Friday, January 18, 2019

ኢየሱስ ጐይታ እዩ



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
ስለዚ ከምቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብ “ ኢየሱስ ርጉም እዩ” ክብል ዘይክእል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተዘይኮይኑ ድማ “ ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኪብል ዝኽእል ሓደ’ኳ ከም ዘየልቦ አፍልጠኩም ኣሎኹ (1ቆሮ 12፡3)።

ኦ ቅዱስ ኣቦ ብዘለዓለማዊ ፍቕርኻ ስለ ዘድኃንካና አመስግነካ ኣለኹ። ንዓኻ ፍጥረት ኩሉ ናብ ህላወ ንዘምጻእካ ቅዱስ ኣምላኽ ዘየቋርጽ ምስጋና ይግባእ። ኣዕይንቲ ልበይ ንበዓኻ ጥራይ ክርእያ ፡ ኣእዛነይ ውን ንድምጽኻ ጥራይ ክሰምዓ፡ ጉልበተይ ኩሉ ንዓኻ ንበይንኻ ጥራይ ክምብርከኽ፡ ንኽብርኻ ውን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ዘወትር ከመስግነካ ጸጋኻ ሃበኒ። ልበይ ነቲ ዘየቋርጽ ፈልፋሊ ፍቕርኻ ከስተውዕሎ መንፈስካ ይርድኣኒ። ምእንቲ ከይጠፍእ እሞ ከይኩነን ንሓደ ወድኻ(ወልድ ዋህድ) ንኢየሱስ ክርስቶስ ብመከራ ክሓልፍ ፈቂድካ ኢኻ’ሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ንሱ ኢየሱስ በይኑ ንድኅነት ሰብ ዝተቐብአ ቅዱስ እዩ፡ ንሱ ብባህሪኡ ኣምላኽ እኳ እንተኾነ ሰብ ንምዃን ዘይሓፈረ ጻድቕ እዩ። ብደሙ ምእንቲ ከድኅነና ኸኣ ከማና ሰብ ኮነ። ብእኡ ሥርየት ምእንቲ ክኾነልና፡ ጽድቂ ክቑጸረልና፡ ቅዱሳን ክንበሃል ኢየሱስ ምእንቲ ኹሉ ሰብ ሞተ። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ፡ ብደምካ ሥርየት ኮይኑለይ ኣሎ። ንስኻ ንዘለዓለም ብማሓላ ዝጸንዐ ክህነት ኣሎካ፡ ነቶም ብኣኻ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ(ኣቦ) ዝመጹ ኸኣ ንዘለዓለም ከተድኅኖም ከም እትኽእል ኣሚነ፡ ብኣኻ ናብ ኣቦ በጺሐ ኣለኹ። ሎሚ ውን ኣብ የማን ኣቦ ዘለኻ፡ ምእንታይ ውን ብጽድቂ እትርአ ሊቀ ካህነይ ኢኻ። ብርግጽ ኢየሱስ ጐይታ ኢኻ ብልበይ ኣሚነ ብኣፈይ ንኽምስክር መንፈስ ቅዱስ መሪሑኒ እዩ እሞ ስሙ ይባረኽ። ኦ ቅዱስን ክቡርን መንፈስ ንኢየሱስ ደኣ እምበር ንማን ከተኽብር ከም ዘይተለኣኽካ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ነጊሮምና እዮም፡ ፍጥረት ኩሉ ንኽብሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ክምብርከኽ ብልቡ ኣሚኑ ብኣፉ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” እናበለ ንኽምስክር እትርድኦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ። ወለዶታት ኩሎም በዚ ዝባርኽ ሓርነት ዘውጽእ ስም፡ ማለት  “ኢየሱስ”  ምእንቲ ክምክሑ፡ ናብ ፍልጠት ሓቂ ውን ክመጹ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እልምን ኣሎኹ። ብሰባት ዝተናዕቀ ኣብ ልብና ግን ዝኸበረ በይኑ ዘድኃነን ዝተበጀወን ጐይታ ኢየሱስ፡ ስሙ ዝኸበረን ዝተመስገነን እዩ። ፍጥረት ኩሉ ዝምብርከኸሉ፡ ልሳን ኩሉ ኸኣ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” እናበለ ዝግዘኣሉ ዘመን ኣብ ቕድሜና ኣሎ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን ኣሜን።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቆሮንቶስ ዘለው ቅዱሳን ብዛዕባ እቲ ክምክሕሉ ዝግባእ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ዝተዋህበ ስም “ኢየሱስ “ ኣጉሊሑን ኣጽኒዑን እዩ ጽሑፍሎም። ኣብ ሕይወት መርሒነት ወሳኒ ነገር እዩ። እዞም ሎሚ ቅዱሳን ተባሂሉ መልእኽቲ ዝጸሓፈሎም ዘሎ ሰብ ቆሮንቶስ ኣረማውያን ምንባሮም ሓዋርያ ኣብ መልእኽቱ ጠቂስዎ ይርከብ። ኣረማውያን ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ፡ እንተ በዚ እንተ በቲ፡ በቶም ዓባሳት ኣማልኽቲ ትምርሑ ከም ዝነበርኩም ትፈልጡ ኢኹም። ሰብ ቆሮንቶስ ጐይታ ዘይተቐበሉ ብዓባሳት ኣማልኽቲ ዝምርሑ፡ ንእግዚኣብሔር ዘይእዘዙ፡ መንፈስ ቅዱስ ዘይነበሮም ደቂ ቁጥዓ እዮም ነይሮም። መራሕቶም ዓባሳት ኣማልኽቲ ገይሮም ዝጐዓዝሉ ጊዜ ምንባሩ ውን ግሁድ እዩ። ቃል ብሥራት ወንጌል ኣብ ኣእዛኖም ምስ በጽሐ፡ በቲ ንኹሉ ሰብ ከድኅን ዝመጸ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማኖም ጸደቑ፡ ኣረማውነት ሓዲጎም ከኣ ብመንጐኝነት፡ ማእከላውነት፡ ኣታዓራቕነት ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኣቦ በጽሑ። ሳላ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ቅዱሳን ጻድቃን ተባህሉ፡ ብተጋድልኦም ብጻዕሮም ዘይኮነስ ነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ኣምላኽ ኣሜን ኢሎም ብምቅባሎም ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ጽድቂ ተቖጽረሎም። እቲ ነቶም ብኢየሱስ ዝኣምኑ፡ ንእኡ ውን ከም ጐይታን መድኃን ዝተቐበሉ ቅዱሳን ዝወሃብ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ተቐበሉ።ስለዚ ኸኣ ሎሚ መራሒ መንፈስ ቅዱስ ምስኦም ስለ ዘሎስ ብኹልንትንኦም ንኢየሱስ ክርስቶስ ተገዝኡ። መንፈስ ቅዱስ እንተዘይ መሪሕዎ ሓደ’ኳ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ብምባል ኣምላኽነቱ፡ ጐይትነቱ፡ ሊቀካህንነቱ እንኮ በጃነቱ ዝቕበል፡ ብልቡ ዝኣምን የልቦን። “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ዚብል ምስክርነት ድኅነት ዝእወጀሉ፡ በጃነቱ ዝምስከረሉ፡ ኃይሊ ዲያብሎስ ዝፈርሰሉ መለኮታዊ ኣዋጅ እዩ። ብኡ በቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይሕፈርን እዩ፡ ንሱ ሰብ( እሙን ሊቀ ካህናት) ብምዃን ናብቲ ካብ ሞት ከድኅኖ ዝኽእል ኣምላኽ(ኣቦ)  ዘቕረቦ ገዓርን ንብዓትን ልመናን ጸሎትን ከም ምልክት ስንፍናን ጉድለትን ኣይቊጸርን እዩ። ኢየሱስ ምእንቲ ድኅነት ሰብ ዝፈጸሞ፡ ንኣቦ ዘኽበረሉ ቅዱስ ተግባር እዩ። በጃነት መለኮታዊ ሓሳብ ደኣ እምበር ምድራዊ ኣይኮነን። ንሱ ብመከራ ክሕምሸሽ ፍቓደይ እዩ፡ ሞቱ ኅድገት ኃጢኣት ዘምጽእ መሥዋዕቲ ነበረ( ኢሳ 53፡10) ተባሂሉ ብነብያት ተነጊሩ እዩ።  “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ዚብል ናይ መንፈስ ቅዱስ  ቃል እምበኣር እቶም ብደም ጐይታ ዝደኃኑ ብኡ ውን ጽድቂ ዝረኸቡ ዝምስክርዎ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምስክርነት እዩ። ብዙኃት ጐይቶት ኣብ ከብሒ ልቢ ተሰቒሎም፡ ከም ተወሳኺ ንኢየሱስ ኣብ ልብና ክንሰቕሎ ዝከኣል ኣይኮነን። ንወለዶታት ዝፍውስ፡ዘድኅን፡ ንሰብ ዝተዋህበ ስም ኢየሱስ ሎሚ ውን ኃያልን ብርቱዕን እዩ። ስሙ ካብ ሞት ሓራ ዝገብር ዘለዓለማዊ ስም እዩ። ወዲ ክትወድ እያ ንሱ ኸኣ ንሕዝቡ ኻብ ኃጢኣቶም ከድኅኖም እዩ እሞ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ (ማቴ 1፡21)።  ስምከ ሕያው ዘኢይመውት፡ ትጉህ ዘኢይዴቅስ፡ ስምካ ዘይመውት ሕያው፡ ዘይድቅስ ትጉህ እዩ (ሊጦን ዘነግህ)።


No comments:

Post a Comment