Friday, January 18, 2019

ኦ ንጉሥ 1000 ዓመት ንገሡ!!!



ኦ ንጉሥ 1000 ዓመት ንገሡ!!!

ኣብ ባይቶታት ኤርትራ ልሙድ ዝኾነ ብሂል እዩ። ብፍላይ ንባህላዊ ኣነባብራ ሃገርና ዘንጸባርቁ ፊልምታት ትግርኛ ጎሊሑ ዝርአ ፍጻሜ እዩ። ከም ኣብነት ኣብ ፊልም ሚለኑ ብግህዶ ዝርአ ኩነት እዩ። ኣብ ባይቶ ነገር ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ከሳስን ተኸሳስን ኣብ ፍርዲ ምስ ቆሙ “ ኦ ንጉሥ ሺሕ ዓመት ንገሡ” እናበሉ ይመጻደቁ። ጉዳዮም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ የቅርቡ። ምሥጢር ቃላት ኣብ ምድግጋም ዘይኮነስ ኣብ ምስትውዓል’ዩ ዝርከብ። ብምስላ፣ ብዕላል፣ ብጽውጽዋይ፣ ብመጽሓፍ፣ ብድራማ ነዚ ቃል ደጋጊምና ምስማዕና ፈሊጥናዮ ማለት ኣይኮነን፣ እንተ ዘይኣስተውዒልናዮ ገና ምሥጢር’ዩ ዘሎ። እዚ ብሂል ካብ ወለዶ ንወለዶ ተመሓላሊፉ ኣባና በጺሑ ኣሎ፣ ኣምላኽ ንሕዝብና ብኹሉ መዳይ ምሂርዎ እዩ። በንጻር እዚ ግና ከስተውዕልዎ ዝኽእሉ ብዘይምህላዎም በደል እዩ። ጸሓፍቲ ከም መመቀሪ ቃላትን መጸበቂ ሓሳባትን ጥራይ ሓሊኖም ካብ ጸሓፉ፣ ተዋሳእቲ ንዕኡ ከንጸባርቁ ጥራይ ካብ ደኸሙ፣ ኣቦታት ከም መኽፈቲ ዘረባታት ኣብ ባይቶ ጥራይ ካብ ተዛረቡ፣ ኣብዚ ዘመን ዘሎና ሰባት ከኣ ኣቦታትና ዘጽንሑልና’ዩ እናበልና ካብ ደገምና፣ ንኣምላኽ የገልግል እየ ዝብል ኣካል ውን ኪኖ ቃላት ትርጉም፣ ስምዒት ክህብዎ ካብ ዘይከኣሉ? ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ምስትውዓልና? ንኣፍና ቀረባ ንልብና ግን ርሑቃት ካብ ኮንናኸ ኣየፍርሕን’ዶ? ንልቢ እዚ ሕዝቢ ድፈኖ ዝብል ቃል ኣምላኽ ኣባና ምፍጻሙ ብግህዶ እነርኢ መሰኻኽር ኢና። ነዛ ተዋሂባትና ዘላ ሓዳሽ ዘመን ከ ከምተን ዝሓለፋ ዘመናት ብኸንቱ ዲና ከነባኽና? ወረ ክሳዕ መዓስ ኢና ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጻላእ? ሕይወትና ንመርምር ንቃል ኣምላኽ ዘየንብብ ሰብ ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ፣ ኣምላኽ ውን ነቲ ሰብ ኣይፈልጦን እዩ። ኦ ንጉሥ ሽሕ ዓመት ንገሡ!! ዝብል ቃል ነቲ ዝፈርድ ዘሎ ኣካል ንምቅብጣር ዝበሃል ቃል ኣይኮነን፣ ከምኡ ውን ንሱ እቲ ሹም ዓዲ ንፉዕ፣ብልሓተኛ፣ ቅኑዕ ፈራዲ…ካልኦት ጽቡቅ ባህርያት ስለ ዝውንን፣ ንዓናውን ስለ ዝማእመአና ምንዮትና ንምግላጽ “ሽሕ ዓመት” ንገስ እናበልና ንንእደሉ ቃል ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቁ ብዛዕባ እዚ ተዛሪቡ’ዩ ግንከ እቶም ዝተመገብዎ ሒደት እዮም። ኣብ 2 ከፊልና እንተረአናዮ ተመራጺ ኮይኑ ይስመዓኒ። 1. ኦ ንጉሥ 2. ሽሕ ዓመት ንገሥ።   ንጉሥ ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተደጋጊሙ እንረኽቦ ቃል እዩ። ብዕብራይስጥ “ መሲሕ”፣ ብግሪኽ ”ክርስቶስ”፣ ብአማረኛ “የተቀባ”፣ ብትግርኛ “ቅቡእ” ዝብሉ ቃላት ዝውክል እዩ። እዚ ድማ ንንግስነት ዝተቀብአ ማለት እዩ። ድኅሪ ሾብዓተ ሳዕ ስሳን ክልተን ዓመታት መሲሕ ብዘይግባእ ክቕተል እዩ(ዳን9፡26)። AND AFTER THREESCORE AND TWO WEEKS SHALL MESSIAH BE CUT OFF. ናትናኤል ድማ ” መምህር! ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፣ ንስኻ ንጉሥ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ (ዮሃ1፡50) ።  ንሱ ዓቢይ ክኸውን፣ ወዲ እቲ ልዑል’ውን ክነሃል እዩ፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ክህቦ እዩ፣ ንሱ ኣብ ሕዝቢ እስራኤል ንዘለዓለም ክነግሥ እዩ። መንግሥቱ ኸኣ መወዳእታ የብሉን(ሉቃ 1፡32-33)።  ሓዋርያ ጴጥሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ ኣብ ጉባኤ ከምዚ እናበለ መስከረ። እምበኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ ኢየሱስ፣ ንእኡ ጐይታን መሲሕን ከም ዝገበሮ ብዘላ ቤት እስራኤል ትፍለጥ(ግብ2፡36) እናበለ ንግስነቱ መስከረ። ኦ ንጉሥ ኣይሁድ እናበሉ ዘላግጹ፣ ብኣፎም ንጉሥ እናበሉ ዝምድሩ ብልቦም ግና ንግሥነቱ ዘይኣምኑ ኣብ ቀራንዮ ርኢናዮም ኢና። ቃል ኣምላኽ ብዘይምፍላጦም ዝጠፍኡ ብዙኃት እዮም፣ ንምስትውዓልከ መን ደለያ? ነቢይ ኢሳይያስ “ ኦ ጐይታይ ንምስክርና መን ኣመኖ” እናበለ ብኃዘን ምጽሓፉ ቃል ኣምላኽ ብዘይምስትውዓሎም ዝጠፍኡ ምህላዎም ስለ ዝረአየ እዩ። ንሕናኸ ᎒
2. ሺሕ ዓመት ንገሡ!!! ብግምት ዝተጻሕፈ ቁጽሪ ከምዘይኮነ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይንዕቅ ሰብ ጥራይ’ዩ ክግንዘቦ ዝኽእል። መልክዕ እዞም ሎሚ ዘሎና ክርስቲያናት ምስታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣመንቲ እንተዝነጻጸር ጽቡቅ ውጽኢት ኣይምተረኽበን ነይሩ። ወንጌላዊ ሉቃስ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ከም ዝመዝገበልና ንትምህርቲ ሓዋርያት ዝናፍቁ ንቃል ኣምላኽ ከኣ ዝተሰከሙ ምንባሮም እዩ። ሎሚ ደኣ ንምንታይ እዩ እዚ ግርማ ክንክደኖ ዘይከኣልና። ራእይ ዮሃንስ ዝብል መጽሓፍ ማኅደር ዕረፍትን ምጽንናዕን ክነሱ ልቢ ብዙኃት ክርስቲያናት ብፍርሒ ተዋሒጡ ከንብቦ ኣይከኣለን። ሙሴ ዝለኣኾም 12 ልኡኻት እምነቶም ሓደ ኣይነበረን፣ እቶም 10 እምነቶም ብምድርባይ፣ ነቲ ሕዝቢ ብሕማቅ ወረ ኣብ ምድረበዳ ከም ዝተርፍ ገበርዎ፣ ንሶም ከኣ ብእግዚኣብሔር ተቀዝፉ። ልክዕ ከምኣቶም እዚ መጽሓፍ ራእይ ብዙኃት ከየንብብዎ እሞ ከይረብሑ ንገዛእ ርእሶም እምነት ደርብዮም፣ ንካልኦት ውን ብፍርሒ ተዋሒጦም “ከቢድ’ዩ” ብዝብል ቃል ኣእሙሮ ብዙኃት ዝዓጽዉ ኣይተሳእኑን። እቲ ዝገርም ግን  ኣብ ቀዳመይቲ ጥቅሲ እቲ ምዕራፍ ከምዚ ይብል “ እዚ ብቕልጡፍ ክኸውን ዘለዎ፣ነገልገልቱ ምእንቲ ክገልጸሎም ኢሉ፣ ኣምላኽ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ራእይ እዩ ይብል። ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ጥራይ ዝተገልጸ ግልጸት እዩ። እቲ ነዚ መጽሓፍ ትንቢት ዘንብብ ብፁዕ እዩ ብምባል ውን ምንባብና ማዕረ ኽንደይ ብፅዕና ከምዘለዎ ብገዚፍ ፊደል ጽሒፍልና ይርከብ።  እዛ ሽሕ ዓመት እትብል ቃል ኣብ ራእይ ምዕራፍ 20 ተጻሒፋ ብግሉጽ ኢና ንረኽባ። እንተዘይኣንቢብና ውሕስነት የብልናን። ብድኅሪ እዚ ዝፋናት ረአኹ።ነቶም ኣብ ዝፋናት ዝተቐመጡ ኸኣ ክፈርዱ ሥልጣን ተዋህቦም። እዚኣቶም እቶም ንኢየሱስ ብምምስካሮምን ንቓል ኣምላኽ ብምብሣሮምን ዝተሰየፉ እዮም። እዚኣቶም፣ ነቲ ኣራዊት ኮነ ንምስሉ ዘይሰገዱ፣ ኣብ ግምባሮም ኮነ ኣብ ኣእዳዎም ማኅተሙ ዘይተቐበሉ እዮም። ንሳቶም ሕያዋን ኮይኖም ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሡ(ራእ 20፡4-5)። እምበኣር ብመንፈስ ቅዱስ ንተንስእ፣ለቢምና ብጸጋኡ ክንዓቢ ኣብ መሠረት ነቢያትን ሓዋርያትን ክንህነጽ፣ ጸሎትና ሰሚዑ ክቕበል ንእግዚኣብሔር ቀሪብና ንለምኖ። “ ኦ ንጉሥ ሽሕ ዓመት ንገሥ” ማለት እምበኣር ኦ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ንገሥ ማለት እዩ። ኣእሙሮና ነዚ ምሥጢር ክርድኦ ንጸሊ። ክትርእዮ ኢኻ ግንከ ኣይክትበልዖን ኢኻ ዝብል ቃል ነቢይ ኤልሳዕ ክኹሕኲሓና ይግብኦ። ኣብ ቃላትና፣ምሳሌታትና፣ፊልምታትና፣ ጽንጽዋያትና ደጋጊምና በልናዮ ግንከ ነቲ ንጉሥ ክንፈልጦ ኣይከኣልናን። ንምንታይ ዝብል ሓታቲ ምስ ዝርከብ? ንቃል ኣምላኽ ዕሽሽ ስለ ዝበልናዮ እዩ። ባርነትና ወሲዱ ንግስነት ዝሃበና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መርዓቱ ክወስድ ክመጽእ እዩ። ምስ ጐይታ ኸኣ ክንነግሥ ኢና። ሸለልትነት ይእኸለና፣ ሎሚ ንቃል ኣምላኽ ተደፊእና ነንብቦ፣ ኣነ ኣይፈልጥን’የ ጐይታ ብመንፈስካ ምርሓኒ ኢልና ንጨድር፣ እቲ ብርሃን ይብራህ ዝብል ቃል ከኣ ኣብ ልብና ከቃልሕ እዩ። ነንብብ ነንብብ ነንብብ !!!

1 comment:

  1. Bሓቂ፡ ኣምላኽ ብርኽ የብልካ

    ReplyDelete