Wednesday, January 23, 2019

ከመ ሕግና ክመውት ይግብኦ እዩ!



ከም ሕግና ክመውት ይግብኦ እዩ!

ሰላም ኣምላኽ ምስ ኲላትኩም ኣኅዋትን ኣኃትን ይኹን። ኢየሱስ በየናይ ሞት ክመውት ከም ዘለዎ ምእንታን ክግለጽ እቲ ሹም ከምዚ በለ። ኢየሱስ በየናይ ሞት ክመውት ከም ዘለዎ ኼመልክት ከሎ፡ዝበሎ ቓል ምእንቲ ክፍጸም፣ እቶም ኣይሁድ ንኣናስ ንሓደ’ኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቕደልናን በልዎ ዮሃ18፡32 ።

ነዚ ኣብ ሓደ ሕጡበ ጽሑፍ ዘሎ ቃለ እግዚኣብሔር፡ ብልብና ክንምርምሮን ክንርድኦን ተኺልና፡ ብግሉጽ መገዲ ሕይወትና ክንዕዘብን ካብ ዝተፈላለየ ጓል መገዲ ክንእለን ኣይክንጽገምን ኢና። ወንጌላዊ ኣማውታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምግላጹን ምሕባሩን ንምንታይ ኣገደሰ ዝብል ሕቶ ምስ እንሓትት ከኣ፡ ንጹር መልሲ ካብዚ  ምዕራፍ ክንረክብ ኢና።  ኣብ ምዕራፍ 18፡31 ተጻሒፉ ዝረኸብናዮ ቃል፣ ከም እንደገና ኣጽንዖት ተዋሂብዎ ኣብ ምዕራፍ 19፡7 ንረኽቦ ኢና። ቃሉ ከምዚ ይብል፦ ኣይሁድ ከኣ ንሕና ሕጊ ኣሎና፡ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ እሞ፡ ከም ሕግና ክመውት ይግብኦ እዩ ኢሎም መለሱ። ኣቐዲሙ ጲላጦስ ንስኻትኩም ውሰድዎ፡ ከም ሕግኹም ጌርኩም ከኣ ፍረድዎ ብምባል ንኣይሁድ ተዛሪብዎም ነበረ። ብልክዕ ሕጊ ኣይሁድ ክፈርዶ ዝግብኦ ፍርዲ እንታይ’ዩ፧ ኢየሱስ ክርስቶስ’ከ በቲ ንሱ ብሕግና ሞት ይግብኦ እዩ ዝተባህለ ድዩ ተፈሪዱ፧

ሕጊ ብዛዕባ እቲ ተኸሲስሉ ዘሎ ክሲ እንታይ ይብል፧ እቲ ክሲ “ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ” ዚብል’ዩ። ኣብ ኦሪት ዘሌዋውያን 24፡13 ከምዚ ተጻሒፉ ንረክብ ፦ እግዚኣብሔር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ነቲ መቃለሊ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኣዮ፡ እቶም ዝሰምዕዎ ኩሎም ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ። ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ዝኾነ ሰብ ንኣምላኹ ዘቃልል ኃጢኣቱ ይጸውር። እቲ ስም እግዚኣብሔር ዝጸርፍ፡ሞት ይሙት፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ። ስለዚ እምበኣር ሕጊ፡ ኩሉ እቲ ንኣምላኽ ዘቃልል፡ ብምስክርነት ክልተን ልዕሊኡን ብዘይንሕስያ፡ ብዳርባ እምኒ ክቕተል እዩ ዝእዝዝ። ሓደ ሰብ ብዳርባ እምኒ ምቕታሉ እምበኣር ዜመልክተልና፡ እቲ ዝቕተል ዘሎ ሰብ፡ ንኣምላኽ ብምቅላላሉ፣ ኃጢኣተኛ ስለ ዝኾነ ፍርዲ ኣምላኽ ብቕሉዕ ከም ዝቐጽዖ እዩ ዝነግር። ንኣብነት ኣብ ናቡቴ ይዝርኤላዊ ዝተፈጸመ ኩነት ንመልከት። ኤልዛቤል ብተንኮል ዝደረሰቶ ናይ ሓሶት ፍጻሜ እዩ። ንሳ ናብቶም ኣብ ይዝርኤል ዝነበሩ ዓበይትን ክቡራንት ከምዚ ኢላ መልእኽቲ ለኣኸት፡ “ ጾም ኣውጁ ንናቡቴ ኸኣ ኣብ ማእከል እቶም ሕዝቢ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣቐምጥዎ። ኣብ መንጽሩ ድማ ኽልተ ከንቱ ዝኾኑ ሰባት ኣቐምጡ። ንሳቶም ከኣ ‘ንኣምልኽን ንንጉሥን ክትረግም ሰሚዕናካ’ ኢሎም ይኽሰስዎ። ንስኻትኩም ድማ ኻብታ ከተማ ኣውጺእኩም ብዳርባ እምኒ ቕተልዎ እሞ ይሙት(1ነገ21፡9-10)። 

ጸጋ እግዚኣብሔር ዝጐደሎም፡ ንኣምላኽ ከኣ ዘይእዘዙ ዓበይትን ክቡራትን ብምንባሮም “ ናቡቴ ንኣምላኽን ንንጉሥን ኪረግም ሰሚዕናዮ” ብዚብል ናይ ሓሶት ክሲ፡ ናብ ወጻኢ እታ ኽተማ ኣውጺኦም ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ንሕና ሕጊ ኣሎና ዚብልዎ ዘለዉ እምበኣር ነዚ እዮም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙኅ ናይ ሓሶት ክሲ ቀሪብሉ እዩ፡ እንተኾነ ምስክርነቶም ክዕወት ኣይከኣለን። ሕጊ ኣብ ልዕሊ እቲ በዳሊ ደኣ እምበር ኣብ ልዕሊ ጻድቕ ሰብ ኣይፈርድን እዩ። “ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ብምግባሩ ሞት ይግብኦ እዩ እኮ እንተበሉ፡ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ኢየሱስ ኣይፈረደን። ሽሕ’ኳ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተኸሶ ክሲ፡ ብመንጽር ሕጊ ክርአ ኸሎ ብዳርባ እምኒ ዘቕትል እንተነበረ፡ ንሱ ጻድቅ ኣብ ኣፉ ውን ኣበሳ ዘይተረኽቦ፡ ንኣምላኽ ኣቦይ ብምባሉ’ውን ዘለዓለማዊ ልደቱ ዝነግር ሓቂ ስለ ዝኾነ፡ ኣማውትኡ ብዳርባ እምኒ ኣይኮነን። ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ፡ ኣብ ክንዲ ብዙኃት በጃ ብምዃን ኣብ መስቀል፡ ብኣፈጻጽማ ሕጊ  ሞት ሮማውያን፡ ተሰቒሉ ሞተ። ብመንጽር ሕጊ እቶም ብዳርባ እምኒ ዝቕተሉ፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም በደል ዝሞቱ ኃጢኣተኛታት እዮም። ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ምእንቲ ሕይወት ብዙኃት በጃ ብምዃን ዝተሠውዐ፡ ካብ ምውታን ውን ዝተንስአ ሕያው’ዩ። ኣማውታ ኢየሱስ፡ ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ዜመልክት ሰንደቅ ዕላማ እዩ። ሎሚ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ንጠቀመላ፡ ብደም እዚ ጻድቕ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ ክዳውንትና ብእምነት ንሕጸብ፡ ንሱ በይኑ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ መገድን  ሓቅን ሕይወትን እዩ። ብዘይክኡ ካልእ መድኃኒ ኾነ መጽደቒ ከቶ ሓደ’ኳ የልቦን። እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ፡ በቲ ኣፍ ደገ ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዝሓኲር፡ ንሱ ሰራቕን ጒሒላን እዩ። ስለዚ ንዑ በቲ መሳልል ሰማያት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብምሕጻብ ደሙ ተሓዲስና ተቐዲስናን  ናብ ኣቦ ንእቶ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ስለ እዚ ዓቢይ ፍቕሩ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን ኣሜን።

2 comments:

  1. Sleti zykifel wieletu egziabher abo bsim goytana medhanina eyesus krstos misgana niuu ykun !

    ReplyDelete
  2. AMEN KIBRI KULU NETI ABO BRHANAT ABONA EGZIABHER YKUN

    ReplyDelete