Wednesday, January 16, 2019

ሓሙኽሽቲ ናይታ ቀያሕ ኣርሒ 5ይ ክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

ሓሙኽሽቲ ናይታ ቀያሕ ኣርሒ 5ይ ክፋል
ካብቲ ካብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ ኸንቱ ዝኾነ ሕይወት፡ ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል ማለት ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝደኃንኩም፡ እምበር ብጠፋኢ ነገር ብብሩር ወይ ብወርቂ ኸም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም 1ጴጥ 1፡19
ኦ ቅዱስ ኣቦ ነቲ ኣበር ዘይብሉ መሥዋዕቲ ሓደ ወድኻ ብደስታ ተቐቢልካዮ ኢኻ እሞ ስምካ ይባረኽ። ብደሙ ሥርየት ኃጢኣት ምእንቲ ክንረክብ፡ ነቲ ኃጢኣት ዘይነበሮ ጻድቕ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ በጃ ኃጢኣተይ ክሥዋዕ ፈቐድካ፡ ፍቅርኻ ኪኖ ቃላት እዩ እሞ ብስም ኢየሱስ ወድኻ አመስግነካ ኣሎኹ። ክብሪ ነቲ ብደም ዝዓደገኒ ናይ መንግሥቱ ኣገልጋሊ ክኸውን ዝመረጸኒ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ይኹን። 

እቲ እግዚኣብሔር ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጉድለትን ኣበርን ዘይብላ፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላ ላም ኬምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ንገሮም። እዚኣ ንካህን ኣልኣዛር ሃብዎ፡ ንሱ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ (ዘኁ 19፡2-3)። እዚ እቲ ንደቂ እስራኤል ዝተዋህበ ትእዛዝ እዩ።
ሐ. ኣበርን ጉድለትን ዘይብላ 

ጐይታ ሠራዊት እግዚኣብሔር ዘለዓለማዊ ሓሳቡን ምሥጢሩን ዝተገልጸሉ ዓቢይ ሥርዓተ ምንጻህ እዩ። እታ ምእንቲ እቶም ሥጋ ምዉት ሰብ ብምትንካፎም ምስ ሞት ኅብረት ዝገበሩ “ርኹሳት” እትሕረድ ቀያሕ ኣርሒ ፍጹም ኣበርን ጉድለትን ዘይተረኽባ ንጽሕቲ ክትከውን ከም ዘለዋ ጐይታ ሰራዊት ኣዘዘ። ንጽህና እዛ ኣርሒ ወሳኒ መዐየሪ እዩ፡ እቶም በዚ መሥዋዕቲ ዝነጽሁ ሰባት ኣበርን ጉድለትን ዝተረኽቦም ካብ ሕብረት ኣምላኽ ዝተፈልዩ ምዃኖም ግብሮም ምስክር እዩ። በጃ ካልኦት ንምሕላፍ  ካብ ኣበርን ጉድለትን ሓራ ምዃን ወሳኒ ረቋሒ እዩ። ጽድቂ ብዓይኒ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ ዝልካዕ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና፡ “ ሰብከ ንጹሕ ኪኸውንዶ ይኽእል እዩ? ካብ ሰበይቲ ዝተወልደኸ ጻድቕዶ ኺኸውን ይኽእል እዩ? እነሆ ኣምላኽ ንመላእኽቱ እኳ ኣይኣምኖምን እዩ፡ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ንጹሓት ኣይኮኑን፡ እቲ ንኣበሳ ኸም ማይ ዚሰትዮ ሰብ ደኣ ግዳ ክንደይ ኣዝዩ ፍንፉንን ብልሽውን ዘይከውን (ኢዮ 15፡14-16) ። ስለዚ ኸኣ ብሰሪ ውድቀት ሰብ ኣብ ቅድሚ እቲ ሕያው ኣምላኽ ክቐርብ ዝኽእል ሓደ’ኳ ኣይነበረን። ኣምላኽ ሓደ’ኳ ጻድቕ ከም ዘየልቦ ኣርጊጹ መስከረ። ካብ ደቂ ሰብ ብኣበርን ጉድለት ዘይክሰስ ሓደ እኳ ኣይነበረን፡ ነቢይ ኢሳይያስ ኩላትና ብኃጢኣት ረኸስና፡ ጽድቅና ውን ከም መርገም ጨርቂ ኮነ፡ብሰሪ ኃጢኣትና ኸኣ ኸምቲ ንፋስ ንየው ነጀው ዚብቊጾ ንቑጽ ቈጽሊ ኾንና(ኢሳ 64፡6) ። ኣብታ ምድራዊት መቕደስ ፍርዲ ብምቕባል ዝስውኡ ዝነበሩ እንስሳታት ኣበር ዘይተረኽቦም ነበሩ። እዚኣቶም ኩሎም ንእግዚኣብሔር ባህ ዘብሉ ኣይነበሩን ከቶ ውን ንኃጢኣት ሰብ ከውግዱ ዘይኽእሉ እዮም። ሽዑ ኣነ “ ኦ ኣምላኸይ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ፍቓድካ ክፍጽም መጺአ ኣሎኹ” በልኩ። ቅድም ሕጊ እኳ ዚእዝዝ እንተኾነ፡ “ መስዋዕትን መባእን፡ዚሓርር መሥዋዕትን ምእንቲ ኃጢኣት ዚቐርብ መባእን ኣይደሌኻን፡ ብእኡ ውን ባህ ኣይበለካን” ይብል (ዕብ10፡7-8)። እዚ ቃል እቲ መሲሕ እዩ ንሱ ኣበርን ጉድለትን ዘይተረኽቦ እንኮ ፍጹም ሰብ እዩ። ካብቲ ከንቱ ዝኾነ ሕይወት ምእንቲ ሓራ ከውጽኣና ደዌና ወሰደ፡ ጽዋዕ ሞትና ጨለጠ፡ እዚ ኸኣ ምሉእ ዘመንና ባረዩ ምእንቲ ከይንኸውን ዝተኸፍለ መሥዋዕቲ እዩ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህናት ብምዃን ብብርቱዕ ጸሎትን ልመናን ናብቲ ከድሕኖ ዝኽእል ኣቕረበ። ምሕረትን ፍርድን ኣብ ቀራንዮ ተገልጸ፡ ፍርዲ ኣብ ጻድቕ ወዱ ምሕረት ከኣ ኣብቶም ብጐይትነቱ፡ ኣምላኽነቱ፡ ሊቀ ካህንነቱ እንኣምን ተገልጸ። በዚ ጸጋ ጸዲቕና ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ክንወርስ፡ ኣብ ንሓደ ወዱ ፍርዲ ዓለም ኣጾሮ። ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቓድ ኣምላኽ(ኣቦ) ኪፍጽም ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ስለ ዝሠውዐ ተቐዲስና ኢና (ዕብ10፡10)። ሰብ እምበኣር በዚ መገዲ ሕይወት ጥራይ እዩ ክጸድቕ ዝኽእል። ሕይወትካ/ኪ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣረክብ/ኪ፡ ኦ ጐይታ ንጾረይ ዝጾርካ ንስኻ በይንኻ ኢኻ’ሞ ብደምካ ኣንጽሃኒ ኢልና ናብ መድኃኒና ንጸሊ። ኣምላኽ ነቶም ዝደልይዎ ቀረብኦም እዩ።




No comments:

Post a Comment