Wednesday, January 16, 2019

ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ቀያሕ ኣርሒ 6ይ ክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
                
 ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ቀያሕ ኣርሒ 6ይ ክፋል

ጥበብሰ መድኃኒነ ውእቱ፡ ዘቤዘወነ በጥብሐ ሥጋሁ፡ ወተሣየጠነ በንዝኅተ ደሙ፡ ወኃረየነ ለመንግሥቱ ለዓለመ ዓለም። ጥበብ ዝተባህለ ግና ብጥብሓት(ብምሕራድ) ሥጋኡ ዝተበጀወናን ብምፍሳስ ደሙ ዝተሻተጠናን ንዘለዓለም ንመንግሥቱ ዝኃረየናን መድኃኒና እዩ (ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ ቁ. 87) ።
ካብቲ ካብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ ኸንቱ ዝኾነ ሕይወት፡ ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል ማለት ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝደኃንኩም፡ እምበር ብጠፋኢ ነገር ብብሩር ወይ ብወርቂ ኸም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም 1ጴጥ 1፡19

ኦ ጻድቕን ቅዱስን ዝኾንካ እግዚኣብሔር ስምካ ዓብይን ዘለዓለማውን መድኃን እዩ። ብኹሉ ዘመናት ሕይወትና ጥበብን ምስትውዓልን ምእንቲ ክትህበና ብስም ሓደ ወድኻ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንልምነካ ኣሎና። ንሱ በይኑ፡ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብነቱ ምእንቲ እቶም ዝረኸሱ ብምውፋይ  ንዓኻ ዝበቕዕ መሥዋዕቲ ገይሩ ዘቕረበ ሊቀ ካህንና እዩ። ካብ ደም ኣቤል ክሳዕ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዝተቐትለ ደም ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ ዝፈሰሰ ኩሉ ደም ንምድኃን ሰብ ከም ዘይበቕዕ ረኣኻ፡ ምእንቲ ክንድኅን ከኣ ተበጃውን መድኃንን ወድኻ ለኣኽካልና፡ ከቶ ውን ካብ ኃይላትን ሰማያውያን ሰራዊትን ሊቀ ካህናት ኣየተንሳእኻልናን። ንስኻ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ ኢልካ ዝመሓልካሉ ብዘይካ ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ሓደ እኳ የልቦን። ነፍሳትና ምድኃንካ ስለ ዝረኣያ የመስግናኻ ኣለዋ። መንፈስ ቅዱስ ንልባትና ብጥበብካ ምልኣዮ፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን ኣሜን።

እቲ እግዚኣብሔር ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጉድለትን ኣበርን ዘይብላ፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላ ላም ኬምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ንገሮም። እዚኣ ንካህን ኣልኣዛር ሃብዎ፡ ንሱ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ (ዘኁ 19፡2-3)። እዚ እቲ ንደቂ እስራኤል ዝተዋህበ ትእዛዝ እዩ።

መ. ሓንቲ (አሐተ)

እቲ ንጥበቡ ብምሥጢር ዝገለጸ ኣምላኽ ስሙ ይባረኽ። እግዚኣብሔር ንደቂ እስራኤል ብዛዕባ እታ ንምጻህ ብዙሓት እትሓርር ቀያሕ ኣርሒ ካብ ዝሃቦ ወሳኒ ረቋሒ ብዝሒ እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ኣለኹ ዝብል ሰብ ብዕምቆት ከስተውዕሎ ዘለዎ ዓቢ ረቋሒ  እዩ። ስለ ዘሎካ እትድምረሉ ወይ ውን ስለ ዘይብልካ እትቕንሰሉ ከም ባህታኻ ዝዝወር ሕጊ ኣይኮነን።  እግዚኣብሔር እምበኣር እቶም ዝሞተ ሥጋ ሰብ ብምትንካይ ዝረኸሱ ኲሎም ክነጽህሉ ዝኽእሉ ካልእ መገዲ ኣይሰርዐን። እታ እንኮ መንገዲ ኣብ መሥዋዕቲ እዛ ሓንቲ ተንስተይቲ ቀያሕ ኣርሒ ምሕባር እዩ። ሓንቲ ዝብል ኣገላልጻ ንጹር እዩ ካልኦት ከም ዘየለዉ ውን ብግህዶ ዝሕብር እዩ፡ ዝድመር ነገር የለን። እታ ምእንቲ እቶም ዝረኸሱ ካብ ከተማ ወጺኣ፡ ኣብ ፊት ቤተ መቕደስ ተሓሪዳ፡ ደማ ውን ሾብዓተ ሳዕ ንወገን ቤተ መቕደስ ዝንጸግ ብሓዊ ተቓጺላ ድሕሪ ምሕራራ፡ ሓሙኽሽታ ተኣኪቡ ዝንበር ቀያሕ ኣርሒ ሓንቲ፡ ሓንቲ፡ ሓንቲ እያ ብዘይክኣ ነቶም ዝረኸሱ ከንጽህ ንሞት ክስዕር ዝኽእል የልቦን። እዞም ሎሚ ዘሎ ወለዶ ነስተውዕል ዶ ኣሎና? ብኃጢኣት ተታሒዝና መን’ዩ ዘድኅነና ንብልዶ ንህሉ? እከለ እኪሊት እናበልናኸ ንጽብጽብ ዶ ንህሉ? ምሥጢር እዛ ዝሓረረት ሓንቲ ቀያሕ ኣርሒ ልቢ ሂብና ተመርመርናዮ መልሲ ሕይወትና ክንረክብ ኢና።

ፍጥረት ሰብ ብምውዳቑ ኩላትና ባረዩ ምስ ኮንና ኣምላኽ ንሓደ ወዱ ንኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዓለም መድኃኒት ክኸውን ለኣኾ። ናይ ሰብ ድኅነት ክፍጽም ንሰብ ውን ከጽድቕ ዝኽእል ካብ ፍጥረት ሓደ’ኳ የልቦን። ኩላትና ኣርዑት ዝጾርና ኃጢአት ዝተንከፈና ካብ ጽድቂ ኣምላኽ ዝረሓቕና ምዃንና እግዚኣብሔር ሓደ እኳ ጻድቕ የለን ብምባል መኽተምታ ጌርሉ እዩ። ሊቀ ካህናት መሥዋዕትን መባእን ከቕርብ ካብ ሰብ፡ ምእንቲ ሰብ እዩ ዝሽየም። እቶም ቀዳሞት ካህናት ድኅሪ ሞት ዝቕጽል ኣገልግሎት ስለ ዘይነበሮም ብዙኃት ነበሩ፡ እዚቶም ናይታ ምድራዊት መቕደስ ኣገልገልቲ ነበሩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነሉ ዓቢ ምኽንያት ብዘይክኡ ከድኅን ዝኽእል ስለ ዘየልቦ እዩ። ንሱ ምእንቲ እቶም ብኃጢኣት ዝረኸሱ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ደሙ ብምፍሳስ ብብዙኅ መከራ ተሳቐየ፡ እዚ ደም እዚ ኸኣ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ዘወትር ዝቕድስ እዩ። ኢየሱስ ከኣ ንሕዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኪቕድስ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ተሳቐየ (ዕብ13፡12) ስለዚ እምበኣር ብዘይካ ኢየሱስ ክርስቶስ ካልእ በጃ ሰብ ዝሞተ፡ ንሰብ ውን ከድኅን ዝኽእል ከቶ የልቦን። ብዘይካ ቅዱስን ብሩኹን ስሙ ውን ዘድኅን የልቦን። ሓንቲ ቀያሕ ኣርሒ ምእንቲ እቶም ዝረኸሱ ከም ዝሓረረት፡ ብሓሙኽሽትኣ ውን ከም ዘንጽሐት፡ ከምኡ ውን ምእንቲ ኩሎም ደቂ ሰባት ዝተሠውዐ ክርስቶስ ኢየሱስ ጥራይ እዩ። ብደሙ ንዝተሓጽቡ ዂሎም ሥርየት ኃጢኣትን ናይ ዘለዓለም ሕይወትን ኣለዎም፡ ሎሚ ውን ደሙ ሕያው እዩ ኦ ጐይታ ብደምካ ሕጸበኒ ኢልና ንጸሊ። ብእኡ ክንድኅን ዝግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተዋህበን። ስለዚ ድኅነት ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን ግብ 4፡12።


No comments:

Post a Comment