Friday, January 18, 2019

ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ቀያሕ ኣርሒ 9ይ ክፋል


በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ቀያሕ ኣርሒ 9ይ ክፋል
ነቲ ጒልባብ እቲ ዝቐልዖ ክርስቶስ ጥራይ እዩ 2ቆሮ 3፡14

እቲ ኣብ ሕግኻ ዘሎ ሰናይ ነገር ንልበይ መሃሮ፡ ኦ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ምሥጢራትካን መደባትካን እቲ ብጐይታና ኢየሱስ ዝተገልጸ ሓቕን ዓቢይ እዩ እሞ አመስግነካ ኣለኹ። ንዘመናት እተሕልፍ ቅዱስ ኣቦ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ጒልባብና ምእንቲ ክቕንጠጥ መሥዋዕቲ ኃጢኣት ክኸውን ፈቐድካ። እዚ ልዕሊ ኩሉ ግልጸታት እዩ፡ እዚ ጥበብ እዚ መለኮታዊ ጥበብ እዩ፡ እነሆ ኸኣ ሎሚ ጽድቕን ምድኃንን ኮይኑለይሲ ብደም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ንኽብርኻ ንኸይንርኢ ዝጋርድ ዝነበረ ጒልባብ ተቐሊዑ ኣሎ። ኦ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ብደምካ ኣንጺህካኒ፡ቀዲስካኒ፣ኣጽዲቕካኒ ኢኻ እሞ ንዘልዓለም ነፍሰይ ትባርኸካ ኣላ። ምርኮ ምእንቲ ምሳኻ ክንምቀል በቲ ቀዳሲ ዝኾነ ደምካ ዓዲግካ ሓራ ገበርካና። ንስኻ ኣበሳ ብዙሓት ብምጻር፡ ከማና ብሥጋን ደምን ተኻፊልካ ጻድቅ ሰብ ዝኾንካ ወዲ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንጹህ ሊቀ ካህናት ብምዃን ናብ ኣቦ ምእንታና ጸሎትን ልመናን ገዓርን ዘቕረብካ ርኅሩኅ ጠበቓና ኢኻ። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ተሓሪድካ ኣድሒንካና ኢኻ እሞ ነመስግነካ ኣሎና። እቲ መፈጸምታ ዘይብሉ ፍቕርኻ ዓበይ እዩ እሞ በዞም ዘመናት እዚኦም ውን ምሕረት ግበረልና፡ እቶም ንኽብርኻ ምእንቲ ከይርእይዎ ኣብ ልቦም ጒልባብ ሸፊንዎም ዘለዉ ኲሎም ብኣኻ ብደምካ ተሸፊኖም ናብ ክብሪ ምእንቲ ክመጹ ክትረድኦም ንልምነካ ኣሎና። መንፈስ ቅዱስ ንስኻ ኣብ ልብና ሕይወት ዝጸሓፍካ ከምኡ ውን ሕይወት ዝዓደልካ ኢኻ እሞ ነመስግነካ ኣሎና። ካብ ናይ ሞት ኪዳን ኣውጺእካ፡ ኣገልገልቲ ሓዲሽ ኪዳን ምእንቲ ኽንከውን ዝሓተምካና ቅዱስ መንፈስ ስምካ ይባረኽ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹን።

ካህን ኣልኣዛር ከኣ ኻብቲ ደማ በጻብዑ ወሲዱ፡ ነቲ ኣነ ዝርከበሉ ድንኳን ብሸነኽ ቅድሚቱ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸገሉ ዘኁ19፡4

ንኣምላኽ (ኣቦ) ዝረኣዮ ሓደ’ኳ የልቦን፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦ ዘሎ፡ እቲ በይኑ ውሉድ ዝኾነ ኣምላኽ፡ ገለጾ ዮሃ1፡18. እቶም ተሰዊሮም ዝነበሩ ምሥጢራት ብብምጻእ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጾም ኣለዉ። ኣዕይንትናን ልብናን እንተኸፈትና ወንጌል ነቶም ዝቕበልዎ ግሉጽ ነቶም ዝቃወምዎ ኸኣ ፈጺሙ ዝሕምሽሽ እምነ- መኣዝን እዩ። እቲ እግዚኣብሔር ንደቂ እስራኤል ዝሃቦም ትእዛዝ ቀያሕ ኣርሒ እምበኣር ክሳዕ ክንደይ ዓቢይ ምስጢር ከም ዝሓዘለ ንረዳእ። እታ ሓንቲ፡ ኣበር ኮነ ርኽሰት ዘይብላ፡ ኣርዑት ውን ዘይተሰቐለላ ቀያሕ ኣርሒ፡ ካብ ሰፈር ወጻኢ ፍርዲ እቶም ርኹሳት ተቐቢላ ተሓርደት። እቲ ካህን ካብ ደማ ብኣጻብዑ ጠሚዑ ናብቲ እግዚኣብሔር ብኽብሪ ዝግለጸሉ ቤተ መቕደስ ሾብዓተ ሳዕ ካብ ደማ ይነጽግ ነበረ ብርግጽ እዚ ምሥጢር ዓቢይ እዩ። ኣብ መንጐ እቶም ሥጋ ምውት ሰብን በድኒ እንስሳታትን ብምትንካይ ዝረኸሱ ኲሎምን ኣብ መንጐ እግዚኣብሔር መጋረጃ(ጒልባብ) ኣሎ። እዚ ጒልባብ እዚ እቶም ርኹሳት ክብሪ እግዚኣብሔር ከይርእዩን ዘይሳተፉን ዝኽልክል እዩ። ዂሎም ረኺሶም እዮም ንጒልባቦም ቀንጢጡ ናብ ከተማ ከእትዎም ዝኽእል መን ኮን’ዩ? ሓደ እኳ የልቦን። ኣብ ማእከል እታ ከተማ ኣብ ዘሎ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ ቤተ መቕደስ ውን እንተረኣና ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዝኽልክል መጋረጃ ኢና እንረክብ። ብዘይካ ካብ ወገን ኣሮን ዝኾነ ሊቀ ካህናት ንሱ ውን ደም ደዓውልን ገናሽልን ብምሓዝ እዩ ናብቲ ክብሪ እግዚኣብሔር ዝግለጸሉ ቅድስተ ቅዱሳን ዝኣቱ። ነቢየ እግዚኣብሔር ሙሴ 40 መዓልትን ለይትን ምስ እግዚኣብሔር ተዘራሪቡ ካብ እምባ ሲና ምስ ወረደ፡ ምስ እግዚኣብሔር ብምዝርራቡ ገጹ የንጸባርቕ ነበረ( ዘጸ34፡33)። ደቂ እስራኤል ከኣ ምስ ሙሴ ንኸይዘራረቡ በቲ ዝቕህም ኣንጸባራቒ ክብሪ ይፈርሑ ብምንባሮም ሙሴ ገጹ ይጒልብብ ነበረ። እሞ እምበኣር ነስተውዕል ኣብ መንጐ ደቂ እስራኤልን ኣብ መንጐ እቲ ዘንጸባርቕ ክብርን፡ ነቲ ክብሪ ዝጋርድ ጒልባብ ኣሎ፡ እዚ ጒልባብ እዚ ክሳዕ ዘይተቐልዐ ኽኣ ኣብ ክብሪ ምስታፍ ዝበሃል የልቦን። እቶም ዝረኸሱ ነቲ ጒልባብ ከርሕቑ ካብ ዘይክእሉ ደኣ ከመይ ኣቢሎም ክድኅኑ እዮም። ብመሠረቱ ኸ ነዚ ጒልባብ ክቕንጥጥ ዝኽእል መን እዩ? ኣብ ሕጊ ከም እንምልከቶ ነዚ ጉልባብ እዚ ብድፍረት ክሰግር ዝኽእል ደም ጥራይ እዩ። ስለዚ ኸኣ ደም ናይታ ዝተሓርደት ቀያሕ ኣርሒ፡ ካብ ሰፈር ርኹሳት ናብቲ እግዚኣብሔር ብኽብሩ ዝግለጸሉ ወገን ቤተ መቕደስ ተነጽገ። ከምኡ ውን ደም እቶም ኣብ መሠውዒ ዝተሓርዱ ገናሽል፡ ካብ መሰውዒ ተላዒሉ መጋረጃ ሰጊሩ ኣብ ልዕሊ ናይ ሥርየት መኽደኒ ይክዖ ነበረ። እዚ ምሳሌ ናይዚ ዘመን እዚ እዩ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ መባእን መስዋዕትን ከኣ ናይቲ ዜቕርብ ሰብ ሕልና ከንጽሕ ከም ዘይክእል የመልክት። እዚ እቲ ዘመን ምሕዳስ ክሳዕ ዚመጽእ ዚግበር ናይ ብልዕን መስተን ናይ በብዓይነቱ ዝኾነ ናይ ምንጻሕ ግዳማዊ ሥርዓት ጥራይ እዩ። ክርስቶስ ግና ናይቲ ድሮ መጺኡ ዘሎ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኮይኑ መጸ ኣብቲ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረ፡ ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኮነ ብሉጽን ፍጹምን ድንኳን ኣተወ። ደም ድቤላታትን ምራዂትን ዘይኮነስ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ደም ኂዙ፡ ዘለዓለማዊ ድኅነት ረኺቡልና ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ኣተወ(ዕብ 9፡9-12)። ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ብናይ ገዛእ ርእሱ ደም ናብቲ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረ ድንኳን ሓንሳእ ንሓዋሩ ኣተወ፡ እዚ ኣበር ዘይተረኽቦ ክርስቶስ፡ ኣርዑት ኃጢኣት ዘይተሰቕሎ ክርስቶስ፡ ተደማሪ ኾነ ተወሳኺ ኣድኃኒ ዘይብሉ እንኮ ክርስቶስ ምእንቲ እቶም ርኹሳት ኣብ ወጻኢ ሰፈር ተሓሪዱ ሞተ። እቲ ንዘመናት ክብሪ ኣምላኽና ንኸይንርኢ ጋሪዱና ዝነበረ መጋረጃ( ጒልባብ) ብደሙ ተተርተረ። እነሆ ኸኣ መጋረጃ ቤት መቕደስ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተርተረ ማቴ 27፡51. እታ ቀያሕ ኣርሒ ብደማ ነቶም ርኹሳት ንመቅደስ ኣቢሉ ዘእቱ፡ ካብ ወጻኢ ሰፈር ዘርሕቕ መገዲ ደም ኮነት። ቅድም ሞት፡ ስዒቡ ኸኣ ምንጻግ ደም ኣርሒ እዩ ዘሎ፡ስለዚ ኸኣ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ በጃ ኹሉ ሞተ፡ ናይ ገዛእ ደም ሒዙ ኸኣ ናብታ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት ድንኳን ኣተወ። ንሱ ብደሙ መገዲ ሕይወት ኮነ፡ንብዙኃት ዘጽድቕ ኣገልግሎት ሓዲሽ ክዳን ምስርዑ ኸኣ ብምትርታት መጋረጃ ቤት መቕደስ ኢዮርሳሌም ተጋህደ። ካብ ኃጢኣት ርሒቐ ብናይ ገዛእ ርእሰይ ዓቕሚ ንእግዚኣብሔር ከስምሮ እየ ዝብል ናይ ዲያብሎስ ሓሳብ ሎሚ ክስበር ኣለዎ። ሕጊ ብምፍጻም ንኣምላኽ ከስምሮ እየ ዝብል ከንቱ ሓሳብ ሎሚ ክስበር ኣለዎ፡ ንምንታይ’ከ ዘመናትና ብኸንቱ ዝሓልፍ፡ እቲ ሕጊ ዝቐተሎ ጥራይ እዩ ትርጉም ጸጋ(ደም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ) ከስተውዕልን ክኣምንን ዝኽእል። ልቦም ተደፊኑ እዩ፡ ብሉይ ኪዳን ኬንብቡ ኸለዉ እቲ ጒልባብ እቲ ገና ክሳዕ ሎሚ ኣይተቐልዓሎምን፡ ከመይ ነቲ ጒልባብ እቲ ዝቐልዖ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። እወ ክሳዕ ሎሚ ውን ሕጊ ኦሪት ኪንበብ ከሎ ልቦም ብመጋረጃ ኽዉል እዩ። ሓደ ሰብ ናብ ጐይታ እንተተመልሰ ግና እቲ ጒልባቡ ይቕንጠጠሉ እዩ(2ቆሮ3፡14-16)። 
ጸሎት፦ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እደልየካ ኣለኹ፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ተበጂኻኒ ብዘይካኻ መድኃኒ ከም ዘየልቦ ውን ሕጂ ተረዳአኹ፡ደምካ ሕያው እዩ እሞ ኣንጽሓኒ። እቲ ምእንታይ ዘፍሰስካዮ ደምካ ንኸድሕነኒ፡ ከጽድቐኒ ምሉእ ብቕዓት ኣለዎ፡ ኦ ጐይታ ኪዳን ሞት ኣፍሪሰ ብደምካ ኪዳን ሕይወት ይኣቱ ኣለኹ፡ ንኃጢኣት፡ ንሞት ንዲያብሎስ እኽሕድ ኣለኹ፡ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብግብረይ ክጸድቕ ከም ዘይክእል ተረዲአ ብደምካ ከተጽድቐኒ ጉልባበይ’ውን ክትቀልዕ እጽውዓካ ኣለኹ።መንፈስ ቅዱስ ኣበርትዓኒ፡ ደግፈኒ። ንኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹን።ኣሜን።

No comments:

Post a Comment