብ 5ይ ክፋል `ሓሳብ ኣምላኽ` እንታይ ምዃኑ ርኢና ኔርና፡ ሎሚ ኸኣ ‘ሓሳብ ሰብ’ እንታይ ምዃኑ ብመሠረት ቃል ኣምላኽ ክንርኢ ኢና። ከም ሰብ ቤርያ ልብና ኣስፊሕና እንተመርመርና ኸኣ በረኸት ኣምላኽ ክንቅበል ኢና። ድንግል ማርያም ኣደ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተፈጥሮ ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተረኽበት ‘ሰብ’ ምዃና ቅድሚ ዂሉ ከነጽሮ ደስ ይብለኒ፡ እዚ ማለት ብዘሎ ፍጥረታ ከማና እያ ማለት`ዩ።

ሓሳብ ሰብ

·       ዘፍ1፡27 ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።

·       መዝ94፡11 እግዚኣብሄር ንሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።

·       ሕዝ11፡5 መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ ኣባይ ወረደ እሞ፣ እግዚኣብሄርሲ፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ንስኻትኩም ከምዚ ትብሉ ኣሎኹም፣ ኣነውን ሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ።

·       መዝ 139፡2 ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፣ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ።

·       መዝ 139፡23 ዎ ኣምላኽ፣ መርምረኒ፣ ልበይ ከኣ ፍለጥ፣ ፈትነኒ፣ ሓሳበይውን ፍለጥ።

·       ምሳ 16፡ 9 ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ።

·       መዝ 139፡6 እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፣ ልዑል እዩ፣ ከርክቦ ኣይክእልን።

·       ኢዮ11፡7 ንመዓሙቚ ኣምላኽዶ ኸተቚሮ፡ ንምልኣት እቲ ዂሉ ዚኽእልሲ ኸተቚሮ ትኽእል ኢኻ?

·       ኢዮ36፡26 እንሆ፡ ኣምላኽ ዓብዪ እዩ፡ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ቊጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ኣይምርመርን።

·       ማቴ12፡25 ኢየሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኵላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ።

·       ዕብ4፡12 ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

·       ራእ2፡23 ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ፡ ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ኪፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ።

ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሓሳብ ሰብ ምስ ሓሳብ ፈጣሪ ከቶ`ውን ክመዓራረ ከም ዘይክእል፡ ሓሳብ ኣምላኽ ግና ልዑል ክብጻሕ ዘይክእል መገረም ምዃኑ ብግህዶ ይምስክሩ ኣለዉ። ካብ ሰብ ዚተፈጥረ ዘበለ ኲሉ ተኻፋሊ ባህርይ ሰብ እዩ። ከፊላዊ ባህሪ ሰብን ከፊላዊ ባህሪ ኣምላኽን ክወስድ ዝኸኣለ ፍጡር ከኣ ሓደ`ኳ የልቦን። ጸሓፌ/ ጸሓፍያነ መጽሓፈ ተኣምረ ማርያም እምበኣር ከፊላዊ ዝኾነ ሰብኣዊ ባህሪ፡ ከፊላዊ ዝኾነ ኸኣ ኣምላኻዊ ባህሪ (ሕሊና ኣምላክ) ዘለዋ ማርያም እዮም ዘቕርቡልና ዘለዉ። ድንግል ማርያም ኣደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዂሉ ነገራ ሰብ ደኣ እምበር መለኮታዊ ፍልጠትን ጥበብን ሓሳብን ኣይነበራን። በዚ ምኽንያት’ዚ ኸኣ እቲ ዘቕረብዎ ምህሮ ኣንጻር ትኹል ቓል ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ብሰይፊ ቓል ኣምላኽ ቀቲልና ንቐብሮ ኣሎና። ንልዕልና እቲ ልዑል ከፍርሶ ዝኽእል ከኣ ሓደ`ኳ የልቦን። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ምስ ኲላትኩም ይኹን።

Tuesday, August 23, 2022

ተአምረ ማርያም 8ይ ክፋል

 



ኣብኣ ቐርኒ ዳዊት ከብቍል እየ፣ ንቕቡኤይ መብራህቲ ኣዳሎኹ። መዝ132፡17

ሻም ሳማኽ ከረን ዳቪድ ኣራኽ ኒር ማሺያኽ

ኦ ዘለዓለማዊ ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ እሞ ብሓቅኻ ቀድሰኒ። ቃልካ ወርትግ ሓቂ ደኣ እምበር ሓሶት ኣይርከቦን`ዩ እሞ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ወድኻ እባርኸካ ኣሎኹ። ምሥጢር ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክርዳእ ኣእምሮይ ኣብርሃዮ ብስም ኢየሱስ ወድኻ ኣሜን።

ንቓል ኣምላኽ ኣይትጠዋውይዎ!

ቃል ኣምላኽ ህያዉን ንዘለዓለም ጸኒዑ ዚነብርን ምዃኑ መጽሓፍ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ሓሶት ከኣ ንዘመናት`ኳ እንተተዀመረት ከቶ ውን ጸኒዓ ክትነብር ኣይትኽእልን እያ። እቶም ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝጠዋውይዎ ዘበለ ዂሎም ንጥፍኣት ገዛእ ርእሶም ይጠዋውይዎ ከም ዘለዉ`ዶ ኣየስተውዓሉን እዮም፧ ጸሓፍያነ ፍልሰታ ለማርያም ከኣ ነቲ ድርሰቶም ህያውነት ምእንቲ ከልብስዎ ነቲ ትኹል ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ጠውዮም፡ ንዕርገተ ማርያም ክጥቀምሉ ከሎዉ ንዕዘቦምን ንመዝኖምን ኣሎና። ተንሥእ እግዚኦ ውስተ ዕረፍትከ አንተ ወታቦተ መቅደስከ/ እግዚኣብሄር፣ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ(መዝ132፡8) ” ንዝብል ቃል ንረብሓኦም ካብ መልእኽቱ ኣውጺኦም ክጥቀምሉ ንርኢ ኣሎና። ንቓል ኣምላኽ ኣይትጠዋውይዎ! እቲ ዝዓበየ ቅልስ ሰይጣን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ነቲ ብዛዕባ “መሲሕ” ዚዛረብ ክፍሊ መዝሙረ ዳዊት፡ ብዛዕባ `ማርያም’ ከም ዝዛረብ ጌርካ ምቕያር ዘድለየ።

ጸሓፊ እዚ መዝሙር፡ ኣምላኽ፡ ንመከራ ዳዊትን ነቲ ንሱ ንማኅደር ኣምላኽ ንምህናጽ ዝነበሮ ናፍቖትን መሓላን ክዝክሮ እዩ ዚምሕጸን። ኣስዒቡ ኸኣ ታቦት ኪዳን ኣብ መሮር ምንባራ ኣብኡ`ውን ዳዊትን ሰዓብቱን ከም ዝረኸብዋ የዘንቱ። ታቦት ኪዳን ድኅሪ`ቲ ኣብ ውግእ ፍልስጤማውያን ኣብ ዘመን ካህናት ኦፍኒንን ፊንሃስን ደቂ ካህን ኤሊ ምምራኻ፡ ኣስዒባ ውን ኣስታት ሾብዓተ ኣዋርሕ ኣብ ምድሪ ፍልስጤም ምዝውዋራ፡ ኣብ ቤት ኣቢዳራ ንዕስራ ዓመታት ዝኣክል ተቐሚጣ እያ። 1ሳሙ7፡2 ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኣብ ቂርያት-የዓርም ካብ ዚቕመጥ ጊዜኡ ነውሔ፡ ዕስራ ዓመት ኰነ። ብዘለዉ ቤት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣቢሎም ይቚዝሙ ነበሩ። ንጉሥ ዳዊት ንእምባ ጽዮን ተዋጊኡ ምስ ሓዛ ንታቦት ኪዳን ናብ ኢየሩሳሌም ከምጽኦ መደበ። 2ሳሙ6፡2 ዳዊት ከኣ ተንሲኡ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ነቲ በቲ ስም፡ ስም እቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተጸውዓሉ ታቦት ኣምላኽ ካብ በዓለ-ይሁዳ ኸደይቦ ኸደ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኲርባ ዝነበረት ቤት ኣቢናዳብ ኣልዐልዎ፡ ነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዑዛን ኣሕዮን፡ ደቂ ኣቢናዳብ፡ ይመርሕዎ ነበሩ። እምበኣር`ዚ ዘማሪ ብዛዕባ እቲ ዳዊት ኣብ ዘመኑ ዝገበሮ፡ ታቦት ኣምላኽ ከኣ ከመይ ኣቢላ ካብ መሮር ናብ መዕረፊ ቦታ ናብ ጽዮን ከም ዝኣተወትን፡ ፍስሃን ደስታን ዳዊትን እቶም ካህናትን ዕልልታ እቲ ህዝቢ ውን ይነግር።

ዋና መልእኽቲ እዚ መዝሙር ከኣ ኣብ ቁጽሪ 11-12 ዚርከብ እዩ። `እግዚኣብሄር ንዳዊት፣ ካብ ፍረ ኸርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፣ ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክረይን እንተ ሐለዉ፣ ውሉዶም ድማ ኣብ ዝፋንካ ንሓዋሩ ኺቕመጡ እዮም፣ ኢሉ ብሓቂ መሐለሉ፣ ካብኡ ኣይኪርሕቕን እዩ። እግዚኣብሔር ንጽዮን ዝሓረያ መሕደሪኡ ኸኣ ክትከውን ዝበሃጋ፡ ኣብኣ መንግሥቱ ስለ ዘቕውም እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ንዳዊት ዝተዋህቦ ዓቢይ ተስፋ መንግሥቲ ክርስቶስ እዩ። ጽዮን ከተማ እቲ ዓቢይ ንጉሥ ክርስቶስ ኢየሱስ ስለ ዝኾነት ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ከም ብሌን ዓይኒ እያ። ‘ኣብኣ ቀርኒ ዳዊት ከብቁል`የ’ ዚብል ዓቢይ ተስፋ ኸኣ እቲ ተስፋ ዚተገብረሉ ዘርኢ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት ተወሊዱ ዘይትናወጽ መንግሥቲ ኣብ ጽዮን ከም ዚተክል ኣምላኽ ዝሃቦ ተስፋ እዩ፡ ንሱ ንጸላእቱ ነውሪ ዘልብስ ኣብ ርእሱ ኸኣ ዘብረቕርቕ ዘውዲ ዝደፍአ ንጉሥ ወዲ ዳዊት እዩ።

 

ሉቃ1፡31 እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ።ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ።

ሉቃ1፡69-70 ከምቲ በቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድሓን ኣተንስኣልና።

ራእ11፡15 እቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሔ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኮይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ፡ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ።

ራእ14፡1 እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርኤኹ።

ፍቑራት ኣሕዋተይ! ነቲ ብመርሒነት መንፈስ ቅዱስ ዝተነግረ ቃል ተስፋ ፍሒቕና ክንድምስሶ ኣይከኣለናን እዩ። መዝሙር 132፡ መዝሙር መሲሕ ደኣ እምበር መዝሙር ማርያም ኣይኮነን። ንንጉሥና ንክርስቶስ ኢየሱስ ዝተዘመረ ደኣ እምበር ንትንሳኤን ዕርገትን ማርያም ዝተዘመረ ኣይኮነን። ገሊኣቶም ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ እናበሉ ንምምጻእ ንጉስና ከጥፍኡ ከም ዝሓሰቡን ንንግሥነቱ`ውን ከም እተቓወምዎ`ዶ ክንከውን ኢና፧ ያእ! ኣይፋልናን። “ኣምላኽና ዚባላዕ ሓዊ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን (ዕብ12፡28-29)” ስለዚ እምበኣር እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኣመንና ነታ መንግሥቲ ፍቁር ወዱ ክትግለጽ ብሃረርታ ንጽበያ ኣሎና። ፍቑራት ኣኅዋተይን ኣኃተይን ካብ ስሕተት ተሓለዉ። ጸጋ ጐይታናን ንጉሥናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትኩም ይኹን።

 

Thursday, August 18, 2022

ተአምረ ማርያም 7ይ ክፋል

 


ስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር ኣሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር ኣሎኹ። ኢሳ57፡15

ኦ ዘለዓለማዊ ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ፡ ከማኻ ዝበለስ ሓደ’ኳ የልቦን። ንስኻስ በይንኻ ንውሉድ ወለዶታት ኣምላኸ ኢኻ። መንበሪኻ`ውን ልዑል እዩ።

ሞት ብጥሪ፡ ብነሓሰ ቀብሪ

ኣምላኸይሲ ጻድቕን ህያውን እዩ፡ ዘመናት ክስዕርዎ ዘይክእሉ ልዑል`ዩ። መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ንዕቤት ኣምላኸይ ከዕኑ ዝተጻሕፈ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ መጽሓፍ ምዃኑ እነሆ ከም ጸሓይ ቀትሪ ደሚቑ ይረአ ኣሎ። `ሞታ ብጥሪ’ዩ ቀብራ ኸኣ ብነሓሰ’ዩ’ ዚብል ሓሳብን፡ ኣይኮነን ‘ሞታ ብጥሪ፡ ቀብራ`ውን ብጥሪ እዩ’ ዚብል ሓሳብ’ውን ዘካተተ ተጻራሪ መጽሓፍ እዩ። ወሲኹ`ውን ሓደ ጸሓፊኡ ዘይተገልጸ፡ ካልእ ከኣ ብሓዋርያ ዮሐንስ ዝተጻሕፈ ክልተ ተጻረርቲ መጻሕፍተ ፍልሰታ ከም ዘለዉ ኸኣ ይነግረና፡ ኣቤት! ዕሽነት ለካ ጥበብ ኣምላኽ ክስወር ከሎ፡ ብዘሎ እቲ ምኽሪ ጸልማት`ዩ ዝኸውን፡ ተአምራት 6ን7 ክንምልከት ኢና፡ ልብኹም ኣልዕሉ፡ ሰይፍኹም ማለት ቃል ኣምላኽ ከኣ ተዓጠቑ።

ተአምር 6 (ገጽ 50-57)

·           ኣርእስቲ፡ 1 በእንተ ዘከመ ገደፉ በድና ለድንግል (ንበድኒ ናይ ድንግል ከም ዚገደፍዎ)

·       ዝተረኽበ መጽሐፍ ፍልሰታ(1ይ)፡ ምህዳም ሓዋርያት፡ 3 “ሽዑ ኣብ ውሽጢ መጽሐፍ ፍልሰታ ሓዋርያት ን/ኣ/ድ/ሥ/ነ/ክ/ኣ/ቅ/ድ/ ማርያም ኪቐብርዋ ኂዞማ እናኸዱ ከለዉ ኣይሁድ ናብኦም መጹ። ሓዋርያት ከኣ ንበድና ገደፍዎ” ዚብል ረኸብኩ።

·       ምስክርነት መንፈስ ቅዱስ፡ 4 እንተኾነ ግና ናይ ክብርቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በድኒ ገዲፎሞ ከም ዘይሃደሙ መንፈስ ቅዱስ ገሊጹለይ ኣሎ።

·       ሞታ ጥሪ፡ ቀብራ`ውን ጥሪ፡ 12 ሓዋርያት ባዕሎም ከም ዝገነዝዋን ኣብ ጌተሰማን ከም ዝቐበርዋን እነሆ ብግልጺ እነግረኩም ኣሎኹ።

·       ገዲፎማ ከም ዘይሃደሙ ዝገልጹ መርትዖታት፡

 

1.     13 ንክብርቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መገዲ ሓዲጐማ ከም ዘይሃደሙ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ፍልሰታ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዛረብ መጽሓፍ ሰሚዕናዮ ኣሎና። (2ይ፡ ዮሐንስ ወንጌላዊ ዝጸሓፎ) “ዝረኣየ ከም ዝረኣዮ ይዛረብ፡ ንሕና እቶም ዝሰማዕና ኸኣ ከምቲ ወንጌላዊ ዮሃንስ ብዛዕባ ን/ኣ/ድ/ሥ/ነ/ክ/ኣ/ቅ/ድ/ ማርያም ኣብ መጽሐፍ ፍልሰታ ዝጸሓፎ መሠረት  ጌርና ንዛረብ ኣሎና።

2.    14 ካልኣይ ውን ኣብቲ ብዛዕባ ዕርገታ ዝነግር መጽሓፍን

3.    ኣብ መጽሐፈ ስንክሳርን ሰሚዕና ሰሚዕናዮ ኣሎን።

·       ድምጺ ዮሐንስ ወንጌላዊ ዝሰምዐ ጸሓፊ፡ 18 ንሱ(ዮሐንስ) ባዕሉ እቲ ዝጸሓፎ ነገረኒ።

·       ሥራሕ ኣጋንንቲ፡ 21-23 ስለምንታይ ደኣ ናይ ሓሶት ነገር ኃጢኣት ትደልይ፧ ብኣርባዕቲኡ መኣዝን ኣብ ጐደናታት እናዞርካ ንንጹሓት ኣቦታትና ሓዋርያት ኣብ ልዕሊኦም ነዚ ዘሕፍር ነገር ንምንታይ ኣምጻእካሎም፧ ንበድኒ ንጽሕቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ገዲፎሞ ሃዲሞም ኢልካ ደፊርካ ኪትዛረብ ኣይግብእን እዩ፡ እዚ ሥራሕ ናይ ኣጋንንቲ እዩ፡ ናይ ኣቦታትና ሓዋርያት ኣይኮነን። ዕንቁ ጳዝዮን ወልደ ነጐድጓድ ዮሓንስ ኣብቲ ብዛዕባ ፍልሰታ ዚነግር መጽሓፉ ከምዚ ይብል፡ “ገኒዞም ሓቚፎም ብፅኑዕ ተሸኪሞም ኢድ ነሲኦም እናበኸዩ ኣብ ጌተሰማን ቐበርዋ እምበር ኣይደርበይዋን

 

ተአምር 7 (ገጽ 57-62)

·       ሥጋኣ ዝተነብሮ ዕፀ ሕይወት፡ 3 ድኅሪ ዕረፍታ ሓዋርያት ካብኦም ስለ ዝተፈልየት ይኃዝኑን ይጉህዩን ነበሩ፡ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ እስያ ዝተባህለት ሃገር እናሰበኸ ከሎ ብዕለት ዓሠርተ ሽዱሽተ ነሓሰ ሓጐስን ደስታን ኣብ ዘለዎ ገነት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሲጡ ንመድኃኔ ዓለም ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ሥጋ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተነቢርዎ ዝነበረ ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ተቐሚጡ ረኣዮ።

·       ዕርገት ካብ ገነት ናብ መንግሥተ ሰማያት፡ 5 ሽዑ ሥጋ ናይ ብድንግልና ሥጋን ብድንግልና ነፍስን ዝጸንዐት ክብርቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብቲ ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት(ገነት) ዝነበረ መቓብር ወፀ። መድኃኔ ዓለም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንዒ ናባይ ኦ! ዘፍቅረኪ ክብርቲ ወላዲተይ ናብቲ ሓጐስን ሰላምን ዝዓሰሎ መንግሥተ ሰማያት ከዕርገኪ እናበለ ተዳህያ።

ኦ ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣምላኽ ብጽድቂ ክንነብር`ዩ ጸዊዕና፡ ልባትና ከቶ`ውን ንሓሶት ከነግዝኦ ኣይግበኣናን እዩ። ከምቲ ንፋስ ንየው ነጀው ዘብሎ ማዕበል ባሕሪ ብስሑት ምህሮታት ኣይንግፋዕን ኢና። ከምቶም ሕጂ ዝተወልዱ ህጻናት ነቲ ጽሩይ መንፈሳዊ ጸባ ማለት ቃል ኣምላኽ ሰቲና ዓቢና ኢና ንዓቢ`ውን ኣሎና፡ ደጊም ብምህሮ ቁልዕነት ክጻወተልናን ክላገጸልናን ዝኽእል ከቶ የልቦን። ነቲ ዓቢ ኣምላኽ ከነግንን ልዕል ከነብል ተጸዊዕና ኢና፡ ካብ ስሑት ትምህርቲ ተሓለዉ ንጽሁ። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን።  

 

 

Saturday, August 13, 2022

ተአምረ ማርያም 6ይ ክፋል


 

ኣቱም ብቓሉ እትርዕዱ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ! ኢሳ66፡5

 

“ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ” ኢልካ ኢኻ`ሞ ኦ ጐይታ እዚ መንፈስ’ዚ ሃበና። ቓልካ ክቡርን ሠናይን’ዩ እሞ ብእኡ ክንርዕድን ንቓልካ ከነኽብርን መንፈስካ ኣፍስሰልና ብስም ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ኣሜን።

ሞት ብጥሪ ብነሐሰ ቀብሪ

 

እግዚኣብሔር ኲሉ ሳዕ ጻድቕን ሓቀኛን`ዩ ንሱስ ከይርስዕ ሰብ ኣይኮነን፡ ከይሕሱ ኸኣ ወድ ሰብ ኣይኮነን። ሕግታቱን ፍርድታቱን ከኣ ሓቅን ጽድቅን እዩ። መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ታእላው ዘይብሉ ስሑት ምህሮታት ዘካተተ መጽሓፍ ምዃኑ ነፍሲ ወከፍ ነባቢ ከስተውዕሎ ጀሚሩ ኣሎ። ብዛዕባ ፍልሰታ ለማርያም ከኣ ሰፊሕ ሸፈነ ተዋሂብዎ ተመዝጊቡ ይርከብ። ንሓድሕዶም ዝጋጨዉ ክፍልታት ተአምረ ማርያም ክንርእን ክንምርምርን ኢና`ሞ ልቦናኹም ኣልዕሉ፡ ኣእምሮኹም’ውን ኣብልሑ፡ እቲ ዝጠቅም ከኣ ምስ ቓል ኣምላኽ ምውጋን እዩ።

 

ተአምር ፫ (ገጽ39-42)

·       ሞታ፡ 2. ብዕለት ዕሥራን ሓደን ጥሪ ብሰላም ዓረፈት።

·       ሓዋርያት ብምፍርራህ ኣይሁድ ከም ዝሃደሙ፡ 4-5 ሓዋርያት ነዚ ኣብ ዝሰምዕሉ ጊዜ ገደፍዋ ብዘይካ እቲ ወዳ ዘፍቅሮ ሓዋርያ ዮሓንስ ምስኣ ዝተረፈ ኣይነበረን። ብድኅርዚ ኣይሁድ ብፍጹም ቊጥዓ መጹ፡ ገብርኤል መልኣኽ ምስቲ ኣብ ሕልናኡ ጸላኢ ሠናያት ቦታ ዘይነበሮ ክቡር ሓዋርያ ዮሃንስ ኮይኑ ወሰዳ። ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ኣብ ገነት`ውን ኣንበርዋ፡ ንነፍሳ ኸኣ ገብርኤል መልኣኽ ኣዕረጋ።

·       ኣይሁድ ንበድኒ ከም ዝሰኣንዎ ፡ 6 ሽዑ ኣይሁድ ንበድኒ ን/ኣ/ድ/ሥ/ነ/ክ/ኣ/ቅ/ድ/ ማርያም ደልዮም ናብ ቤታ ኣተዉ፡ እንተኾነ ግና ሰኣንዋ።

ተአምር ፬ (43-46)

·       ዝዛረብ በድኒ(ሬሳ)፡ 2 ሓዋርያት ንወላዲቱ ክገንዝዋ ኣብ ዝተኣከብሉ ጊዜ፡ን/ኣ/ድ/ሥ/ነ/ክ/ኣ/ቅ/ድ/ ማርያም ካብ ፍቊር ወዳ ዓቢይ ክቡርን ምስጋና ከም ዚተቐበለት ነገረቶም።

·       ታዉፋንያን በድኒ ማርያምን፡ 5 ሽዑ ታውፋንያ ካብቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ተንሲኡ፡ ንበድኒ ን/ኣ/ድ/ሥ/ነ/ክ/ኣ/ቅ/ድ/ ማርያም ፄርዎ ንዝነበረ ዓራት ኪድርብዮ ኣእዳዉ ዘርግሐ።

·       ዝዛረብ በድኒ(ሬሳ)፡ 10 ሽዑ ርኅራኄ ዝልማዳ ክብርቲ ኣዴና ቅ/ድ/ማርያም ንሓዋርያ ጴጥሮስ ነተን ዝተቖርጻ ኣእዳዉ ኣብዚ ዓራት ጠልጠል ኢለን ተሪፈን ዘለዋ ምስ ኣካሉ ኣላግበን እሞ ከምቲ ቅድም ዝነበራኦ ኪኾና እየን ኢላ ኣዘዘቶ።

·       ሥጋ ወላዲቱ ክብስብስ ፍታዉ ኣይኮነን፡ 15 ወዳ መድኃኔ ዓለም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋ ወላዲቱ ኣብዚ ዓለም ኪብስብስን ኪተርፍን ፍታዉ ከም ዘይኮነ ስለ ዘይፈልጡ፡ ከሓድትን ዓያሹን ኣይሁድ ንዑ ንሥጋ ናይ ማርያም ብሓዊ ነቃጽሎ ተበሃሃሉ።

ተአምር ፭ (47-49)

·       ንመግነዝ ኢድ ዝነስአ ኢየሱስ፡ 2 ወልደ ነጐድጓድ ዮሓንስ “ ንመግነዝ ኢድ እናነሥአ መድኃኔ ዓለም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወላዲቱ ንዝተገነዘትሉ መግነዝ ብዙኅ ጊዜ ከኽብሮ ‘ ኣነ ርእየዮ እናበለ ተዛረበ።

እቲ ዘንብብ የስተውዕል ተባሂሉ`ዩ እሞ ነፍሲ ወከፍና ከነስተውዕልን ክንምርምርን ይግበኣና እዩ። ብሃሰሰ ለባም ዝኽየድ መገዲ ከቶ የልቦን። ኣብ ዝቕጽል ክፋል ተአምር 6ን7 ዚብልዎ ሓሳባት ርኢና ነዚ ሓሳብ ብቓል ኣምላኽ መዚንና ክንድምድሞ ኢና፡ ክሳዕ ሽዑ ነዚ ክፍሊ`ዚ መርምርዎ፡ ሓድሕዳዊ ተጋጫዊ ሓሳባትን ምህሮታትን ከኣ ብቓል ሓቂ ምዘንዎ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ መጽሓፍ ከኣ ከምቲ ብሓዊ ዝቃጸል ሓሰር እዮም። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን።

Friday, August 5, 2022

ተአምረ ማርያም 5ይ ክፋል

 


ሮሜ1134 ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ

ወመኑ  የአምር  ሕሊናሁ  ለእግዚአብሔር  ወመኑ  ተማከሮ 

 

ኦ ኣምላኸይ ግብርኻ ክንደይ ዓቢይ`ዩ፧ ሓሳባትካ ውን እምብዛ ዓሚቚ እዩ። ኣእምሮ ፍጡራን ክበጽሖ ዀነ ክምርምሮ ኣይክእልን እዩ። ከማኻ ዝበለ ሓደ`ኳ የልቦን እሞ ነቲ ቕዱስ ስምካ እባርኾ ኣለኹ።

 

ሕሊናሃ ለእግዝእትነ ማርያም ሕሊና አምላክ። (መቅ. ገጽ 17 ቁ, 26)

ኦ ሰይፊ ንዓ ተንበልበል! ኣታ ተወልዊልካ ንመዓልቲ በቐል እተዳሎኻ ፈጢንካ ንዓ! ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን እትፈርድ ካብ ብልሒ መላጸ እትበልሕ ንዓ!

መጽሓፈ ተአምረ ማርያም ሓሳብ ኣምላኽ ንምፍራስ ተዓሊሙ እተጻሕፈ ብምዃኑ፡ ከም ቀዳማይ ዓላማ ገይሩ ፍላጻኡ ዝወርወረሉ “ንሕልና ኣምላኽ” እዩ። ‘ሕልና ናይ ኣዴና ማርያም፡ ሕልና ኣምላኽ’ዩ” እናበለ ኸኣ ነቲ ዘይንቕነቕ መለኮታዊ እምባ ክነድል ብኸንቱ ይደክም። ነታ ከልዕላን ከግንናን ዝደሊ ዘሎ ማርያም ምስ ካልኦት ፍጡራት ከመዓራርያ ስለ ዘይደለየ ኸኣ ብቐጥታ ምስ ሕያው ኣምላኽ ከመዛዝና፡ ነቲ ዘይምርመር ሕልናኡ`ውን ንዓኣ ከማቕላ ኣይተሸገረን። እዚ ተግባር`ዚ ብሕይወት’ዶ ክሰርር`ዩ ወይስ ተበቲኑ ክጠፍእ`ዩ፧ እነሆ ሎሚ ኣብ ቅድሚ እቲ ተወልዊሉ ማሕ! ማሕ! ዚብል ዘሎ ዘይምሕር ሰይፊ ቓል ኣምላኽ ቐሪቡ ኣሎ።

ሓሳብ ኣምላኽ

ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዛዕባ ሓሳብ ኣምላኽ ክዛረቡ ከለዉ ብምግራምን ምድናቕን እዮም ዚገልጽዎ። ኣዝዩ ዓሚቚን ሰፊሕን ደረት ኰነ ወሰን ዘይብሉ፡ ከቶ`ውን ዘይምርመር፡ ተመሳሳሊ ውን ዘይብሉ ምዃኖም ከኣ ይገልጹ።

·       ኢሳ 55፡8-9 ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ። እስመ ፡ ኢኮነ ፡ ምክርየ ፡ ከመ ፡ ምክርክሙ ፡ ወኢኮነ ፡ ፍኖትየ ፡ ከመ ፡ ፍኖትክሙ ፡ ይቤ ፡ እግዚአብሔር ። በከመ ፡ ይርሕቅ ፡ ሰማይ ፡ እምድር ፡ ከማሁ ፡ ይርሕቅ ፡ ፍኖትየ ፡ እምፍኖትክሙ ፡ ወኅሊናየ ፡ እምኅሊናክሙ ።

·       መዝ925 ጐይታይ፣ ግብርኻ ኸመይ ዓብዪ እዩ፣ ሓሳብካ ኣዝዩ ዓሚቚ እዩ። ጥቀ  ዐቢይ  ግብርከ  እግዚኦ  ወፈድፋደ  ዕሙቅ  ሕሊናከ 

·       ኣሞ4፡13 እንሆ፡ እቲ ኣኽራን ዚሰርሕ፡ ንፋስ ከኣ ዚፈጥር፡ ንሰብ ድማ ሓሳቡ እንታይ ከም ዝዀነ ዚገልጸሉ፡ እቲ ንወጋሕታ ጸልማት ዚገብር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪውን ዚረግጽ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ።

·       ሚኪ412 ንሳቶም ግና ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈለጡን ምኽሩውን ኣየስተውዐሉን፣ ንሱስ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ይእክቦም ኣሎ። ወእሙንቱሰ  ኢያእመሩ  ዘመከረ  እግዚአብሔር  ወኢያእመሩ  ዘኀለየ  እስመ  አስተጋብኦሙ  ከመ  ክልስስት  ውስተ  ዐውደ  እክል 

·       ኢዮ21፡22        ነቶም ልዑላት ዚፈርድ ኣምላኽሲ ፍልጠት ዚምህሮ መን እዩ?

·       ኢሳ40፡13 ንመንፈስ እግዚኣብሄር ዝመርመረ፡ ወይስ መኻሪኡ ዀይኑ ዝመሀሮኸ መን እዩ?

·       መዝ40፡5 ጐይታይ፣ ኣምላኸየ፣ ተአምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ፣ ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ፣ ምቝጻሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።

·       መዝ139፡17 ዎ ኣምላኽ፣ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፣ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ።

·       መዝ4421 ኣምላኽ ንምስጢራት ልቢ ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ነዚዶ ኣይምመርመሮን ነይሩ

·       1ቆሮ2፡15 ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧

እምበኣርከስ ነፍሲ ወከፍ ነባቢ እዚ ጽሑፍ`ዚ ንሓሳቡን ልቡን ይመርምር፡ ዕምቆት ሓሳብ ኣምላኽ`ዶ ክንመዝኖ ይከኣለና`ዩ፧ ሓሳብ ፍጡራት`ዶ`ኸ ክመስሎ ይኽእል`ዩ፧ ከም ሓሳቡ`ዩ ሓሳበይ፡ ከም መገዱ`ውን እዩ መገደይ ክብል ዝኽእል`ዶ`ኸ ኣሎ`ዩ፧ ሓሳብ ጸሓፊ/ጸሓፍቲ ተአምረ ማርያም`ከ ንሰይፊ ቓል ኣምላኽ ሓሊፉ ብሕይወት ዝሰርር`ዶ ይመስለካ፧ መጀመርታ ጥበብ ፍርሃት እግዚኣብሔር`ዶ ኣይኰነን፧