Thursday, January 31, 2019

ሓንቲ እንዳእቲ፡ ካልኣይ ክፋል

ሓንቲ እንዳእቲ
ካልኣይ ክፋል
ኣምላኸይ ክብርኻስ ክሳዕ ክንደይ ኮን ዓቢይ እዩ። ተኣምራትካ'ውን ዘደንቕ እዩ። ሕግኻ ንዓሻ ዘለብም እዩ እሞ እባርኸካ ኣሎኹ። ንኣሻሕ  ጊዜ ውን ኣሻሕ ዓመታት መገድኻ ብጥበብ መሃርካ፡ ነዚ ጥበብ እዚ ኸኣ እትገልጽ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። ኣብ መጻሕፍቲ ሕጊ ብዛዕባ ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ተጻሒፉ ረኸብና፡ ብሓቂ ኸኣ ብእኡ ተሓጐስና። ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ንበዂሪ እንዳእቲ እስራኤል ድኅሪ ዓጺድ ኣብ ቅድሜኻ ክውዝወዝ ኣዘዝካ እሞ ተቐበልካዮ ኸኣ፡ እዚ እቲ ንውሉድ ወለዶ ዝተሰርዐ ንልቢ ዘሕጒስ ሥርዓታትካ እዩ። መጻሕፍቲ ኣቐዲሞም ብዛዕባ ትንሳኤ እቲ ንስኻ ዝመረጽካዮ መሲሕ ተዛረቡ፡ ንሱ ከምታ ቕብልቲ እንዳእቲ፡ ንዓኻ ባህ ዘበለ፡ ብእኡ ዝተሓጎስኩ ኢልካ ዝመስከርካሉ ወድኻ፡ መልኣኽ ምኽርኻ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ነቲ በዂሪ ዝኾነ፡ መተካእታ ዘይብሉ ንሞት ዝሰዓረ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ። ገዛእ ርእሱ ከም ጥዑም ጨና ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ዘቕረበ፡ ቕቡል እንዳእቲ ጐይታና ስብሓት ይዂኖ። መንፈስ ቅዱስ እዛ ተስፋ እዚኣ ዓባይን ብልጽትን እያ ነቶም ብዳግማይ ምጽኣቱ እንለዓል እንዳእትታት፡ ክትሕልወናን በዚ ተስፋ ክንዓቢ ክትረድኣናን እልምነካ ኣሎኹ። ኣብ፡ ነቲ ዘርእና ዝኾነ ቕቡል እንዳእቲ ብምቕባልካ ነቶም ዘርኡ ውን ከም ዝተቐበልካ ኢኻ ኣዊጅካ እሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ንዓኻ ንኣብ ብስም ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
እግዚኣብሔር ንሙሴ ከምዚ በሎ፦ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ክትዓጽዱ ከለኹም፡ ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምጽኡ። ኣነ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክቕበለልኩም ከኣ፡ እቲ ካህን በታ ድኅሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዘ የቕርባ ዘሌ239-11
' እንዳእቲ መዓስ' እትውዝወዝ፧
እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ሳላ ምሕረትካ ሰላም ኮይኑልና እዩ እሞ ምስጋና ንዓኻ ንበይንኻ ይኹን። ሎሚ'ውን ብዘልመድካና መጠን ረድኤት ክትዕቅበናን ምሥጢር መለኮታዊ ሓሳብካ ክትገልጸልናን ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንልምነካ ኣሎና ኣሜን።
እግዚኣብሔር ብዘደንቕ ጥበብ ነቲ ብዳኅራይ ዘመን ክፍጸም ዘለዎ ፍጻሜ ኣቐዲሙ ነቦታትና ገለጸሎም፡ እዚ ኸኣ ዘደንቕ ጥበብ እዩ። እቲ ብመገዲ ነቢይ ሙሴ ዝተዋህበ ትእዛዝ ኣምላኽ ንጹርን ግሉጽን እዩ፡ ሕፍቲውን ኣይርከቦን እዩ። ካብቲ ዓጺድ ሓንቲ እንዳእቲ፡ እወ! ደጊመ ውን ከስምረሉ ሓንቲ እንዳእቲ እያ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሔር እትውዝወዝ። ኣምላኽ ብመገዲ እዛ እንዳእቲ ኸኣ እዩ ንብዘሎ ዓጺድ ዝቕበሎ። ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ ትእዛዝ፡ መቓን ጊዜ ብግሉጽ ተጻሒፉ ይርከብ። ከም ፍቓድ ጐይታና ንሎሚ እንርእዮ ዛዕባ ኸኣ እታ እንዳእቲ መዓስ እያ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ እትውዝወዝ፧ ዝብል እዩ። እስራኤላውያን ከም ባህ ዝበሎምን ኣብ ባህ ዝበሎም ሰዓትን ግዜን ነዚ ኣገልግሎት ክፍጽምዎ ይኽእሉ እዮም፧ እንተበልና መልሱ ኣይፋል እዩ። እዛ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እትቐርብ ሓንቲ እንዳእቲ፡ ድኅሪ ሰንበት ኣብ ዘላ መዓልቲ እያ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ቤተ መቕደስ እትውዝወዝ። ብሩህን ንጹርን ምእንቲ ክኸውንሲ ነስምረሉ ደኣ፡ ጽባሕ ሰንበት እያ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ እትውዝወዝ። ካብዚ መቓን ጊዜ ወጻኢ ኣብ ካልእ ጊዜ ፍጹም ኣይትውዝወዝን እያ፡ እዚ ኸኣ ንወለዶታት ዝኸይድ ሕጊ እዩ። ኤደርሼም፡ ቤተ መቕደስ ኣብ ዝብል መጽሓፎም ከምዚ ዝስዕብ እናበሉ ይትንትንዎ፦  እዋን ዓጺድ ናይታ ሓንቲ እንዳእቲ ምስ ኣኸለ፡ ኣመና ብዙኃት፡ ካብ ብዝሖም ዝተላዕለውን  ዝጸቓቐጡ ኣምለኽቲ (ኣይሁዳውያን) ንዓበይቲ እስራኤል ተኸቲሎም ናብቲ በዂራት ዝዕጸደሉ ቦታ ይኸዱ። ሽሕ ጸልማት እንተኾነ ይዝምሩ፡ መሳርሒ ሙዚቃታት ይጻወቱ፡ይስዕስዑ፡ ደግነት ኣምላኽውን ይጽምብሉ። እንዳእቲ ድኅሪ ምቚራጹ ኸኣ እቶም ሕዝቢ ንኣምላኽ እናኣመስገኑ መገዶም ናብ ቤተ መቕደስ፡ ናብ መሠውኢ የምርሑ። እዚ ሰዓት እዚ ኸኣ Morrow after the Sabbath” ጽባሕ ሰንበት እዩ። እቲ በዂራት (ሓንቲ እንዳእቲ) ኸኣ ኣብ መሠውኢ ምስ ዘይትን ዕጣን ተሓዊሱ ብሓዊ ይሓርር። ዕላማ እዚ ኣገልግሎት፡ ብዘሎ ዓጺድ ንኣምላኽ ምውፋይ እዩ። እታ ሓንቲ እንዳእቲ ወይ በዂራት ከኣ ንብዘሎ ዓጺድ እትውክል እያ። ኣምላኽ ነዛ በዂራት ምቕባሉ ኸኣ ንብዘሎ ዓጺድ ከም ዝተቐበሎ ዝገልጽ ሥርዓት እዩ 
እዛ ድኅሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ፡ ናይ ሰሙን ቀዳመይቲ መዓልቲ እያ፡ The first day of Omer ቀዳመይቲ ዕለተ-በዂራት ተባሂላ ኸኣ ትጽዋዕ። እግዚኣብሔር ብደቂቕ ሰዓታቱ ተሓልዩ ክፍጸም ምሕጋጉ እንታይ ጥቕሙ ኢልና ንሓትት ንህሉ፧ ንሕተት ደኣ እንተዘይሓቲትና ከምቶም ምስትውዓል ዝጎደሎም እሞ ዝጠፍኡ ሕዝብታት ክንከውን ኢና። ምእንቲ ኣምላኽ ክቕበለሎም ነታ እንዳእቲ ጽባሕ ሰንበት ከቕርብዋ ኣለዎም። ሰንበት ዝብል ቃል ካብ Sabbath ዝብል ቃል ዝተረኽበ እዩ፡ ትርጉሙ ኽኣ ዕረፍቲ እዩ። እዚ ኣጸዋውዓ እዚ ኸኣ ነታ ኣምላኽ ካብ ስርሑ ዘዕረፈላ መዓልቲ ዝውክል እዩ። ንሕና ብእንጥቀመሉ ኣጸዋውዓ፡ ቀዳም ወይ SATURDAY ተባሂሉ ይፍለጥ። ቃሉ ንኣእጋርና መብራህቲ ንመገድናውን ብርሃን እዩ እሞ ንቃላቱ ብምዕቆት ንመርምሮ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ነዚ ሰማያዊ ሓቂ ክንርዳእ ይደግፈና፡ ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትና ይኹን፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን ኣሜን።