በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ቀያሕ ኣርሒ 10ይን ናይ መወዳእታን ክፋል
ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፡ “ነዚ መጽሓፍ እዚ ኺግንጽሎ ንመኃተሙ ውን ኪፈትሖ ዚበቕዕ መን ኣሎ፧” እናበለ ብብርቱዕ ድምፂ ዓው ኢሉ ኪዛረብ ከሎ ረአኹ ራእ 5፡2
ዘለዓለማዊ ዘይትሰዓር ክቡር ኣምላኽና ብስም ሓደ ወድኻ ብኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣለኹ።
እቲ ብመጠን ክልካዕ ይኹን ክስፈር ዘይክእል ፍቕርኻ ብሞት ቅዱስ ወድኻ ተጋሂዱ እዩ እሞ ኦ ኣቦ በቲ ንስኻ እትኸብረሉ እንኮ ስም፡
ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣሎኹ። ንዝተዓጽወ መጽሓፍ ክግንጽልሲ ይትረፍ ክምልከት እኳ ብቕዓት ዘለዎ ካብ ፍጡራት
ሓደ’ኳ የልቦን፡ ምእንትዚ ኸኣ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ መጽሓፍ ክግንጽል ንመኃትሙ ውን ክፈትሕ ሊቀ ካህናት ብምዃን ተሓርደ።
ንሱ ኢየሱስ እቲ በይኑ ፍሉይ ዝኾነ ሊቀ ካህናት፡ በቲ ዘቅረቦ ጸሎትን ልመናን ገዓርን መሓረለይ ኢሉ ብዝጠርዕ ንጹሕ ዝኾነ ደሙን ዘለዓለማዊ ሕይወት ረኺበ ኣለኹ። ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧
ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ምውጋእካ፧ ኢለ ብደስታ ክዝምር ዝገበረኒ ቅዱስ ወድኻ እዩ እሞ ስሙ ይባረኽ። ኦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንስኻ
ብደምካ ካብ ጸልማት ኣውጺእካ ዘድኃንካኒ ኢኻ እሞ ስምካ ይባረኽ። ምእንቲ ብሕይወት ክነብር ጻድቕ ዝኾንካ ክርስቶስ ንፍርደይ ተቐቢልካ
ተበጂኻኒ ኢኻ እሞ ነፍሰይ ብደስታ ተሓጒሳ ኣላ። ቅዱስ መንፈስ ጥበብን ሓቅን ምግላጽን እትዕድል ንስኻ ኢኻ’ሞ ብመንገድኻ ምርሓኒ።
ንሕዝብታትና ብርሃን ወንጌል ክትዕድል ንስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስለፍ፡ ሰንደቕ ደም ዝሓዘ ብርቱዕ ሠራዊት ወንጌል ጌርካ
ብቃልካ ክትዓዪ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እልምን ኣለኹ። ነቲ ኣብ ሕግኻ ዘሎ ቃላትካን ጥበብካን ምእንቲ ክንፈልጥሲ ኦ ቅዱስ መንፈስ
ኣዕይንትና ክፈት፡ ኣብ ምድርና ንዘሎ ናይቲ ክፉእ ዕዮ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈረሰ ይኹን። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም
ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን፡ኣሜን!።
ብዘይ ምፍሳስ ደም ኅድገት ኃጢአት የልቦን ዕብ9፡22
እቲ ሥዉር
ዝነበረ ነገራት ሎሚ ግን ግሁድ እዩ። ምኽንያቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይቲ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ብምዃን መጺኡ እዩ። ኣምላኽ ነዞም
ናይ መወዳእታ ዘመን ፍጻሜታት ኣቐዲሙ ነቦታትና ብምሳሌ ገለጸሎም። ምሕራድን ምሕራርን ናይታ ቀያሕ ኣርሒ እምበኣር ምሳሌ ናይቲ
ክመጽእ ዝነበሮ፡ ሕጂ ግና ድሮ ተገሊጹ ዘሎ ምፍሳስ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኩሎም እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ማእከል መሠውዒ ምእንቲ
በደል ሰባት ዝተሠውዑ ደዓውልን ገናሽልን ከኣ ነቲ ሎሚ ንሰባት ምእንቲ ከጽድቕ ኣብ ቀራንዮ ዝተሰውዐ ሓቀኛ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ
ዝሕብሩ ኣመልከትቲ እዮም። ወንጌላዊ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ብክርስቶስ ጥራይ ዝተፈጸመ ድኅነት ንዝረኣዮ ራእይ ብዝርዝር ኣስፊሩልና
ይርከብ። ነቲ መጽሓፍ ኪግንጽሎ መኃትሙ ውን ክፈትሖ ዝኽእል ብቑዕ መን ኣሎ፧ ኢሉ ናይ ዝሓትት ብርቱዕ መልኣኽ ሕቶ ንልቢ መልእኽቲ
ኣለዎ። ነዚ መጽሓፍ ክንጽልን ከንብብን ዝኽእል ኣብ ሰማይ፡ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ሓደ እኳ ብቑዕ ከም ዘየልቦ ምስ ረኣየ
ሓዋርያ ብኃዘንን ብንብዓት እዩ ገሊጽዎ። ብርግጽ ፍጥረት ኣምላኽ ኣብዞም ሰለስተ ቦታታት ዝጠቃለሉ እዮም። ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ
ሰማያውያን ፍጥረታት፡ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዉ ፍጥረታት ከምኡ ውን ኣብ ትሕቲ ምድሪ ካብ ዘለዉ ፍጥረታት ነዚ መጽሓፍ ክግንጽል ኮነ
ከንብብ ዝኽእል ሓደ’ኳ ከም ዘየልቦ፡ ኩሎም ነዚ መጽሓፍ እዚ ንምግንጻል ትሕቲ ብቕዓት ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ኣትኪሉን ኣርጊጹን
ነገረና። እቶም ዝረኸሱ ኲሎም ምእንቲ ክነጽሑን ካብ ኪዳን ሞት ክናገፉን ኣምላኽ ሥርዓት ምሕራድን ምሕራርን ቀያሕ ኣርሒ ንደቂ
እስራኤል ኣዘዘ። ሓደ’ኳ ካብ ሓሙኽሽቲ ናይዛ ቀያሕ ኣርሒ እንተዘይ ተነጽገ፡ ኣብ ኪዳን ደም ብዘይ ምህላዉ ናብ ቅድስቲ ከተማ
ክኣቱን ኣብ ሕብረት ኣምላኽ ክሳተፍን ኣይክእልን እዩ። እቲ እንኮ ናብ ከተማ ከእቱ ዝኽእል ብቑዕ መገዲ ደም ቀያሕ ኣርሒ ጥራይ’ዩ
ነይሩ። ሰብ ብሰሪ ውድቀቱ ኣብ ክብሪ ኣምላኽ ክኣቱ፡ ወሉድ ኣምላኽ ተባሂሉ ኸኣ ክስመ ኣምላኽ ነቶም ዝረኸሱ ዘዳለዎ መገዲ ደም
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። “ ኣይትብከ፡ እነሆ እቲ ካብ ነገድ ይሁዳ ዝኾነ ኣንበሳ፡ እቲ ዘርኢ ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍን
ነቲ ሾብዓተ መኃትሙን ኪኸፍቶ ስዒሩ ኣሎ” በለኒ። እቲ ብቑዕ መን’ዩ፧
ንዚብል ሕቶ እቲ ብርቱዕ መልኣኽ ዝተዋህበ ንጹር መልሲ እዩ። እቲ ነዚ መጽሓፍ ክግንጽል ዝኽእል መን እዩ? እቲ ንፍርዲ ተመሓላሊፉ
ብስቓይ ዝደቅቕ መን’ዩ? እቲ በጃ ሰብ ዝስዋዕ ብቑዕ መን’ዩ? እቲ ንሰብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ሂቡ ምስ ኣምላኽ ዝዓርቆ መን’ዩ?
እቲ ሊቀ ካህናት ብምዃን ምእንቲ እቶም ብኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዝመጹ መንጐኛ ብምዃን ብደም ዘሳግሮም፡ ስለኦም ጸሎትን ልመናን
ገዓርን ዘቕርብ እሙን መን’ዩ? ካብ ኩሉ ንገዳትን ቋንቋታትን ንእግዚኣብሔር ኣቦ ዘገልግሉ ካህናትን ነገስታትን ብደሙ ዝዕድግ መን’ዩ?
ብጥቕልሉ ንሰብ ዘጽድቆ መን’ዩ? ነዞም ኲሎም ሕቶታት ክምልሰልና ዝኽእል ብቑዕ፡ ነቲ ኣብ የማን እቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ብቕድሚቱን ብድኅሪቱን ዝተጻሕፈ
ብሾብዓተ ማኅተም ዝተኃትመ መጽሓፍ ዝወስድ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። እቲ ገንሸል
መጺኡ ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ ወሰዶ። ምውሳድ እቲ መጽሓፍ ነቲ ዝነበረ ብኽያት ኣርሒቑ
ሓድሽ ቅኔ ኣምጽአ። ነቲ ናይ ፍርዲ መጽሓፍ ተቐቢሉ ንጹሕ ዝኾነ ክርስቶስ በጃ ብዙሓት ሞተ። ብደሙ ኸኣ ነቶም ብእኡ ዝኣምኑ ናይ
ዘለዓለም ሕይወት ሃበ። ደሙ ካብ ደም ኣቤል ዝበልጽ ተዛራቢ እዩ፡ ዘመናት ዘይግድብዎ ሕያው’ዩ። ደመ ገንሸል ንእስራኤላውያን ኣብ ማእከል ግብጺ ካብ ቑጥዓ ኣምላኽ ከም ዘድኃኖም፡
ደም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ካብ ዘለዓለማዊ ቑጥዓን ፍርድን መድኃኒት ኮነና። ደም ኣርሒ ነቶም ዝረኸሱ ካብ ኣንጽሀ፡ ደም
እቲ ገዛእ ርእሱ ንእግዚኣብሔር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፡ ነቲ ሕያው ኣምላኽ ምእንቲ ከነገልግሎ፡ ንሕልናና ካብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ
ክንደይ ኣዝዩ ዘየንጽሖ? ሓሙኽሽቲ እታ ኣርሒ፡ ድሕሪ ሞት ኣርሒ ከም ዘገልገለ፡ ደም ጐይታ ኢየሱስ ከኣ ንዘለዓለም ሕያው ኮይኑ
ዘጽድቕ፡ ዘድኅን ዘንጽሕ እዩ። ሎሚ ድሕሪ ኣሽሓት ዘመናት እኳ ደሙ ዘይኣርግ፡ ዘይግደብ ዘድኅን ደም እዩ። ኢየሱስ ዘይኃልፍ ክህነትን
መሥዋዕትን ዘለዎ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ብደም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትመሓር ዶ ትደሊ ኢኻ? ብኣፍካ ኢየሱስ ጐይታ እዩ ኢልካ ተመስከርካ፡
ብልብኻ ውን ኣምላኽ ካብ ምዉታን ከም ዘተንሥኦ እንተኣመንካ ክትድኅን ኢኻ። ከመይ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ መስኪሩ’ውን
ይድኅን። እቲ ጽሑፍ ውን “ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይክሓፍርን እዩ” እዩ ዚብል( ሮሜ10፡9-10)። ደሙ ሎሚ ውን ሕያው እዩ እሞ
ምእንቲ ክትነጽሕ ብደሙ ውን ክትሕጸብ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብልብኻ ጸውዓዮ። ቅድሚ ሎም ከድኅኑኒ እዮም ንዝበልካዮም ኩሎም ካብ ልብኻ
ብምርሓቕ በቲ ቃል ኣምላኽ ኢልዎ ዘሎ ሓቂ ተመራሕ። ኢየሱስ ክርስቶስ መንጐኛ ብምዃን ምስ ኣቦ ዝዓረቐና ሊቀ ካህናት እዩ።ብዘይ
ደም አየሱስ ክርስቶስ ከኣ ድኅነት የልቦን። እቶም ብደም ዝተሸፈኑ ብርግጽ ኲነኔ የብሎምን። ስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘለዓለም
ዝተባረኸ ይኹን። ኣሜን።
No comments:
Post a Comment