ቤዛ 4ይ ክፋል
ንልብታትና ብዘደንቕ ግብሪ መሊእካዮ ኢኻ እሞ ዎ ኣቦ ነመስግነካ ኣሎና።
ሰማያት እኳ ግብርኻ ካብ ኣዘንተዉስ እቶም ብደም ዝተዓደግና ውሉድካ ደኣ ክንድምንታይ ኰን ክንዕልል ኢና? ክብሪ ኹሉ ንዓኻ ይኹን።
ነቶም ምዉታት ዝነበርና ምስ ገዛእ ርእስኻ ክትዓርቐና ምስ ፈተኻ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣቢልካ ዓረቕካና። ብእኡ ብደም ወድኻ ካብ
ሞት ተንሢእና ሓደሽቲ ፍጥረት ኰንና፡ ኦ ኣብ ምሕረትካ ዓቢይ’ዩ እሞ ንዘለዓለም ንዓኻ ክብሪ ይግባእ። በቲ ልዑል ተወዳዳሪ ዀነ
ተመሳሳሊ ዘይብሉ ስም ቅዱስ ወድኻ፡ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንባርኸካ ኣሎና።
ብሕይወት ምእንቲ ክንነብር ነቲ ካብ ኣቦ ዝተቐበልካዮ ጽዋእ መከራ፡ ገዛእ
ርእስኻ ብምውፋይ ተቐበልካዮ ኢኻ፡ በዚ ኸኣ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወት ኮነልና። ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና፡ ንስኻ ምእንቲ
ኹሉ በጃ ብምዃን ሞትካ፡ በዛ ቅድስቲ ግብሪ እዚኣ ኸኣ ብደምካ ተሓሲብና ብእምነት ደኃንና። ኦ ሊቀ ካህናት ብዘይካኻ ቤዛ የልቦን፡
ንዓኻ ዝመስለካ ደም ብምፍሳስ’ውን ከድኅነና ዝኽእል ሓደ’ኳ የልቦን። ኣብርሃም ኣይፈልጠናን፡ ያዕቆብ ውን ኣየለልየናን’ዩ ንስኻ
ግና ብዝርጉሕ ቅልጽም ብብርትዕቲ ኢድካ፡ ከም ሕያዋይ ጓሳ ሕይወት ከፊልካ ኣድኃንካና። ንዘለዓለም ምእንቲ ከነመስግነካስ ንስምካ
ኣብ ልብና ኅተሞ።
ጥበብ ጠቢባን ዘዕኖኻ፡ ምስትውዓሎም’ውን ዝደፈንካ ቅዱስ መንፈስ፡ ንዓና
ንሕጻናት ጥበብካ ስለ ዝገለጽካ ነመስግነካ ኣሎና። ነቲ ኣብ ነቢያት ኃዲርካ ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስ ዝተዛረብካዮ፡ ኣብ ልብናን
ኣብ ኣፍናን ስለ ዘቐመጥካዮ ንባርኸካ ኣሎና። ብዘይክኡ በጃን መድኃኒት ከም ዘየልቦ ነጊርካና ኢኻ’ሞ ካልእ ቤዛ እንብሎ ሓደ’ኳ
የልቦን። ኦ መንፈስ ቅዱስ ንምድርና ብሕያው ቃልካ ፈውሶ፡ ኩሉ ፍሕሶ ዲያብሎስ ንዘመናት ኣብ ክሳድ ሕዝብና ዝተሰቕለ ኣርዑት ባርነት
ክትሰብሮን ክትሕምሽሾን ብስም ኢየሱስ ናዝራዊ ንልምን ኣሎና። ከም ቃልካ ክንነብር ደግፈና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ
ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ሓደ በጃ ኹሉ ከም ዝሞተ፡ኩላቶም ከኣ ተኻፈልቲ ሞቱ ከም ዝኾኑ ስለ ዝተረድኣና፡ እቲ ክርስቶስ
ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ የገድደና እዩ(2ቆሮ5፡14)
ኣምላኽ ብዙኅ ሳዕን ብብዙኅ መገድን ቀደም ንኣቦታትና ብነቢያት ገይሩ
ተዛረቦም። ኣብዘን ዳኅረዎት መዓልታት ግና በቲ ወራሲ ኲሉ ዝገበሮ ብእኡ’ውን ዓለማት ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና። እምበኣር ናብቲ
ዝተዘርበና ቓል ኣተኲርና ንመልከት። እቶም ንቓል ነቢያት ዘይተኣዘዙ መቕጻዕቲ ካብ ተቐበሉስ፡ እቶም ንቓል ኢየሱስ ዘይተኣዘዙስ
ክሳዕ ክንድምንታይ ኮን ክቕጽዑ እዮም? ኣተኲሮን ዕላማን መጻሕፍቲ ነቢያት ነገረ ቤዛነት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብ ዝኃለፉ ክፋላት
መሠረታውያን ነጥብታት ቤዛነት(በጃነት) ተመልኪትና ኔርና፡ እምነት ካብ ምስማዕ ቃል ኣምላኽ’ዩ ዝርከብ እሞ ንቃል እግዚኣብሔር
ብምእማን ነቲ ሓደ ቤዛ፡ ናብ ሕይወትና ክንዕድሞ ምኽኣል ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝርከብ ጸጋ እዩ።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ዝተታኅዘላ ለይቲ፡ ብብዙኅ ገዓርን ስቓይን
ተምበርኪኹ ከም ዝጸለየ መጻሕፍቲ ነጊሮምና ኣለዉ። ቅዱስ ዮሃንስ
ኣብ ወንጌሉ ሓሳብን ልብን መምህራን ሕግን ሊቓነ ካህናትን፡ ከምኡ’ውን እቲ ብዘደንቕ ጥበብ ዝተገልጸ ግብሪ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ
ብምባል ይነግረና፦ “ ሓደ ኻብኣቶም ቀያፋ ዝስሙ
በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ፡ ‘ ንስኻትኩም ሓንቲ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ ኩሉ ሕዝቢ ካብ ዚጠፍእስ ሓደ ሰብኣይ በጃ
ሕዝቢ እንተ ሞተ ከም ዝኅሸናዶ ከቶ ኣይትሓስቡን ኢኹም’ በሎም። እዚ ዝበለ ግና በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ስለ ዝነበረ፡ ኢየሱስ
በጃ ሕዝቢ ኪመውት ከም ዘለዎ ተነብዩ እዩ እምበር ካብ ገዛእ ርእሱ ኣይኮነን” (ዮሃ11፡49-51)። መንፈስ ቅዱስ
ንዘመናት ብቅዱሳን ነቢያት ብዛዕባ ስቓይ ክርስቶስ ከም ዝተዛረበ፡ በዚ ሰዓት እዚ ውን ብኣፍ ሊቀ ካህናት ዘለዓለማዊ ምኽሩን መደቡን
ተዛረበ። ኢየሱስ ክርስቶስ ብገላዉ ሊቃነ ካህናት ምስ ተተታሕዘ፡ ስምዖን ጴጥሮስ ሰይፉ መሊሑ፡ እዝኒ ጊላ ሊቀ ካህናት ድኅሪ ምቚራጹ፡ ጐይታ ከምዚ በለ፦ ኢየሱስ ከኣ ንጴጥሮስ “ንሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለሶ። ነቲ ኣቦ ዝሃበኒ ጽዋዕ ዘይሰትዮ ድዩ መሲሉካ?”
በሎ። ነዛ ናይ መከራ ጽዋእ ክሰቲ ዝኽእል ሓደ ብዘይምንባሩ፡ ኣቦ ንሓደ ወዱ ጽዋዕ ክሰቲ ሃቦ። ኣምላኽ ኣበሳ ኩላትና ኣብኡ ኣውደቖ፡
ምእንቲ ከይንጠፍ ከኣ ንሓደ ወዱ ከይነሓፈ ምእንቲ ኩላትና ኣኅሊፉ ሃቦ። እዛ ናይ መከራ ጽዋዕ ክሰቲ ዝኸኣለ ጥራይ እምበኣር’ዩ
ቤዛ ዝስመ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ፦ ኣነ ንሕይወተይ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ መሊሰ’ውን ዝወስዳ ስለ ዝኾንኩ ኣቦ የፍቅረኒ
እዩ። ባዕለይ እየ በጃ ኣኅሊፈ ዝህባ እምበር ካባይ ዝወስዳ ሓደ’ኳ የልቦን፡ በጃ ከኅልፋ፡ መሊሰ’ውን ክወስዳ ሥልጣን ኣሎኒ፡
ነዚ ትእዛዝ እዚ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ”(ዮሃ10፡17-18)። ትእዛዝ በጃነት እምበኣር ካብ ኣቦ ዝርከብ መለኮታዊ ሓሳብ
እዩ። ነዚ ናይ ኣቦ ትእዛዝ ክፍጽም ብቕዓት ዘለዎ ኸኣ ‘ቲ ብሓጢኣት ዘይንቀፍ ፍጹም ሰብ ብምዃን መቕጻዕትና ዝወሰደ ኢየሱስ ክርስቶስ
ጥራይ እዩ። ንሱ ንኣቦ ባህ ዘበለ ቅቡል መሥዋዕቲ እዩ። በጃነት፡ ትእዛዝ ኣቦን ተኣዛዝነት ወልድን ከምኡ’ውን ፍቕሪ ኣቦን ወልድን
ዝገልጽ ዓቢይ መለኮታዊ መደብ እዩ።
ሓደ ስለ ኹሉ ሞተ፡ ሓደ፡ ሓደ፡ ሓደ ስለ ኹሉ ቤዛ ኮነ። ንሕና ገና
ኃጣኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞተ። እዚ ቃል መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንሱ ኩሉ ሳዕ ሓቂ ዝዛረብ ብመገዲ ሓቂ ውን ዝመርሕ መንፈስ
እዩ። ብዘይካ ‘ዚ ሞት ሓደ፡ ዝርከብ ሥርየት ኃጢኣትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን የልቦን። ብዘይካ ‘ዚ ሓደ ናብ ኣቦ ከብጽሕ፡ ብደሙ
ኸኣ ክዓርቕ ዝኽእል የልቦን። ብዘይካ ‘ዚ ሓደ መርሖ ሕይወት የልቦን።
እምበኣር ነስተውዕል ኣብ ልብና ብዙኃት ክብጀውና ዝኽእሉ እንተኣቀመጥና፡ ነቲ ሓደ ቤዛ ከም ዘይፈለጥናዮን ከም ዘይተቐበልናዮን
ነስተውዕል።
ብልብና ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ በጃ ምዃኑ እንተኣመንና፡ ኣምላኽ’ውን
ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ ብኣፍና ተመስከርና ሕይወት ኣሎና። ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ ኣብ ሕይወትና በጃ ክኸውን ይግብኦ እዩ።
ክሳዕ ሎም ብዛዕባ በጃነት ንጹር ዝኾነ መለኮታዊ ሓቂ እንተዘይፈለጥና፡ እነሆ ሎሚ፡ መዓልቲ ምድኃንና ይኹን። ብእምነት ብልብና
“ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንስኻ በይንኻ በጃይ ኢኻ፡ ምእንታይ ዝሞትካ ሕይወት ምእንቲ ክትኮነኒ እዩ’ሞ ኦ ጐይታ ካብ ብዘሎ
ኃጢኣተይ ምእንቲ ክነጽህ ብደምካ ሕጸበኒ፡ ብዳግማይ ልደት ብሕጻብ ደምካ ኣንጽሓኒ፡ ኦ ጐይታ ከም ፍቓድካ ክነብር ደግፈኒ” እናበልና
ብእምነት ንጸሊ። “እቶም ብሕይወት ዝነብሩ፡ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን
ዝተንሥአን እምበር ንገዛእ ርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ ክርስቶስ ኣብ ክንዲ ኲላቶም ሞተ” ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ እሞ፡ በዚ ሓሳብ’ዚ
ተዓጢቕና ብእምነት ጸኒዕና ንንበር። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ስለ ኹሉ
ነገር ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
No comments:
Post a Comment