Sunday, January 13, 2019

ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ኣርሒ 3ይ ክፋል



በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን።

ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ኣርሒ 3ይ ክፋል
 



እግዚአብሔር ብኹሉ ዘመናትና ብጽድቂ ምእንቲ ክነብር ንኃጢአትና ብደም ወዱ ክሓጽብ ፈቐደ፡እዚ እቲ ሥዉር ዝተሓብአ ንሕጻናት ዝተገልጸ ምሥጢር እዩ። ኣምላኽ በዘን መወዳእታ ዘመናት በቲ ወራሲ ኩሉ ዝኾነ ወዱ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ተዛረበና፡ ፍቓድ ኣምላኽ በቲ ዝለኣኾ ክንኣምን እዩ። ኦ ኣቦ ስለ ኩሉ ነገር ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ወድኻ አመስግነካ ኣለኹ።
ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ቀያሕ ኣርሒ ክልተ ክፋላት ርኢና ኔርና ሎሚ ኸኣ እንሆ ሳልሳይ ክፋል። ንጥበብ ኣምላኽ ክንርድኣሉ እንኽእል እንኮ መንገዲ ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ ጽሩይ ጻዕዳ ጸባ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ እዩ።
እቲ እግዚኣብሔር ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጉድለትን ኣበርን ዘይብላ፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላ ላም ኬምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ንገሮም። እዚኣ ንካህን ኣልኣዛር ሃብዎ፡ ንሱ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ ( ዘኁ 19፡2-3። እዚ እቲ ንደቂ እስራኤል ዝተዋህበ ትእዛዝ እዩ። 

ሀ. ሕብሪ እታ ኣርሒ 

ሕብሪ ናይታ እትሕረድ ላም ሕዋስ ዘይብሉ ቀይሕ ክኸውን ከም ዘለዎ እነሆ እቲ ትእዛዝ ብንጹር ኣንቢሩልና። እዛ እትሓርር ቀያሕ ኣርሒ ምሳሌ ናይቲ ዝመጽእ መሲሕ እያ። ስለዚ ኸኣ እቲ ሕብራ፡ ቀይሕ ምዃኑ ንደም ዝውክል መግለጺ እዩ። ደም ናይ ሕይወት ውሕስነት ዘለዎ እዩ፡ ኣብ ብዙሕ ናይ ዘመነ ብሉይ ኣገልግሎት ውን ብኣተኲሮ ተመዝጊቡ ይርከብ።  ነቢየ ኢሳይያስ ብዛዕባ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ብምባል ተነበየ፡ እዚ ኻብታ ኣብ ኤዶም ዘላ ኸተማ ቦጽራ፡ ግምጃ ለቢሱ ዚመጽእ ዘሎ መን እዩ? እዚ ብኽዳውንቱ ዘጌጸ፡ ምስ ምሉእ ኃይሉን ጉልበቱን ሸነን እናበለ ዚመጽእ ዘሎ መን እዩ? “ ኣነ እቲ ንምድኃን ምሉእ ሥልጣን ዘሎኒ ዓወት ዘበስር እግዚአብሔር እየ። ስለምንታይ ደኣ ኽዳንካ ቔሐ? ስለምንታይከ ኣልባስካ ነቲ ርጋጽ ዘቢብ መሰለ። ኣነ በይነይ ነሕዛብ ከም መጽመቚ ወይኒ ገይረ ረገጽክዎም፡ ዝሓገዘኒ ኸኣ ሓደ’ኳ ኣይነበረን። ብዂራይ ረገጽክዎም ብነድረይ ድማ ጨፍለቕከዎም። ክዳውንተይ ከኣ ብደሞም ተዓለሰ፡ ከምኡ ውን ቔሐ። ከመይ ንሕዝበይ ዘድኅነላ ዓመት መጺኣ፡ ንጸላእቶም ዝብቀለላ መዓልቲ ኸኣ በጺሓ እያ። ዚሕግዘኒ ከም ዘይነበረ፡ ዚድግፈኒ ድማ ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ምስ ረኣኹ፡ ገረመኒ፡ ሽዑ ነድረይ ደገፈኒ፡ ዓወት ከኣ ረኸብኩ። ብዂራይ ንሕዝብታት ረገጽክዎም፡ ብነድረይ ድማ ፈጺመ ኣጽነትክዎም፡ ደሞም ከኣ ኣብ ምድሪ ዀዖኹ( ኢሳ63፡1-6)።

No comments:

Post a Comment