ሓንቲ እንዳእቲ 3ይ ክፋል
ኦ ዘለዓለማዊ ኣቦ ስምካ ይባረኽ። “ ከምቲ ምዱብ ምኽሪ ኣምላኽን ዘለዓለማዊ
ፍልጠቱን ዝተወፈየ ኢየሱስ ክርስቶስ ሽሕ’ኳ ብግፍዒ ተቐቲሉ እንተሞተ ንዕኡ ሞት ሒዙ ከጽንዖ ኣይከኣለን፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰር
ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ” ዚብል ሕያው ቓልካ ሎሚ ውን መድኃኒት እዩ። ምእንቲ እዚ ዓቢይ ፍቕርኻ ኸኣ ዎ ኣቦ፡ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ
አመስግነካ ኣለኹ። ተኣምራትካ ዘደንቕ፡ ምኽርኻ’ውን ዘለዓለማዊ እዩ። “ ንቕዱስካ ኣብ መቓብር ክብስብስ ኣይትገድፎን ኢኻ” ዚተባህለሉ
ሓንቲ እንዳእቲ ቕዱስ ወድኻ ብዘደንቕ ጥበብ ክትንስእ ርኢናዮ ኢና እሞ ስምካ ይባረኽ። ብርግጽ ከኣ ቅዱስ እንዳእትና ክርስቶስ፡
ዘይመውት ሊቀ ካህንና ብምዃን ናብ ኣቡኡን ኣምላኹን፡ ከይተተንከየ ዝዓረገ ቕቡል እንዳእቲ እዩ። ኦ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ፡
ካብ ዘርእኻ ተኻፊልና ተስፋ ተመሊእና ኣሎና፡ ሥጋና ብተስፋ ናብ መቓብር ይወርድ ኣሎ፡ በታ እትመጸላ መዓልቲ ኸኣ መግነዝና ብፍትሑ
ክንለዓል ኢና፡ ምኽንያቱ ብሳላ ሞትካ ንሕና’ውን ሞት ኣጽኒዑ ዘይሕዘና፡ መለኮታዊ ዘርኢ ተኻፊልና ኣሎና። ኢየሱስ፡ኢየሱስ፡ኢየሱስ
ስምካ ይባረኽ፡ እቲ ዓቢይ ጸጋኻ ሎሚ’ውን ምሳና እዩ። ኦ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንልብና ብተስፋ መሊእካ ብዕልልታ ክንዝምር ገበርካና፡
ኦ ሞት ኣበይ’ሎ ዓወትካ ፧ ኦ ሲኦል ኣበይ ኣሎ መውግኢኻ ፧ እናበልና ብትምክሕቲ ክንምስክርን ንጐይታ ከነኽብርን ረዲእካና ኢኻ’ሞ
ስምካ ይባረኽ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
እግዚኣብሔር ንሙሴ ከምዚ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ክትዓጽዱ ከለኹም፡ ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምጽኡ። ኣነ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክቕበለልኩም ከኣ፡ እቲ ካህን በታ ድኅሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዘ የቕርባ ዘሌ23፡9-11።
ንዕኡ ሞት ሒዙ ከጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ ኣምላኽ ካብ ማእሰር ሞት ፈቲሑ ኣተንሥኦ ግብ2፡24
እግዚኣብሔር ብዘደንቕ ጥበቡ
እቲ ንኣቦታትና ዝገለጾ ሓቂ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እዩ። ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኣብኣተን እትረኽቡ መሲሉኩም ነተን “ቅዱሳት መጻሕፍቲ
ትምርምርወን ኣሎኹም፡ ግዳስ ንሳተን ውን ንኣይ እየን ዚምስክራለይ (ዮሃ6፡39)። መጻሕፍቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዮም
ዚምስክሩ። ብዛዕባ እዚ መሲሕ እዚ ኸኣ ይትንትኑን ይዛረቡን። ግደ እዞም ሎሚ ኮነ ጽባሕ ዝመጹ ወለዶታት ከኣ ንቓል ኣምላኽ ምእዛዝን
ናብቲ መጻሕፍቲ ዝመስከርሉ እንኮ እንዳእቲ ዝኾነ ኢየሱስ ምቕላብ እዩ።
ንኣሻሕ ሳዕ ኣሻሕ ዓመታት
በዓል ዓጺድ ብመሠረት ትእዛዝ ኣምላኽ ኣብ እስራኤል ተፈጸመ። እዚ ትእዛዝ እዚ ንደቂ እስራኤል ጥራይ ዝተዋህበ ትእዛዝ እዩ፡ ንኻልኦት
ሕዝብታት ዝተዋህበ ኣይኮነን። እዛ እንዳእቲ እዚኣ ኣብ ኢዮርሳሌም ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ጥራይ እትውዝወዝ እንዳእቲ እያ። እዚ ሥርዓት
እዚ ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ጽላሎት ደኣ እምበር ባዕሉ እቲ ቀንዲ ፍጻሜ ከም ዘይኮነ ግሁድ ሓቂ እዩ። ምሥጢር እዚ ሥርዓት ደኣ ብመን
ተፈጸመ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ይብል፧ ብዛዕባ ሓቂ ኣጸቢቕና ክንርዳእን ክንፈልጥን እንተዘይክኢልና ሕይወትና ኣብ ሓደጋ እዩ ዝወድቕ። መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ፈጻሚ ናይዚ ሥርዓት
መን ምዃኑን ብኸመይ እዋን ከም ዝተፈጸመን’ውን ኣጒሊሖ ይነግሩና ኣለዉ። ክርሳዕ ዘይብሉ መርሕ ኣሎ “ ንሳተን ውን ንኣይ እየን
ዚምስክራለይ” ዚብል ሕያው ቃል ጐይታ እዩ። ሕጂ ግና ክርስቶስ ካብ
ምዉታት ተንሥአ፡ በዚ ኸኣ ናይቶም ዝሞቱ በዂሪ ትንሳኤ ኾነ(1ቆሮ15፡20) ። ከምኡ ውን ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዚ በለ “ ሞት ሒዙ
ከጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ ኣምላኽ ካብ ማእሰር ሞት ፈቲሑ ኣተንሥኦ። ’ንቕዱስካ ድማ ኣብ መቓብር ኪብስብስ ኣይትገድፎን ኢኻ”
ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፡ ሥጋኡ ኸኣ ምብስባስ ከም ዘይርኢ ኣቐዲሙ ፈሊጡ ኸኣ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ተዛረበ። ኣምላኽ ነዚ ኢየሱስ እዚ ኣተንሢእዎ እዩ፡ ንሕና ኲላትና ኸኣ
ናይዚ ነገር እዚ መሰኻኽር ኢና(ግብ 2፡27,32) እናበሉ መስከሩ። ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እዛ በዂራት ኣጸቢቑ ስለ ዝተረድአ
ብግሉጽ ቃላት፡ እታ ሓንቲ እንዳእቲ፡ እወ እታ ብምሸት ጽባሕ ሰንበት ብዕልልታን መዝሙርን ኣብ መቕደስ እትውዝወዝ፡ ብኣምላኽ’ውን
ቅብልቲ ዝኾነት በዂራት ምሳሌ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃና ገለጸልና። እዛ ሓንቲ እንዳእቲ፡ ካልእ ተወሳኺ የብላን፡ ካብ መሬት
ተላዒላ ኸኣ ኣብ መቕደስ ተወዝወዘት። ሓደ’ኳ ጻድቕ የለን ካብ ዝተባህሉ ፍጥረት ሰብ ሓደ’ኳ ንሓይሊ ሞት ክሰብር ዝኽእል ኣይነበረን፡
ኲላትና ካብ ክብሪ ኣምላኽ ዓሊና ነበርና። ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ከማና ሰብ ብምዃን ምእንታና ሞተ፡ ምእንቲ ሰባት ኢሉ ዝሞተ ሓደ’ኳ
የልቦን። ካብ መንፈሳውያን ሰማያውያን ፍጥረታት ኮነ ካብ ፍጥረት ሰብ ሓደ’ኳ ምእንቲ ድኅነት ሰባት ዝሞተ ንመጻኢ ውን ዝመውት
የልቦን። ምእንቲ ድኅነት ሰባት ዝሞተን ዝተሰውዐን ኢየሱስ ጥራሕ እዩ። ንሱ ቕዱስ ነቐፋ ዘይተረኽቦ ጻድቕ ፍጹም ሰብ ስለ ዝኾነ
ኸኣ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ኣይከኣለን። ኣምላኽ ካብ ማእሠር ሞት ፈቲሑ
ኣተንሥኦ። እታ እንዳእቲ ሓንቲ ምንባራን፡ ብሳልኣ’ውን ብዘሎ ዓጺድ ተቐባልነት ከም ዝረኸበን ከምኡ ውን ክርስቶስ ኢየሱስ ንሱ
በይኑ ሓደ መድኃኒ፡ ካብ ምውታን በዂሪ ብምዃን ተንስአ። መስዋዕቱ
ተቐባልነት ዝረኸበ ፡ ሊቀ ካህንነቱ’ውን ዘለኣለማዊ ዕርቂ ዘውሃበ እዩ። ንሕና እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኣመንና ብደሙ ኣብ ቕድሚ
ኣቦ ተቐባልነት ረኺብና ኣሎና። ከምቲ ኣምላኽ ካብ ማእሠር ሞት ፈቲሑ ዘተንስኦ፡ ንዓና’ውን በቲ ምዱብ ጊዜ ከተንስኣና እዩ። ንእግዚኣብሔር
ብሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንዘለዓለም ከነመስግኖ ኢና። ኣቱም ጽሙኣት ንዑ ናብ ማያት፡ ኣቱም ንክርስቶስ ኢየሱስ ሕይወትኩም ዘይሃብኩም
ሎሚ ኢየሱስ ጐይታ ምዃኑ ብኣፍኩም እንተመስከርኩም፡ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ ውን ብልብኹም እንተኣመንኩም ክንድኅኑ፡
ክትጸድቑ ኢኹም። ምስቶም ብምምጻእ ጐይታ ዝለዓሉ እንዳእትታት’ውን ክትለዓሉ ኢኹም። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ስለ ኹሉ ነገር ብስም ጐይታ
ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
No comments:
Post a Comment