Thursday, January 17, 2019

ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ቀያሕ ኣርሒ 7ይ ክፋል



                   በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን                                                         
ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ቀያሕ ኣርሒ 7ይ ክፋል 

ብግፍዒ ኂዞም ፈረድዎ፡ ናብቲ ዚቕተለሉ ቦታ ጐቲቶም ወሰድዎ እሞ ቀተልዎ፡ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖ መከራ ዝተገደሰ ሓደ እኳ የልቦን። ብምኽንያት ገበን ሕዝብና ተቐትለ( ኢሳ 53፡8)።

ኦ ብሩኽን ቅዱስን ዝኾንካ ቅዱስ ኣቦና ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣለኹ። ንስኻ ንፍጥረት ኩሉ ብጥበብካ ዝደኮንካ ቕዱስ ኣምላኽና ኢኻ እነሆ ኸኣ ምድሪ ብምልእታ ንኣኻ ትዕልል ኣላ። ፍጥረት ኩሉ ኸኣ ምግላጽ እቶም ደቂ ኣምላኽ እናተጸበየ ይናወጽ ኣሎ፡ ንሕና ውን ተስፋ ምጽኣት እናናፈቕና ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበየካ ኣሎና። ሰብ ከም ዝኃጥአን ኣብ ቅድሜኻ ውን ብግብሪ ጽድቒ ክጸድቕ ከም ዘይክእልን ብግልጺ ነገርካና። ንሕና ውን ሰብ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ሕጊ ብምፍጻም ክጸድቕ ከም ዘይክእል ስለ ዝተረዳእና፡ ምእንቲ ክንጸድቕ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና። ደሙ ኣባና ተነጺጉ ንርኽሰትና ካባና ኣወገዶ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ብምስቓዩን ደሙ ብምፍሳሱን  ናይ ሓድሽ ኪዳን መንጐኛ ኾነ። ንሱ በይኑ ናብ ኣቦ ዘእቱ መገዲ ሕይወት እዩ። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ! ንስኻ በይንኻ ብምፍሳስ ደምካ ዘድኃንካኒ መድኃንየይ ኢኻ። ኦ ቅዱስ መንፈስ ጥበብ፡ ምስትውዓል፡ ምርዳእ ምሥጢራት  ቃላትካ ዓድለና ንዓ እሞ ንሕዝብኻ ብቃልካ ብጻሕ፡ ንኣእምሮ ኩሉ ኸኣ ኣብርህ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ምስጋና ይኹን፡ኣሜን።
እቲ እግዚኣብሔር ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጉድለትን ኣበርን ዘይብላኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላ ላም ኬምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ንገሮም። እዚኣ ንካህን ኣልኣዛር ሃብዎ፡ ንሱ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ ( ዘኁ 19፡2-3። እዚ እቲ ንደቂ እስራኤል ዝተዋህበ ትእዛዝ እዩ።

ሰ. ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ
እግዚኣብሔር (ያህዌ) ንእስራኤላውያን ብዛዕባ ሥርዓት ምንጻህ ቀያሕ ኣርሒ ኣብ ዝሃቦ ትእዛዝ መሰውዒ ኣተኲሮ ተዋሂቡ ዝተገልጸ ዓቢ ረቋሒ እዩ። እቲ ብዛዕባ ምሥጢራቱ ንእስራኤላውያን ዝገልጽ ዘሎ ሕያው ኣምላኽ ንሓሳቡን ድሌቱን ርዒምና ምእንቲ ክንእዘዞ ብዘየጋጊ መረዳእታ ብቕደም ተኸተል ነቲ ትእዛዝ ኣቐሚጡልና ኣሎ። እቶም በድኒ እንስሳታን ኮነ፡ ስጋ ምውት ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝተንከዩ ምስ ሞት ብምሕባሮም ርኹሳት እዮም። እዚኣቶም ናብ ማኅደር ኣምላኽ ኮነ ናብ ሕብረት እስራኤላውያን ክድመሩ መሰል የብሎምን እኳ ደኣ ብሰንኪ ርኽሰቶም ናብታ ከተማ ክኣትዉ ኣይክእሉን እዮም። ሙሴ ነቶም ምስ ሚድያናውያን ንምውጋእ ዝኸዱ 12000 ሰራዊት ካብ ምርኮ ድኅሪ ምምላሶም ንሓላቁ ሰራዊት ኣኪቡ ከምዚ በሎም፦ ካባኻትኩም ሰብ ዝቐተለ ዘበለን ዝተቐትለ ዝተንከየ ዘበለን ክሳዕ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይስፈሩ። ንሳቶምን ምሩኻቶምን ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሳብዐይቲ መዓልትን ገዛእ ርእሶም የንጽሑ………….ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኽዳውንትኹም ሕጸቡ፡ ክትነጽሑ ድማ ኢኹም፡ ሽዑ ናብ ሰፈር ክትኣትዉ ትኽእሉ (ዘኁ31፡19-24)። እዛ ምእንቲ እዞም ዝረኸሱ ካብ ከተማ ናብ ወጻኢ ብምውጻእ እትሕረድ ቀያሕ ላም ደማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ምኽዓዉ ምስጢሩ ነቶም ብምኽንያት ርኽሰት ንኸተማ ክኣትዉ ዘይከኣሉ መንጐኛ ብምዃን ናብ ከተማ ምእታው እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን (ናብ ሕብረት ኣምላኽ) ዘብጽሕ መገዲ ደም፡ ምዃኑ ዝሕብር ግሉጽ ምስጢር እዩ። ሰብ ኩሉ ብኃጢኣት ረኺሱ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ናብ ከተማ ክኣቱ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰብ ካብ ወጻኢ ናብ ውሽጢ ንኸእቱ እዩ መንጐኛ ኾይኑ፡ ኢየሱስ ግና ንዘለዓለም ዚነብር ስለ ዝኾነ፡ ዘይሓልፍ ክህነት ኣለዎ። ስለዚ ድማ ዂሉ ጊዜ ምእንትኦም ክማልድ ዝነብር ስለ ዝኾነ፡ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ንዘለዓለም ኬድኅኖም ይኽእል እዩ(ዕብ 7፡24-25)።ነቢይ ኢሳይያስ ውን ከምዚ ይብል ብግፍዒ ኂዞም ፈረድዎ፡ ናብቲ ዚቕተለሉ ቦታ ጐቲቶም ወሰድዎ እሞ ቀተልዎ፡ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖ መከራ ዝተገደሰ ሓደ እኳ የልቦን። ብምኽንያት ገበን ሕዝብና ተቐትለ( ኢሳ 53፡8)። እዚ ብግፍዒ ተታኂዙ ዝተፈርደ፡ ናብ ዝቕተለሉ ቦታ ዝተወስደ እሞ ዝተቐትለ፡ ኣበርን ጉድለትን ዘይተረኽቦ ክንሱ ብምኽንያት በደል ብዙኃት ዝተቐትለ መን እዩ? ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖ መከራ ዝተገደሰ ሓደ እኳ የልቦን ዝብል መሪር ቃል ሰባት ክሳዕ ክንደይ ካብ ድኅነት ከም ዝኾብለሉ ዝገልጽ ረዚን ቃል እዩ። ነፍሲወከፍ ምእንቲ ድኅነት ገዛእ ርእሱ እንተዘይሓሰበ ብርግጽ ክመውት እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣበር ዘይተረኽቦ ጻድቕ ክነሱ ምእንቲ ገበን ብዙኃት ብግፍዒ ተታሒዙ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ተፈርደ። ብኡ ብኡ ኸኣ ንሳቶም ብመከራን መግረፍትን ከቢድ ስቅያትን ኣብ  ወጻኢ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣብ ዕንጨይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። እታ ሓንቲ፡ ኣበር ኮነ ጉድለት ዘይብላ፡ ኣርዑት ውን ዘይተሰቕለላ ቀያሕ ኣርሒ መንጐኛ ብምዃን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ተሓሪዳ ብሓዊ ትቃጸል ነበረት፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ንጹሐ ባሕርይ ክነሱ ምእንቲ ገበን ሕዝቢ፡ ጻድቕ ፍርዲ እግዚኣብሔር ተቐቢሉ ነቶም ብምኽንያት ኃጢኣት ኣብ ወጻኢ ሰፈር ዝነበርና፡ ብእኡ ብምእማንና  ብደሙ ተሻይጡ ናብ ውሽጢ ከተማ ኣእተወና፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ናይ ሓዲሽ ኪዳን መንጐኛ ብምዃን ንዘለዓለም ሊቀ ካህንና ኮነ።

No comments:

Post a Comment