Friday, January 4, 2019

መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን

                                                           መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ 

ከምቲ ሙሴ ጊልያይ ዝኣዘዘካ፡ ንዂሉ ሕጊ ተጠንቂቕካ ሓልዎ።ጽናዕ ኣዚኻውን ትባዕ። ናብ እትኸዶ ኲሉ ምእንቲ ክቐንዓካስ ካብቲ ሕጊ ንየማን ኮነ ንጸጋም ኣይተልግስ። ነቲ ኣብኡ ዝተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ ነዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ካብ ኣፍካ ኣይትፍለዮ። ሽዑ መገድኻ ኽቐንዓካን ክሰልጠካን እዩ (ኢያ1፡7-8)።

እቲ ንዘመናት ሕያው ዝኾነ፡ ዘሎን ዝነበረን ቅዱስ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ ምሕረት ስለ ዝገበረልና ስሙ ዝተባረኸ ይኹን። ንዘመን ጸልማት ተርቲሩ ወንጌል ቅዱስ ወዱ ዝገለጸልና እግዚኣብሔር ኣቦ ስሙ ዝተባረኸ ይኹን። ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ብጸጋኡ(ብደሙ) ጸዲቕና ብተስፋ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽንከውን ገዛእ ርእሱ መሥዋዕቲ ኃጢኣት ብምግባር ተበጅዩና እዩ እሞ ስሙ ይባረኽ። መንፈስ ቅዱስ ጥበብን ፍልጠት ሓቕን እትህብ ንሕይወትና ብርሃን ወንጌል ዘብራህካሉ ንስኻ ኢኻ እሞ ስምካ ይባረኽ። ብሓቂ እቲ በዚ ዘመን እዚ ዘደንቕ ጥበቡ ዘፍሰሰ ኣምላኽ ስሙ ይባረኽ። በተን መወዳእታ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ኹሉ ሰብ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ክርእዩ፡ ኣረገውትዂም ውን ሕልሚ ክሓልሙ ኢዮም ኢልካ ብተስፋ ዝሃብካና ቃል እሙንን ሓቅን እዩ እሞ በዚ ዘመናት እዚ መንፈስካ ኣዕዚዝካ ስለ ዘፍሰስካ ኦ ቅዱስ ኣቦ አመስግነካ ኣለኹ።
ጥበብ ቃልካን መለኮታዊ ሓቕካን ዘይተረድኡ፡ ብደም ቅዱስ ወድኻ ውን ዘይኣመኑ፡ ካብ መንፈስካ ውን ዘይተኻፈሉ ሕሱማት ጸሓፍቲ ብዝጸሓፍዎ ከንቱ ጽሑፋት ሕዝብናን ቀዳሞት ወለዶታትን ጠፊኦም እዮም። ኦ ቅዱስ ኣቦ ነቲ ተጠንቒቕና ክንሕልዎ ዝግብኣና ቓልካ ብሰሪ ዘይምሕላውና ካብቲ ሕጊ ውን ኣዚና ብዕላውና መፍቶ ኣጋንታዊ ትምህርቲ ኾይንና ኢና። ንርእሲ ሕይወትና ንዝኾነ ክርስቶስ ክሳዕ እንሓድግ ኸኣ ሕሰምን ናይ ሓሶት ትምህርታትን ኣብ ቤተክርስትያን ሰሰነ፡ ቓልካ ብምሕዳግና ኸኣ ኣዚና ዝተዋረድና ሕዝቢ ኾንና። ኦ ኣንባቢ ሕሉፍ ዘመናትናን ጒዕዞ ክርስትና ኣብ ምድርናን እንተተዓዘብናዮስ ከም ቃሉ ዘይምንባሩ፡ በብእዋኑን በብዘመኑን ወንጌል ክርስቶስ ካብ ምድርና ንምርሓቅ ዝተወጠኑን ዝተፈጸሙን ውዲት ሰይጣን እልቢ የብሉን። ንእግዚኣብሔር ኣቦና ኲሉ ሳዕ ከነመስግኖ ይግበኣና እዩ ምኽንያቱ ወንጌል ብዙኅ ናይ ጸልማት ዘመን ሰጊራ፡ ዋጋ ተኸፊሉላ ኣብዞም ሎሚ ዘሎና ወለዶታት በጺሓ ኣላ። ጽሩይ፡ ሸቐጥ ዘይብሉ ወንጌል፡ መለቀብታን መወሰኽታን ዘይብሉ ከም ቃሉ “ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ” ዝዛረብ ቅዱስ ብሥራት ረኺና ኣሎና። ወንጌል ኣብ ዘመንና ከም ዕንበባ ጽገሬዳ እያ። ዕንበባ ጽገሬዳ ብብዙኃት ብልሕን ብዝሕን ዘለዎም ኣእሻዂ ተኸቢባ፡ ኣብ ማእከሎም ብዘደንቕ ጥበብ መልኪዓ ከም እትርከብ፡ ወንጌል(መጽሓፍ ቅዱስ)  ውን ብብዙኃት ሕሱማት ጸሓፍቲ ብዝተጻሕፉ ሽታ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ደም ክርስቶስን ብዘይርከቦም ከንቱ ጽሑፋት ተኸቢባ፡ ብርሃን ንዝኾነ ክርስቶስ እናገለጸት፡ ንዑ ብብርሃን ክርስቶስ ተመላለሱ ትብል ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ ዘይምንባብ መፍቶ ሕሱርን ናይ ዘመናት ጾር ዝኾኑ ዘይተመርመሩ ጽሑፋት እዩ ዝገብር እሞ ብጥንቓቐ ንቃሉ ንመገቦ። ኣብ ምድርናን ኣብ ልቢ ሕዝብናን ቅድሚ ኣሻሓት ዘመናት ዝተዘርኡ መንፈሳውያን ዝመስሉ ግን ከኣ ኣንጻር ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጻሕፉ ከንቱ ጽሑፋት፡ በቲ ሕይወት ዝኾነ ቃል ኣምላኽ ዝንቐልሉ ዘመን እዩ እሞ በርቲዕና መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ። ንመጻኢ ወለዶ ሕዋስ ዘይብሉ ቃል ኣምላኽ ደኣ እምበር ብሰባት ዝተተምየነ ከድኅን ዘይክእል ከንቱ ጽሑፋት ኣይከነመሓላልንፍ ኢና፡ ብርግጽ መንፈስ ኣምላኽ ንዓናን ንመጻኢ ወለዶን ካብ ኲሉ ከንቱ ዕዮ ክሕልወና እዩ። ንእግዚኣብሔር ኣቦና ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

No comments:

Post a Comment