በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
አሐዱ አምላክ አሜን
ኣነ ኽኣ ነቲ ደም
ምስ ረአኹ ኽኃልፈኩም እየ ዘጸ12፡13
ቅዱስ ኣምላኸይ ንዘመናት ዝሰራዕካን ዝወሰንካን ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ዘደንቕ
ትርኢት ሰማያት፡ ውቃበ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ውን ግብሪ ኣእዳውካ እዩ። ፍጥረት ኩሉ ብኣኻ ተገዚኡን ተመሊኹን ንኣኻ ይባርኽ
ኣሎ። ሰማያት ግብሪ ኣእዳውካ የዘንትዉ ኣለዉ ምድሪ ውን ዕዮኻ ትምስክር ኣላ፡ ምእንትዚ ንሕና ባሮትካ ኸኣ ንዓመት ብሳኅልኻ ስለ
እትኽልላ ነመስግነካ ኣሎና። ኦ ጐይታ ሠራዊት እግዚኣብሔር ክብርኻ ኣብ ኲላ ምድሪ ክንደይ ኮን ዓቢይ’ዩ? ዕለታትን ኣዋርኅን ከምኡ
ውን ዓመታት ዝሰራዕካ ብሩኽ ስምካ ልዑል እዩ። ኦ ኣቦ ብርሃናት ሎሚ ውን ነመስግነካ ኣሎና ኪኖ ኲሉ ብሉጽ ነገር እቲ ዝበለጸ፡
ኪኖ ኲሉ ሠናይ ነገር እቲ ኣዝዩ ሠናይ፡ ኪኖ ኲሉ በረኸት ዝኾነ ተወሳኺ ዘይብሉ ዘይትካእ እንኮ ወድኻ ኢየሱስ ሂብካና ኢኻ እሞ
ነመስግነካ ኣሎና። ብእኡ በቲ ኽዓርቕ ዝኽእል ወዲ ኣምላኽ ዝኣምን ኣብ ፍርዲ ኣይክወድቕን እዩ ከም ዝበልካ እነሆ ብኡ ኣሚንና
ብደሙ ተሓጺብና ኣሎና። ኦ ሞት ንዓ እሞ ድምጺ ዕልልታና ስማዕ፡ ደጊም ኣይክንመውትን ኢና እቲ ኻልኣይ ሞት ኣባና ግደ የብሉን።
እወ ኦ ሲኦል ንደም ኢየሱስ ክርስቶስ ክስዕር ዝኽእል ኃይሊ የብልካን ተሳዒርካ ኢኻ። ግብሪ ዲያብሎስ ከፍርስ ወዲ ኣምላኽ ተገሊጹ
ሊቀ ካህንና ኮይኑ እዩ ንእኡ ነቲ ዘፍቀረና ብደሙ ካብ ኃጢኣትና ዘንጽኃና ሊቀ ካህናት ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ደሙ ብእምነት ኣብ ልብና ተነጺጉ እዩ፡ደጊም መዓት ኣይክትንክፈና እዩ። ኦ ክቡር መንፈስ ብጸጋኻ ሓልወና ንልብና ምልኣዮ፡ ኣጸናንዓና
ምርሓና ኦ መንፈስ ቅዱስ ኣስተኻኽለና። ንኢየሱስ ክርስቶ ደኣ እምበር ገዛእ ርእስና ከይነኽብር ርድኣና። ነቲ እናበሃገ ግን ከኣ
ዘይረኸበ፡ መገዲ ሓቂ ዝዘንግዐ ሕዝብና ሎሚ በቲ ቀዳሲ ዝኾነ ኃይልኻ ምርሓዮ። ኦ መንፈስ ቅዱስ በቶም ቀዳሞት ዘመናት ብምሕረት
ከም ዝዓየኻ በዞም ዘመናት ውን ብምሕረት ዕየ። ንኢየሱስ ክርስቶስ እተኽብር፡ ንቤተክርስቲያን ከኣ እትመርሕ ቅዱስ መንፈስ ብሓቅን
ብመንፈስ ንኣቦ ከነምልኽ ብጸጋኻ ርድኣና። ኣብ ቃልካ ተስፋ ኣሎና፡ ንምምጻእ እቲ ኽቡር መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ብዓቢይ
ናፍቖት ንጽበዮ ኣሎና። መንፈስ ቅዱስ፡ ክቡር መንፈስ ኣብዚ ምድረበዳ ዓለም ምርኲስናን እምባናን ንስኻ ኢኻ ስምካ ይባረኽ። ንእግዚኣብሔር
ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ኣብ ዙርያና ብዙሕ ዋዕዋዕታ ክህሉ ይኽእል እዩ፡ ጸጥ ዝበለ ንኣምላኽ
ዝደሊ ልቢ ክህልወና ግን ንጸሊ። ወርኂ ኣቢብ ንእስራኤላውያን ዝተዋህበት ናይ ዓመት መጀመርታ ወርሒ እያ። ባርነት ተሳዒሩ ሓርነት
ዝእውጀላ ወርሒ ኸኣ እያ። ኣብ መንጐ ናይ ባርነት ዘመንን ናይ ሓርነት ዘመንን ሓደ ዘደንቕ ፍጻሜ ኣብ ዘጸኣት 12 ተጻሑፉልና
ኣሎ። እዛ ሓዳሽ ናይ ሓርነት ዓመት ብዘይ ዋጋ ዝተረኽበት ኣይኮነትን። እዛ ናይ ሓርነት ዘመን ብምኽንያት እቲ ምእንቲ ብዙኃት
ዝተሠውዐ ገንሸል ዝተረኽበት ውጽኢት ደም እያ። ብደም ሞት ዝተሳገሩ ኸኣ እዮም ብሓርነት ኮይኖም ዝነብርዋ። ደም እንተዘየለ ከቶ
ውን ሓርነት የለን። እቲ ደም ኣብ ኣባይቲ እንተዘይህሉ ሓርነት ኣይምተረኽበን ዕልልታ ውን ኣይምተሰምዐን፡ ደም ምንጪ ሓርነት እዩ።
ካብ ባርነት ኃጢኣት ሓራ ክንወጸሉ እንኽእል መገዲ ኸኣ ደም ጐይታ ኢየሱስ ጥራይ እዩ። ብደሙ ምእማን ሓርነት ኣለዎ ክቡር ኣንባቢ/ት
ብደም ጐይታ ተሓጺብካ ዶ? ንሱ ሊቀ ካህናት ብምዃን ንዘቕረቦ ጸሎትን ልመናን ገዓርን ንብዓትን ብምእማን ሎሚ ሓርነትካ ኣውጅ።
ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትካ ከም ዝሞተ ንዓኻ ከጽድቕ ከኣ ካብ ምውታን ከም ዝተንስአ እንተ ኣመንካ ክትድኅን ኢኻ። ብደምካ
ሕጸበኒ እናበልካ ጸውዓዮ፡ ደሙ ሞት ዘይደፍሮ ቅዱስ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ ውን ብኽብሪ ኣብ የማን ኣቦ ቆይሙ ዘሎ ሊቀ ካህናት
እዩ፡ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣቦ ዝመጹ ኸኣ ንዘለዓለም ከድኅኖም ይኽእል እዩ። ኣብዚ ተዋሂቡና ዘሎ ሓድሽ ዘመን መጽሓፍ ቅዱስ
ብምንባብን ብጸሎትን ክንዓቢ ንወጥን ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ከብርሃልና እዩ።
1/01/2019
No comments:
Post a Comment