ሓንቲ እንዳእቲ 4ይ ክፋል
ዎ እግዚኣብሔር፡ ብሕይወት ምእንቲ ክነብርሲ ከም ቃልካ ደግፈኒ፡ ብተስፋይ’ውን
ኣይተሕፍረኒ። ንስኻ በይንኻ መዕቖብየይ ኢኻ፡ ኣብ ግዜ ጸበባይ ከኣ መጸግዕየይ ኢኻ። ኣብ ኲሉ ዘመናት ዝዓቐከብካኒ፡ ከም ብሌን
ዓይንኻ ተኸናኺንካ’ውን ካብ ደልሃመት ኃጢኣት ዘናገፍካኒ ንስኻ በይንኻ ኢኻ። ብምሕጻብ ደምካ ሓድሽ ሰብ ጌርካ ሕያው ጌርካኒ ኢኻ’ሞ
ኦ ሊቀ ካህነይ፡ ቀርኒ መድኃኒተይ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ። ቃላተይ ከም ብርቱዕ ጸሓፊ’ኳ እንተዝኸውን ንምስጋና ዝበቕዕ
ቃላት የብለይን ነፍሰይ እናሻዕ ብኣኻ ትሕጐስ ኣላ፡ ስለ ዝተበጀኻያስ ኦ ጐይታ ደስታ ረኺባ ኣላ። ዎ ኣብ፡ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ
ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ቕዱስ ኣበር ዘይተረኽቦ ስርናይ ኮይኑ ምእንታና ክመውት ፈቒድካ ኢኻ፡ “ ንሱ ዘርኡ ክርኢ እዩ ባህ ውን ክብሎ
እዩ” ከም ዝበልካ፡ ካብ ደሙ ብእምነት ዳግም ተወሊድና፡ ተኻፈልቲ መለኮታዊ ክብሪ ኮይና ኣሎና እሞ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግነካ
ኣሎና። ኦ ቅዱስ መንፈስ፡ ኣብቶም ብኢየሱስ ዝኣመኑ እትዓዪ፡ ብመንገዲ ሓቂ ውን እትመርሕ፡ ብመገድኻ ምርሓኒ። ንርእሰ- መኣዝን፡
ቀርኒ መድኃኒት፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ ሓንቲ እንዳእቲ ንዝኾነ ወዲ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘመነይ ከኽብር ደግፈኒ። ዎ እግዚኣብሔር
ጐይታ ሠራዊት ከምቲ ብዘመን ምሕዳስ ኢዮርሳሌም፡ ንመንፈስ ዘሩባብኤል ወዲ ሰኣላቲኤል ምስሌነ ይሁዳን ንመንፈስ ኢያሱ ወዲ ይሆጻድቅ፡
ሊቀ ካህናትን ንመንፈስ ኲሎም እቶም ዝተረፉ ሕዝብን ዘንቃሕካዮ፡ ሎሚ’ውን ንመንፈሰይን ንመንፈስ እቶም ንስኻ ዝሓረኻዮም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ኣገልገልትን ንመንፈስ
ኲሉ ሕዝብን ከተንቅሕ ብስም ኢየሱስ ናዝራዊ እልምን ኣሎኹ። ዎ ጐይታ ብጸጋኻ ደግፈና፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ
ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
እግዚኣብሔር ንሙሴ ከምዚ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ክትዓጽዱ ከለኹም፡ ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምጽኡ። ኣነ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክቕበለልኩም ከኣ፡ እቲ ካህን በታ ድኅሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዘ የቕርባ ዘሌ23፡9-11።
ብዘይካ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ’ኳ የልቦን ዮሃ 3፡13
እግዚኣብሔር
ኣብ ኲሉ ዘመናት ናይቲ ክግለጽ ዝነበሮ ሓቕታት ኣቐዲሙ ብምሳሌ ነቦታትና ገለጸሎም። እቶም ምሳሌታት ብገዛእ ርእሶም፡ እቲ
ቐንዲ ነገር ከም ዘይኮኑ’ውን ኣቦታትና ይርድኡ ነበሩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዚ ይብል፦ እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም ዝተመደበ ጸጋ ዝተነበዩ ነቢያት፡ ብዛዕባዚ ምድኃን እዚ ብዓቢይ
ጥንቃቐ መርመሩ። እቲ ኣብኣቶም ኃዲሩ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ ዚስዕብ ክብሩን ዚንበ ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ፡
ብዛዕባ ኣየናይ ሰብን ኣየናይ ጊዜን የመልክት ከም ዝነበረ ይምርምሩ ነበሩ። ኣምላኽ ከኣ እቲ ኣገልግሎቶም ንኣኹም እምበር
ንገዛእ ርእሶም ከም ዘይኮነ ገለጸሎም(1ጴጥ1፡10-12)። እምበኣርከስ
እቲ ኣቐዲሙ ብመገዲ ነቢየ እግዚኣብሔር ሙሴ ንሕዝቢ እስራኤል ዝተዋህበ ትእዛዝ “ ሓንቲ እንዳእቲ”፡ ንመሲሕ የሽዋ (ኢየሱስ
ክርስቶስ) ዝገልጽ ምሳሌ ምዃኑ ኣጸቢቕና ንረዳእ። እዛ ሓንቲ እንዳእቲ መዓስ ከም እትውዝወዝ ኣብ ካልኣይ ክፋል ተመልኪትና
ኔርና። “እቲ ካህን በታ ድኅሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዘ የቕርባ” ዚብል ትእዛዝ ኣምላኽ ንዘክሮ። ወንጌላዊያን ብዛዕባ እዚ ጊዜን ሰዓት ብኣተኲሮ
ጽሒፎምልና ይርከቡ።ኣብ 4 ወንጌላት ተጠቂሱ ዘሎ መቓን ጊዜ እዩ። ድኅሪ ሰንበት ለይቲ፡ ናብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ
ሰሙን ዘውግሕ(ማቴ28፡1)፡ ሰንበት ምስ ኃለፈት፡… በታ ቐዳማይቲ መዓልቲ ሰሙን(ማር16፡1-2)፡ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ
ሰሙን እተን ኣንስቲ ነቲ ዘዳለውኦ ሽቱ ኂዘን፡ ኣንጊሀን ናብ መቓብር ከዳ(ሉቃ23፡1)፡ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር
መጸት(ዮሃ20፡1)። ኤደርሼም፡ ቤተ መቕደስ ኣብ ዝብል መጽሓፎም ከምዚ ዝስዕብ እናበሉ ይትንትንዎ፦ “ እዋን ዓጺድ ናይታ ሓንቲ እንዳእቲ ምስ ኣኸለ፡ ኣመና ብዙኃት፡ ካብ ብዝሖም ዝተላዕለ’ውን ዝጸቓቐጡ ኣምለኽቲ (ኣይሁዳውያን) ንዓበይቲ እስራኤል ተኸቲሎም ናብቲ በዂራት ዝዕጸደሉ ቦታ ይኸዱ። ሽሕ’ኳ ጸልማት እንተኾነ ይዝምሩ፡ መሳርሒ ሙዚቃታት ይጻወቱ፡ይስዕስዑ፡ ደግነት ኣምላኽ’ውን ይጽምብሉ። እንዳእቲ ድኅሪ ምቚራጹ ኸኣ እቶም ሕዝቢ ንኣምላኽ እናኣመስገኑ መገዶም ናብ ቤተ መቕደስ፡ ናብ መሠውኢ የምርሑ። እዚ ሰዓት እዚ ኸኣ “ Morrow after
the Sabbath” ጽባሕ ሰንበት እዩ። እቲ በዂራት (ሓንቲ እንዳእቲ) ኸኣ ኣብ መሠውኢ ምስ ዘይትን ዕጣን ተሓዊሱ ብሓዊ ይሓርር። ዕላማ እዚ ኣገልግሎት፡ ብዘሎ ዓጺድ ንኣምላኽ ምውፋይ እዩ። እታ ሓንቲ እንዳእቲ ወይ በዂራት ከኣ ንብዘሎ ዓጺድ እትውክል እያ። ኣምላኽ ነዛ በዂራት ምቕባሉ ኸኣ ንብዘሎ ዓጺድ ከም ዝተቐበሎ ዝገልጽ ሥርዓት እዩ”። ስለዚ ክቡር
ኣንባቢ/ት ነቲ እዋን ዓጺድ ብዝግባእ ክትዕዘብዎ እደሊ ኣለኹ። ጽባሕ ሰንበት፡ እታ ሓንቲ እንዳእቲ፡ካብ ሰፈር ዓጺድ ተላዒላ
ናብ መቕደስ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ክትቀርብ ከም እትዓርግ(እትድይብ) ነስተውዕል። ዶር. ሪቻርድ ቡከር ኣብ መጽሓፎም ከምዚ
ብምባል የብርሁልና፦ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንማርያም መግደላዊት ከምዚ በላ፡ ኢየሱስ ከኣ” ገና ናብ ኣቦይ ስለ ዘይዓረግኩ
ኣይትተንክይኒ፡ ግናኸ ናብ ኣኅዋተይ ኪዲ እሞ “ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እዓርግ ኣሎኹ በልዮም በላ
(ዮሃ 20፡17)። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ሓንቲ እንዳእቲ ተቖሪጻ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ እትውዝወዘሉ እዋን እዩ ተንሲኡ፡
ከምቲ እታ እንዳእቲ ተቆሪጻ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ክሳዕ እትውዝወዝ ዓጺድ ዘይትንከ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ገዛእ ርእሱ ናብ
ሰማያዊ መቕደስ ፡ከም ቅዱስ በዂራት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ(ኣቦ) ቅድሚ ምቕራቡ ክትንከፍ ስለ ዘይብሉ ናብ ኣቦ ስለ ዘይዓረግኩ ኣይትተንክፍኒ በላ።
ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉታት በዂሪ ኮይኑ ተንስአ። ንሱ ዓቢይ ሊቀ ካህናትና እዩ፡ ገዛእ ርእሱ ኣብ ቅድሚ ኣቦ፡ ኣብቲ ልክዕ
ዓጺድ “ሓንቲ እንዳእቲ” ተዓጺዳ እትውፈለሉጊዜ ጽባሕ ሰንበት፡
ዘቕረበ በዂራት እዩ።
ሓንቲ እንዳእቲ፡ ክሳዕ ክንድዚ ምሥጢር ህላወና፡ ተስፋና ዝሓዘት መለኮታዊት
መልእኽቲ እያ። ከምቲ ኣምላኽ ንኢየሱስ ዘተንስኦ፡ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ዘዕረፉ’ውን ከተንስኦም እዩ። ምውታት ዘይትንስኡ
እንተኾይኖም ክርስቶስ’ውን ኣይተንስአን። ንሕና ግና ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተንስአ፡ ንሱ በይኑ ካብ ምዉታት ከም
ዝተንስአን ብዘይካኡ’ውን ሓደ’ኳ ካብ ምዉታት ከም ዘይተንስአ ኢና እንኣምን። ቅድም በዂራት፡ ደኃር ከኣ እቲ ዝተረፈ ዓጺድ
እዩ ዝዕጸድ፡ መጽሓፍ ከምዚ ይብል ከምቲ ኲላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ኲላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ክኾኑ እዮም። ግናኸ
በብመስርዑ እዩ፦ ቅድም ክርስቶስ፡ ደኃር ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ፡ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ(1ቆሮ15፡22-23)። እዋን ዓጺድ ምስ ኣኸለ ሓንቲ
እንዳእቲ(በዂራት) ከይተዓጽደት እኽሊ ኣይትንከፍን እዩ። በዂራት ድኅሪ ምውዝዋዛ ኸኣ ብዘሎ ዓጺድ ይዕጸድ። ሕጂ ክርስቶስ
በይኑ ከም በዂራት ተንሲኡ እዩ፡ ብዘይክኡ ዝተንስአ ሓደ’ኳ የልቦን። ደኃር ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ እቶም ብክርስቶስ ዝኣመንና፡ ኣምላኽ
ከተንስኣና እዩ። እታ መለኸት ክትንፋሕ እያ፡ እቶም ዝሞቱ ኸኣ ብዘይበርሥ ክትንስኡ እዮም፡ እቶም ብሕይወት ዝጸንሑ ኸኣ ከም
ቅጽበት ዓይኒ ክልወጡ እዮም ። ኦ ጐይታ ስለ ዂሉ ነገር ተባረኽ። እቶም ኣብቲ ናይ ሕይወት ትንሳኤ ግደ ዘለዎም ‘ቶም ክዳውንቶም ብደም ገንሸል ዘጻዕደዉ ጥራይ እዮም። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ስለ ኹሉ ነገር ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን!
ኣሜን።
No comments:
Post a Comment