Friday, March 29, 2019

ቤዛ 6ይ ክፋል



ቤዛ 6ይ ክፋል

ነቲ ዝባረኸኒ እግዚኣብሔር እባርኾ ኣለኹ። ብኹሉ ዘመናት ሰናይ ንዝገበረለይ ኣምላኽ ክብሪ ይኹን። ብኽቡር ደሙ ዝዓደገና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ክቕበል ብቑዕ’ዩ። ንሱ ሊቀ ካህንና ብምዃን ዘድሓነና ዘመድና እዩ። ኦ ጐይታ ንስኻ ንኹለንትናይ ውረሶ፡ ብመንፈስካ ምርሓኒ። “መፈንጠርያ ተበትከ ኣነ’ውን ኣምለጥኩ”፡ ብደምካ ካብ ሞት ስለ ዝመንጠልካኒ አመስግነካ ኣሎኹ። ንዓኻ ንበይንኻ ደኣ እምበር ንኻልእ ናይ ሕይወተይ ቤዛ፡ መድኃኒ፡ ሊቀ ካህናት፡ ኣተዓራቒ፡ መሥዋዕቲ ኢለ ከቶ ውን ኣይክቕበልን እየ። ብዘይካኻ ዝሞተለይ ሓደ’ኳ የልቦን፡ ምእንትዚ ኸኣ ቤዛ ተባሂልካ ክትስመ ዝግበኣካ ንስኻ በይንኻ ጥራይ ኢኻ። መንፈስ ቅዱስ ንልበይ ሓሉ ብመገድኻ ጥራይ ምርሓኒ ካብ መገዲ እቶም ንስምካ ዝጻረሩ ኣርሕቐኒ። ንሓቂ ተዓጢቐ ክቐውም ኣበርትዓኒ። ንምድርና ክትፍዉሶ፡ ብምሕረት ከኣ ክትበጽሓና ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እልምን ኣሎኹ፡ ኦ ጐይታ ምርዳእ ቃላትካ ከስተንትንሲ ንልቦናይ ኣብርህ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹን።
“ቴቄል”፡ ብሚዛን ተመዚንካ ቐሊልካ ተረኸብካ (ዳን5፡27)
እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ነቶም ዝደልይዎ መልሲ ዝህብ፡ ገዓሮም ዝሰምዕ፡ ምህለላኦም ከኣ ዝምልስ እሙን ኣምላኽ’ዩ ። ካብ ዑረት ልቢ ዝገላግለና ቅዱስ መንፈሱ እዩ’ሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ንልብና ብኃይሉ ይምልኣዮ ።
ካፓሮስ (ኅድገት ኃጢኣት)

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ንጥበቡ ኣብቶም መንፈሱ ዘፍሰሰሎም ሰባት እዩ ዘንብር፡ ንምኽሩ ውን ኣብ ልቦም ዘሕድር ቅዱስ ኣምላኽ እዩ። ነገረ ቤዛነት ፍጹምን ብሉጽን ዝኾነ ምኽሪ ኣምላኽ እዩ። ኣብ ቕድሚኡ ቅዱሳንን መንቅብ ዘይብሎምን ምእንቲ ኽንከውን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኃረየና። ጽቡቕ ፍቓዱን መደቡን ስለ ዝነበረን ከኣ ንርእሱ ዉሉድ ክንኮኖ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቀደም መደበና። እዚ ኸኣ እቲ በቲ ዘፍቅሮ ወዱ ገይሩ ዝሃበና ክቡር ጸጋ ምእንቲ ክምስገን ኢሉ እዩ። ብእኡ ማለት ብደሙ ድኅነት፡ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ኸኣ ኅድገት ኃጢኣት ኣሎና። ንሱ ነዚ ጸጋ እዚ ብዂሉ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ልዕሌና ኣፍሰሶ። ጽቡቕ ፍቓዱ ኾይኑ ኸኣ ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ ኣቐዲሙ ዝመደቦ ናይ ፍቓዱ ምሥጢር ኣፍለጠና። እዚ ኸኣ እቲ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዂሉ ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ክርስቶስ ምእንቲ ኪጥቕለል እዩ (ኤፌ1፡4-10)። ነዚ ክፍሊ ጽሑፍ ደጋጊምኩም ከተንብብዎን ከተስተንትንዎን እምሕጸን።

እንዘራረበሉ ዘሎና ኣርእስቲ ነገረ- ቤዛነት እዩ። ነገረ-ድኅነትን ጽድቅን ሰባት፡ ነገረ- ዘለዓለማዊ ሕይወትን ሞትን ምዃኑ ውን ክንግንዘብ ሰናይ እዩ። ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝወጸ ትምህርቲ፡ ሽሕ ሳዕ ተዋሕለለን ተብረቕረቐን ሓሶት ምዃኑን ካብ ኣምላኽ ውን ከም ዘይኮነን ይገሃድ እዩ። ቤዛነት ንማንም ዝምጽወት ናይ ትኳቦ እንጌራ ኣይኮነን፡ ምእንትዚ ኸኣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ(መጽሓፍ ቅዱስ) ክንሓትትን ክንምልከትን ይግበኣና እዩ።

ኣብ እዋን ዮም ኪፑር ዝዝውተር ኣይሁዳዊ ሥርዓት ምንጻህ ወይ ሥርዓት ኅድገት ኃጢኣት ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ካፓሮስ ይበሃል። “ ዶር. ሪቻርድ ኣብ መጽሓፎም ከምዚ ቢሎም ጸሓፉ፦ ሓደ ጥንታዊ ኣይሁዳዊ ሥርዓት ኮይኑ ኣብ እዋን ዮም ኪፑር ዚፍጸም እዩ፡ ስሙ ኸኣ ካፓሮስ ይበሃል። ሓደ ኣምላኺ ወይ ኣምላኺት፡ ወዲ እንተዀይኑ ጻዕዳ ተባዕታይ ደርሆ፡ ጓል ኣንስተይቲ ተዀይና ድማ ኣንስተይቲ ጻዕዳ ደርሆ፡ ንሰለስተ ሳዕ ኣብ ርእሶም የዝውርዋ/ዎ። ነቲ ተባዕታይ ደርሆ ወይ ነታ ኣንስተይቲ ደርሆ እናኣዝወሩ ኸኣ ከምዚ ኢሎም ይጽልዩ፡ “እዚ ለውጠይ እዩ፡ እዚ መተካእታይ እዩ፡ እዚ ኅድገት ኃጢኣት ዝረኽበሉ እዩ፡ እዚ ተባዕታይ ደርሆ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኸኣ እዛ ኣንስተይቲ ደርሆ፡ ናብ ሞት ይኸይድ/ትኸይድ  ኣሎ/ኣላ፡ ኣነ ግን ናብ ሕይወትን ናብ ጽቡቕን ነዊሕ ዘመንን ሰላምን እኸይድ ኣሎኹ”። እዚ ጸሎት ቀጥታ ካብ ሲዱር(መጽሐፍ ጸሎት) ዝወሰድክዎ እዩ። ንክርስቲያናት፡ እቲ ምስ ክርስቶስ ዘለዎም ሕብረት ካብዚ ዝበለጸ እዩ። ደሙ ኅድገት ኃጢኣት ዝረኸብናሉ እዩ። እቲ ኣብ ክንዳና ዝሞቶ ሞት ሓንሳእን ንሓዋሩን ዝቐረበ መሥዋዕቲ እዩ። ደም ደረውህ ኰነ እንስሳታት ንኃጢኣትና ክሽፍን ኣየድልየናን እዩ። ሽሕ’ኳ ብደሙ ድኅሪ ምጽዳቕና ኃጢኣት እንተዓየና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምሕረት ንኽንረክብ ኣብ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ኢና እንዕቆብ።  ኣቱም ደቀየ ኃጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ እዚ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ሓደ’ኳ ኃጢኣት ዝገበረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ጻድቕ እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ኃጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ኃጢኣት ኩላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ኃጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን(1ዮሃ1፡1-2)”። 

እዚ ሥርዓት ምንጻህ እዚ ምሳሌ ናይቲ ክመጽእ ዝነበሮ ሓቂ ደኣ እምበር ብቐንዱ እቲ ሓቂ ከም ዘይኮነ ብሩህ እዩ። ምፍሳስ ደም እንተዘየሎ ቤዛነት ውን የልቦን። ነቲ ምእንቲ ኃጢኣትና ዝሞተ ክርስቶስ፡” ንስኻ ለውጠይ ኢኻ፡ ንስኻ መተካእታይ ኢኻ፡ ንስኻ ኅድገት ኃጢኣት ዝረኽበሉ ሕያው መሥዋዕቲ ኢኻ፡ ንስኻ ኣብ ክንዳይ ካብ ምድሪ ሕያዋን ተወጊድካ ሞትካ፡ ኣነ ኸኣ ብኣኻ ናብ ሓድሽ ሕይወት፡ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ፍጹም ሰላምን ኣተኹ” ቢልካ ብእምነት ምጽላይን ነቲ ሓቀኛ ቤዛ ምቕባልን ናይ ዘለዓለም ሕይወት እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅዱሳንን መንቅብ ዘይብሎምን ዉሉድ ዝገብረና ኃይሊ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅድስና ካብ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ዝርከብ መንፈሳዊ ውህብቶ ደኣ እምበር ካብ ሰባት ዝምጦ ምድራዊ ኣይኮነን። ሰብ’ዶ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ብዘይመንቅብ ክርአ ይኽእል እዩ? ኢሉ ዝሓትት እንተተረኽበ መልሱ ብርግጽ እወ እዩ። ሰብ ብክርስቶስ ብምእማን፡ ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ነጺሁ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዘይመንቕብ ምእንቲ ኽርአ ፍቓድ ኣቦ እዩ። እዚ መደብ እዚ ብክርስቶስ ዝተገልጸ ምሥጢር እዩ።

ድኅነት በብእዋኑ ዝውህለል ኣይኮነት፡ ድኅነት ብቤዛነት ኢየሱስ ንዝኣመኑ ክዉን ዝኸውን ቅጽበታዊ እዩ። ጽድቂ ከም ውህብቶ ደኣ እምበር ከም ደሞዝ ኣይኮነን። ነቶም ንኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ልቦም ዝተቐበሉ ኹሎም ዝቑጸረሎም ጸጋ ኣምላኽ እዩ። ኣብርሃም ኣቦና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝምከሓሉ ገለ ነገር እኳ የብሉን፡ ነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ስለ ዘስተውዓለ ኸኣ ብክርስቶስ ብምእማኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽድቂ ተቖጽረሉ። ነቶም ኩሎም ከም ኣብርሃም ብእምነት ክጸድቑ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኣመኑ ኸኣ ጽድቂ ተቖጺርሎም እዩ።
ብምህሮ ቅዱስ ወንጌል ዘይተቓነየ ልቢ፡ ከቶ ውን ካብ ኣምላኽ ገለ ነገር ዝቕበል ኣይምሰሎ። ሰባት ካብዚ ምድሪ እዚ ምስ ገዓዙ እዮም ድኅነቶም ዘረጋግጹ ዚብል ኢክርስቲያናዊ ኣስተምህሮ፡ ንቤዛነት ኢየሱስ ክርስቶስ ከንቱ ዝገብር ስሑት ትምህርቲ እዩ።  ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ርጉጽ ድኅነት ከም ዘሎ፡ ቅዱሳንን መንቅብ ዘይብሎምን ውሉድ ኣምላኽ ከም ዝገብርን ዘይኣምን ልቢ፡ ብርሃን ወንጌል ዘይበርሃሉ ዑረት ዘጥቕዖ ምዃኑ ክግንዘብ ይግብኦ። ወንጌል ግሉጽ እዩ፡ ሰይጣን ግን ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ንብርሃን ወንጌል ከይርድኡ ጋረዶ። ኣብ ምድርና ኣንጻር ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገብሩን ዝግበሩን ዘለዉ ወፍርታት ክንንስሓሎም እንተዘይክኢልና፡ ሉል ወንጌል ከም ኤሳው እኳ ብንብዓት እንተደለናያ ኣይክንረኽባን ኢና። መንፈስ ቅዱስ ንምድርና ብሕያው ቃሉ ይፈውስ፡ “ ኦ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ምእንቲ ክንነብርን ክንእዘዘካን ደገ ቃላትካ ኣብርሃልና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን"።

Friday, March 22, 2019

ቤዛ 5ይ ክፋል



ቤዛ 5ይ ክፋል

ኦ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ስምካ ኣብ ኩሉ ዘመናት ክቡር እዩ እሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ብዘሎ ኃይልን ክብርን ጥበብን ግርማን ናትካ እዩ ከማኻ ዝበለስ ሓደ’ኳ የልቦን። ንስኻ በይንኻ ፈጣሪናን፡ ደኳኒናን ተበጃዊናን ኣቦናን ኢኻ። ከምቲ ብርቱዕ ኃይልኻን ዘለዓለማዊ ምኽርኻን ብክርስቶስ ኢየሱስ ዳግም ስለ ዝወለድካና ነመስግነካ ኣሎና። ኦ ኣቦ ስምካ ይባረኽ፡ ነቲ ንዘለዓለም ጸኒዑ ዝነብር ምሕረትካ ክንሓስብ ከሎና ተስፋ ንገብር፡ ንስኻስ ዘይትሓድገና መጸናንዒና ኢኻ። ኦ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ብደምካ ካብ ኩሉ ነገዳት ዓዲግካ፡ ሓደ መጓሰ ጌርካና ኣሎኻ’ሞ ስምካ ይባረኽ። ብዘይካኻ ጐይታ፡መድኃኒ፡ተበጃዊ፡ ገንሸል፡ ኣፍ ደገ ሕይወት፡ መገዲ ሕይወት፡ መሓሪ ሊቀ ካህናት፡ ኣተዓራቒ፡ ተዛራቢ ደም ከቶ የልቦን። ብኣኻ ምሉእ ተስፋ ኣሎና፡ ኦ ጐይታ ንጐሮሮና ምስጋናኻ ምልኣዮ። ኦ መንፈስ ቅዱስ፡ ንዘመናት ብጥበብ ዝመሃርካ፡ ብብርሃን እትመርሕ፡ ብርሃን’ውን እተብርህ ጐይታ ነመስግነካ ኣሎና። ነቲ ንስኻ ዝበልካዮን ዝተዛረብካዮን ሓቂ ጥራይ ኣሜን ኢልና ክንቅበል ደግፈና። ነቲ ኣብ ምድርና ንዘመናት ዝተዘርአ ሓሶት በቲ ብርቱዕ ኃይልኻ ካባና ኣርሕቆ፡ ንሕናስ መንፈስካ ተመሊእና ንዓኻ እነመስግን ሕያው ጭፍራ ኢና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
“ቴቄል”፡ ብሚዛን ተመዚንካ ቐሊልካ ተረኸብካ (ዳን5፡27)

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ነቶም ዝደልይዎ መልሲ ዝህብ፡ ገዓሮም ዝሰምዕ፡ ምህለላኦም ከኣ ዝምልስ እሙን ኣምላኽ'ዩ ። ካብ ዑረት ልቢ ዝገላግለና ቅዱስ መንፈሱ እዩ’ሞ መንፈስ ቅዱስ ንልብና ብመንፈሱ ይምላእ።
ኣብ ዝኃለፉ 4 ክፋላት ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነገረ ቤዛነት መለኮታውን ዘለዓለማውን ሓሳብ ምዃኑ ርኢና ኔርና። ኣብ ቤዛነት ከነስተውዕሎም ዝግብኣና 3 መሠረታውያን ነጥብታት ውን ዳህሲስና ኔርና። ንሳቶም ከኣ ሕያውነት፡ ጸዋሪ በደል፡ ተቐባሊ መቕጻዕቲ እዮም። ኣብ ዝኾነ ቦታን ኩነትን ብዛዕባ ቤዛነት ክንሓስብ ከሎና ክንርስዖም ዘይብልና ዓበይቲ ነጥብታት እዮም። መንፈስ ቕዱስ ብቅዱሳን ነቢያት ብዛዕባ ቤዛነት ክርስቶስ ክንበ ኸሎ፡ ብዛዕባ ናይ ኢየሱስ ሰብ ምዃንን ንብዘሎ በደል ሰብ’ ውን ከም ዝጸውርን፡ ኣብ መፈጸምታ ውን መቕጻዕቲ ተቐቢሉ ካብ ምድሪ ሕያዋን ከም ዝውገድ ተነብዩ እዩ። ኩሎም እቶም ኣብ ትሕቲ እታ ቀዳመይቲ ኪዳን ዝሕረዱን ዝሓሩን ዝነበሩ መሥዋዕትታት፡ ንቤዛነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሕብሩ ኣመልከትቲ እዮም። ሽሕ’ኳ ሕጊ ከም ዝእዝዞ እቶም መሥዋዕቲ እንተቐረቡ፡ እቲ በብእዋኑ ምቕራቦም ግና እቲ ናብ ቕድስተ ቅዱሳን ዘእቱ መገዲ ከም ዘይተቐልዐ እዮም ዘመልክቱ ነይሮም፡ ከቶ ውን ንእግዚኣብሔር ባህ ዘብሉ ኣይነበሩን። ክርስቶስ ኣብ ዓለም ክመጽእ ከሎ ከምዚ ዚስዕብ በለ፦ “ መሥዋዕትን መባእን ኣይደሌኻን፡ እንተኾነ ሰብነት ኣዳሎኻለይ። ብዚሓርር መሥዋዕትን በቲ ምእንቲ ኃጢኣት ዚቐርብ መባእን ባህ ኣይበለካን። ሽዑ ኸኣ ኣነ “ ኦ ኣምላኸይ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ፡ እነሆ ፍቓድካ ክፍጽም መጺአ ኣሎኹ” በልኩ(ዕብ  10፡5-7)። ኢየሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ክፍጽም፡ ቤዛ ክኸውን ናብ ዓለም መጸ። ኢየሱስ ኸኣ ፍቓድ ኣምላኽ ክፍጽም ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ስለ ዝሰውዐ፡ ተቐዲስና ኢና። ዕላማ ቤዛነት ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቓድ ኣቦ ምፍጻምን፡ ነቶም ክድኅኑ ዘይከኣሉ ደቂ ኣዳም ብደሙ ናብ ኣቦ ምቕራብን እዩ። እቶም በጃነቱ ዝኣመኑ ንዕኡ’ውን ከም ናይ ሕይወቶም ጐይታን መድኃኒትን ዝተቐበሉ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝተሰውዐ ሰብነቱ ተቐዲሶም እዮም እሞ ካልእ ቤዛ ኣየድልዮምን እዩ።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነታ ብሓሰውቲ መምህራን ዝተናወጸት ኣብ ቆሮንቶስ ዝነበረት ቤተክርስቲያን፡ ካብቲ ሓቂ ወንጌል ምእንቲ ወጺኣ ከይትፋንን ከምዚ እናበለ ጸሓፈሎም፦ ኣኅዋተየ ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል ከዘክረኩም እደሊ ኣሎኹ(1ቆሮ15፡1)። “ ትንሳኤ ምዉታን የልቦን” ዚብል ትምህርቲ ጳውሎስ ዝሰበኾ ወንጌል ኣይነበረን። ንሱ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ዝሰበኸ፡ በዚ ተስፋ እዚ ውን ዝተዓጥቀ ሓዋርያ’ዩ ዝነበረ። ምእንትዚ ኸኣ ነቲ ስሑት ትምህርቲ ተቃወሞ። ኣእምሮና ንድኅሪት መሊስና ንብዘሎ ሕይወትናን ትምህርትናን እምነትናን ብቃል ወንጌል ክንመዝኖ ግቡእና እዩ። ኣብቲ ካብ መጀመርታ ዝተነግረና ቃል ዲና ጸኒዕና ዘሎና? ወይስ ብዝተሓዋወሰ ትምህርቲ ኢና ተቓኒና ዘሎና ክንመዝ ግዴታና እዩ።

ኣብ ምድርና ጽሩይ ወንጌል’ኳ ተዘሪኡ እንተነበረ ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብዝተላዕሉ፡ ንቃል ኣምላኽ ዘይእዘዙ፡ ንምኽሪ ቅዱስ መንፈስ ዘይተረድኡ፡ ሕሱማት ጸሓፍቲ ዝተበረዘ ቃል ኣምላኽ ተጻሒፉ እዩ። ከም ዊንታ ልቦም ደኣ እምበር ከም ምኽሪ ኣምላኽ ብዘይምኻዶም ከኣ ንወለዶታት እዚ ምድሪ ናብ ስሑት ትምህርቲ ሸመምዎም። ሽሕ’ኳ እቲ ኣብዚ ምድርና ኣንጻር ወንጌል ዝተኻየደ ቃልሲ ሰፊሕ፡ ብዙኅ ናይ ጸልማት ዘመን’ኳ እንተነበረ፡ ከቶ ግን ንብርሃን ወንጌል ክስዕሮ ኣይከኣለን። እቲ ምሕረቱ ዘብዝሐን ዘዕዘዘን ኣምላኽ ስሙ ይባረኽ።
እታ ኣብ ቤት መንግሥስቲ ባቢሎን ዝጸሓፈት ኢድ፡ መልእኽታ ፍርዲ እዩ ነይሩ። “ቴቄል፡ ብሚዛን ተመዚንካ ቀሊልካ ተረኺብካ” ዚብል ረዚን መልእኽቲ እያ ጸይራ። ኣብ ቕድሚ እቲ ሰማያትን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ኹሉን ዝፈጠረ ኣምላኽ ቀሊልካ ምርካብ ማዕረ ኽንደይ ኮን ውርደት’ዩ? እቶም ብሕሱማት ጸሓፍቲ ተጻሒፎም፡ተሰቢኾም፡ ከም ጥዑያትን ቅዱሳትን ትምህርታት ኣብታ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ምድርና ዝተመስረተት ቤተክርስቲያን ሶሊዀም ዝኣተዉ’ሞ ዘዕነውና ስሑታት ትምህርታት “ቴቄል” ተሰይሞም ኣለዉ። ብሚዛን መንፈስ ቅዱስ ተመዚኖም፡ተዓይሮም ቀሊሎም ተረኺቦም እዮም።

ብዛዕባ ቤዛነት መሠራታዊ ሓሳብ ሒዝና፡ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዘቐመጦም መሠረታውያን ነጥብታት ኣብ ኣእምሮና ነሰላስሎም። ካብቶም ብሕሱማት ጸሓፍቲ ዝተደርሰ፡ ንምኽሪ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ዝጻረር፡ ንቅድስት ድንግል ማርያም “ቤዛዊተ ዓለም” ኢሉ ዘቐምጥ ምህሮ እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ኰነ ሓዋርያነ አበው፡ ብዛዕባ እቲ ሓደ ቤዛ፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እምበር ብዛዕባ ካልእ ኣይተዛረቡን። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ነቢያት ሓዲሩ ብዛዕባ ስቓይ ቤዛነት ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እምበር ብዛዕባ ካልእ ኣይተዛረበን። በቲ ንኹሉ ክመዝን ሥልጣን ዘለዎ ሕያው ቃል ኣምላኽ ንልብና ከነቕንዖ እምሕጸን። ቤዛነት እንተሎ፡ ምእንቲ ካልእ ሕይወቱ ዘሕልፍ ኣካል ክህሉ ናይ ግድን እዩ። መጽሓፍ ግን ሓደ’ኳ ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ’ኳ ንኣምላኽ ዝደልዮ የልቦን ኢሉ ብምድምዳም፡ ካብ ደቂ ሰብ ከድኅን ኰነ ክብጆ ዝኽእል ሓደ’ኳ ከም ዘየልቦ መስከረ(ሮሜ3፡10)። ክርስትና መሠረቱ ዀነ መደምደሚኡ ሕያው ቃል ኣምላኽ ደኣ እምበር ድርሰትን ባህጊ ልቢ ሰባትን ኣይኰነን። እምበኣር ነቲ ኣቐዲሙ ዝተሰብከልና ቅኑዕ ወንጌል ንዘክሮ፡ ብእኡ’ውን ጸኒዕና ንንበር። ኢየሱስ ቤዛና ዝኾነ ሕይወቱ ብምኽፋል እዩ። እቶም ነዚ ጥበብ እዚ ዘይተረድኡ፡ ብደም ክርስቶስ’ውን ዘይተዓደጉን ዘይደኃኑን ጥበብ ኣምላኽ ዝተሰወሮም ጸሓፍቲ፡ ንጥበብ እቲ ሕያው ቃል ከም ዝጠዋወይዎ፡ ንጥፍኣት ገዛእ ርእሶም ውን ጠዋወይዎ። ናብቲ ስሩት መሠረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንምለስ ይግበኣና እዩ። 

“ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ዝተበጀኻና ብዘይካኻ’ውን ካልእ በጃ የልቦን። ነባጊዕካ ብደም ቀጺርካ ዘምለጥካየን ንስኻ ጥራይ ኢኻ፡ ምእንቲ’ዚ ውን ኩሎም ሠራዊት ሰማያት ብቑዕ ኢኻ እናበሉ የመስግኑኻ ኣለዉ፡ ንሕና ውን ምስኣቶም ብቑዕ ኢኻ እናበልና ነመስግነካ ኣሎና። ንብዘሎ ኣእምሮ ብደምካ ፈውስ፡ ኦ ጐይታ ብዝርጉሕ ቅልጽምካ እትቕበለና ንስኻ ጥራይ ኢኻ’ሞ ነመስግነካ ኣሎና ”።ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

Monday, March 18, 2019

ቤዛ 4ይ ክፋል



ቤዛ 4ይ ክፋል

ንልብታትና ብዘደንቕ ግብሪ መሊእካዮ ኢኻ እሞ ዎ ኣቦ ነመስግነካ ኣሎና። ሰማያት እኳ ግብርኻ ካብ ኣዘንተዉስ እቶም ብደም ዝተዓደግና ውሉድካ ደኣ ክንድምንታይ ኰን ክንዕልል ኢና? ክብሪ ኹሉ ንዓኻ ይኹን። ነቶም ምዉታት ዝነበርና ምስ ገዛእ ርእስኻ ክትዓርቐና ምስ ፈተኻ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣቢልካ ዓረቕካና። ብእኡ ብደም ወድኻ ካብ ሞት ተንሢእና ሓደሽቲ ፍጥረት ኰንና፡ ኦ ኣብ ምሕረትካ ዓቢይ’ዩ እሞ ንዘለዓለም ንዓኻ ክብሪ ይግባእ። በቲ ልዑል ተወዳዳሪ ዀነ ተመሳሳሊ ዘይብሉ ስም ቅዱስ ወድኻ፡ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንባርኸካ ኣሎና። 

ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር ነቲ ካብ ኣቦ ዝተቐበልካዮ ጽዋእ መከራ፡ ገዛእ ርእስኻ ብምውፋይ ተቐበልካዮ ኢኻ፡ በዚ ኸኣ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወት ኮነልና። ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና፡ ንስኻ ምእንቲ ኹሉ በጃ ብምዃን ሞትካ፡ በዛ ቅድስቲ ግብሪ እዚኣ ኸኣ ብደምካ ተሓሲብና ብእምነት ደኃንና። ኦ ሊቀ ካህናት ብዘይካኻ ቤዛ የልቦን፡ ንዓኻ ዝመስለካ ደም ብምፍሳስ’ውን ከድኅነና ዝኽእል ሓደ’ኳ የልቦን። ኣብርሃም ኣይፈልጠናን፡ ያዕቆብ ውን ኣየለልየናን’ዩ ንስኻ ግና ብዝርጉሕ ቅልጽም ብብርትዕቲ ኢድካ፡ ከም ሕያዋይ ጓሳ ሕይወት ከፊልካ ኣድኃንካና። ንዘለዓለም ምእንቲ ከነመስግነካስ ንስምካ ኣብ ልብና ኅተሞ።

ጥበብ ጠቢባን ዘዕኖኻ፡ ምስትውዓሎም’ውን ዝደፈንካ ቅዱስ መንፈስ፡ ንዓና ንሕጻናት ጥበብካ ስለ ዝገለጽካ ነመስግነካ ኣሎና። ነቲ ኣብ ነቢያት ኃዲርካ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስ ዝተዛረብካዮ፡ ኣብ ልብናን ኣብ ኣፍናን ስለ ዘቐመጥካዮ ንባርኸካ ኣሎና። ብዘይክኡ በጃን መድኃኒት ከም ዘየልቦ ነጊርካና ኢኻ’ሞ ካልእ ቤዛ እንብሎ ሓደ’ኳ የልቦን። ኦ መንፈስ ቅዱስ ንምድርና ብሕያው ቃልካ ፈውሶ፡ ኩሉ ፍሕሶ ዲያብሎስ ንዘመናት ኣብ ክሳድ ሕዝብና ዝተሰቕለ ኣርዑት ባርነት ክትሰብሮን ክትሕምሽሾን ብስም ኢየሱስ ናዝራዊ ንልምን ኣሎና። ከም ቃልካ ክንነብር ደግፈና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን። 

ሓደ በጃ ኹሉ ከም ዝሞተ፡ኩላቶም ከኣ ተኻፈልቲ ሞቱ ከም ዝኾኑ ስለ ዝተረድኣና፡ እቲ ክርስቶስ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ የገድደና እዩ(2ቆሮ5፡14)

ኣምላኽ ብዙኅ ሳዕን ብብዙኅ መገድን ቀደም ንኣቦታትና ብነቢያት ገይሩ ተዛረቦም። ኣብዘን ዳኅረዎት መዓልታት ግና በቲ ወራሲ ኲሉ ዝገበሮ ብእኡ’ውን ዓለማት ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና። እምበኣር ናብቲ ዝተዘርበና ቓል ኣተኲርና ንመልከት። እቶም ንቓል ነቢያት ዘይተኣዘዙ መቕጻዕቲ ካብ ተቐበሉስ፡ እቶም ንቓል ኢየሱስ ዘይተኣዘዙስ ክሳዕ ክንድምንታይ ኮን ክቕጽዑ እዮም? ኣተኲሮን ዕላማን መጻሕፍቲ ነቢያት ነገረ ቤዛነት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብ ዝኃለፉ ክፋላት መሠረታውያን ነጥብታት ቤዛነት(በጃነት) ተመልኪትና ኔርና፡ እምነት ካብ ምስማዕ ቃል ኣምላኽ’ዩ ዝርከብ እሞ ንቃል እግዚኣብሔር ብምእማን ነቲ ሓደ ቤዛ፡ ናብ ሕይወትና ክንዕድሞ ምኽኣል ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝርከብ ጸጋ እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ዝተታኅዘላ ለይቲ፡ ብብዙኅ ገዓርን ስቓይን ተምበርኪኹ ከም ዝጸለየ መጻሕፍቲ ነጊሮምና ኣለዉ።  ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ወንጌሉ ሓሳብን ልብን መምህራን ሕግን ሊቓነ ካህናትን፡ ከምኡ’ውን እቲ ብዘደንቕ ጥበብ ዝተገልጸ ግብሪ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይነግረና፦ “ ሓደ ኻብኣቶም ቀያፋ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ፡ ‘ ንስኻትኩም ሓንቲ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ ኩሉ ሕዝቢ ካብ ዚጠፍእስ ሓደ ሰብኣይ በጃ ሕዝቢ እንተ ሞተ ከም ዝኅሸናዶ ከቶ ኣይትሓስቡን ኢኹም’ በሎም። እዚ ዝበለ ግና በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ስለ ዝነበረ፡ ኢየሱስ በጃ ሕዝቢ ኪመውት ከም ዘለዎ ተነብዩ እዩ እምበር ካብ ገዛእ ርእሱ ኣይኮነን” (ዮሃ11፡49-51)። መንፈስ ቅዱስ ንዘመናት ብቅዱሳን ነቢያት ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስ ከም ዝተዛረበ፡ በዚ ሰዓት እዚ ውን ብኣፍ ሊቀ ካህናት ዘለዓለማዊ ምኽሩን መደቡን ተዛረበ። ኢየሱስ ክርስቶስ ብገላዉ ሊቃነ ካህናት ምስ ተተታሕዘ፡ ስምዖን ጴጥሮስ ሰይፉ መሊሑ፡ እዝኒ  ጊላ ሊቀ ካህናት ድኅሪ ምቚራጹ፡ ጐይታ ከምዚ በለ፦ ኢየሱስ ከኣ ንጴጥሮስ “ንሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለሶ። ነቲ ኣቦ ዝሃበኒ ጽዋዕ ዘይሰትዮ ድዩ መሲሉካ?” በሎ። ነዛ ናይ መከራ ጽዋእ ክሰቲ ዝኽእል ሓደ ብዘይምንባሩ፡ ኣቦ ንሓደ ወዱ ጽዋዕ ክሰቲ ሃቦ። ኣምላኽ ኣበሳ ኩላትና ኣብኡ ኣውደቖ፡ ምእንቲ ከይንጠፍ ከኣ ንሓደ ወዱ ከይነሓፈ ምእንቲ ኩላትና ኣኅሊፉ ሃቦ። እዛ ናይ መከራ ጽዋዕ ክሰቲ ዝኸኣለ ጥራይ እምበኣር’ዩ ቤዛ ዝስመ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ፦ ኣነ ንሕይወተይ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ መሊሰ’ውን ዝወስዳ ስለ ዝኾንኩ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። ባዕለይ እየ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ እምበር ካባይ ዝወስዳ ሓደ’ኳ የልቦን፡ በጃ ከኅልፋ፡ መሊሰ’ውን ክወስዳ ሥልጣን ኣሎኒ፡ ነዚ ትእዛዝ እዚ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ”(ዮሃ10፡17-18)። ትእዛዝ በጃነት እምበኣር ካብ ኣቦ ዝርከብ መለኮታዊ ሓሳብ እዩ። ነዚ ናይ ኣቦ ትእዛዝ ክፍጽም ብቕዓት ዘለዎ ኸኣ ‘ቲ ብሓጢኣት ዘይንቀፍ ፍጹም ሰብ ብምዃን መቕጻዕትና ዝወሰደ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ንሱ ንኣቦ ባህ ዘበለ ቅቡል መሥዋዕቲ እዩ። በጃነት፡ ትእዛዝ ኣቦን ተኣዛዝነት ወልድን ከምኡ’ውን ፍቕሪ ኣቦን ወልድን ዝገልጽ ዓቢይ መለኮታዊ መደብ እዩ።

ሓደ ስለ ኹሉ ሞተ፡ ሓደ፡ ሓደ፡ ሓደ ስለ ኹሉ ቤዛ ኮነ። ንሕና ገና ኃጣኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞተ። እዚ ቃል መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንሱ ኩሉ ሳዕ ሓቂ ዝዛረብ ብመገዲ ሓቂ ውን ዝመርሕ መንፈስ እዩ። ብዘይካ ‘ዚ ሞት ሓደ፡ ዝርከብ ሥርየት ኃጢኣትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን የልቦን። ብዘይካ ‘ዚ ሓደ ናብ ኣቦ ከብጽሕ፡ ብደሙ ኸኣ ክዓርቕ  ዝኽእል የልቦን። ብዘይካ ‘ዚ ሓደ መርሖ ሕይወት የልቦን። እምበኣር ነስተውዕል ኣብ ልብና ብዙኃት ክብጀውና ዝኽእሉ እንተኣቀመጥና፡ ነቲ ሓደ ቤዛ ከም ዘይፈለጥናዮን ከም ዘይተቐበልናዮን ነስተውዕል። 

ብልብና ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ በጃ ምዃኑ እንተኣመንና፡ ኣምላኽ’ውን ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ ብኣፍና ተመስከርና ሕይወት ኣሎና። ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ ኣብ ሕይወትና በጃ ክኸውን ይግብኦ እዩ። ክሳዕ ሎም ብዛዕባ በጃነት ንጹር ዝኾነ መለኮታዊ ሓቂ እንተዘይፈለጥና፡ እነሆ ሎሚ፡ መዓልቲ ምድኃንና ይኹን። ብእምነት ብልብና “ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንስኻ በይንኻ በጃይ ኢኻ፡ ምእንታይ ዝሞትካ ሕይወት ምእንቲ ክትኮነኒ እዩ’ሞ ኦ ጐይታ ካብ ብዘሎ ኃጢኣተይ ምእንቲ ክነጽህ ብደምካ ሕጸበኒ፡ ብዳግማይ ልደት ብሕጻብ ደምካ ኣንጽሓኒ፡ ኦ ጐይታ ከም ፍቓድካ ክነብር ደግፈኒ” እናበልና ብእምነት ንጸሊ።  “እቶም ብሕይወት ዝነብሩ፡ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንሥአን እምበር ንገዛእ ርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ ክርስቶስ ኣብ ክንዲ ኲላቶም ሞተ” ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ እሞ፡ በዚ ሓሳብ’ዚ  ተዓጢቕና ብእምነት ጸኒዕና ንንበር። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ስለ ኹሉ ነገር  ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።