Sunday, January 13, 2019

ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ኣርሒ ( ቀያሕ ላም) ካልኣይ ክፋል



 በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ኣርሒ ( ቀያሕ ላም) ካልኣይ ክፋል

“እንዘ ሥዉር እምኔነ፡ ይእዜሰ ክሱተ ኮነ”። ነቲ ብመሠረት እቲ ካብ ዘለዓለም ተሠዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና ዝተገልጸ ምሥጢር፡ ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልን፡ ከምቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዚስበኾ ዘሎን ገይሩ ኣብ እምነትኩም ደው ኬብለኩም ዚኽእል ኣምላኽ ክብሪ ይኹኖ። ሕጂ ግና እቲ ምሥጢር ብጽሕፈት ነቢያት ተጋሂዱ ኣሎ። ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለዓለም ኣምላኽ ከኣ ኲሎም ኣሚኖም ምእንቲ ክእዘዝዎ፡ ብዂሎም ኣሕዛብ ከም ዚፍለጥ ተገይሩ ኣሎ። ነቲ በይኑ ብዓል ጥበብ ዝኾነ ኣምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ሮሜ 16፡25-27 

ኦ ንዘመናት ዘሕለፍካ ዘመን ውን ዘይውስነካ ሕያው እግዚኣብሔር ብጥበብካ ንጥበብ ዓለም ከንቱን ዘይረብሕን ጌርካዮ ኢኻ እሞ ስብሐት ይኹንካ። ኦ ኣምላኸይ! ዝፋንካ ንዘለዓለም ዓለም ይነብር፡ ንመንግሥትኻ ብጽድቂ ተመሓድር። ጽድቂ ፈቶኻ፡ ክፍኣት ጸላእካ ስለዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኃለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ (መዝ 45፡6-7) ። ንስኻ ነቲ ዝቕጥቅጠና ዝነበረ በትሪ ሰበርካዮ ብኣኻ መድኃኒና ብዝኾንካ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅነት ረኺብና ኣሎና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹን። 

ኣብ ቀዳማይ ክፋል እታ እንኮን ቀያሕን ላም፡ ኣበርን ውርደትን ዘይተረኽባ ኣርዑት ውን ተሰቒሉላ ዘይፈልጥ ንጽሕቲ፡ ምእንቲ እቶም ምስ ሞት ሕብረት ዝገበሩ ኣብ ወጻኢ ሰፈር፡ ኣብ ፊት እቲ መራኸቢ ድንኳን ተሓሪዳ ከም ዝተሰውዐትን ከም ዝተቓጸለትን ርኢና ኔርና። ሎሚ ኸኣ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ስዒቡ ንዝተዋህበ ትእዛዝ ክንምልከት ኢና መንፈስ ቅዱስ ኣብርሆት ይሃበና። 

እቲ መስርሕ ምንዳድ ምስ ተፈጸመ፡ እቲ ካህን ብሰንኪ እቲ ዘቕረቦ መሥዋዕቲ ርኹስ ብምዃኑ ክዳውንቱን ስጋኡን ብማይ ተሓጺቡ ናብ ከተማ ይኣቱ። ከምኡ ውን እቲ ዘንደዳ ክዳውንቱን ሰብነቱን ተሓጺቡ ናብ ከተማ ይኣቱ እዚኣቶም ክሳዕ ምሸት ርኹሳት እዮም። ሓደ ካልእ ንጹሕ ሰብ ከኣ ንሓሙኽሽቲ እታ ኣርሒ ብምእካብ ኣብ ወጻኢ ሰፈር የንብሮ ነበረ።” ነቲ ሓሙኽሽቲ እታ ኣርሒ ኸኣ ንጹህ ዝኾነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር ውን ኣብ ጽሩይ ቦታ የንብሮ። እዚ መስዋዕቲ ኃጢኣት እዩ’ሞ ንኣኼባ ደቂ እስራኤል ንዘንጽህ ማይ ክኸውን ይተሓሎ (ዘኁ 19፡9)። ስለዚ እምበኣር እቲ ዝተነብረ ሓሙኽሽቲ፡ ነቶም በብእዋኑ ዝሞቱ ሰባት ዝተንከዩን ኣብ መቓብር ኮነ ኣብ መሮር ዓጽሚ ምውታን ዝተንከዩ፡ በዚ መገዲ እዚ ኸኣ ዝረኸሱ ምስ ሞት ሕብረት ዝገበሩ ሰባት ምእንቲ ከንጽሕ ይሕሎ። ነቲ ዝረኸሰ ድማ ካብ ሓመኽሽቲ እቲ ዝሓረረ መስዋዕቲ ይውሰዱ፡ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ሕያው ማይ ይኽዓውሉ። ሓደ ንጹህ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን (ዝሞተ ሰብ ዝተነብሮ ድንኳን) ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ነፍሳትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዓጽሚ ወይ ነቲ እተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝተንከየ ይንጸግ(ዘኁ19፡17-18 ። እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ ብሳልሰይትን ሳብዐይትን መዓልቲ ምስ ነጸገ ኸኣ እቲ ርኹስ ይነጽሕ ነበረ። እዚ መስዋዕቲ ዘይከም ካልኦት መሥዋዕትታት ምእንቲ ደቂ እስራኤል ሓንሳእ ምስ ሓረረ፡ እቲ ሓሙኽሽቲ ክሳዕ ዝውዳእ ዘንጽህ መሥዋዕቲ ነበረ። እታ ቀያሕ ኣርሒ ድሕሪ ምሕራዳ፡ ብሓመኽሽትኣ ነቶም ድሕሪ ሞታ ዝረኸሱን ምስ ሞት ውን ሕብረት ዝገበሩን ብዝተነብረ ሓሙኽሽታ ተንጽህ ነበረት። እዚ ጥበብ እዚ ልብና ከሰላስሎ ዝግብኦ ዓቢይ ምሥጢር እዩ። እቲ ዝተነብረ ሓሙኽሽቲ ክሳዕ ዝውዳእ እቲ ናይ ምንጻህ ኣገልግሎት ዘየቋርጽ ቀጻሊ እዩ፡ እታ ቀያሕ ላም በጃ እቶም ብሕይወት ከላ ዝረኣይዋን ከምኡ ውን ዘይረኣይዋን እያ ተሰዊዐ፡ እቲ ዝሓረረ ሓሙኽሽታ ኸኣ ንኽልቲኦም ዘንጽህ እዩ። እዚ እቲ ንእስራኤል ዝተዋህበ ትእዛዝ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ትሽዓተ ቀያሕቲ ኣርሕታት ተሰውኣ።
1. ሓንቲ ኣብ ዘመን መርሒነት ነቢይ ሙሴ
2. ሓንቲ ኣብ ዘመን እዝራ
3. ክልተ ኣብ ዘመን ሺሞን ሃ ጻዲቅ
4. ክልተ ኣብ ዘመን ዮሃናን
5. ሓንቲ ኣብ ዘመን ኤሊሆናይ ወዲ ሃኮፍ
6. ሓንቲ ኣብ ዘመን ሃናምኤል
7. ሓንቲ ኣብ ዘመን ኢስማኤል ወዲ ፒባ

ምንጪ ፡ Mishnab Parah 

ሥርዓት ምንጻህ ቀያሕ ኣርሒ ኣብ ሥርዓት ዕብራውያን ወሳኒ እዩ። እቲ ዝሞተ ስጋ ሰብ፡ ብምትንካይ ዝረኸሰ ሰብ፡ ምስ ሞት ሕብረት ብምግባሩ ካልእ ክነጽሃሉ ዝኽእል መንገዲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ኣይተኣዘዘን። እቲ ዝረኸሰ በቲ ዘንጽህ ማይ እንተዘይተነጽገ ካብ ሕብረት እግዚኣብሔርን ካብ ጉባኤ እስራኤል ዝተፈልየ ርኹስ ሰብ እዩ፡ ክሳዕ ዘይተነጽገ ኸኣ ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ እዩ፡ እዛ ነፍሲ ካብ ሕዝባ እትምንቆስ ነፍሲ እያ እትኸውን። ሓሙኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ኣርሒ እምበኣር እቲ እንኮ ዝነጽህሉን ንኃይሊ
ሞት ዝስዕርሉን መገዲ እዩ። እታ ኣርሒ መንጐኛ ብምዃን በቲ ሓሙኽሽቲ ነቶም ዝረኸሱ ብምንጻህ ናብ ሕብረት ኣምላኽን ናብ ጉብኤ እስራኤልን እትጽንብር እንኮ ብእግዚኣብሔር ዝተሰርዐት መሥዋዕቲ ኃጢአት እያ። 

ኣስተንትኖ
1. ዕላማ ምእካብ ሓሙኽሽቲ
2. ሓንሳእ ተሰዊኡ ክሳዕ ዝውዳእ ዘንጽህ ብዘመን ዘይሰዓር መሥዋዕቲ
3. እንኮ ንኃይሊ ሞት ብምስዓር ካብ ርኽሰት ዝነጽህሉ መገዲ
4. ሳዕቤን ብሓሙኽሽቲ ቀያሕ ኣርሒ ዘይተነጽገ ርኹስ ሰብ ካብ እስራኤል ምምንቋስ እዩ።

ናይ ዝሞተ ሰብ፡ ምዉት ሥጋ ዝተንከየ ዘበለ እሞ ዘይነጽሄ፡ ንማሕደር እግዚኣብሔር ኣርከሰ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ካብ እስራኤል ትመንቈስ። እቲ ማይ ምንጻህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነጽጎ፡ ርኹስ እዩ፡ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ (ዘኁ 19፡13

No comments:

Post a Comment