ሓንቲ እንዳእቲ 5ይን ናይ መፈጸምታን
ክፋል
ዎ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ንስኻ በይንኻ፡ ንዓኻ ዝመስል ውን ሓደ
እኳ የልቦን። ብዘደንቕ ጥበብ፡ ንጥበብ ጠቢባን ዘጥፋእካ፡ ንምስትውዓል እቶም ጠቢባን ውን ዕሽነት ዝገበርካ ንስኻ ኢኻ። ነቶም
ዘወትር ንዓኻ ዝደልዩ ብሰብ ዝተናዕቑ ግን ጥበቦም ዝኾንካ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ። ከምቲ ቕዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ
ኢየሱስ ምእንቲ ኃጢኣተይ ሞትካ፡ ተቐበርካ’ውን ከምቲ ቕዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ ውን ካብ ምውታት ተንሳእካ፡ እዚ እቲ ብልበይ ዝኣመንክዎን
ዝተቐብልክዮን ዝደኃንኩሉን እምነተይ እዩ። ኣምላኽ ንኢየሱስ ካብ ምውታን ከም ዘተንስኦ ኣሚነ እየ እዚ ኸኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት
እዩ። ነቲ ኽቡር ዝኾነ ሊቀ ካህናትና ሎሚ ውን ምስጋና ይኹኖ። ንሱ መርሖ ሰማያት፡ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ ፍኖት(መገዲ) እዩ። መንፈስ
ቅዱስ ንነፍሳትና እትሕሉ ክቡር መንፈስ ብመጠን ጸጋኻ ንነፍሳትና ሓሉ፣ ነቲ ዝኣመንናዮን ዝደኃንናሉን ወንጌል ክሳዕ መፈጸምታ ኣጽኒዕና
ክንሕልዎ ዘየቋርጽ ጸጋኻ ይርድኣና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን፣ኣሜን።
እግዚኣብሔር ንሙሴ ከምዚ በሎ፦ “ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ክትዓጽዱ ከለኹም፡ ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምጽኡ። ኣነ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክቕበለልኩም ከኣ፡ እቲ ካህን በታ ድኅሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዘ የቕርባ ዘሌ23፡9-11።
ኣይትታለሉ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ
ልማድ የበላሽዎ እዩ 1ቆሮ 15፡33
ኣብ ዝሓለፉ ክፋላት ብዛዕባ ምውዝዋዝ ‘ታ ሓንቲ እንዳእቲ ብመንጽር ቅዱሳት
መጻሕፍቲ ርኢና ኔርና። እዚ ዓቢይ ምሥጢር እዚ ኸኣ ክሳዕ ክንድ ምንታይ ናይ ሕይወትና መርሕ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግበኣና እዩ።
ኣብ ከውሒ ዘይተሰረተት ቤት ምዕናዋን ምፍራሳን ዘይተርፍ እዩ። እምነትና ውን ኣብ ቅኑዕ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ እንተዘይተሰሪታ
ንፋሳት ምስ ነፈሱ፡ ወሓይዝ ምስ ወሓዙ፡ ክትቐውምን ሕያው ኮይና ፍረ ክርከባ ኣይከኣልን እዩ። ከም መዛዘሚ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ እቲ
ነታ ኣብ ቆሮንቶስ ዝነበረት ናይ ኣምላኽ ቤተክርስቲያን ዝተጻሕፈ ለበዋን ስምዕታን ክንርኢ ኢና። እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ጥበብን
ምስትውዓልን ይዓድለና።
ኣብ ቆሮንቶስ ዝነበረት ቤተክርስቲያን ብስብከት ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝተመስረተት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና
ሓቂ እዩ። ሓዋርያ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ኣብ ምዕራፍ 15፡1 ዕላማ ጽሑፉ ብግህዶ ከምዚ እናበለ ይጽሕፈሎም፦ ሕጂ ኸኣ ኣኅዋተየ፡
ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል ከዘክረኩም እደሊ ኣሎኹ። ንሱ ድማ እቲ ዝተቐበልኩምዎን ብእኡ ድማ ጸኒዕኩም እትነብሩ ዘሎኹምን
እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንምንታይ ኮን እዩ ነቲ ኣቐዲሙ ዝሰበኸሎም ወንጌል ከዘክሮም ተገዲዱ፧ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ዳግም ንቤተክርስቲያን
ምጽሓፍ ኣገዳስነቱ እንታይ’ዩ፧ ዚብሉ መሠረታዊያን ሕቶታት ምስ እነልዕል። እቲ ሓዋርያ ከምዚ እናበለ ምምለሰልና “ ገሊኦም ካባኻትኩም
ትንሣኤ ሙታን የልቦን ዚብሉ ኣለዉ”። ምእንትዚ ኸኣ እቲ ሓዋርያ፡ ካብቲ ንሱ ኾነ ካልኦት ሓዋርያት ዝመሃርዎ ትምህርቲ ወጻኢ፡
ነቲ ኣቐዲሙ ዝተሰብከሎምን ዝኣመንዎን ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሕዳግ ትንሣኤ ምውታን የልቦን ዝብል (ካልእ ወንጌል) እምነት
ኣብ ልቦም ስለ ዘንበረኡ እዩ። እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ኅብረት ቤተክርስቲያን ቆሮንቶስ ዝርከቡ እኳ እንተኾኑ፡ ትንሣኤ ሙታን
ዘይኣምኑ እዮም። ኣብታ ናይ ቆሮንቶስ ቤተክርስቲያን ብህላዎም ጥራይ ንኣምላኽ ዝፈልጡ ሰባት እዮም ተባሂሉ ስለኦም ኣይተጻሕፈን።
ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎ ግን ከኣ ኣብ ቤተክርስቲያን ዘለዉ ሰባት ምዃኖም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብግህዶ ይገልጽ፡ እዚ ኸኣ ኅፍረት
እዩ። ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎን ከም ዘይነበረ’ውን ይገብሮ እዩ። “ መን ምዃንካ ክነግረካስ ምስ መን ከም እትኸይድ
ንገረኒ” ዝበሃል ብሂለ ኣበው ውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ኣለዎ። “ጽባሕ ክንመውት ኢና ሎሚ ንብላዕ ንስተ” ዝብል ሓሳብ ድኅሪ ሞት ሕይወት
ከም ዘየልቦ ዝድምድም ብሂል እዩ። እዚ ኸኣ ነታ ኣብ ከውሒ ዘይተሃንጸት ቤት ከዕኑ ዝኽእል ብርቱዕ ንፋስ እዩ። ዕላማ ጽሑፍ ቕዱስ
ጳውሎስ ናብቲ ናይ ጥንቲ “ትምህርቲ ክርስቶስ” ምእንቲ ክምለሱ እዩ።
ምኽንያቱ ገሊኦም ካብቲ ዝመሃሮም ትምህርቲ ወጻኢ ብምኻዶም ንሕይወቶምን፡ ሕይወት ካልኦትን ኣብ ሓደጋ ስለ ዘውደቁ እዩ።
ንሕና’ኸ ካብዚ ወቐሳን ሕፍረትን ነምልጥ’ዶ ንኸውን። እታ ኣብ ልብና
ዘላ እምነት ከምቲ ዝተሰበኸልናን ዝተቐበልናያን ድያ ዘላ ወይስ ብኻልኦት ዝተፈብረኹ ትምህርታት ተሓዋዊሳ’ያ ዘላ፧ ብዙሓት ኣብ
ቤተክርስቲያን ኣሎና እናበሉስ ሕቶ ትንሣኤ ሙታት ኣብ ዝለዓለሉ እዋን “ እንድዒ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡ ሽዑ ንርእዮ፡ እንሓንሳእ ውን
ምስ ሞትና ነርክበሉ” ዚብሉ ቓላት የውክዑ። ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ቤተክርስቲያን ብዛዕባ ትንሳኤ ሙታን ንጹር ትምህርቲ እንተዘይሒዛ፡
መፈጸምታኡ ንኣምላኽ ዘይትፈልጥ፡ ብደም ክርስቶስ ከም ዝነጽሐት ዝረስዐት፡ ብብርቱዕ ንፋሳት ዝዓነወት ቤት እያ እትኸውን። ብዛዕባ
ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጹር እምነት ዘይሓዘ ሰብ ከቶ ውን ብዛዕባ ትንሳኤ ገዛእ ርእሲ ርግጸኛ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብዘይካ
እቲ ካብ ሰማያት ዝወረደ፡ ምእንቲ ኃጢኣትና ዝሞተ፡ ዝተቐብረ ቕዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝመስከርዎ ውን ካብ ምዉታት በኹራት ኮይኑ
በይኑ ዝተንስአ ኢየሱስ ክርስቶስ ካልእ ሓደ’ኳ ከም ዘየለ ዘይኣመነ ልቢ ንመልሕቑ ኣብ እዋን ማዕበል ዝሓደገ ሰብ እዩ። ነቲ ብቕዱሳን ሓዋርያት ዝተሰብከልና ወንጌል ደጊምና ንዘክሮ፡ ካብኡ
ዝዘንበሉ ኩሎም ትምህርታት ብሕዳግ ውን ናብቲ ዝተሰብከልና ሓቐኛ ወንጌል ንመለሰ፡ ንእኡ ውን ኣጽኒዕና ንሓዞ። ኣይትታለሉ!!!
ኣምላኽ ንክርስቶስ ከም ዘተንስኦ ነቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኹሎም ብኽብሪ ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ ከተንስኦም እዩ። ኣምላኽ ንብዘሎ
ዓጺድ ተቐቢልዎ እዩ፡ እቶም ብደም ክርስቶስ ዝተወለድና፡ ብኽብሪ ንጐይታና ምእንቲ ኽንመስል ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ክንልወጥ ኢና።
ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ስብሐት ይኹን።
ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ ውን ብደሙ ምእንቲ ክሓጽበና ደሙ ሕያው’ዩ። ደሙ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ዝጠርዕ፡ ካብ ደም ኣቤል ንላዕሊ ብምሕረት
ዝዛረብ’ዩ እሞ ብእምነት ብልብና ንጸውዓዎ። ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ
ዉሉድ ኣምላኽ ክኾኑ መሰል ዝህብ ክርስቶስ፡ ሎሚ ውን ሕያውን ዝዓዪን እዩ እሞ ብልብና " ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብደምካ ሕጸበኒ"
እናበልና ንጸውዓዮ። ኢየሱስ ክርስቶስ ማእሰር ኃጢኣትና ክበትኽ ብቕዓት ዘለዎ፡ ብደሙ ክሓጽበና (ዝሞተ) ዝተሓርደ ገንሸል እዩ። ምእንቲ ከጽድቐና ውን ካብ ምውታት ዝተንስአ በዂራት
እንዳእቲ እዩ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
No comments:
Post a Comment