በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ኣርሒ 4ይ ክፋል
ኦ ንኹሉ በብዘመኑ ሠናይን ባህ
ዘብልን ጌርካ ብምስራዕካ ልዕሊ ኹሉ ምዃንካ ዝኣወጅካ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ስምካ ይባረኽ። ካብ ፍጥረት ሓደ’ኳ ከድኅን ዝኽእል
ከምዘየልቦን ንኣርዑት ሰብ ውን ክስከሞ ዝኽእል ጻድቕ ከምዘየልቦን ብቃላትካ ነገርካና “ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን” ኢልካ ውን ኣወጅካ።
ስለዚ ኸኣ ተበጃውን መድኃንን ወድኻ፡ መልኣኽ ምኽርኻ፡ ብርቱዕ ቅልጽምካ ንዝኾነ ጻድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰደድካልና። ብደም ወድኻ
ተሓጺብና ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግነካ ኣሎና።
እቲ እግዚኣብሔር ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጉድለትን
ኣበርን ዘይብላ፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላ ላም ኬምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ንገሮም። እዚኣ ንካህን ኣልኣዛር ሃብዎ፡ ንሱ ናብ
ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ ( ዘኁ 19፡2-3። እዚ እቲ ንደቂ እስራኤል ዝተዋህበ ትእዛዝ እዩ።
ለ. ኣርዑት ዘይተሰቕለላ
እግዚኣብሔር ኣብ ሥርዓት መሥዋዕቲ ቀያሕ ኣርሒ ካብ ዝኣዘዞ ዘለዓለማዊ
ትእዛዝ፡ እታ ቀያሕ ኣርሒ ከቶ ውን ኣርዑት ተሰቒልዋ ዘይትፈልጥ ክትከውን ኣለዋ። እዛ ቀያሕ ኣርሒ ምእንቲ እቶም ምዉት ሥጋ ሰብ
ብምትንካዮም ምስ ሞት ሕብረት ብምፍጣር ንዝረኸሱ እትሕረድ ብምዃና ሓራ ዝኾነት፡ ባርነት ዘይትፈልጥ ክትከውን ኣለዋ። ሰብ ብምውዳቑ
ባርያ ኃጢኣት ኮነ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ከምዚ በለ “ ሓደ’ኳ ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ’ኳ የልቦን። ዜስተውዕል ሓደ’ኳ የልቦን፡ ንኣምላኽ
ዚደልዮ ኸኣ ሓደ’ኳ የልቦን። ኲላቶም ዓለዉ፡ ኲላቶም ኃቢሮም ውን ሰሓቱ፡ ጽቡቕ ዚገብር ውን የልቦን፡ ሓደ’ኳ የልቦን (ሮሜ3፡11-12)።
ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ ውን ” እቶም ውሉድ ሥጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለ ዝኾኑ፡ ኢየሱስ
ውን ከምኦም ሰብ ኮነ፡ እዚ ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኺስዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት
ምሉእ ዕድሚኦም ባረዩ ኾይኖም ዝነበሩ ኸኣ ሓራ ምእንቲ ኼውጽእ ኢሉ እዩ። ከመይ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር ንመላእኽቲ ኬድኅን
ኣይመጸን ( ዕብ 2፡14-16)። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሒር ሓደ’ኳ ጻድቕ ብዘይ ምናባሩ ኲሉ ሰብ ባርያ ኃጢኣት ኮነ። ካብዚ ናይ
ሞት ባርነት ምእንቲ ከውጽኣና ብምዱብ ጊዜ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ። ንሱ በይኑ
ጻድቕ፡ ኃጢኣት ዘይፈልጥ፡ ኣብ ኣፉ ውን ሓሶት ዘይተረኽቦ እዩ፣ ኣርዑት ኃጢኣት ዘይፈልጥ በይኑ ቅዱስ እዩ። “ካባኻትኩም ብኃጢኣት ክረትዓኒ ዝኽእልከ መን ኣሎ᎒ (ዮሃ 8፡41) ብምባል ንሱ
ፍጹም ጻድቕ ሰብ ምዃኑ መስከረ።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም
ምሉእ ዘመኖም ባረዩ ዝኾኑ ሰባት ምእንቲ ከድኅን ፍጹም ሰብ ኮነ። ብዘይካ ኃጢኣት ከኣ ኩሉ ነገር ሰብ ፈጸመ። ኩላትና ከም ዝተባረራ
ኣባጊዕ ነበርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሔር (ኣቦ) ኣበሳ ኲላትና ኣብኡ ኣወደቆ። ንሕና ተኻፈልቲ ጽድቂ ኣምላኽ
ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣምላኽ ነቲ ኃጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ኃጢኣተኛ ገበሮ (2ቆሮ5፡21)። እታ ኣርዑት ዘይተሰቕለላ ቀያሕ
ኣርሒ፡ ፍርዲ እቶም ዝረኸሱ ጸይራ ተሠውዐት። ክርስቶስ ኢየሱስ ከኣ ምእንቲ እቶም ምሉእ ዘመኖም ባረዩ ዝኾኑ ደቂ ሰባት ፍርዲ
ተቐቢሉ ካብ ምድሪ ሕያዋን፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ተወገደ። ድኅነት ብበጃነት ጥራይ እዩ ዝፍጸም ስለዚ እምበኣር ብዘይካ ክርስቶስ
ኢየሱስ ጾር ሰብ ጸይሩ ዋጋ ዝኸፈለ ሓደ’ኳ ስለ ዘየልቦ፡ ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ወጻኢ ካልእ ድኅነት የልቦን።
No comments:
Post a Comment