Friday, January 18, 2019

ብኤርለሃይሮኢ (ዔላ ናይቲ ዚርእየኒ ሕያው ኣምላኽ) ዘፍ 24፡62




ብኤርለሃይሮኢ (ዔላ ናይቲ ዚርእየኒ ሕያው ኣምላኽ) ዘፍ 24፡62

ሰላም ለከናፍሪከ መኃዛተ ከርቤ ሓዋዝ፣ እም ጽጌ ገዳማት ኲሎን ዘፄናሆን ምዑዝ። ኢየሱስ ክርስቶስ በግዐ ይስሓቅ እኁዝ፣ ይትከዐው ውስተ አፉየ ከመ አዜባዊ ውኂዝ፣ ነቅዐ ገቦከ በኲናት ርጉዝ።
ኣብዛ ዘለኽዋ ሰዓት ኮይነ ብዛዕባ እቲ ሕያው ቃል ኣምላኽ ክጽሕፍ ዝረድኣኒ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹኖ። ቅንያቱ ቅንያት በዓል ልደት እዩ፣ ኣብ ዓውዲ ምሕረት ኣሎና እኳ እንተበልና ዓውዲ ኩነኔ ኣብ ኣእዳውና ከም ዝጨበጥና ግን ዘቕለብናሉ ኣይመስለንን። ኣነን ሕዝበይን ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ንብድልን ንዓሉን ከም ዘሎና ኣጸቢቑ እንተዝስወጠና ከምዚ ሎሚ ዘሎናዮ ናብራ ኣሽንኳይ’ዶ ክንነብሮ ክንሓስቦ እኳ ኣይምኸኣልናን። ኣብ መጽሓፍ ነቢያት “ ንሕገይ ደርበይዎ” ዚብል ቃል ከስተንትን ከለኹ እፈርህ፣ ምኽንያቱ ንሕጊ ኣምላኽ ኣርሒቕና ካብ ልብና ካብ እንሓኮን ከም ልምድን ሥርዓት ሰብ ጉዕዞ ካብ ንጅምር ሒደት  ዘመናት ስለ ዘይኮነ እዩ።  መንፈሳውነት ምስ ወቅታውያን ዕለታት ጸንቢርና ኣብ ኃጢኣት ኣዕዚዝና ጠንቃላላዕ እንብለሉ ፍጻሜታት ኮይኑ ኣሎ። በቲ ስም ሕያው ኣምላኽና እንጽወዓሉ እዋናት መሊስና ንኃጢኣት ካብ ደለብናኸ ብርግጽ’ዶ ደቂ ኣምላኽ ኢና? እግዚኣብሔር ንንብዓትና ክሕንስስ ድልው እዩ ግንከ ኣይደለናዮን፣ ክቕበለና ዘወትር ምስ በሃገ እዩ ንሕና ግና ኣቕበጽና። እነሆ ሎሚ ኸኣ መልክዕ ኣምላኾ ደኣ እምበር ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ክገዝኣና ክሳዕ ዘይንደሊ ኣዚና እነደንግጽ ኮይና ኣሎና። ብሓቂ ዶ ትማሊ ሱር ክርስትና ኣብ ምድርና ክፈሪ ከሎ ከምዚ ድዩ ነይሩ? ቅድሜና ዝነበሩ ንክርስቶስ ኢየሱስ ግዙኣት ብምዃን ኣሚኖም ዘዕረፉ ኪደት ክርስትንኦም ከም ኪደትና ዶ ነይሩ ይኸውን? ንክርስቶስ ምስዓብ ማለት ገዛእ ርእስኻ ክሒድካ ናይ ክርስቶስ ኮንካ ምንባር እዩ። ንምንታይ ደኣ ክሳዕ ክንድዚ ብዛዕባ መድኃኒና ዘይንግደስ ሕዝቢ ኮንና?

ኣቦታትና ዝብል ትምክሕቲ ጥርዚ ደይብሉ ኣብ ዘሎ እዋናት “ነይሮም” ብዝብል ዛዕባ ክንሓልፎ ዘይከኣል እዩ። ንቃላቶም ደርቢና፣ ነቲ ዝመርሖም ቅዱስ መንፈስ ውን ኣጒሂና፣ ንሕያው ቃል እግዚኣብሔር ካብ መዓሙቕ ልብና ኣውጺእና እናነበርና በቶም እምነት ተሰኪሞም ብደም ክርስቶስ ምሕጻቦም መስኪሮም ንውዕለቱ ኣስተንቲኖም ዘዕረፉ ናይ እምነት ኣቦታት ክንምካሕ ዘኽእለና መሰል የብልናን። ኣብ ዘመን ብሉይ ቃል ነቢያት ብምኽሓድ፣ ብመከራን ብጭንቕን ከኣ ከም ዝስደዱን ዝቅተሉን ዝገበሩ ሕዝቢ ክነሶም ንኽመጻደቁ ኸኣ ኣቦታትና እናበሉ  ብእኦም ይምክሑእንተኾነ  ንቃሎምን ንትንቢቶምን ዘይቕበሉ ሕዝቢ ብምንባሮም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክግስጾም ኢና እንዕዘብ። ሎሚ ንሕናኸ ካብዚ ተግሳጽ ነምልጥ’ዶ ይመስለና ይኸውን? 

“ ኢየሱስ ክርስቶስ በግዐ ይስሓቅ እኁዝ፣ ይትከዐው ውስተ አፉየ ከመ አዜባዊ ውኂዝ፣ ነቅዐ ገቦከ በኲናት ርጉዝ”  እዚ ቃል’ዚ ንብዙኃት ሓድሽ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ ንዓይ ግን ሓድሽ እዩ። ቅድሚ ሎሚ ንፊደላትን ቃላትን እቲ ደራሲ ደኣ እምበር ንመንፈስ እቲ ድርሰቱ ኣየቅለብኩን ነበርኩ፣ ሎሚ ግን ንመንፈስ እቲ ድርሰቱ ከስተንትን ክኢለ ኣለኹ እዚ ኸኣ ካብ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ኣሎ። ዘፍ24፡62 ዘሎ ዔላ ሕይወት፣ ዔላ ኣምላኽ ብኸመይ ዓይነት መገዲ ናፍቆት እቶም ብጽምኣት ዝተዋሕጡ ከምዘዕግብ ቃል ጽሑፍ ይነግረና እዩ። እዚ ግን ምድራዊ ዔላ ደኣ እምበር መንፈሳዊ ዔላ ኣይነበረን። ዔላ ናይቲ ዝርእየኒ ሕያው ኣምላኽ ተዶኪኑ ዝርከብ ኣብ ቀራንዮ ምዃኑ ኸኣ እቲ ብመንፈስ ኮይኑ ዝቃኒ ዘሎ ኣቦ ይነግረና። እቶም ዝጸምኡ ኩሎም ዘለዓለማዊ ዔላ ሕይወት ኣብ ቀራንዮ ካብቲ ዝተሓርደ ገንሸል፣ ካብ ጐድኑ ንዝፈስስ ደሙ ክሰትዩ ብዓቢ ምሥጢር ይምሕጸን። ከምቲ ኢራብ ኣብ ምድረበዳ ንወኃዚ ማይ እትናፍቆ ነፍሰይ ንዓኻ ትናፍቀካ ኣላ ኦ እግዚኣብሔር እናበለ ዘማሪ ዳዊት ብመንፈስ ዝቃነዮ ምሥጢር እዚ እዩ። ኢራብ ንዓይኒ ማይ ከም ዝጸምአቶ ነፍስና ኸኣ ንዓይኒ ማይ ቀራንዮ ትናፍቆ እያ። ደም ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ እንተዘይሰትያ ሕይወትና ከንቱ እያ። ምኽንያቱ ወዲ ኣምላኽ ሥጋኡ ክንበልዕ ደሙ ክንሰቲ እዩ ምእንታና ዝተሓርደ። ብእኡ እመን ንሱ ናይ ዘለዓለም ዘይነጽፍ ዔላ ደም እዩ። ብዘይደሙ ኅድገት ኃጢኣት የልቦን ናይ ዘለዓለም ሕይወት’ውን ኣይርከብን እዩ። ቃል ጥበብ ኣቦታትና እዚ እዩ ብእምነት ደኣ እምበር ብዘረባ ክንኃብሮም ኣይተጸዋዕናን።


  

No comments:

Post a Comment