Tuesday, December 10, 2019
Monday, December 9, 2019
ብስምዕዛ ኣጽርየኒ/ ብደም ኢየሱስ ሕጸበኒ!
ብስምዕዛ ኣጽርየኒ/ ብደም ኢየሱስ
ሕጸበኒ!
ኦ ሕያው ኣምላኽ ብዂለንትናይ ዕልል እብለልካ ኣሎኹ።
ዑፍ እኳ ቤት ረኸበት፡ ለዃዂቶ`ውን ገዛ ረኸበት፡ ጨቓዊተን ከኣ፡ ኦ ንጉሠይን ኣምላኸይን ዝኾንካ ዂሉ እትኽእል እግዚኣብሔር ኣብ
ጥቓ መሠውዒታትካ የንብራ። እቶም ኲሉ ጊዜ እናወደሱኻ ኣብ ቤትካ ዚነብሩ፡ ኣየ ክንደይ ተዓዊቶም። መዝ 84፡2-4። እቲ ሕያው ዝዀነ ኣምላኸይ ዋልታን ከለናን ኮይንኒ እዩ`ሞ
ስሙ ይባረኽ። ብኹሉ ዘመን ሕይወተይ ዝዓቀበንን ዝረድኣንን፡ ብደም ወዱ ተዓዲገ`ውን ሕያው ክኸውን ዝገበረኒ ንሱ በይኑ እዩ። ነዚ
ልዑል ኣምላኽ እዚ መጠን ኣልቦ ምስጋና ይግብኦ እዩ፡ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ አመስግኖ ኣሎኹ። ኣእዳወይ ብርዒ ሒዘን ክጽሕፋ
ዘለማመደን ንሱ እቲ ኃይለይ ዝዀነ ኣምላኽ እዩ፡ ዝገማዳሕ ማዕበላት ኣስጊሩ ደው ዘበለኒ ውን በይኑ ንሱ እዩ። እግዚኣብሔር ዚኣምላኹ
ሕዝቢ ዘወትር ኃይሉ ከም ንስሪ እናተሓደሰ፡ ኪኖ ፍጥነት ኣፍራስ ዝጐዪ፡ ፈጺሙ ኸኣ ዘይዕንቀፍ እዩ። ኦ ጐይታና ብምሉእ ልበይ
አመስግነካ ኣሎኹ፡ ናብዚ ዘብጻሕካኒ ንስኻ ኢኻ እሞ ኩሉ ክብሪ ንዓኻ ይኹን።
ነቲ ብደም ዘፍቀረና ንጉሥ ሕይወተይ ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ ምስጋና ይኹኖ፡ ከም ብሌን
ዓይኒ ዝከባኸብ ዘለዓለማዊ ኣቦ፡ መለክዒ ዘይርከቦ ፍቕሩ ኣባይ፡ ኣብ ንኡስ ገሊጹ እዩ`ሞ ነፍሰይ ትናፍቖን ተኽብሮን ኣላ። ንዝመሃረኒ
ቅዱስ መንፈስ ምስጋና ይኹን፡ ብርሃን ይብራህ ብምባል ንጸልማት ሕይወተይ ዝቐየረ፡ ፍቕሪ ዝባህሪኡ ክቡር መንፈስ፡ ኃላው ነፍሰይ
ብምሉእ ልበይ አመስግኖ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
እነሆ ከም መጠን ምሕረትን ጸጋን ኣምላኸይ በዂሪ መጽሓፈይ ናባኹም አብላ። “ብስምዕዛ
ኣጽርየኒ”፡ ብደም ኢየሱስ ሕጸበኒ” ዚተሰምየት መጽሐፍ ውህሉል ግጥምታት እያ። ኣብ ዙርያ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተኲራ ዝተዳለወት
ብምዃና ሎሚ ውን ደሙ ሕያው፡ ሊቀ ካህንነቱ ውን ሕያው ምዃኑ`ያ እትምስክር። ኣብ ዝሓጸረ እዋናት ናብ ሕዝቢ እትበጽሓሉ መገድታት
ክሕብረኩም እየ። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክበዝሓለይ ጸልዩለይ፡ ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ፡ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ
ስብሐት ይኹን።
ኣብ ዳሕረዋይ ገበር ናይ መጽሓፍ ዘላ “ጸሓፎ” እትብል ግጥሚ፡ ብመገዲ ገንሸል ኣምላኽ
ናይ ዩ ቱብ ቻነል እጋብዘኩም ኣሎኹ፡ ተባረኹ።
https://youtu.be/j0G-nrG3EM0?fbclid=IwAR0vGMB12ZbrIbKVncA9Fmen3kEDb0xtV7iphF-IybG5qCHPIV5FLTzUakE
Wednesday, December 4, 2019
አንተ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እም ገነት!
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ደበሎ ገይሩ ኸደኖም።* (ዘፍ3፡21)
አንተ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እም ገነት!
ኦ ሕያውን ዘለዓለማውን ኣቦ ስምካ ይባረኽ ብኹሉ ዘመናት ተስፋና ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ከማኻ ዝበለ ጸግዕን ተስፋን
ከቶ እኳ የብልናን። ኃጢኣት ፈጺምና ካብ ገነት ክንስጐግ ከሎና ዝለበስናካ ደበሎ ንስኻ ኢኻ፡ ኦ ጐይታ ነቲ ዘይጽምሉ ተስፋኻ ብምምጻእካ
ስለ ዝፈጸምካዮ አመስግነካ ኣሎኹ። ንሓደ ወድኻ መድኅን ዓለም ጌርካ ክሳዕ ምሃብ ዘፍቀርካና ተስፋና ካባኻን ብኻን ጥራይ ስለ ዝዀነ
እዩ። ስለ ኹሉ ነገር ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣሎኹ።
ደበሎ ኸደኖም!
ነቲ ዘለዓለማዊ ዝዀነ ኣምላኽ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን፡ ከምኡ ዝበለ ረዳኢ፡ ተስፋ፡ መማሕጸኒ ከቶ እኳ
ካልእ የልቦን። ብዙኅ ሳዕ ብዛዕባ ውድቐት ኣዳም ደኣ እምበር ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከል ገነት ካብ ኣምላኽ ተቐቢሉ፡ ለቢስዎ ዝወጸ
እሙን ተስፋ ክንሓስብ ብዘይ ምኽኣልና መኣዛ ክርስትና ምድርና ዓርዒሩ፡
አረ እኳ ደኣ መጺጹ ይርከብ። እቲ ኣዳም ካብ ገነት ቋጺርዎ ዝወጸ ተስፋ እንታይ ኮን`ዩ? ሔዋን ተሰሊማቶ ዝወጸት ደበሎ`ኸ ምሥጢሩ
እንታይ`ዩ? መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ እዚ ደበሎ`ዚ ኣብሊጹን ኣስፊሑን`ዩ ዝነግረና። ደበሎ ካብ እንስሳ ዝርከብ ብምዃኑ፡ ደበሎ
ንምርካብ ሕይወት ምሕላፍን ደም ምፍሳስን ናይ ግድን`ዩ? እሞ በሉ ነስተውዕል ንኣዳምን ሔዋንን ተስፍኦም ዝዀነስ እቲ ኣብ ገነት
ተሓሪዱ፡ ዕርቃኖም ዝሸፈነ፡ ኣብ ክንድኦም ዝተሠውዐ ገንሸል እዩ። እዚ ብደሙ ክሽፍንን ክጋርድን ዝኽእል ገንሸል ከኣ ጐይታና ኢየሱስ
ክርስቶስ እዩ። ዕርቃን ዓለም ክሽፍን፡ ኣብ ማእኸል ቀራንዮ ብስቓይ ዝተቐትለ በይኑ ንሱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብ ቀዳሞት
ዘመናት ብምሳሌ ገናሽልን ደዓውልን ዝተገልጸ፡ ግዚኡ ምስ ኣኸለ ኸኣ ሰብ ብምዃን ምእንታና ዝተሓርደ፡ ናይ ምድኃንና ምኽንያት ኢየሱስ
ክርስቶስ እዩ። ንሱ እቲ ናይ በረኸት ዘርኢ፡ ተስፋ ዝተገብረሉ ዘርኢ እዩ፡ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ብሩኽ ዘርኢ ንስኻ ኢኻ እሞ ስምካ
ይባረኽ።
ንሕይወት ዝኽፈል ዋጋ ሕይወት እዩ
ዝኾነ ይኹን ነገር ፍሉይን ክቡርን ዝገብሮ ዝተኸፍለሉ ዋጋ እዩ። ኩላትና ውን እንተኾንና ክቡር ዋጋ ዝኸፈልናሉ ነገር፡ ኣብ ልብና ዓቢይ ስፍራ ኣለዎ። ኃጢኣት ዋጋ ሕይወት’ዩ ዘኽፍል። ቃሉ ውን ሕይወት ኲሉ ሰብ ናተይ እዩ። እወ ሕይወት ወለዲ ኮነ ሕይወት ውሉድ ናተይ እዩ። እምበኣር ዝመውት እቲ ኃጢኣት ዝገበረ ሰብ እዩ (ሕዝ 18፡4) ይብል ።
እቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ብሰንኪ ኃጢኣት ዝበጽሖም ዓቢይ ሞት ብምዃኑ፡ ሕይወት ንምድኃን ውሕስነት ሕይወት የገድስ እዩ። ኣብ ሃገርና ዘለዉ ሓደ ሓደ ውሕስነት ዝህቡ ትካላት፣ መወዓውዒ ኣብ ዝሰርሕሉ ጊዜ፡ ካብ ንብረትና ሓሊፎም ንሕይወትና’ኳ ከይተረፈ ውሕስነት ከም ዝህቡ እዮም ዝዛረቡ። ነገር ግን ንሳቶም ኮነ ካልኦት ዘየስተውዓልዎ ዓቢይ ነገር ኣሎ።ንብረትና ብንብረት፡ ገንዘብና ብገንዘብ ክትክኡ ይኽእሉ ይኾኑ፣ ንሕይወት ውሕስነት ንህብ ኢና ምባል ግን ዘይትገብሮ ምዝራብ እዩ። ውሕስነት ሕይወት፡ ብሕይወት’ዩ ዝኽፈል።
ኃጢኣት መልክዕ ዘበላሹ፡ ዘዕርቕ ጥራይ ዘይኮነስ ሕይወት ውን ዘጥፍእ ስለ ዝኾነ፡ ቈጽሊ በለስ ነዚ ዋጋ ክኸፍሎ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እግዚኣብሔር ነቶም ኣብ ኃጢኣት ዝወደቑ ሰባት ልብሲ ቆርበት (ደበሎ) ከልብሶም ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝተኸፍለ ዋጋ ሕይወት ከም ዘሎ ግሉጽ እዩ። እዚ ልብሲ ክዳሎ ኸሎ፡ ኣብ ገነት ዝተሠውዐ እንስሳ ከም ዝነበረ ተረዲእና ኣሎና። እዚ ኣብ ገነት ነቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ልብሲ ቆርበት (ደበሎ) ክኸውን ዝተሠውዐ እንስሳ፡ በቲ ዳኅራይ ዘመናት ምእንቲ ኃጢኣት ዓለም ኣብ መስቀል ዝሞተ፡ ነቲ ጽድቅና ዝኾነ ዝተሓርደ ገንሸል(ኢየሱስ ክርስቶስ) ብምሳሌ ዝገልጽ እዩ። እነሆ ኃጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ (ዮሃ 1፡29) ።
Friday, November 15, 2019
ጸጋ`ዶ ሕጊ፡ መነጽረ ጽድቂ? 1ይ ክፋል
ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ገበርቲ
ሕጊ ደኣ እዮም ዚጸድቁ እምበር ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዚጸድቁ።
ሮሜ 2፡13
ዎ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ስለ እቲ መስተንክራውን ዓቢይን ምሕረትካ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ
ኣሎኹ። ኣብ ኩሉ ዘመናት ሕያው ኢኻ፡ ኣብ ኣዕይንትኻ ክፍኣት የልቦን፡ ንስኻ ብጽድቅኻ ፍሉጥ ኣምላኽ ኢኻ። ቃልካ ሓቂ`ዩ ከቶ
ውን ክሰዓር ኣይክእልን እዩ፡ ዎ ጐይታ ሠራዊት ኣብ ቕድሜኻ ሓደ`ኳ ጻድቕ ከም ዘየልቦ ኩሉ ከም ዝዓለወን ከም ዝኃጥአን ገሊጽካልና
ኢኻ፡ ኪኖ ጽድቂ ገዛእ ርእስና፡ ነቲ ናትካ ጽድቂ ክንቅበልን ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ከኣ ጽድቂ ክቚጸረልና ፍቓድካ እዩ።
በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ ኣብ ኣዕይንትኻ ብደም ኢየሱስ ወቂብናን ተኸዲንና ክንርአ ዘልዓለማዊ ምኽርኻ ኮነ። ስለ ኹሉ ነገር ብስም
ኢየሱስ ናዝራዊ አመስግነካ ኣሎኹ።
ሕጊ! (1ይ ክፋል)
ጸጋ`ዶ ሕጊ፡ መነጽረ ጽድቂ? ንዝብል ቃል መርሚርናዮ ክንከውን ተስፋ እገብር። ከም ፍቓድ ጐይታና
ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊርዎ ዘሎ ዘለዓለማዊ ምኽሪ ከነጽንዕ ኢና። ነዚ ትምህርቲ ክንፈልጦን ከነጽንዖን ዝደረኸኒ ነገር፡
እቲ ሎሚ ከም ኢክርስቲያናዊ (ኢኦርቶዶክሳዊ) ትምህርቲ ዝቑጸር ዘሎ ነገረ-ጸጋ፡ ንሱ ኸኣ ሰብ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን፡
ብጸጋ እዩ ዚድኅን ዚብል ኣስተምህሮ ቅዱስ ወንጌል ኣብ ልብና ምውቃር እዩ። ኣብ መንጐ ሕግን ጸጋን ዘሎ ፍልልይ ዘይምርዳእ ነቲ
ቅኑዕ ወንጌል ክብርዝ ዝኽእል ሳዕቤን ኣለዎ። ከምቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ገላትያ ዘጋጠመ፡ ካብ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ብምውጻእ ኣብ
ትሕቲ እቲ ከጽድቕ ዘይክእል ሕጊ ብምቚራን፡ ካብ ኣምላኽ ዝወጸ፡ ንደም ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ዝነዓቐ ተርእዮን ሕይወትን ክፈጥር
ይኽእል`ዩ።
ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ገበርቲ ሕጊ እዮም ዚጸድቁ እምበር ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዚጸድቁ ከም ዚበለ እቲ
ሓዋርያ፡ ሰብ ነቲ ሕጊ ምስ ሰምዖ፡ ንእኡ ነቲ ዝሰምዖ ሕጊ ብምልኣት ካብ ዘይፈጸሞስ ካብ ተሓታትነት`ዶ የምልጥ`ዩ? ሕጊ ናብ
ፍጻሜ ዘብጽሖ፡ ማለት በዚ ሕጊ እዚ ናብ ጽድቂ ዝበጽሐ መን`ዩ? እቶም ሕጊ ዝተቐበሉ ወገን እስራኤል ሽሕ`ኳ ነቲ ሕጊ ካብ ኣምላኽ
እንተተቐበልዎ፡ ነቲ ሕጊ ውን ንወለዶታት ብምምሃር እንተኣመሓላለፍዎ፡ ከቶ እኳ ነቲ ሕጊ ብምልኣት ክገብርዎ ኣይከኣሉን። በዚ ሕጊ
እዚ ኸኣ ናብ ፍጻሜ ዝበጽሐ ሓደ`ኳ የልቦን። ኣምላኽ ከምዚ በለ ” ሓደ`ኳ ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ`ኳ የልቦን። ዜስተውዕል ሓደ`ኳ
የልቦን፡ ንኣምላኽ ዚደልዮ ኸኣ ሓደ`ኳ የልቦን። ኲላቶም ሓቢሮም`ውን ሰሓቱ፡ ጽቡቕ ዚገብር`ውን ሓደ`ኳ የልቦን(መዝ 14፡1-3/
ሮሜ 3፡10-12)። ኣምላኽ ንሰብ ጻድቕ ገይሩ ፈጠሮ፡ ሕጊ ውን ሃቦ። ሰብ ሕጊ ብምፍራሱ ዓመጸ በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ ሞት ናብ
ዓለም ኣተወ። ኃጢኣት፡ ኃጢኣት ዝሽትት ሰብ ከመይ ኣቢሉ ንሕጊ ብምልኣት ክፍጽም ይከኣሎ? እቲ ኹሉ ኃጢኣት ዝፈጸመ ንሱ ባርያ
ኃጢኣት ከም ዝዀነ ጐይታ መስኪርልና`ሎ። እቲ ሕጊ ቅዱስ`ዩ፡ ጽድቂ ዝኾነሉ ግን ነቲ ብምልኣት ክፍጽሞ ዝኸኣለ ሰብ ጥራይ`ዩ፡
ብኹሉ ፈጺሙ ኣብ ሓንቲ እንተወደቐ፡ እዚ ሰብ እዚ ኃጢኣቱ ክጸውር ዘለዎ በደለኛ እዩ። እቲ ንሕጊ ብምልኣት ዘይፍጽሞ ንሱ ብርግጽ
በደለኛን ርጉምን እዩ። ነዚ ነገራት ምስ እንርዳእ ሕጊ ውን ብዘይ ምሕረት ዝቐጽዕ ምዃኑ ምስ ንግንዘብ፡ ሕጊ ደኣ ንምንታይ መጸ
ኢልና ክንሓትት ባህርያዊ እዩ? ሕጊ እቲ ተስፋ ዚተዋህቦ ዘርኢ(ኢየሱስ ክርስቶስ) ክሳዕ ዝመጽእ፡ ኃጢኣት እንታይ ምዃኑ ኪገልጽ
ዝተወሰኸ እዩ። ሕጊ ክሳዕ እቲ ዘመን ምግላጽ ወድ-ኣምላኽ ዝኣክል ኃጢኣት እንታይ ምዃኑ ክገልጽ ደኣ እምበር ንሕና ብእኡ ምእንቲ
ክንጸድቕ ኣይተዋህበን። ስለዚ ኸኣ ቅዱስ መጽሓፍ ኩሉ ሰብ ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ኃጢኣት ምዃኑ ገለጸ(ገላ 3፡22)።
እምበኣር መጀመርታ ኩሉ ሰብ ብግሉ ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ኃጢኣት ከም ዝወደቐ፡ በደለኛን ርጉምን ከም
ዝዀነ፡ ሕጊ ብምፍጻም ውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክጸድቕ ከም ዘይክእል ክኣምን ይግብኦ። እቲ ብሕጊ ክጸድቕ`የ ዚብል ኩሉ ኸኣ ኣብ
ቕድሚ ኣምላኽ በደለኛ ምዃኑ ዝዘንግዐን ኃጢኣቱ ዘይኣመነን ዓሻ ሰብ
እዩ። እዚ ሰብ`ዚ ንጽድቂ ኣምላኽ ብምንዓቕ፡ ጽድቁ ከርኢ ምስ ኣምላኽ
ዝማጐት ኃጢኣተኛ እዩ።
Wednesday, November 13, 2019
Thursday, November 7, 2019
Friday, November 1, 2019
መልእኽቲ
ሰላም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን ኣኅዋተይን ኣኃተይን ጸጋ ጐይታና ምስ ኩላትና ይኹን። ነዚ ብሎግ እትከታተሉ ኩላትኩም ኣኅዋተይን ኣኃተይን ከመይ ትኾኑ። እቲ ብጥበብ ዝመርሓና ክርስቶስ ኢየሱስ ሎሚ ውን ዓወት ክህበና ጸሎተይ እዩ። እዚ ናይ ብሎግ ኣገልግሎት ብኢሜይል ክበጽሓኩም እትደልዩ፡ ኢሜይልኩም በዚ ኣድራሻ ክትጽሕፉለይ ብትሕትና እሓትት። peternice2001@gmail.com. ኣብዚ ኣገልግሎት ናይ ሥነ-ጽሑፍ ዝህልወኩም ርእይቶ ይኹን ሓሳብ ክትጽሕፉለይ ውን ይከኣል እዩ። ኣምላኽ ብጸጋኡ ከዕብየኒ ምእንታይ ጸልዩ፡ ጐይታ ጸጋኡ የብዝኃልኩም።
ንምድርና ዝፍውስ ልቢ!
ንምድርና ዝፍውስ ልቢ!
ኦ ኣምላኸይ አመስግነካ ኣሎኹ፡ ኩሉ ነገር ስለ ዝገበርካልና
ኸኣ እባርኸካ ኣሎኹ። ዘደንቕን መስደመምን ግብሪ ኣብ ቕድሜና ፈጺምካ ኢኻ`ሞ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ኪኖ ኩሉ ኩነታትን ፍጻሜታትን
ኢኻ ብዘይካኻ ከድኅን ዝኽእል ከኣ የልቦን። ምጽብጻቡ እንተ ኸኣልኩም ዝገበርኩልኩም ግብሪ ጸብጽቡ እንተትብለናስ፡ ግብርኻ ኪኖ
ብዝሒ እቲ ክቚጸር ዘይክእል ሑጻ ባሕሪ እዩ`ሞ ተገሪምናን ተዓኒድናን ምተረፍና። ኣብ ምድርና ዝገበርካዮ ሰናይ ነገር ብዙሕን ዘይቊጸርን
እዩ፡ ምእንቲ`ዚ ኹሉ ኸኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣሎኹ። ምውዳቕና ጥራይ ዘይኰነስ ምትንሳእና ውን እንናፍቕ ሕዝቢ
ምእንቲ ኽንከውን መንፈስካ ለኣኸልና። ንስኻ ርኅሩህን በዓል ብዙሕ ምሕረትን ምዃንካ ተዓዚበ እየ`ሞ ኦ እግዚኣብሔር መሓረና። ንስምካ
ዝዝምር፡ዝዕልል፡ ሰንደቕ ዕላምኡ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ወለዶ ምርኣይ ደረት ዘይብሉ ሃረርታይን ጸሎተይን እዩ፡ ኣምላኸይ ከኣ
ነዚ ከም እትገብሮ እኣምን`የ። እዚ ባህግን ሃረርታን እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ቅዱሳን ምዃኑ ውን ርጉጽ ሓቂ እዩ፡ ኣምላኽ ንንብዓት
ኣዕይንቲ ቅዱሳንካ እትሕብስ፡ ንልቦም ከኣ ብደስታ እትፍጽም ኢኻ`ሞ ኦ ጐይታ ፈጢንካ ርድኣና። ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ብስም
ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝራዊ ስብሐት ይኹን።
ኣነ
ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ርእስና ከነትሕት፡ ንኣናን ንሕጻናትናን ንዂሉ ጥሪትናን ኣብ ጒዕዞና ምእንቲ ኺሕልወና ክንልምን
ኢለ፡ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ። “ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንዚኣምንዎ ይባርኾም እዩ፡ ነቶም ዝኽሕድዎ ግና ኲራኡ የውርደሎም እዩ
“ ኢለ ንንጉሥ ነጊረዮ ነበርኩ። ስለዚ ኣብ መገዲ ኻብ ጸላእትና ዜድኅኑና ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሓፈርኩ። ኣምላኽና ምእንቲ
ኺሕልወና ኸኣ ጾምናን ጸሌናን። ንሱ ድማ ሰምዓና። እዝራ 8፡21-23
ጐይታ
ሠራዊት እግዚኣብሔር ንጥበቡ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ኣባና ክገልጾ ዝፈተወ ምስጋና ይኹኖ። እዚ ጥበብ እዚ ምንጪ ኹሉ ዓወት እዩ።
እቶም ነዚ ጥበብ ዝተቐበሉን ዝተኣዘዙን ሕዝብታት በረኸት ረኸቡ፡ እቶም ነዚ ጥበብ ዝነጸጉ ኸኣ ውርደትን መዓትን ረኸቡ። ኢየሱስ
ክርስቶስ ጥበብ ኣምላኽና ዝተገልጸሉ ወይ ዝተጋህደሉ ሊቀ ካህናት እዩ። ንሱ ናይ ነቢያት ትንቢት፡ ናይ ሓዋርያት ውን ስብከት እዩ።
ኣብ ምድርና ዝተኸስተ ክስተትን ውጽኢቱን ከኣ እነሆ ንርእዮን ንሰምዖን ኣሎና። ኪደት ሕይወት ምድርና ኣብ ዝዝክረሉ እዋን ዝሰኣለኒ፡
ስእሊ እታ ዝዓነወትን ዝመረራን ኢየሩሳሌም እዩ። ነቢየ እግዚኣብሔር እዝራ ብንብዓትን ጓህን ዝፍለጥ ኣገልጋሊ እዩ፡ እቲ ኣብ ሕዝቡ
ዝነበሮ ናፍቖትን ፍቕርን ከኣ ብግሉጽ ኣብ ጽሑፋቱ ይርአ`ዩ። ውድቐት ሕዝቢ እስራኤል ካብቲ ትኹል ቃል ኣምላኽ ብምውጽኦም ዝሰዓበ
መቕጻዕቲ ምዃኑ ኣጸቢቑ ስለ ዝተረድአ ከኣ’ዩ ወርትግ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ በደሉን በደል ኣቦታቱን ብንስሓን ጓህን ዝድፋእ
ዝነበረ ። ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ ሕዝብን ኣብ ኣምላኽ ከም ዝዓመጹ፡ ንእኡ ውን ከም ዘጒሃዩ ብምእማኖም ከኣ እዩ ምድሮም ክፍወስ
ዝኸኣለ። እቲ ዘጸናንዕ መንፈስ፡ ነቲ ዝተሰብረ ልብን ዝጐሃየ መንፈስን ኣይንዕቖን እዩ።
ምረት
ምድርናን ሕሰምናን ውጽኢት ቃል ኣምላኽ ምንዓቕናን ኣብ ደም ወዱ ምዕማጽናን ምዃኑ ግሁድ ሓቂ እዩ። ምድርና ነቲ ክፍውሳ ዝተዋህባ
ወንጌል ክትፍወሰሉን ክትዝነነሉን ኣይመረጸትን፡ ኣብ ኩሉ ዘመናት ከኣ ንቓል ኣምላኽ ተቓወመቶ። ሽሕ’ኳ ብኸቢድ መውቃዕቲ እንተተወቓዕና፡
ገጽና ናብ ኣምላኽ ክንመልስ ኣይከኣልናን። ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ተሳዒሩ ካልእ ወንጌል(ዘየድኅን ወንጌል)
ክስበኽ ዘመናት ሓለፈ፡ ብሰሪ እዚ ኸኣ ኣብ ምድርና ንምፍሳስ ደም ቅዱሳን ቀሊል ተግባር ኮነ፡ እቲ ኣብ ሕይወተይ ኣዝዩ ዝገርመኒ
ሓንቲ መዓልቲ ውን ትኹን ጌጋና ብምእማን ናብ ኣምላኽ ክንስሓሉ ዘይምሕላንና እዩ። ኪደት ታሪኽ 13 ከምኡ’ውን 14 ክፍለ ዘመናት
ሰኒድዎ ዝርከብ ደም ምፍሳስን ግፍዕን መዐቐኒ የብሉን። መንፈስ ኣምላኽ ዝመልኦም ኣገልገልቲ፡ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ቕድሚ ኩሉ
ነገር ነዚ ሕዝቢ ከም ዘድልዮ ሎሚ ክርድኡ ይግባእ። ወንጌል ኣብ ምድርና ኣፍ ደገ ስኢና ማዕጾ ክትኲሕኲሕ ዘመናት ኃሊፍዋ ኣሎ።
ፈውሲ ምድርና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፡ ነዚ መውቓዕትና ክዝንን ዝኽእል ብዘይካኡ የልቦን። ካብ ንጉሥ ኬድኅኑ ዝኽእሉ ሠራዊትን
ፈረሰኛታትን ምልማን ዘሕፍሮ፡ ልቡ ኣብቲ ዝኣመኖ ኣምላኽ ከውድቕ ዝኽእል፡ ንትንሣኤ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ሠራዊት ርእሱ ብምትሓት
ብንብዓትን ጓህን ዝርአ በዓል ዓቢይ እምነት ዝዀነ ደንጋጺ ኣገልጋሊ የድልያ ኣሎ። ምድርና እትፍወስ ነቲ ዝሞተልና ኢየሱስ ምስ
እተኽብር ጥራይ እዩ። ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ጐይታ ኢየሱስ’ዩ ንዕኡ ዝመስል ከኣ ከቶ የልቦን። ነፍሲ ወከፍና ኣምላኽ ከምዚ
ዝዓይነቱ ልቢ ክህበና ክንጽሊ ይግበኣና እዩ። እቲ ብጥበብ ዘበለ ዝመልእ ጸጋኡ ኸኣ ዘብዝሕ ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ
እንተለመንናዮ ይህበና እዩ። ክቱር ሃረርታ ምድርና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣምላኽ ካብቲ ካብ መንፈሱ ዝርከብ ኃይሊ ከበርትዓናን
ከሐይለና እዩ’ሞ ልብታትና ብመንፈሱ ይተዓጠቕ። ተስፋና ኸኣ ኣብቲ ንጸልማት ክጋልህ ዝኽእል እሙን ኮኾብ ጽባሕ ኢየሱስ ክርስቶስ
እዩ። ጸጋ ጐይታ ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን።
Friday, October 11, 2019
ኢየሱስ መንጐኛ ሓድሽ ኪዳን ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ኢየሱስ መንጐኛ ሓድሽ ኪዳን ዝኾነሉ
ምኽንያት እንታይ እዩ?
ኦ ንዘለዓለም ሕያው ዝዀንካ ጐይታ ስምካ ይባረኽ፡ ብኹሉ
እዋንን ዘመንን ዝረዳእካና ንስኻ ኢኻ እሞ አመስግነካ ኣሎኹ። እቲ ዝበለጸ ዝኃሸን ኪዳን ዝመሥረትካልና ንስኻ ኢኻ፡ ዎ ጐይታ ወርትግ
ነፍሳትና ከመስግናኻ ጸጋኻ ኣይፈለየና። እቲ ዘበርትዕ መንፈስካ የበርትዓና፡ ንልብና ንሱ ይርትዓዮ፡ ካብቲ ካብኡ ዝርከብ ኃይሊ
ምእንቲ ክንብርትዕ ኦ ጐይታ ንመንፈስካ ኣባና ኣፍስሶ። እቲ እኳ ምእንቲ ኹላትና ንወዱ ዘይራህርሃሉ ኣቦ፡ መጠን እቲ ረዚን ፍቕሩ
ብደም ወዱ ከድኅነና ብምፍታዉ ስብሐት ይኹኖ። ንሱ ብዙኃት ዉሉድ ክህልውዎ ብምብሃጉ፡ ነቲ ርእሲ ኹሉ ዝዀነ ወዱ ብመከራ ክኃልፍ
ፈቐደ፡ እዚ ተግባር ድኅነት እዚ ከቶ ውን ብኻልእ ክዕየ ዘይክእል ኣምላኻዊ ፍቓድ እዩ። ምእንት`ዚ ኸኣ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም
ጐይታ ኢየሱስ ነመስግኖ ኣሎና።
ዘወትር ኣብ ልበይ ዝመላለስ ብዛዕብኡ ኸኣ ሓሲበን ሓሊነን
ክፍጽሞ ዘይከኣልኩ ኣርእስቲ እንተ ኣሎ ነገረ- ደም እዩ። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ጸጽባሕ ምግላጽ ዝህቡ ዘይነጽፉ ዓይኒ ማያት ምዃኖም
ግርም እዩ ዝብለኒ ንኣምላኸይ ከኣ አመስግኖ። ዘለዓለማዊ ዕላማ ኣምላኽ ድኅነት ሰብ እዩ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ብበጃነት ዝተኸናወነ ኣጀንዳ
እዩ። ድኅነትን ደምን ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም እዮም፡ መጽሓፍ ከኣ ከምዚ ይብል ብዘይ ምፍሳስ ደም ሥርየት ኃጢኣት የለን።
ጽኑዕ ዝኾነ ኣምላኻዊ ትእዛዝ ከኣ እዩ። ሎሚ ኣብ ኣጋ ምሸት ብዛዕባ’ዚ ደም እናሓሰብኩ ከለኹ፡ ኣእዳወይ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺለን
ደም ዚብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ዕብራውያን ክንደይ ሳዕ ኮን ተደጋጊሙ ተጻሒፉ ብምባል ምቛጻር ጀመራ፡ ዘገርምን ዘደንቕን ጥበብ እቲ
ጸሓፊ ኸኣ እዚ እዩ፡ ከረድኦ ዝደለየ ዓቢይ ዛዕባ መልእኽቲ ዕብራውያን፡ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ-ካህንነት(መንጐኛኘት፡ ኣተዓራቕነት)
ብምዃኑ ደም ንዚብል ቃል ደጋጊሙ እዩ ተጠቒምሉ። ኣብ ዓሠርተው ሠለስተ ምዕራፋት፡ ዕስራን ክልተን ሳዕ ደም ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ።
ብፍሉይ ከኣ ኣብ ምዕራፍ ትሽዓተ ዓሠርተው ክልተ ሳዕ ደም ዚብል ቓል ተጠቒሱ ይርከብ። ኣገዳስነት እዚ ቓል ብዘይመጠን ልዑል እዩ፡
ኣገዳስነቱ ኸኣ ምስ ነገረ-ድኅነት(ሥርየት ኃጢኣት) ዝተሓሓዝ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዓቢይ ዕላማ ብመርሒነት መንፈስ ቅዱስ
ተደሪኹ ምጽሓፉ ኸኣ እነሆ እቲ ትኅዝቶ ይምስክር። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መንጐኛኘት፡ኣብታ መጺኣ ዘላ ዝበለጸት ኪዳን እዩ። ንሱ
ከምቶም ቀዳሞት ካህናት ደም ድቤላታትን ምራኹትን ብምሓዝ ዘይኮነስ፡ ገዛእ ርእሱ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ብምቕራብ፡ ዘለኣለማዊ ደም ብምኃዝ
እዩ ናብታ ሰማያዊት መቕደስ ኣትዩ። ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ ኢየሱስ መንጐኛ ዝኾነሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፡ በዚ ምኽንያት
እዚ ክርስቶስ ናይዛ ሓዳስ ኪዳን እዚኣ መንጐኛ ኾነ(ዕብ 9፡15)። ክርስቶስ ናይ ሓዲስ ኪዳን መንጐኛ ዝዀነሉ ምኽንያት’ከ እንታይ
እዩ? መንጐኛ ንምዃን ዘብቕዕ ነገር እንታይ እዩ? ዚብሉ ሕቶታት ክፍጠሩ ናይ ግድን እዩ። ሓዋርያ ኸኣ ከምዚ ይብለና፦ ደም ድቤላታትን
ኣራሑን፡ ሓሙዂሽቲ ናይታ ዝሓረረት ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ሰብነቶም ኬንጽህ ዚቕድሶም ካብ ኮነ፡ ደም እቲ ብዘለዓለማዊ
መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር ንእግዚኣብሔር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፡ ነቲ ሕያው ኣምላኽ ምእንቲ ኸነገልግል፡ ንሕልናና
ካብቲ ሞት ዜስዕብ ግብሪ ክንደይ ኣዝዩ ዘየንጽሖ? (ዕብ 9፡13-14) ። ኢየሱስ መንጐኛ ተባሂሉ ክስመ ዝኸኣለ ብምኽንያት ደሙ
እዩ። ስለዚ ኸኣ መንጐኛ ንምዃን ምሕራድ ወይ ምሥዋዕ ናይ ግድን እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዕዮ እዚ ሓንሳእን ንሓዋሩን ፈጺምዎ
እዩ፡ ብምኽንያት ደሙ ንሱ ናይታ ሓዳሽ ኪዳን መንጐኛ፡ ሊቀ ካህናት ኣተዓራቒ ኮነ፡ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣቦ ዚመጹ ኸኣ ንዘለዓለም
ኪማልድ ዚነብር፡ ብሞት ክግደብ ዘይክእል እሙን ሊቀ-ካህናት እዩ። እቲ እንኮ መንጐኛ ሓድሽ ኪዳን ኢየሱስ ወዲ ህያው ኣምላኽ እዩ፡
ከቶ ውን ካልእ መንጐኛ የለን። ልብታትና ነዚ መለኮታዊ መልእኽቲ ክኣምንን ክቕበልን፡ ከንቱ ካብ ዝዀኑ ትምህርታት ብምርሓቕ፡ እምንቶና
ኣብቲ ሓደ መንጐኛ ሓድሽ ኪዳን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንገብር ይግባእ። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን።
Sunday, August 18, 2019
ኣምላኽ ካብ መላእኽቱስ ንመኖም እዩ ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ ዝበሎ? ዕብ 1፡5
ኣምላኽ ካብ መላእኽቱስ ንመኖም እዩ
ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ ዝበሎ? ዕብ 1፡5
እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ኣብ ብዙኅ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ
ክፍልታት ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ውልድነት ወዱን ኣቦነቱን ተዛሪቡ እዩ። ኣብዚ ኹሉ ዘመናት`ከ ካብ መላእኽቱስ ንመኖም`ዩ ንስኻ ወደይ
ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ ዝበሎ? ዚብል ዛዕባ ብምልዓል ኣዕሚቚና ምስ ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ ብምዃን ክንምርምር ይግበኣና እዩ።
ኣብቲ ዓቢይ ኸረን(ደብረ ታቦር) ዝተገልጸ ጥበብ ከኣ እዚ እዩ።
ኣብ ዓድታት ቂሳርያ ዚተላዕለ ሕቶ ንኽብሪ ጐይታ ኢየሱስ ብዝግባእ ክንፈልጦን ክንኣምኖን ዝድርኽ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ
ዘግህድ ውን እዩ። ሕዝቢ እስራኤል ንኢየሱስ፡ንሱ ኤርምያስ፡ ዮሃንስ፡ ኤልያስ፡ ሓደ ካብ ነቢያት እዩ ብዚብል ጌጋ ርድኢት ይርድእዎ
ብምንባሮም ክብሪ ኣምላኽ ክርእዩ ኣይከኣሉን። መሲሕነቱ በሪሁ ክርድኦምን ክግለጸሎምን ብዘይምኽኣሉ ኸኣ ኣብ ዘይምእማን ተዋሕጡ።
እዚ ኹሉ ድምጺ ሰባት’ዩ ዝነበረ።
ድምጺ እግዚኣብሔር ኣቦ ካብዚ ዝተፈልየ ምስክርነት እዩ፡
ንወዱ ንኢየሱስ ውን ብኃይልን ብግርማን ከም ዘኽበሮ ኢና እንዕዘብ። ሰባት ንኣምላኽነት ኢየሱስ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰብኣውነት ኢየሱስ
ክርስቶስ ውን ክርድኡን ክኣምኑን ይግብኦም እዩ። መሲሕነት ኢየሱስ፡ ንሱ ሰብ ኰይኑ ምስ ዝፈጸሞም ተግባራት ድኅነት ዚተኣሳሰር
እዩ። በዚ መዳይ እዚ ኸኣ እዩ ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ “ ኣምላኽ ካብ መላእኽቱስ ንመኖም’ዩ ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ
ዝበሎ ብምባል ይሓትት”? ብርግጽ ከኣ ኣምላኽ ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ ዝበሎ ሓደ መልኣኽ እኳ የልቦን። እዚ ፍሉይ
ኣጸዋውዓ’ዚ ንመሲሕ ጥራይ ዝወሃብ ምስ ድኅነት ሰብ ውን ጥቡቕ ዚምድና ከም ዘለዎ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ። ኢየሱስ ንሱ እቲ ንኣምላኽ
ባህ ዘበለ፡ ንፍቓዱ ንምእዛዝ ከኣ ዝተላእከ ክሳዕ ሞት’ውን ዝተኣዘዘ ክርስቶስ እዩ። ኣምላኽ በቲ ኣብ ሕጊ ዝተሰርዐ’ሞ ዝቐርብ
ዝነበረ መስዋዕትታት ኣይሰመረን ባህ’ውን ኣይበሎን፡ ስለዚ ኸኣ እቲ መሲሕ ንኣቦ ከምዚ በሎ “ሽዑ ኸኣ ኣነ(መሲሕ) ኦ ኣምላኸይ
ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ እነሆ ፍቓድካ ኽፍጽም መጺአ ኣሎኹ” በልኩ (ዕብ 10፡7)። ኣምላኽ በቲ ዝለኣኾ ወዱ
ኢየሱስ ብምዕጋቡን ብእኡ ውን ከም ዝሰመረ ብባህታ መስከረሉ፡ ስለዚ ኸኣ ኣብቲ እምባ “እዚ እቲ ዝሓረኽዎ ብእኡ ዝሰመርኩ ወደይ
እዩ ንዕኡ ስምዕዎ” በለ። ኢየሱስ ንሱ ወዲ ኣምላኽ፡ ክርስቶስ ኮይኑ ብምምጽኡ ንፍቓድ ኣቡኡ ክፍጽም፡ ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ሠውዐ፡ በዚ መሥዋዕትነት
እዚ ኸኣ ንሕና ተቐደስና ናብ ኣቦ ውን በጻሕና። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መስቀል ዕዮ ንኣቦ ባህ ዘበለ፡ ድሌቱን ባህጉን ዝተፈጸመሉ
ጥበብ እዩ። ኣምላኽ ድኅሪ ደጊም ዝሰርዖ ኾነ ዝቕበሎ ካልእ መሥዋዕቲ የልቦን፡ በቲ ሓንሳእ ዝዀነ መሥዋዕትነት ኢየሱስ ክርስቶስ
ብምእማን ሰባት ናብ ሕይወት ክመጹ ይእውጅ ኣሎ።
እዚ ውህበት ኣምላኽ ደኣ እምበር ካብ ግብሪ ዝርከብ ጽድቂ
ኣይኰነት። “ምእንቲ ክድኅን እንታይ ዕዮ ክዓዪ፡ ንኣምላኽ ብምንታይ ከስምሮ እየ” ኢልካ ኣይትድከም፡ ኣምላኽ በቲ ዘስመሮ ወዱ
ክትኣምን ብእኡ ብደሙ ኸኣ ክትጸድቕ ቅድሚ ምፍጣር ዘመናት መዲብዎ እዩ። ነቶም ኣቐዲሙ ዝፈለጦም፡ ንሱ(ኢየሱስ) ንብዙኃት ኣኅዋት
በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን ንምስሊ ወዱ ክመስሉ ቐደም መደቦም(ሮሜ8፡29።
ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ኢየሱስ ኣብ ማእከል ብዙኃት ኣሕዋት በዂሪ ክኸውን ዘለዓለማዊ መደቡ እዩ፡ ምእንትዚ እቲ ዝቕድስ ኢየሱስ ንሕና
ምእንቲ ክንቕደስ ከማና ሰብ ኮነ፡ ክርስቶስ ኮይኑ ብምግላጹ ኸኣ ገዛእ ሕይወቱ መሥዋዕቲ ብምግባር፡ ኣብ ክንዳና መከራን ሽግርን
ተቐበለ ንብዓትን ገዓርን ልመናን ከኣ ሊቀ ካህንና ብምዃን ናብ ኣቦ ኣቕረበ፡ ብምፍሳስ ደሙ ቐደሰናን ኣንጽሓናን፡ ኣጽደቐናን፡
ካብ ዘርኡ ብደሙ ዝተወለድና ብምዃንና ኸኣ ኣሕዋተይ በለና፡ ብደም ኢየሱስ ተሓጺብና ኸኣ ውሉድ ኣቦ ኾንና ኢየሱስ ውን ኣብ ማእከልና
በዂሪ ኾነ። ምእንቲ ክንድኅን እንኸፍሎ ዋጋ የልቦን፡ ነቲ ዝተኸፍለ ደም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ውሉድ ኣምላኽ ክንከውን
ተጸዊዕና ኢና። ኣቦ ውን በዚ ደም ቅዱስ ወዱ ኢየሱስ ክቕበለና ምሳና ኪዳን ኣትዩ እዩ። ከድኅን፡ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክህብ
ሥልጣንን ዓቕምን ዘለዎ መልኣኽ ኮነ ሰባት ሓደ እኳ የልቦን። ንግብሪ ጸልማት ካብ የእዳውና ደርቢና ነቲ ንምድኃንና ዋጋ ዚኸፈለ፡
ወደይ ዚተባህለ መሲሕ ኢየሱስ ብምቕባል፡ ኣብ ሕይወትና ብምንጋስ ንዓለም ንኾንና። ነቶም ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ኲነኔ የብሎምን። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን።
Thursday, July 25, 2019
ኣብ ኮሎሴዩም ዚተሰምዐ ድምጺ ምስጋና
ኣብ ኮሎሴዩም ዚተሰምዐ ድምጺ ምስጋና
መሠረት ክርስቲያናዊ እምነት ቓል ኣምላኽ እዩ። ነቲ ምሥጢር
ኣምላኽ ዝነገረና ኢየሱስ ክርስቶስ ምቕባል ከኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እዩ። ንብዙኅ ዘመናት ዝሳቕየነ ነገር ኣሎ፡ ብገለ መዳዩ
ከተምብሆ ባህ ይብለኒ። ድምጺ መዝሙር፡ ምስጋና ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ጥራይ ክቐርብ ዝግብኦ ክነሱስ ኣብ ምድርና ግና ንልዑላውነት
እግዚኣብሔር ዝትንክፉ፡ ዝጫረቱ፡ መንዚዖም ከኣ ንኽብሪ ኣምላኽ ንፍጡር ዝህቡ ድርሰታት ማእለያ የብሎምን። ንትኅዝቶ እዞም ካብ
ልቢ ሰባት እምበር ካብ መንፈስ ቅዱስ ዘይተቐድሑ ድርሰታት ብቓል ኣምላኽ ፈልዩ ክመዝንን ኽዕይርን ዝኽእል ብዘይ ምርካቡ ኸኣ እነሆ
ምድርና ሎሚ ንድምጺ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ክሰምዕ ዘይክእል፡ ብድሌቱ ዝዝምር፡ ከም ሓሳቡ እምበር ከም ቃል ኣምላኽ ዘይዝመረሉ
መጠን ክፍኣት በጺሕና ኣሎና።
ኪደት ቀዳሞት ክርስትያናት ከመይ ነበረ ብምባል እየ፡
” ናይ ካታኮምብ ሰማዕት” እትብል መጽሓፍ ከንብብ ጸኒሐ። ብልበይ ከኣ ነቲ ዘመን`ቲ ናፊቐዮ ኣሎኹ፡ ቅኑዕ ክርስትናዊ ሕይወት
ዘፍርዮ መከራ እዩ። እቲ ብጐይታ ኢየሱስ ዝኣመነ ኣማኒ፡ ስም ኢየሱስ ተሰኪሙ መንግሥቲ ዲያብሎስ ዘፍርስ እሙን ወተሃደር እዩ።
ኣብዚ ኮሎሴዩም ዚተባህለ እስታድዩም ብዓይነትን ብዝሕን ዝተፈላለዩ ምርኢታት እዮም ዝቐርቡ። ካብ ቄሳር ጀሚርካ ኸኣ ብኣሽሓት ዚቑጸሩ
ተዓዘብቲ ዘለዉዎ፡ ብርቱዕ ክልስ ሰባትን እንስሳታትን፡ ምቕትታል ሠራዊትን ዚካየደሉ ደም ከም ውሕጅ ዝፈሰሉ መድረኽ እዩ። ካብዚ
ሕልፍ ብዝበለ ኽኣ ክርስቲያናት ብዘሰቕቕ መገዲ ዝቕተልሉን ዝስየፍሉን ንኢየሱስ ክርስቶስ ንምምስጋር ከኣ ጽቡቕ ዕድል ዝረኽብሉ
መድረኽ እዩ። ሓደ እዋን ብክርስትንኦም ዝተኣስሩ እሱራት ናብ ማእከልቲ እቲ ብዝጠመዩ ኣራዊት ዝተሓዝአ መድረኽ ኣተዉ። ካብዚኣቶም
ከኣ ብፍሉይ ዝርኣያ ጎራዙ ክርስትያናት ነበራ፡ ኣብ ማእከል ’ቲ ደም ዚፈሰሉ ቦታ ዝጠመዩ፡ ኣዝዮም ከኣ ዝነደሩ ኣራዊት ኣለዉ፡
ድምጺ እቲ ብማእዶ ዀይኑ ዝዕዘብ ሕዝብን ጫውጫውታኡን ከኣ ግፍዒ ንምርኣይ ዝሃርፍ ሕዝቢ እዩ። ኣብ ማእከል እዚ ከቢድ ፈተና፡
ብመንፈስ ዝተመልኣ ኣእዳው ንኣእዳው ተታሒዘን ናብ ሰማያት ኣንቃዕሪረን እናጠመታ ከምዚ እናበላ ይዝምራ ነበራ፡ ” ንእኡ ነቲ ዘፍቅረና
ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትና ውን ብደሙ ዝሓጸበና። ንእግዚኣብሔር ኣቡኡ መንግሥትን ካህናትን ክንኮኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለዓለም
ኣለም ንእኡ ይኹን ሃሌ ሊያ! ኣሜን” እዚ ምስጋና እዚ ሰማያዊ ምስጋና እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ እናዘመረ፡ ብጭንቐት፡ ብመከራ ኾይኑ
ደሙ ኣፍሰሰ። እዚ ቓል ምስጋና እዚ ንእግዚኣብሔር ጥራይ ዝቐርብ መዝሙር እዩ። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ንዓኻ ንበይንኻ ጥራይ ምእንቲ
ክንቃንየልካ ንልብና በይንኻ ውረሶ። ብርግጽ ከኣ ኣብ ምድርና ውን ክኸውን እዩ፡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እነኽብረሉ ዘመናት
ውን ክመጹልና እዮም። ኤርትራ ንድምጺ እዚ ቅቡል ምስጋና እትሰምዓሉ
ዘመናት ክመጽእ ናፍቖተይን ጸሎተይን እዩ። ኣቱም ኩልኹም ብደም ጐይታ ዝደኃንኩም፡ ነቲ ዘፍቐረና ናይ ኣቡኡ ካህናትን ነገሥታት
ዝገበረ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይመውት ምስጋና ኣብ ምድርና ምእንቲ ከነመስግኖ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ጸልዩ።
Sunday, June 16, 2019
ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም! ግብ 1፡5
ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም!
ግብ 1፡5
ኦ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ስለ እቲ ዘደንቕ ግብርኻ አመስግነካ ኣሎኹ።
ንብዙሕ ዘመናት ዘተስፈኻና ውህበት ስለ ዝገለጽካዮ ስምካ ይባረኽ። ነቶም ኩሎም ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ብደሙ ዝጸደቑ፡ ህያብ
መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝዓደልካዮም ስምካ ይባረኽ። ብጥበብካ ንጥበብ ዓለም ኣጥፋእካ፡ እዚ ኸኣ ሳላ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑልና
ኣሎ። ኦ ቅዱስ ኣቦ ስለ እቲ ኹሉ ዘደንቕ ግብርታትካ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣሎኹ። ኦ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ
ነቲ ተስፋ ኣቦ ስለ ዝለኣኽካልና ስብሐት ይኹንካ። እቶም ብደምካ ዝጸረዩ፡ ብሓቂ ንሶም ከኣ እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም (ተጠሚቖም)
ስምካ ንምምስካር ብርቱዓት ዝዀኑ፡ እዚ ሥልጣን እዚ ናትካ ናይ በይንኻ’ዩ፡ ብዘይካኻስ ንተስፋ ኣቦ ክሰደልኩም እየ ዝበለ ሓደ’ኳ
የልቦን። ኦ ጐይታ ነቶም ብስምካ ብምእማን ሥርየት ኃጢኣት ዝረኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እትመልእ ንስኻ ኢኻ፡ ሎሚ ውን ነዚ ዕዮ ትዓዮ
ኣሎኻ። ስለዚ ኸኣ ምእንትዚ ዓቢይ ግብሪ አመስግነካ ኣሎኹ። መንፈስ ቅዱስ፡ ቕዱስን ሕያውን መንፈስ፡ ዕርቡን ርስቲ ኣመንቲ፡ ነታ
መርዓት ዝዀነት ቤተክርስቲያን ናብ ምልኣት ክርስቶስ እተዕቢ ንስኻ ኢኻ፡ ኦ ጐይታ ምሳና ስለ ዘሎኻ ሰላም ኮይንልና ኣሎ፡ ብኹሉ
ዘመናትና ክንእዘዘካስ ነቲ ሕይወት ዝዀነ፡ ምኽርኻ፡ቃላትካ፡ተግሳጽካ፡ ብርትዐኻ ኣብ ሕይወትና ኣንብር። ኦ መንፈስ ቅዱስ ንስኻ
መሕወይን መጸናንዕን ኢኻ’ሞ ንልብና በቲ ብርቱዕ ኃይልኻ ምላእ፡ ወርትግ ክንእዘዘካ ንቓላትካ ኣብ ልብና ዕቖሮ። ንስኻ ንዘለዓለም
ንዂቚጸር ዘይክእል ዘመናት ብምሳና እትነብር ኣቦና ኢኻ፡ ክብርን ምስጋናን ስግደትን ውዳሴን ንዓኻ ይኹን። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም
ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ሻቮት (Shavuot)
ሓምሳ መዓልቲ
ካብታ ዚውዝወዝ እንዳእቲ ዘምጻእኩምላ
መዓልቲ፡ ካብ ጽባሕ እታ ሰንበት ቆጺርኩም ሾብዓተ ምሉኣት ሰናብቲ ይኹና። ክሳዕ ጽባሕ እታ ሳብዐይቲ ሰንበት ሓምሳ መዓልቲ ቚጸሩ፡
ሽዑ ንእግዚኣብሔር ሓድሽ መሥዋዕቲ ብልዒ ኣቕርቡ (ዘሌ2315-16) ።
እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ንግብርታቱ ስለ ዝገለጸልና ክብሪ ይኹኖ። ነዚ
ክዉን ሓቂ ምእንቲ ኽንርዳእ መንፈስ ቅዱስ ኣብርሆት ምስትውዓል ይሃበና። ብሕቶ እንተጀመርኩስ ግር ዶ ይብለኩም ይኸውን? “ጴንጠቆስጠ”
እንታይ ማለት’ዩ? በሉ ንቐጽል፡ ንዝተወሰነ እዋን ጊዜ ሂብኩም መርምርዋ፡ ዘለናዮ ዘመን፡ ዘመነ ቴክኖሎጂ’ዩ እሞ Pentecost
ዚብል ቃል ኣብ Google ኣእቲና ምስሉን ድምጹን ነስተማቕሮ። “ ብዘበን ውቤ ዝጸመመስ ውቤ ክብል ነበረ” ዚብል ምስላ ዓድና
ከይፈርደና ንንቓሕ። ምስ ምትርጓም መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን’ዩ ጴንጠቆስጤ ዚብል ቃል ኣብ ትርጉም መጽሓፍቲ ብሉይ ኪዳን ሰፊሩ ፡
እዚ ኸኣ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ካብ ዕብራይስጥ ናብ ግሪኽ ኣብ ዝተተርጎምሉ ጊዜ እዩ። ዕብራውያን ነዚ ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ
ዝበዓል በዓል ሻቮት ኢሎም ይሰምይዎ፡ጴንጠቆስጠ እምበኣር መበል ሓምሳ መዓልቲ ማለት እዩ። “እታ ሓንቲ እንዳእቲ”
(www.genshel.com) ኣብ ዚብል ጽሑፍ ሰፊሩ ከም ዘሎ፡ እታ እንዳእቲ ጽባሕ ሰንበት ብዕልልታን ደስታን ተዓጺዳ ንበይና
ተፈልያ፡ ከም በዂራት ኣብ መቕደስ ካብ እተወዝወዘትሉ ቀዳማይ መዓልቲ ኦመር (1st day of Omer) ክሳዕ
እዛ ዓቢይ ደስታ ዝግበረላ ንእግዚኣብሔር ሓድሽ መሥዋዕቲ ብልዒ ዝቐርበላ መዓልቲ 50 መዓልታት(50th day
of Omer) እዩ። ኣምላኽ ዝሰርዖ ትእዛዝ መስተንክርን ዘደንቕን እዩ። ሕዝቢ እስራኤል ነዚ ተስፋ ተሰኪሞም ንልዕሊ 1500 ዓመታት
በዓል ሻቮት ኣብዒሎም እዮም; ይኹን ደኣ እmበር ንሱስ ጽላሎት ናይቲ ኽግለጽ ዘለዎ ሓቂ እዩ። ኣይሁዳውያን ምሁራት ዝብልዎ ሓሳብ
ከቕርበልኩም፡ “ሙሴ ሕጊ ኣብ ደብረ ሲና ዝተቐበለ ኣብ መዓልቲ ሻቮት(ጴንጠቆስጠ) እዩ” ይብሉ። ኣምላኽ ብኸመይ ዓይነት ዘደንቕን
ዘፍርህን መገዲ ኣብ ደብረሲና ከም ዝተገልጸ ዘጸ19፡16-20 ገንጺልኩም ንበብዎ’ሞ ምስቲ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ምዕራፍ 2 ተጻሒፉ
ዘሎ ኣነጻጽርዎ ። እታ ብፊደል ዝተጻሕፈት ሞት እተስዕብ ኣገልግሎት ብኽብሪ ካብ ተገልጸትሲ፡ እታ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ደኣ
ከመይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትግለጽ? እታ ኲነኔ እተስዕብ ኣገልግሎት ካብ ከበረት፡ እታ ጽድቂ እተስዕብ ኣገልግሎት ደኣ ከመይ ኣዝያ
ዘይትኸብር? ኣምላኽ ከም ፍቓዱን መደቡን ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣመኑ ብመንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ እዚ ኣብ ኢዮርሳሌም ዝዀነ
ግሁድ ፍጻሜ እዩ። “ንመንፈሰይ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ከፍስስ እየ” ዚበለ ኣምላኽ ሕያው እዩ፡ ብርግጽ ሎሚ ውን ሕያው እዩ ።
እምበኣር ልብታትና ካብ ምቚጻር መዓልታት ሓሊፉ ብዛዕባ እቲ ዘመናት ክግድብዎ ዘይክእሉ መንፈስ ቕዱስ ክሓስብን ክብህግን ይግብኦ።
መንፈስ ቅዱስ ማኅደሩ ዝገብሮም ነቶም ብደም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዝደሓኑ፡ ብደሙ ዝተሓጽቡ ጥራይ እዩ። ዓለም ንመንፈስ
ቅዱስ ኣይትፈልጦን እያ፡ ክትርድኦ ውን ኣይትኽእልን እያ፡ ንሱ ንዓና ፈለጠና’ሞ ሕያዋን ከኣ ገበረና። ኦ መንፈስ ቅዱስ ስምካ
ይባረኽ! ሃሌ ሉያ። ልብታትና ነዚ ቕዱስ መንፈስ ከፊትና ንጸውዓዮ ነቶም ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዀኑ ዝወሃብ ህያው እዩ። ኢየሱስ
ከምዚ በለ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን፡ ከምቲ ጽሑፍ ዝበሎ፡”ካብ ውሽጡ ርባታት ማይ ሕይወት ኪውኅዝ እዩ” እናበለ ተዛረበ። እዚ ብዛዕባቲ
እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኺቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝተዛረበ፡ ዮሃ7፡38-39 ።
Subscribe to:
Posts (Atom)