በስመአብ ወወልድ
ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
ሓሙኽሽቲ ናይታ
ዝሓረረት ቀያሕ ኣርሒ 8ይ ክፋል
ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑ፡ ብምንጻግ
ደሙ ኸኣ ምእንቲ ኽትነጽሑ፡ በቲ ቐዳሲ ዝኾነ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ፡ እግዚአብሐር ኣቦ ዝኃረየኩም፡ ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛኅ
(1ጴጥ 1፡2) ።
ኣኅዋት ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ
ተባሂልና ምእንቲ ክንስመ፡ ቅዱስ ወድኻ ውን ብምንጻግ ደሙ ምእንቲ ከንጽሓና ካብ ኣርያም ናባና ለኣኽካዮ ስለዚ ኸኣ ኦ ቅዱስ ኣቦ ንባርኸካ ኣሎና ። ሰብ ሕጊ
ብምፍጻም ክጸድቕ ስለ ዘይክእል ምእንቲ ክንጸድቕ ቅዱስ ወድኻ በጃ ኃጢኣትና ሞተ። እዚ እቲ ብእምነት ጥራይ ዝርከብ፡ ንኃጣኣን ከኣ ዝቑጸር ጽድቂ ኣምላኽ እዩ። ኦ እግዚኣብሔር ጐይታ
ሰራዊት ቅዱስ ወድኻ ስለይ ተሳቕዩ እዩ፡ ኣነ ውን ብግብሪ ክጸድቕ ከም ዘይክእል ተረዳእኩ እሞ ምእንቲ ጽድቂ ክቑጸረለይ፡ በቲ
ካብ ምውታት ዘተንሳእካዮ ቅዱስ ወድኻ ኣመንኩ፡ ብእምነት ከኣ ጽድቂ ተቖጽረለይ። ንሱ ብደሙ ዘለዓለማዊ ሕይወት ሃበኒ፡ ካብ ድቕድቕ
ጸልማት ኣውጺኡ ኸኣ ናብ ክብሪ ኣቡኡ ኣእተወኒ ስም ጐይታ ኢየሱስ ዝኸበረ ይኹን ኣሜን። ኢየስስ ክርስቶስ ብሞቱ ነቶም ጽድቂ ዘይብሎም
ኃጥኣን ከጽድቕ ዝመጸ ወዲ እግዚኣብሔር’ዩ ንእኡ ንዘለዓለም ክብሪ ይኹን። ኦ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ ሎሚ
ውን ኣብ ቕድሚ ኣቦ ጠበቓይ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ደምካ ውን ሕያው እዩ ነፍሰይ ተመስግነካ ኣላ። ኦ ጐይታና ምጽኣትካ ሃሪፍና ንጽበ
ኣሎና ማራናታ ኢየሱስ፡ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ንጉስና። ኦ ክቡር መንፈስ ብጥበብካ ኣዕብየና ንውሉድካ በቲ ቅዱስ ኃይልኻ ምርሓና፡
ንኹሎም እቶም ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ከይርእዩ ጸላኢ ንልቦም ኣዕዊርዎ ዘሎ ብርሃን ሃብ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እልምነካ
ኣለኹ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹን።
እቲ ንጹሕ
ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሣልሰይቲ መዓልትን በታ ሳብዐይቲ መዓልትን ይንጸገሉ፡ ኣብታ ሳብዐይተን መዓልቲ ኸኣ ንጹሕ ክኸውን እዩ።
እቲ ዝነጽሕ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓጸብ፡ ምሸት ከኣ ንጹሕ ክኸውን እዩ (ዘኁ 19፡19) ።
እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት ንዓሚቊ ምሥጢሩን መደቡን ብጥበብ
እዩ ንእስራኤል ዝነግሮም ዘሎ። እዚ ጥበብ እዚ ምድራዊ ኣይኮነን። እዚ ጥበብ እዚ ብብዝሒ ገንዘብ ዝዕደግ ውን ኣይኮነን፡ ነዚ
ጥበብ እዚ ክርድኡን ክፈልጡን ዝኽእሉ እቶም ብምስትውዓል ንቓሉ ዝእዘዝዎ ንሕጉ ውን ለይትን መዓልትን ዝምርምርዎ ብጹኣን እዮም።
እታ ሓንቲ ኣበር ዘይተረኽባ ቀያሕ ኣርሒ ምእንቲ በደል እቶም ርኹሳት ኣብ ወጻኢ ከተማ ሓረረት። ሓሙኽሽታ ውን ብንጹሕ ሰብ ኣብ
ንጹሕ ቦታ መንጽሒ ምእንቲ ክኸውን ተነብረ። እቶም ዝረኸሱ ኩሎም ኣብ ኣርዑት ሞት ዝተቖርኑ ኃጥኣን ምዃኖም ግሁድ እዩ። እዚኣቶም
ናብታ ከተማ ክኣትዉ ዘይክእሉ በደለኛታት እዮም። ዕላማን ተልእኾን እዛ ቀያሕ ኣርሒ ንጽሕና ምቚጻር እዩ። እቶም ርኹሳን ከመይ
ኣቢሎም እዮም ንጹሓን ዝበሃሉ? እቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዘለዉ ከመይ ኣቢሎም እዮም ኣብ ዘደንቕ መለኮታዊ ስፍራ ዝኣትዉ?
እቶም ኃጥኣን ክመይ ኣቢሎም እዮም ጻድቃን ዝኾኑ? እቶም ምዉታት ከመይ ኣቢሎም እዮም ዝድኅኑ? ብሓቂ ዶኸ ነዚ ኹሉ ነገራት ክዉን
ንምግባር ጽድቂ ገዛእ ርእሶም ከዋህልሉ ዶ ይኽእሉ እዮም? እቲ ቅኑዕ
መልሲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተነቢሩልና ኣሎ። ኲሎም እቶም ዝሞተ ሥጋ ሰብን በድኒ እንስሳታትን ኣዕጽምቲ ቅቱላትን ብምትንካፍ ዝረኸሱ ካብ ክብሪ ኣምላኽን ካብ ጉባኤ እስራኤልን ፍሉያት እዮም።
ብጽድቂ ገዛእ ርእሶም ክነጽሑ ስለ ዘይክእሉ ከኣ እዮም በጃ ኃጢኣቶም ኣበር ጉድለት ዘይብላ፡ ኣርዑት ውን ዘይተሰቕለላ ቀያሕ ኣርሒ
ፍርዲ ተቐቢላ ብሓዊ ዝሓረረት። እቲ ምስ ረኸሰ ማይ ምንጻሕ ዝተነጽገ ሰብ ብጹእ እዩ፡ ንእኡ ብሞት እታ ኣበር ዘይብላ ቀያሕ ኣርሒ
ጽድቂ(ንጽሕና) ተቖጺርሉ እዩ። ጽድቂ ዝቚጸር ደኣ እምበር ዝውህለል ኣይኮነን። እቲ ኃጥእ ብበጃነት ቀያሕ ኣርሒ ንጹሕ ኮነ፡ ብእምነት
ከኣ ንጽሕና ተቖጽረሉ ናብታ ከተማ ክኣቱውን ምሉእ ብቕዓት ረኸበ፡
ዝድምረሉ ዕዮ ገዛእ ርእሱ ሓንቲ እኳ የብሉን። ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ምእንቲ ክንከውን ብምንጻግ ደሙ ምእንቲ ከንጽሓና ብቐዳሲ
ዝኾነ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቦ ካብ ቀደም ኃረየና። ሰብ እምበኣር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝምክሓሉ ወለሓደ ነገር ምእንቲ
ከይህልዎ ኲሉ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዝወደቐ ኣግሂዱ ተዛረበ። ሕጊ ኃጢኣት ምእንቲ ከግህድ ደኣ እምበር ንሰባት ከጽድቕ
ኣይተዋህበን። “ ኩሉ ሰብ ዘመኻንዮ ምእንቲ ኽስእን፡ ኲሉ ዓለም ውን ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ምእንቲ ክፈልጥ፡
እቲ ሕጊ ዚእዝዞ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ከም ዝኾነ ንፈልጥኢና። ስለዚ ሥጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕጊ ብምፍጻም
ዚጸድቕ የልቦን። ከመይ ሕጊ፡ ኃጢኣት ከም ዘሎ ጥራይ እዩ ዘፍልጥ (ሮሜ 3፡19-20)”። ሰብ ብምኽንያት
ኃጢኣት ሞይቱ እዩ፡ ብርግጽ ውን ኣብ ትሕቲ ቚጥዓ ኣምላኽ ወዲቑ እዩ። ሰብ ክጸድቕ ዝኽእል እምነቱ ንጽድቂ ምስ ዝቚጸረሉ ጥራሕ
እዩ። ምኽንያቱ ኸኣ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ጽድቂ ዝቚጸር ደኣ እምበር
ዝውህለል ኣይኮነን። ቀዳሞት ኣቦታትና ብእምነቶም ጽድቂ ተቖጽረሎም እዚ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ጽድቒ እዩ። ኣብርሃም ብእግዚኣብሔር
ኣመነ እምነቱ ውን ንጽድቂ ተቖጽረሉ፡ ብእምነቱ ኸኣ ጻድቕ ኮነ እዚ ኸኣ ውህበት እዩ። “እቲ
ንጽድቒ ተቘጽረሉ” ዚብል ቃል ንኣብርሃም ጥራይ ኣይተጻሕፈን። ንኣና ውን እዩ። ንኣና በቲ
ንኢየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘንሥኦ ንእንኣምን ከኣ ኺቚጸረልና እዩ። ንሱ ምእንቲ ኃጢኣትና በጃ ዝኾነ፡ ንኣና ንኸጽድቕ ውን
ካብ ሞት ዝተንሥአ እዩ (ሮሜ5፡23-25)። ስለዚ እምበኣር ብምሕራድ እቲ ገንሸል ክርስቶስ ኃጢኣት ተወጊዱ ብእምነት ጽድቂ ተቖጽረልና።
ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ቀያሕ ኣርሒ ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ዘንጽሖም ካብ ኮነስ፡ ደም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቶም ብእኡ
ዝኣምኑ ተነጺጉ ዘየጽድቕ’ዶ ይመስለና? ምስ ኣቦ ዘይዓቖምዶ ይመስለና? ሎሚ ልብና ናብ እግዚኣብሔር ንምለስ “ክጸድቕ ኣይክእልን
እየ” ዝብል ከንቱ ሓሳብ ካብ ልብና ኣውጺእና ምእንቲ ክንጸድቕ ነቲ ብምንጻግ ደሙ ክሓጽበና ዝኽእል ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነት
ንጸውዓዮ። ጽድቂ ገዛእ ርእስና ደርቢና ጽድቂ ኣምላኽ ንልበስ። ጽድቂ
ገዛእ ርእስና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንኸነንርብ እንገብሮ ኩሉ ነገር ከንቱ እዩ ከቶ ውን ንደም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምቅዋም እዩ።
እስራኤል ጽድቂ ገዛእ ርእሶም ከቑሙ ብምድላዮም ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን። ሥጋ ዝለበሰ ኲሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕጊ ብምፍጻም ክጸድቕ ኣይክእልን
እዩ፡ ሥጋ ዝለበሰ ኹሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእምነት እዩ ዝጸድቕ። ነቲ ብኣምላኽ ዝመጽእ ጽድቂ ሰኣን ምፍላጦም፡ ጽድቂ ርእሶም ኬቚሙ ብምድላዮም፡ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ
ኣምላኽ ኣየግዝኡን። ዚኣምን ዘበለ ዂሉ ምእንቲ ኺጸድቕ ክርስቶስ መደምደምታ ሕጊ ሙሴ እዩ (ሮሚ10፡3-4)።
No comments:
Post a Comment