በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን
ሓሙዂሽቲ ናይታ ዚሓረረት ኣርሒ ቀዳማይ ክፋል
“እንዘ ሥዉር እምኔነ፡ ይእዜሰ ክሱተ ኮነ”። ነቲ ብመሠረት እቲ ካብ ዘለዓለም ተሠዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና ዝተገልጸ ምሥጢር፡ ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልን፡ ከምቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዚስበኾ ዘሎን ገይሩ ኣብ እምነትኩም ደው ኬብለኩም ዚኽእል ኣምላኽ ክብሪ ይኹኖ። ሕጂ ግና እቲ ምሥጢር ብጽሕፈት ነቢያት ተጋሂዱ ኣሎ። ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለዓለም ኣምላኽ ከኣ ኲሎም ኣሚኖም ምእንቲ ክእዘዝዎ፡ ብዂሎም ኣሕዛብ ከም ዚፍለጥ ተገይሩ ኣሎ። ነቲ በይኑ ብዓል ጥበብ ዝኾነ ኣምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ሮሜ 16፡25-27
እቲ ንልብና ብኢየሱስ ክርስቶስ ብጥበብ ዝመልአ ኣምላኽ ይባረኽ። እምበኣር እነሆ እቲ ብጽሕፈት ነቢያት ዝተጋህደ ሕቡእ ዘለዓለማዊ ሓሳብ ኣምላኽ፡ ምሥጢር ሓመኽሽቲ ናይታ ዝሓረረት ላም ምፍላጥን ምርዳእን ንምሥጢር እቲ ሕያው መሲሕ ምርዳእ እዩ። እቲ ትእዛዝ ከምዚ ይብል “ ናይ ዝሞተ ሰብ፡ ምዉት ሥጋ ዝተንከየ ዘበለ እሞ ዘይነጽሄ፡ ንማሕደር እግዚኣብሔር ኣርከሰ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ካብ እስራኤል ትመንቈስ። እቲ ማይ ምንጻህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነጽጎ፡ ርኹስ እዩ፡ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ (ዘኁ 19፡13) ። እቲ ናይ ዝሞተ ሰብ ሥጋ ዝተክየ ርኹስ እዩ ከመይ ንሱ ምስ ሞት ሕብረት ዝገበረ እዩ። እዚ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሞት ዝወደቀ ምስኡ ውን ሕብረት ዝገበረ ሰብ፡ ብሰሪ ርኽሰቱ ኣብ ማሕደር ኣምላኽ ክህሉ ምስኡ ውን ሕብረት ክገብር ኣይክእልን፡ ኣብ ሞንግኡን ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሞት ዝበሃል መንደቕ ተነዲቑ ኣሎ፡ ስለዚ ኸኣ እዛ ነፍሲ እንተዘይነጽሀት ካብ እስራኤል እትምንቇስ ነፍሲ እያ። ስለዚ እምበኣር እግዚኣብሔር ንሙሴ ከምዚ ዝብል ትእዛዝ ሃቦ፡ “ እቲ እግዚኣብሔር ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጉድለትን ኣበርን ዘይብላ፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላ ላም ኬምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ንገሮም። እዚኣ ንካህን ኣልኣዛር ሃብዎ፡ ንሱ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ( ዘኁ 19፡2-3)። እታ ንምጻህ እቶም ዝረኸሱ፡ ምስ ሞት ውን ሕብረት ዝገበሩ ሰባት ክትሕረድ ዘለዋ ላም( ኣርሒ) ከመይ ክትከውን ከም ዘለዋ እግዚኣብሔር ትእዛዙ ገለጸ።
ዘይከም ካልኦት ንመሥዋዕቲ ዝቐርቡ እንስሳታት፡ እዛ ንምንጻህ እቶም ዝረኸሱ እትሕረድ ላም፡ ኣንስተይቲ ጾታ፡ ምሉእ ብምሉእ ቀያሕ፡ ሓንቲ፡ ኣበርን ጉድለትን ዘይብላ ከምኡ ውን ኣርዑት ዘይተሰቕለላ ምዃና መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ገሊጹልና ይርከብ። ንምንታይ’ዩ እግዚኣብሔር ክሳዕ ክንድዚ ብዝረቐቐ ምርጫ ንደቂ እስራኤል ክእዝዞም ደለየ ኢልካ ምስትንታንን ምሕሳብን ግቡእ’ዩ እሞ ነስተንትን። ብቋንቋ ዕብራውያን ፓራ ኣዱማ( para aduma); ብግዕዝ እጐልተ ቀያሐ፡ ብትግርኛ ጣላ ላም፡ ብኣምሓረኛ ቀይ ጊደር፡ ብትግረ ፍሊት ጣላ ከምኡ ውን ብቋንቋ ኢንግሊሽ ሬድ ሄፈር( Red Heifer) ንግብራ ዝገልጽ ስም ተዋሂብዋ ኣብ መጽሐፈ ነቢየ ሙሴ ተመዝጊባትልና ኣላ። ካልኦት መሥዋዕትታት ኣብ ማእከል ከተማ ኣብ ዘሎ መሠውኢ እዮም ዝፍጸሙ ዝነበሩ፡ እዛ ፓራ ኣዱማ( red heifer) ኣብ ወጻኢ ሰፈር እታ ኸተማ እያ እትስዋዕን እትሓርርን ዚነበረት፣ ልቢ ሂብና ነስተውዕል እምበኣር እቲ ካህን መሪሑ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኡ እዩ ዝስውዓ፡ ምሥጢር እዚ ካብ ሰፈር ምውጻእከ እንታይ ኮን’ዩ ትርጉሙ?
እቲ ካህን ጻዕዳ ክዳን ኣገልግሎቱ( ኤፎድ) ለቢሱ፡ ነታ ቀያሕ ላም ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብቲ መሠውኢ የውጽኣ፡ ሽማግለታት እስራኤል ከኣ ኣብቲ ቦታ ይጽበይዎ፡ ኣብቲ ካብ ኣዕጫው ቄድሮስ፡ ጽሕዲ፡ ኦም በለስ ዝተረበበ መሰውዒ ነታ ቀያሕ ኣርሒ የቕርባ( ምንጪ Mishnab Parah)። ነታ ቀያሕ ላም ፊት ንፊት እቲ መቕደስ ብምጥማት ብየማናይ ኢዱ ይሓርዳ፡ ብኣእዳዉ ካብ ደማ ብምጥማዕ ከኣ ሾብዓተ ሳዕ ንወገን ቤተመቕደስ ኣቢሉ ይነጽግ። ብድሕሪ እዚ እቲ ካህን ነታ ላም የንድዳ’ሞ ዕንጸይቲ ጽሕድን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ወሲዱ፡ ናብ ማእከል እቲ እታ ኣርሒ እትነደሉ ሓዊ ይድርብዮ። እታ ቀያሕ ላም፡ እታ ሓንቲ፡ እታ ኣበርን ጊድለትን ዘይብላ ኣርዑት ውን ዘይተሰቕለላ ንጽሕቲ በጃ እቶም ምውት ሥጋ ብምትንካፎም ምስ ሞት ዝሓበሩ ኩለንትንኣ ቆርበታን ስጋኣን ደማን ምስናይ ፈርሳ ብኸምዚ ዝረአናዮ መስርሕ ነደደት ። እዚ እቲ እግዚኣብሔር ንደቂ እስራኤል ዝሃቦም ትእዛዝ እዩ።
ኣስተንትኖ
1. ጠንቂ ርኽሰት እቶም ሕዝቢ
2. መግለጺታት እታ ቀያሕ ላም
3. ኣብ ወጻኢ ሰፈር ምስውዓ
4. ፊት ንፊት እቲ መራኸቢ ድንኳን ሾብዓተ ሳዕ ደማ ምንጻጉ
“እቲ ካህን ከኣ ካብቲ ደማ በጻብዑ ይውሰድ፡ ብሸነኽ ቅድሚት ድንኳን ምርኻብ ከኣ ካብ ደማ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ” ዘኁ 19፡4
No comments:
Post a Comment