ቤዛ (ቀዳማይ ክፋል)
ዎ ንገዛእቲ ጸልማት ዘዕነኻ፡ በቲ ዘይጠፍእ ብርሃን ሓደ ወድኻ ኸኣ ዝመላእካና
ቅዱስ ኣቦ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንዓኻ ዝመስል ከኣ ሓደ እኳ የልቦን። ንወድኻ ምእንቲ ኩላትና ኣኅሊፍካ ደኣ ሃብካዮ
እምበር ኣይነሓፍካዮን፡ ንሕና ኸኣ በዛ ቅድስቲ ግብሪ እዚኣ ሕይወት ረኸብና። ልዕሊ ኹሉ ንስኻ ኣብ ልብና ክትነግስ ብስም ኢየሱስ
ክርስቶስ ንጽውዓካ ኣሎና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህናትና ንምዃን ብስጋን ደምን ከማና ሰብ ኰንካ፡ ንስኻ በይንኻ ኣብ
የማን ኣቦ ዀንካ ክትዓርቀና እትኽእል መድኃኒና ኢኻ። ብዘሎ ምስጋና፡ውዳሴ፡ ዕልልታ ኾነ ጭብጨባ ንዓኻ ንበይንኻ ይግባእ። ሎሚ
ውን ደምካ ሕያው’ዩ እሞ ዎ ጐይታ ብጸጋኻ ርድኣና። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንኹለንትናና ግዛእ፡ ንስኻ ብእትደልዮ መገዲ ጥራይ ምርሓና።
ከምታ ዝፈረሰት መቅደስ ኣምላኽ ግን ከኣ ብዘመን ዘሩባብኤል ብኃይልኻን ብርትዐኻን ዝተሓደሰት፡ ሎሚ ንዝፈረሰ፡ ምድረበዳ ንዝኾነ
ሕይወት ክትሕድስ፡ መንፈስካ መሊእካ ንስም እግዚኣብሔር ዝውድስ ዓቢ ጭፍራ ክትገብሮ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንልምን ኣሎና። ንእግዚኣብሔር
ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
እሜጡ ነፍስየ ቤዛ ኣባግዕየ
ንሕይወተይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ አኅልፋ ዮሃ10፡15
ሰላም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን ክቡራት ኣኅዋተይን ኣኃተይን።
እቲ ኣብ ሰማያዊ ስፍራ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣቢሉ ብመንፈሳዊ በረኸት ዝባረኸና ኣቦ ይባረኽ። ኣብ ዝኃለፉ መዓልታት ንነገረ-ቤዛነት
ዝምልከቱ ገለ ሕቶታት ሓቲተ ነይረ፡ ነፍሲ ወከፍና ክንምርምሮ ሸለል ውን ክንብሎ ዘይግበኣና ዛዕባ እዩ’ሞ ከነተኲረሉ እላቦ። ልብታትና
እንታይ ዓይነት መልሲ ሂቦምና፧ ርጡብን እርኑብን መልሲ ’ዶ፧ ወላስ ዝተዘርገ፡ ዘይተመምየ፡ ዘይጸረየን፡ ዝተመናንሀን መልሲ፧ በሉ
ንዑ ሓቢርና መንፈስ ቅዱስ ንዝመሃረና ትምህርቲ ካብ ዔላ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንፊፍና ንስተዮ።
ንመጀመሪ ምእንቲ ኽኾነና፡ ትርጉም ናይዚ ዝበሃል ዘሎ ቃል፡ ማለት ቤዛ
ዝገልጹ፡ ዘብርሁ መወከሲታት ንመልከት።
1. ቤዛ፦ ዋጋ፡ ካሕሳ፡ መተካእታ፡
ዋሕስ፡ መድኅን (መዝገበ ሰዋስው ወግስ፡ አለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ)
2. ቤዛ፦ ዝተታሕዘና ወይ ውን ዝተወሰደና
ነገር ንምምላስ ዝኽፈል ዋጋ፡ካሕሳ፡ መለወጢ እዩ(የመጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት)።
3. ቤዛ፦ ስለ ሓደ ዕላማ፡ ሰብ ወይ
ነገር ኢሉ ሕይወቱ ዝሃበ ወይ ዘጥፍአ (ዘመ.መዝገበ ቓላት ትርግኛ ብተክአ ተስፋይ)።
እምበኣር ክቡራት ነበብቲ እዚ ጽሑፍ፡
ብመጠንቲ ‘ቲ ኣምላኽ ዝገለጾ ሓቂ፡ ብዛዕባ ነገረ ቤዛነት ምእንቲ ክንርዳእ ንኣእምሮና ንኽፈቶ። ካብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1 ክሳዕ
ራእ 22 ብዝርዝር ዝተገልጸ እዩ። ንእኡ ምፍላጥን ምእማንን ውን ናይ ዘለኣለም ሕይወት ዘውህብ እዩ። ነገረ ቤዛነት እቲ ዝዓበየ
ዛዕባ እግዚኣብሔር እዩ። ንነገረ ቤዛነት ምትሕውዋስ፡ ምድብላቅ፡ ብንጹርን ግሁድን መገዲ ዘይምፍላጥን፡ ኣሜን ዘይምባልን መፈጸምታኡ
ናይ ዘለዓለም ሞት እዩ።
እሜጡ ነፍስየ ቤዛ ኣባግዕየ፡ ንሕይወተይ
በጃ እተን ኣባጊዕ አኅልፋ ዚብል ሕያው ቃል ጐይታ ኣብ ከብሒ ልብና ነቐምጦ፡ አረ ተነፋዕናስ ከኣ ኣብ ማኅደር ልብና ንውቀሮ።
ቤዛ ዚብል መግለጺ ንመን’ዩ ዝምለከት፧ ንምንታይ’ከ እዮም ቅዱሳት መጻሕፍቲ(መጽሓፍ ቅዱስ) ንእግዚኣብሔር ኣቦን ንእግዚኣብሔር
መንፈስ ቅዱስን ቤዛ ኢሉ ዘይጸውዖም፧ ዎ ሕዝበይ ነቲ ንኣሻዕ ሳዕ ኣሻሕ ዓመታት ዝጠበቐና መንቅብ፡ ኢመጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣስተምህሮ
ካብ ሱሩ ክንምሕዎ ንጋደል። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ
ስብሐት ይኹን።
No comments:
Post a Comment