Friday, January 25, 2019

ሓንቲ እንዳእቲ፡ ቀዳማይ ክፋል



ሓንቲ እንዳእቲ

ቀዳማይ ክፋል 

ኦ ኣምላኸይ ክብርኻስ ክሳዕ ክንደይ ኮን ዓቢይ እዩ። ተኣምራትካ'ውን ዘደንቕ እዩ። ሕግኻ ንዓሻ ዘለብም እዩ እሞ እባርኸካ ኣሎኹ። ንኣሻሕ  ጊዜ ውን ኣሻሕ ዓመታት መገድኻ ብጥበብ መሃርካ፡ ነዚ ጥበብ እዚ ኸኣ እትገልጽ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። ኣብ መጻሕፍቲ ሕጊ ብዛዕባ ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ተጻሒፉ ረኸብና፡ ብሓቂ ኸኣ ብእኡ ተሓጐስና። ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ንበዂሪ እንዳእቲ እስራኤል ድኅሪ ዓጺድ ኣብ ቅድሜኻ ክውዝወዝ ኣዘዝካ እሞ ተቐበልካዮ ኸኣ፡ እዚ እቲ ንውሉድ ወለዶ ዝተሰርዐ ንልቢ ዘሕጒስ ሥርዓታትካ እዩ። መጻሕፍቲ ኣቐዲሞም ብዛዕባ ትንሳኤ እቲ ንስኻ ዝመረጽካዮ መሲሕ ተዛረቡ፡ ንሱ ከምታ ቕብልቲ እንዳእቲ፡ ንዓኻ ባህ ዘበለ፡ ብእኡ ዝተሓጎስኩ ኢልካ ዝመስከርካሉ ወድኻ፡ መልኣኽ ምኽርኻ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ነቲ በዂሪ ዝኾነ፡ መተካእታ ዘይብሉ ንሞት ዝሰዓረ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግኖ ኣለኹ። ገዛእ ርእሱ ከም ጥዑም ጨና ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ዘቕረበ፡ ቕቡል እንዳእቲ ጐይታና ስብሓት ይዂኖ። ኦ መንፈስ ቅዱስ እዛ ተስፋ እዚኣ ዓባይን ብልጽትን እያ’ሞ ነቶም ብዳግማይ ምጽኣቱ እንለዓል እንዳእትታት፡ ክትሕልወናን በዚ ተስፋ’ዚ ክንዓቢ ክትረድኣናን እልምነካ ኣሎኹ። ኦ ኣብ፡ ነቲ ዘርእና ዝኾነ ቕቡል እንዳእቲ ብምቕባልካ ነቶም ዘርኡ ውን ከም ዝተቐበልካ ኢኻ ኣዊጅካ እሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ንዓኻ ንኣብ ብስም ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

እግዚኣብሔር ንሙሴ ከምዚ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ክትዓጽዱ ከለኹም፡ ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምጽኡ። ኣነ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክቕበለልኩም ከኣ፡ እቲ ካህን በታ ድኅሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዘ የቕርባ ዘሌ23፡9-11።  

እቲ ንጥበቡ ዝገልጽ ጐይታ ሠራዊት እግዚኣብሔር፡ ሎሚ'ውን ሕያው እዩ እሞ ንጥበቡ ክንርዳእ መንፈሱ ክሰደልና ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝራዊ ንልምኖ ኣሎና። ክቡራት ኣኅዋተይን ኣኃተይን ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ኲሉ ልቢ ክበቊል ዝኽእል ዘይነቅዝ ዘርኢ እዩ። ንዕኡ ዝቕበል መሬት ይርከብ ደኣ እምበር ሰላሳ፡ስሳ፡ ሚእቲ ካዕበት ክፈሪ ኣየሸግሮን እዩ። ሎሚ ውን ልብታትና ደኣ ንጐልጒሎ ንጽሃዮ ደኣ እምበር ቃሉ ዝዓይይን ዝፈርይን እዩ። በዓል ዓጺድ፡ እግዚኣብሔር ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ዝሰርዖ ሥርዓታት ኮይኑ መለኮታዊ ጥበብ ኣምላኽ ዝነግር ሓሳብ ኣምላኽ እዩ። እስራኤላውያን ብበጃነት ገንሸል ካብ ሞት ተዓዲጎም ካብ ግብጺ ድኅሪ ምውጽኦም፡ ምስ ድኅነቶምን ድኅነት ዓለምን ዝተኣሳሰሩ ናይቲ ዝመጽእ ወይ ዝገሃድ ሓቂ ጽላሎት ዝኾኑ ሥርዓታት ከኣ እዮም ተዋሂቦም ። ፋሲካ፡ በዓል ቕጫ፡ በዓል ዓጺድን ከኣ ብቕደም ተኸተል ተዘርዚሮም እንረኽቦም ንመሲሕ ዝገልጹ መንፈሳውያን በዓላት እዮም። እግዚኣብሔር ንበዓል ዓጺድ ዝምልከት ሕግን ዝርዝራዊ መግለጽን ንነቢይ ሙሴ ከም ዝሃቦ መጽሓፈ ዘሌዋውያን ብዝግባእ ሰኒድዎ ኣሎ። በዚ ትእዛዝ መሠረት ከኣ እራኤላውያን ናብታ እግዚኣብሔር ዝሃቦም ምድሪ ምስ ኣተዉ፡ ዘራእቲ ተዘሪኡ እዋን ዓጺድ ምስ ኣኸለ፡ ካብ ምሉእ እቲ እኽሊ “ ሓንቲ እንዳእቲ” ካብ ብዘሎ ዘራእቲ ተሓርያ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሔር፡ ንእግዚኣብሔር ባህ ዘብል ናይ እኽሊ መሥዋዕቲ ኮይና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ተወዝዊዛ ትቐርብ ነበረት። እዛ እንዳእቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተወዝዊዛ ከይቀረበት ከኣ እኽሊ ኣይትንከፍን፡ ኣይብላዕን፡ ኣይቕለውን፡ ኣስንከትን ውን እዩ ዝነበረ። ደቂ እስራኤል ነዛ እትውዝወዝ እንዳእቲ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ምቕራቦም ከኣ፡ትውክልቶም ኣብ ኣምላኽ ምዃኑ ዝገልጽሉ ሥርዓት እዩ ። ከምኡ ውን  ኣምላኽ ነዛ እንዳእቲ ምቕባሉ ንብዘሎ ዘራእቲ ምቕባሉ ዝነግር ሓቂ ስለ ዝኾነ ፡ምቕባል እዛ እንዳእቲ ምቕባል ብዘሎ ዘራእቲ ምዃኑ ይኣምኑ ነበሩ። እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ካብ ብዘሎ ኣእካል እስራኤል ንምንታይ እዩ፡ ጥምሮ ብዙኃት እንዳእትታት ዘይኣዘዘ፧ ኣብቲ ቅዱስ ትእዛዝ “ ሓንቲ እንዳእቲ” ብምባል ብቚጽሪ'ኳ ከይተረፈ ኣነጺሩ ምንጋሩ  እምበኣር እዛ ሓንቲ እንዳእቲ ቅብልትን ብልጽትን ንኻልኦት ውን ቅቡላት ምዃኖም እትእውጅ መስተንክራዊት እንዳእቲ ምዃና ኢና እንርዳእ። ካልኦት ኲሎም ኣእካል ገና ኣብ መሬት ከለዉስ እዛ “ሓንቲ እንዳእቲ” ግን ተላዒላ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሔር ቀረበት፡ ኣቤት ዘደንቕ ጥበብ ኣምላኽ! እሞ ብዛዕባ እዛ ተላዒላ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ከኣ ተቐባልነት ዝረኽበት በዂሪ ዝኾነት እንዳእቲ ምእንቲ ክንፈልጥ ተጊህና ንቓሉ ንመርምሮ። እዛ ተደማሪ ወይ ተወሳኺ ዘይብላ ምንጪ በረኸት ዝኾነት እንዳእቲ ደኣ መን እያ፧ ምሥጢራን መንፈሳዊ ትሕዝቶኣን’ከ እንታይ እዩ፧  ኦ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ንቐዳሞት ኣቦታትና ምሥትውዓል ዝሃብካ፡ ነዚ ንልቢ ዘዕርፍ ምሥጢር ክንፈልጥን ክንረዳእን ብኡኡ ውን ክንጸናናዕን ደግፈና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ስለ ዂሉ ነገር ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹን።   

No comments:

Post a Comment