ኢየሱስ፣ ክርስቶስ ድዩ᎒
ሰላም
ኢየሱስ “ ክርስቶስ” ምስ ኩላትኩም ይኹን። ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት
ኢየሱስ ክርስቶስ ድዩ᎒ ዝብል ሕቶ ሓቲተ ነይረ። ኣምላኽ ጸጋ የብዝሓሎም
ሒደት ኣኅዋትን ኣኃትን ድማ መልሲ ሂቦምኒ ነይሮም። ዕላማ እዚ ሕቶ ንቃል ኣምላኽ ከነስተውዕሎን ንሱ ንዝኅበና መልሲ
ኣብ ልብና ክንቋጽሮን ብኣፍና ውን ክንምስክሮ እዩ። ምናልባት ኢየሱስ ክርስቶስ ድዩ᎒ ዝብል ሕቶ ምሕታት ንምንታይ ኣድለየ፣ ነዚ
ቃል ንሕና ዶ ሓደሽቲ ኢና᎒ ካብ እንውለድ ጀሚርና ንፈልጦ እንዲና᎒ ዝብል ኃታቲ ክህሉ ይኽእል እዩ፣ እንተኾነ ሎሚ ልቢ ዝፍተሸሉ
ዘመን እዩ። ብዙኅ ሳዕ ስለ ዝተደጋገመ መልእኽቱ ተረዲእና ኣሎ ምባል ኣይከኣልን እዩ፣ ቃል ኣምላኽ ምስትውዓል ከነጥሪ ብዙኅ ሳዕ
ይመኽረና’ዩ። ኢየሱስ፣ ክርስቶስ ድዩ᎒ ዝብል ሕቶ ሕይወትን በረኸትን
ሞትን መርገምን ዘምጽእ እዩ። እዚ ኣብ ጽዮን ዝተተኽለ ዘንደልህጽ እምኒ መኣዝን እዩ። መጻሕፍቲ ሙሴ ኮነ ነቢያት ብዛዕባ መሲሕ
(ክርስቶስ) ብዙኅ ተነብዮም እዮም። እቶም ናይ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ሰብ እምነት ንምምጻእ እዚ መሲሕ ብናፍቆት እዮም ዝጽበይዎ ነይሮም።
ንሱ ናይ እግዚኣብሔር ልኡኽ እዩ፣ መድኃኒ ኸኣ እዩ። መሲሕ ቅቡዕ ማለት እዩ፣ ነቢይ ኢሳይያስ ኣብ ምዕራፍ 61 መጽሓፉ ከምዚ
ይብል፦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ መንፈሱ መልኣኒ፣ ንድኻታት ብሥራት ከበሥር ቀብኣኒ። ዳዊት ውን ኣብ መዝሙር 45፡6-7 እቲ ኣምላኽ
ዝሃበካ ዝፋን ንዘለዓለም ይነብር፣ ዘንጊ መንግሥትኻውን ዘንጊ ቕንዕና እያ፣ ጽድቂ ትፈቱ፣ ክፍኣት ትጸልእ፣ ስለዚ እግዚኣብሔር
ኣምላኽካ ኃረየካ፣ኃለፋ ብጾትካ ኸኣ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ፣ እናበለ ብዛዕባ መሲሕ ይምስክር። ሙሴ ንደቂ እስራኤል ዝሃቦም ናይ
መፈጸምታ ትእዛዝ ውን ብዛዕባ መሲሕ እዩ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘከኩም ዘሎኹ ትእዛዛት፣ ንኣኻትኩም ኣዝዩ ዘሸግርን ካባኻትኩም ዝረሓቐን
ኣይኮነን። ኣብ ሰማይ ኣይኮነን ዘሎ፣ ስለዚ” ናብ ሰማይ ዝድይበልናን ዘምጽኣልናን ክንገብሮ ኸኣ ዘስምዓና መን’ዩ᎒ ኣይትበሉ።
ኣብ ስግር ባሕሪ’ውን ኣይኮነን ዘሎ፣ ስለዚ” ባሕሪ ዝሳገረልና እሞ መን’ዩ᎒ ኣይትበሉ። እቲ ቓል ኣብ ኣፍኩምን ኣብ ልብኹምን
ኣዝዩ ቀረባ እዩ ዘሎ፣ ስለዚ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም። “ ሎሚ ሕይወትን በረኸትን፣ ሞትን ጥፍኣትን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም
ኣሎኹ።…….” ሕይወትን ሞትን በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ከም ዘሎኹ፣ ሎሚ ሰማይን ምድርን ምስክረይ እዮም።
እምበኣርሲ ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ብሕይወት ምእንቲ ክትነብሩ፣ ሕይወት ኅረዩ(ዘዳ 30፡11-19)። መሲሕ እምበኣር ንዝቕበልዎ
ሕይወትን በረኸትን ንዘይቕበልዎ ኸኣ ሞትን መርገምን ምዃኑ ነቢይ ሙሴ ኣብ ቅድሚኡ ሰማይን ምድርን ምስክር ብምግባር ተዛረበ። ከምኡ
ውን እቲ ዝበልዕዎ ገንሸል ፋሲካ ምሳሌ እቲ መሲሕ ነበረ፣ ከመይ ካብ ኣዕጽምቱ ገለ እኳ ከይጐድኡ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነበረ፣ ኣብ
ሓንቲ ቤት ይበላዕ። ካብቲ ሥጋ ገለ እኳ ካብ ቤት ንግዳም ኣይተውጽኡ፣ዓጽሚ ድማ ኣይትስበሩ (ዘጸ12፡46-47)። ስለዚ ኸኣ ብዙኅ
ዘመናትን እዋናትን እግዚኣሔር ንሕዝቡ ሕይወት ክኃርዩ መኸሮምን መሃሮምን። ንመሲሕ ምፍላጥ ሕይወት ዘይምፍላጥ ከኣ ሞት እዩ(ዮሃ17,1-3)።
ቅድሚ ምምጻእ መሲሕ ክፍጸሙ ዝግብኦም ምልክታት ነቢያት ተነብዮም እዮም። ነቢይ ኢሳይያስ ከምዚ ይብል፦ እቲ ኣዋጅ ነጋሪ፣ ድምፁ
ዓው ኣቢሉ፣ “ መገዲ እግዚኣብሔር ኣብ ምድረ በዳ ኣዳልዉ፣ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። ሽንጭሮ ዘበለ
ልዕል ይበል፣ ኩሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፣ ቄናን ይቕናዕ፣ ድንጉር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን። እግዚኣብሔር ተዛሪቡ
እዩ እሞ፣ ክብሪ እግዚኣብሔር፣ ኲሉ ሰብ ኃቢሩ ክርእዮ እዩ” በለ (ኢሳ 40፡3-5)። እነሆ እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ ከይመጸት፣ ንነቢይ ኤልያስ ክልእከልኩም
እየ። ኣነ መጺአ ንምድሪ ከየጥፍኣስ፣ ንሱ ነቦታት ምስ ደቆም፣ ንደቂ ኸኣ ምስ ኣቦታቶም ከሰማምዖም እዩ (ሚል 4፡5-6)። እምበኣር
ክብሪ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምግላጹ ቀቅድሚኡ ዝእውጅ ድምፂ ከም ዝመጽእ ኣምላኽ ንሕዝቡ ኣፍለጠ። እቲ ክመጽእ ዘለዎ ቅቡዕ(መሲሕ፣ክርስቶስ)
መን እዩ᎒ ንኣእምሮና መላሊስና ንሕተቶ፣ ነዚ ሓሳባት ክሳዕ ክንድዚ ኣዕሚቁና ተመልኪትናዮ ዘይንፈልጥ እንተኾይና ሎሚ ብዕምቆት
ንቃሉ ንመርምሮ። ከም ኣብነት ኣብ ዘዳ 30፡11-19 ተጻሒፉ ዘሎ ቃል ንርአ። ሕይወት ኅረዩ ዝብል መደምደምታ እዩ ዘለዎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብመርሒነት መንፈስ ቅዱስ ከምዚ
ብምባል ምሥጢር እዚ ቓል ይነግረና። እቲ ካብ እምነት ዝመጽእ ጽድቂ ከምዚ ይብል፦ “ ብልብኻ (ንክርስቶስ ከውርዶ)፣ ናብ ሰማይ
ዝድይብ መን እዩ᎒ ኣይትበል። ወይ (ንክርስቶስ ካብ ምውታት ከተንስኦ) ናብ ሲኦል ዝወርድ መን እዩ᎒ ኣይትበል። እንታይ ደኣ ይብል᎒
“ እቲ ቓል” ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት፣ “ ኣብ ጥቓኻ፣ ማለት ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ” ይብል። ስለዚ ብኣፍካ
“ ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኢልካ እንተመስከርካ፣ ብልብኻ ውን ኣምላኽ ካብ ምውታት ከም ዘተንስኦ እንተኣመንካ፣ ክትድኅን ኢኻ። እዚ
እምበኣር’ዩ ሙሴ ንሕዝቡ ዝኣዘዞም። ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ እዩ ኢልካ ምእማን ናይ ዘለዓለም ሕይወትን በረኸትን እዩ። ነዚ እንተዘይ
ተኣዘዝኩም ብርግጽ ክትጠፍኡ ኢኹም ብምባል ብቀጥታ ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ እዩ ኢልካ ዘይምእማን ሞትን ጥፍኣትን ከምዘምጽእ ኣርጊጹ
ተዛረበን ጸሓፈን። ኣብ ጥቃኻ ማለት ኣብ ኣፍካን ልብኻን’ዩ ዘሎ፣ መድኃኒ ኣብ ሰማይ ደኾን ይህሉ᎒ ወይስ ኣብ ምድሪ ደኾን ይህሉ
ኢልካ ኣይትታለል፣ እቲ ቓል እምነት ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ ዘሎ። ካብ ምትኃዝ ጐይታ ክሳዕ ስቅለቱ ተደጋጊሙ ዝተሓተ ሕቶ
“ ንስኻ ክርስቶስ ዲኻ᎒” ዝብል እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ እዚ ሕቶ ሕይወትን በረኸትን ሞትን መርገም ስለ ዝኾነ እዩ። ሕዝቢ፣ ሹማምንቲ፣ወተሃደራት፣
ንሞት ዝተፈርደ ሽፍታን ብቅጽበት ኣብ ዝተወሰና ደቃይቅ ነዛ ሕቶ እዮም ዝደጋድሙ ነይሮም። እቲ “ቓል” ኣብ ኣፍካን ልብኻን እዩ
ዝብል ጽሑፍ ኣየስተውዓልዎን፣ ብዘይምእማኖም ከኣ ተፈርዱ። እቲ “ቓል ኣብ ጥቓኻ ኣብ ኣፍካን ልብኻን እዩ” ንዝብል ጽሑፍ ነቢያት
ዘስተውዓለ እቲ ኣብ የማን ዝተሰቕለ ሽፍታ እዩ። ብእምነቱ ዝደኃነ ቅዱስ እዩ፣ ከምዚ ድማ በለ “ ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዝግበኣና
ተፈዴና፣ እዚ ግና ሓንቲ እኳ ክፍእቲ እኳ ኣይገበረን” ኢሉ ገሰጾ። ንኢየሱስ ከኣ፦ ኦ ኢየሱስ ጐይታይ! ብመንግሥትኻ ክትመጽእ
ከሎኻ ዘክረኒ” በሎ። ካልኦት ኩሎም “ንስኻ መሲሕ ዲኻ᎒” እናበሉ የላግጹ ነበሩ፣ ንሱ ግና ኢየሱስ ንስኻ መሲሕ ኢኻ፣ ቕቡዕ ኢኻ
እናበለ መንግሥቲ እቲ ቅቡዕ(ክርስቶስ፡መሲሕ) ኣወጀ። ነቲ ብነቢይ ፦ “ እቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ዝፋን ንዘለዓለም ይነብር፣ ዘንጊ
መንግሥትኻውን ዘንጊ ቕንዕና እያ፣ ጽድቂ ትፈቱ፣ ክፍኣት ትጸልእ፣ ስለዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኃረየካ፣ኃለፋ ብጾትካ ኸኣ ብዘይቲ
ሓጐስ ቀብኣካ” ዝብል ጽሑፍ ብምእማኑ ደኃነ። ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ እዩ። ሎሚ ውን መንፈስ ቅዱስ “እቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ልብኻን
እዩ” እናበለ ይምስክር ኣሎ። እቲ ቃል እምነት ኣብ ልብናን ኣፍናን ምህላውን ዘይምህላውን ብቃሉ ንመርምሮ፣ ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ
እዩ፣ እዚ ኸኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እዩ። * ኢሳ 61፡1-3
(ሉቃ 4፡17-20) * መዝ 45፡6-7 (ዕብ 1፡8-9) * ዘጸ 12፡46-47 (ዮሃ 19፡36) * ዘዳ 30፡11-19 (ሮማ
10፡6-13)።
No comments:
Post a Comment