Thursday, January 3, 2019

ንፈልጥ'ዶ?



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
ንፈልጥዶ፧

ከመይ ካብቲ ካብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩሞ ኸንቱ ዝኾነ ሕይወት፡ ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል፡ማለት ብኽቡር ደም ክርስቶስ ኢኹም ዝደሓንኩም እምበር ብጠፋኢ ዝኾነ ነገር፡ ብብሩር ወይ ብወርቂ ኸም ዘይደኃንኩም ትፈልጡ ኢኹም (1ጴጥ1፡18-19) ።
ዎ እግዚኣብሔር ንምርዳእ ጥቑዓትን ግፉዓትን ብፍጥነት ተንስእ። ነቶም ንምድኃንካ ክንርኢ እንናፍቅ ክትረድእ እትዓዪ ኣምላኽ ብጐይታ ኣባና ዕየ። ሎሚ ንምድርና ብወንጌል ቅዱስ ወድኻ ክትመልኦን ነቲ ኹሉ ዲያብሎስ ዝዘርኦ ክርዳድ ክትምሕዎ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እልምነካ ኣለኹ። ብዛዕባ እቲ ዘድኃነና ክንሓስብን ብደሙ ውን ንሕዝብና ሥርየት ኃጢኣት ክኾነሉ እልምን ኣለኹ። ኦ ኣምላኽ ነቲ መተካእታ ዘይብሉ ቅዱስ ወድኻ ሂብካና ኢኻ፡ ንሱ ውን ብደሙ ካብ ባርነት ኣውጺኡ ሓራ ገይሩና ኣሎ። ብኡ ዝኣምን ኣይክፍረዶን እዩ ከም ዝበልካ ኢየሱስ ጐይታን መሲሕን ጌርካ ዝቐባእካዮ እንኮ መድኃኒ ምዃኑ ኣሚና ኣሎና፡ ስሙ ይባረኽ። ኦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደልየካ ኣሎና ንዓናን ንሕዝብና ብዘይካኻ በጃ ዝኾነ መድኃኒ የልቦን ብዘይካኻ ውን ናብ ኣቦ ዘቕርብ የልቦን እሞ ብምሕረት ኣብ ሃገርና ኤርትራ ክትከብር ንጽሊ ኣሎና። ብደምካ ዝርከብ ሥርየትን ድኅነትን እዩ፡ ካብ ፍጡራት ዝርከብ ምድኃን ከቶ የልቦን። መንፈስ ቅዱስ ንልብና ኣብርህ። ንኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ስብሓት ይኹን።
ዘመናትና ስፉራትን ልኩዓትን እዮም፡ ኣብዚ ምድሪ ንነብረሉ እዋናት ውን ውሱን እዩ። እቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ንዕኡ ውን ከም ጐይታን መድኃንን ዝተቐበሉ ግና ኣብቲ ዝመጽእ ዓለም ምስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ዘመኑ ኣብ ዘይልካዕ ናብራ ክነብሩ እዮም። እዚኣቶም እቶም ብእምነት ዝደኃኑ ብደም ዝተቐደሱን ዝጸደቁን ሰባት እዮም። ኣብ መጽሓፍ ሓዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ንጐይታ ብእምነት ዝተቐበሉ ብደሙ ውን ዝጸደቑ ሰባት ዝተዋህበ ረዚን መጠንቀቕታ ዝሕዘለ “ትፈልጡ ኢኹም” ዝብል ቃል ኣሎ። ብደም ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል ኢየሱስ ከም ዝደኃንኩም፡ ከም ዝጸደቕኩም፡ ከም ዝተቐደስኩም፡ ኣብ ቕድሚ ኣቦ ውን ቅዱሳን ከም ዝኾንኩም ትፈልጡ ኢኹም ዚብል ሕያው ቃል እዩ። ብደም ኢየሱስ ጥራይ ንዝርከብ ድኅነት ኣሜን ኢልካ ምቕባል ብቕጽበት ዘጽድቕን ዘድኅንን ዕዮ ኣምላኽ እዩ። ሰብ ንኽጸድቕ ዝኸፍሎ ዋጋ፡ ገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ከግዝእን ነቲ ካብ ሰማይ ዝመጸ ቃል ውን ኣሜን ኢሉ ክቕበልን እዩ። ንፈልጥ ዶ ንኸውን ብመን ከም እንድኅን? ብመንጎኝነት ካልኦት ዝርከብ ድኅነትከ ኣሎ ዶ? ነቲ እሙን ገንሸል ዝኸውን ስቡር ልቢ ኣሎኒ ዶ? ብእኡ’ኸ ተማሪኸዶ? ዝብሉ ሕቶታት ክንሓስቦምን ክንመምዮምን ይግባእ እዩ።  ካብቲ ኸንቱ ዝኾነ ሕይወት ከውጽእ ዝኽእል ሓደ ጥራይ እዩ ንሱ ኸኣ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ሰይጣን ኣብ ምድርና ሕሱማት ጸሓፍቲ ብምስራዕ ኣንጻር ቅዱስ ወንጌል ዝኾኑ ናይ ክርዳድ መጻሕፍቲ ዘርአ፡ እዚኣቶም ኲሎም ከኣ ንሕዝብና ናብ ከንቱ ዝኾነ ትምህርቲ ኣውደቕዎ። ድኅነት ዘየምጽኡ ክነሶም ከምቲ ግበር ከምዚ እባ ደኣ ግበር እናበሉ ኣብ ህውተታ ከም ዝነብር ገበርዎ፡ ካብ ገጹ ኸኣ ነቲ ስቑል ኢየሱስ ክርስቶስ ከይምልከት ኣርሓቅዎ። እግዚኣብሔር ዘይኣዘዞ ትምህርታት ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ተረኽበ እዚ ኸኣ ፍጹም ዕንወት ኣምጽኣልና። ንስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክጽውዕ ዘሕፍሮ ወለዶ ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ውርደት የልቦን። ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር፡ ተነሳሕ ነቲ ቐዳማይ ግብርኻ ውን ግበሮ። እንተዘይተሳሕካ ግና መጺአ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ካብቲ ስፍራኡ ኸልግሶ እየ(ራእ 2፡5) ዚብል ቃል ሎሚ ውን ሕያውን ዝዓዪን እዩ።  “ንእሾኽ ብእሾኽ” ከም ዝበሃል ከኣ ንኽርዳድ (ናይ መንፈስ ቅዱስ ንዘይኮኑ ጽሑፋት) በቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝረኸብናዮ ሕያው ቃል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢና ክንምሕዎም እንኽእል። ነቲ ከም ጸባ ዝተመሰለ ሕዋስ ዘይብሉ ቃል ኣምላኽ ደኣ ከም ህጻን ሓንፊፍና ክንሰትዮ ተኣዘዝና እምበር ንዝረኸብናዮ ጽሑፋት ክንሕንፍፍ ኣይተኣዘዝናን። ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝደኃንኩም ትፈልጡ ኢኹም ንዝብል ቃል መጽሓፍ ደጋጊምና ብግልና ንልብና ንመርምሮ። ብመን ከም ዝደኃን ምፍላጥ ሓደ ነገር’ዩ፡ ብድኅሪኡ ኸኣ ነቲ ከድኅን ዝተሓርደ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ ኣድኅነኒ ኢልካ ምጽላይን፡ ኪዳን ሕይወት ብደሙ ምእታውን ከኣ  ወሳኒ እዩ።  ቐዋሚ ቐንዴልና ከይተወስደ ብፍጥነት ንነሳሕ፡ መድኃኒና መን ምዃኑ ውን ንፍለጥ’ሞ ንድኃን። ድኅነት ብውርሻ ኣይመኃላለፍን እዩ፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወት ምንጋስን ምቕባልን መልሱ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ  እዩ ዚርከብ። ዕዮን ሓሶትን ሕሱማት ጸሓፍቲ በቲ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ ክቕላዕ እዩ። ብርሃን ውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ከኣ ኣይሰዓሮን። ብርግጽ ኢየሱስ ብርሃንና እዩ፡ እቲ ንዘመናት ዝተዘርአ ክርዳድ ግን ንብርሃን ኣይሰዓሮን፡ ኣይክስዕሮን ውን እዩ። ክብሪ ነቲ ብደሙ ኣብ ኩሉ ዘመናት ንዝነበሩ ሰባት ዝዓደገ ኢየሱስ ክርስቶስ ይኹን። ኣብ ምድርና’ኳ ስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምጥፋእ ዘይተገብረ ውዲት ሰይጣን የልቦን ኣምላኽና ግን ብጥበቡ ንጥበብ ዓለም ዕሽነት ገበሮ። ድምጺ ፈታዊና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ንጸልማት ስዒሩ ኣብዞም ሎሚ ዘሎና ወለዶታት በጽሐ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ስለ ኹሉ ነገር ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን፣ መንፈስ ቅዱስ ብመገድኻ ምርሓና፡ ብዛዕባ ኢየሱስ ዘወትር ንገረና ኣስተምህረና ኣሜን።
1.      መን’ዩ ዘድኅን?
2.     ክድኅን ይኽእል ድየ?
3.     መድኃንየይ ይፈልጥ ድየ?
4.     ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ከጽድቐኒ ብቑዕ ድዩ?
5.     ካልእ ናይ ድኅነት መገዲ ኣሎ ዶ?

No comments:

Post a Comment