Friday, January 18, 2019

ተመለሲ




ተመለሲ

እቲ’ኳ ዝተቐልዐ ጒልባብኪ

ብደም ዝተተርተረ መጋረጃኺ፡

ወጊድ ኢልኪ ዝፈንፈንክዮ

ኣርዑት ባርነት ንምንታይ ደኣ በሃግክዮ፧

ሕይወት ከንኣን ያኢ ዓርዒሩኪ

ሽጒርቲ ግብጺ ናፊቑ ልብኺ፡

እመቤተይ! ተመለሲ ናብ መሲሕኪ

ሕግስ መጒዚት'ዩ ከቶ ነየጽድቐኪ።

No comments:

Post a Comment