Friday, March 22, 2019

ቤዛ 5ይ ክፋል



ቤዛ 5ይ ክፋል

ኦ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ስምካ ኣብ ኩሉ ዘመናት ክቡር እዩ እሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ብዘሎ ኃይልን ክብርን ጥበብን ግርማን ናትካ እዩ ከማኻ ዝበለስ ሓደ’ኳ የልቦን። ንስኻ በይንኻ ፈጣሪናን፡ ደኳኒናን ተበጃዊናን ኣቦናን ኢኻ። ከምቲ ብርቱዕ ኃይልኻን ዘለዓለማዊ ምኽርኻን ብክርስቶስ ኢየሱስ ዳግም ስለ ዝወለድካና ነመስግነካ ኣሎና። ኦ ኣቦ ስምካ ይባረኽ፡ ነቲ ንዘለዓለም ጸኒዑ ዝነብር ምሕረትካ ክንሓስብ ከሎና ተስፋ ንገብር፡ ንስኻስ ዘይትሓድገና መጸናንዒና ኢኻ። ኦ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ብደምካ ካብ ኩሉ ነገዳት ዓዲግካ፡ ሓደ መጓሰ ጌርካና ኣሎኻ’ሞ ስምካ ይባረኽ። ብዘይካኻ ጐይታ፡መድኃኒ፡ተበጃዊ፡ ገንሸል፡ ኣፍ ደገ ሕይወት፡ መገዲ ሕይወት፡ መሓሪ ሊቀ ካህናት፡ ኣተዓራቒ፡ ተዛራቢ ደም ከቶ የልቦን። ብኣኻ ምሉእ ተስፋ ኣሎና፡ ኦ ጐይታ ንጐሮሮና ምስጋናኻ ምልኣዮ። ኦ መንፈስ ቅዱስ፡ ንዘመናት ብጥበብ ዝመሃርካ፡ ብብርሃን እትመርሕ፡ ብርሃን’ውን እተብርህ ጐይታ ነመስግነካ ኣሎና። ነቲ ንስኻ ዝበልካዮን ዝተዛረብካዮን ሓቂ ጥራይ ኣሜን ኢልና ክንቅበል ደግፈና። ነቲ ኣብ ምድርና ንዘመናት ዝተዘርአ ሓሶት በቲ ብርቱዕ ኃይልኻ ካባና ኣርሕቆ፡ ንሕናስ መንፈስካ ተመሊእና ንዓኻ እነመስግን ሕያው ጭፍራ ኢና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
“ቴቄል”፡ ብሚዛን ተመዚንካ ቐሊልካ ተረኸብካ (ዳን5፡27)

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ነቶም ዝደልይዎ መልሲ ዝህብ፡ ገዓሮም ዝሰምዕ፡ ምህለላኦም ከኣ ዝምልስ እሙን ኣምላኽ'ዩ ። ካብ ዑረት ልቢ ዝገላግለና ቅዱስ መንፈሱ እዩ’ሞ መንፈስ ቅዱስ ንልብና ብመንፈሱ ይምላእ።
ኣብ ዝኃለፉ 4 ክፋላት ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነገረ ቤዛነት መለኮታውን ዘለዓለማውን ሓሳብ ምዃኑ ርኢና ኔርና። ኣብ ቤዛነት ከነስተውዕሎም ዝግብኣና 3 መሠረታውያን ነጥብታት ውን ዳህሲስና ኔርና። ንሳቶም ከኣ ሕያውነት፡ ጸዋሪ በደል፡ ተቐባሊ መቕጻዕቲ እዮም። ኣብ ዝኾነ ቦታን ኩነትን ብዛዕባ ቤዛነት ክንሓስብ ከሎና ክንርስዖም ዘይብልና ዓበይቲ ነጥብታት እዮም። መንፈስ ቕዱስ ብቅዱሳን ነቢያት ብዛዕባ ቤዛነት ክርስቶስ ክንበ ኸሎ፡ ብዛዕባ ናይ ኢየሱስ ሰብ ምዃንን ንብዘሎ በደል ሰብ’ ውን ከም ዝጸውርን፡ ኣብ መፈጸምታ ውን መቕጻዕቲ ተቐቢሉ ካብ ምድሪ ሕያዋን ከም ዝውገድ ተነብዩ እዩ። ኩሎም እቶም ኣብ ትሕቲ እታ ቀዳመይቲ ኪዳን ዝሕረዱን ዝሓሩን ዝነበሩ መሥዋዕትታት፡ ንቤዛነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሕብሩ ኣመልከትቲ እዮም። ሽሕ’ኳ ሕጊ ከም ዝእዝዞ እቶም መሥዋዕቲ እንተቐረቡ፡ እቲ በብእዋኑ ምቕራቦም ግና እቲ ናብ ቕድስተ ቅዱሳን ዘእቱ መገዲ ከም ዘይተቐልዐ እዮም ዘመልክቱ ነይሮም፡ ከቶ ውን ንእግዚኣብሔር ባህ ዘብሉ ኣይነበሩን። ክርስቶስ ኣብ ዓለም ክመጽእ ከሎ ከምዚ ዚስዕብ በለ፦ “ መሥዋዕትን መባእን ኣይደሌኻን፡ እንተኾነ ሰብነት ኣዳሎኻለይ። ብዚሓርር መሥዋዕትን በቲ ምእንቲ ኃጢኣት ዚቐርብ መባእን ባህ ኣይበለካን። ሽዑ ኸኣ ኣነ “ ኦ ኣምላኸይ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ፡ እነሆ ፍቓድካ ክፍጽም መጺአ ኣሎኹ” በልኩ(ዕብ  10፡5-7)። ኢየሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ክፍጽም፡ ቤዛ ክኸውን ናብ ዓለም መጸ። ኢየሱስ ኸኣ ፍቓድ ኣምላኽ ክፍጽም ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ስለ ዝሰውዐ፡ ተቐዲስና ኢና። ዕላማ ቤዛነት ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቓድ ኣቦ ምፍጻምን፡ ነቶም ክድኅኑ ዘይከኣሉ ደቂ ኣዳም ብደሙ ናብ ኣቦ ምቕራብን እዩ። እቶም በጃነቱ ዝኣመኑ ንዕኡ’ውን ከም ናይ ሕይወቶም ጐይታን መድኃኒትን ዝተቐበሉ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝተሰውዐ ሰብነቱ ተቐዲሶም እዮም እሞ ካልእ ቤዛ ኣየድልዮምን እዩ።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነታ ብሓሰውቲ መምህራን ዝተናወጸት ኣብ ቆሮንቶስ ዝነበረት ቤተክርስቲያን፡ ካብቲ ሓቂ ወንጌል ምእንቲ ወጺኣ ከይትፋንን ከምዚ እናበለ ጸሓፈሎም፦ ኣኅዋተየ ነቲ ኣነ ዝሰበኽኩልኩም ወንጌል ከዘክረኩም እደሊ ኣሎኹ(1ቆሮ15፡1)። “ ትንሳኤ ምዉታን የልቦን” ዚብል ትምህርቲ ጳውሎስ ዝሰበኾ ወንጌል ኣይነበረን። ንሱ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ዝሰበኸ፡ በዚ ተስፋ እዚ ውን ዝተዓጥቀ ሓዋርያ’ዩ ዝነበረ። ምእንትዚ ኸኣ ነቲ ስሑት ትምህርቲ ተቃወሞ። ኣእምሮና ንድኅሪት መሊስና ንብዘሎ ሕይወትናን ትምህርትናን እምነትናን ብቃል ወንጌል ክንመዝኖ ግቡእና እዩ። ኣብቲ ካብ መጀመርታ ዝተነግረና ቃል ዲና ጸኒዕና ዘሎና? ወይስ ብዝተሓዋወሰ ትምህርቲ ኢና ተቓኒና ዘሎና ክንመዝ ግዴታና እዩ።

ኣብ ምድርና ጽሩይ ወንጌል’ኳ ተዘሪኡ እንተነበረ ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብዝተላዕሉ፡ ንቃል ኣምላኽ ዘይእዘዙ፡ ንምኽሪ ቅዱስ መንፈስ ዘይተረድኡ፡ ሕሱማት ጸሓፍቲ ዝተበረዘ ቃል ኣምላኽ ተጻሒፉ እዩ። ከም ዊንታ ልቦም ደኣ እምበር ከም ምኽሪ ኣምላኽ ብዘይምኻዶም ከኣ ንወለዶታት እዚ ምድሪ ናብ ስሑት ትምህርቲ ሸመምዎም። ሽሕ’ኳ እቲ ኣብዚ ምድርና ኣንጻር ወንጌል ዝተኻየደ ቃልሲ ሰፊሕ፡ ብዙኅ ናይ ጸልማት ዘመን’ኳ እንተነበረ፡ ከቶ ግን ንብርሃን ወንጌል ክስዕሮ ኣይከኣለን። እቲ ምሕረቱ ዘብዝሐን ዘዕዘዘን ኣምላኽ ስሙ ይባረኽ።
እታ ኣብ ቤት መንግሥስቲ ባቢሎን ዝጸሓፈት ኢድ፡ መልእኽታ ፍርዲ እዩ ነይሩ። “ቴቄል፡ ብሚዛን ተመዚንካ ቀሊልካ ተረኺብካ” ዚብል ረዚን መልእኽቲ እያ ጸይራ። ኣብ ቕድሚ እቲ ሰማያትን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ኹሉን ዝፈጠረ ኣምላኽ ቀሊልካ ምርካብ ማዕረ ኽንደይ ኮን ውርደት’ዩ? እቶም ብሕሱማት ጸሓፍቲ ተጻሒፎም፡ተሰቢኾም፡ ከም ጥዑያትን ቅዱሳትን ትምህርታት ኣብታ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ምድርና ዝተመስረተት ቤተክርስቲያን ሶሊዀም ዝኣተዉ’ሞ ዘዕነውና ስሑታት ትምህርታት “ቴቄል” ተሰይሞም ኣለዉ። ብሚዛን መንፈስ ቅዱስ ተመዚኖም፡ተዓይሮም ቀሊሎም ተረኺቦም እዮም።

ብዛዕባ ቤዛነት መሠራታዊ ሓሳብ ሒዝና፡ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዘቐመጦም መሠረታውያን ነጥብታት ኣብ ኣእምሮና ነሰላስሎም። ካብቶም ብሕሱማት ጸሓፍቲ ዝተደርሰ፡ ንምኽሪ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ዝጻረር፡ ንቅድስት ድንግል ማርያም “ቤዛዊተ ዓለም” ኢሉ ዘቐምጥ ምህሮ እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ኰነ ሓዋርያነ አበው፡ ብዛዕባ እቲ ሓደ ቤዛ፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እምበር ብዛዕባ ካልእ ኣይተዛረቡን። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ነቢያት ሓዲሩ ብዛዕባ ስቓይ ቤዛነት ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እምበር ብዛዕባ ካልእ ኣይተዛረበን። በቲ ንኹሉ ክመዝን ሥልጣን ዘለዎ ሕያው ቃል ኣምላኽ ንልብና ከነቕንዖ እምሕጸን። ቤዛነት እንተሎ፡ ምእንቲ ካልእ ሕይወቱ ዘሕልፍ ኣካል ክህሉ ናይ ግድን እዩ። መጽሓፍ ግን ሓደ’ኳ ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ’ኳ ንኣምላኽ ዝደልዮ የልቦን ኢሉ ብምድምዳም፡ ካብ ደቂ ሰብ ከድኅን ኰነ ክብጆ ዝኽእል ሓደ’ኳ ከም ዘየልቦ መስከረ(ሮሜ3፡10)። ክርስትና መሠረቱ ዀነ መደምደሚኡ ሕያው ቃል ኣምላኽ ደኣ እምበር ድርሰትን ባህጊ ልቢ ሰባትን ኣይኰነን። እምበኣር ነቲ ኣቐዲሙ ዝተሰብከልና ቅኑዕ ወንጌል ንዘክሮ፡ ብእኡ’ውን ጸኒዕና ንንበር። ኢየሱስ ቤዛና ዝኾነ ሕይወቱ ብምኽፋል እዩ። እቶም ነዚ ጥበብ እዚ ዘይተረድኡ፡ ብደም ክርስቶስ’ውን ዘይተዓደጉን ዘይደኃኑን ጥበብ ኣምላኽ ዝተሰወሮም ጸሓፍቲ፡ ንጥበብ እቲ ሕያው ቃል ከም ዝጠዋወይዎ፡ ንጥፍኣት ገዛእ ርእሶም ውን ጠዋወይዎ። ናብቲ ስሩት መሠረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንምለስ ይግበኣና እዩ። 

“ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ዝተበጀኻና ብዘይካኻ’ውን ካልእ በጃ የልቦን። ነባጊዕካ ብደም ቀጺርካ ዘምለጥካየን ንስኻ ጥራይ ኢኻ፡ ምእንቲ’ዚ ውን ኩሎም ሠራዊት ሰማያት ብቑዕ ኢኻ እናበሉ የመስግኑኻ ኣለዉ፡ ንሕና ውን ምስኣቶም ብቑዕ ኢኻ እናበልና ነመስግነካ ኣሎና። ንብዘሎ ኣእምሮ ብደምካ ፈውስ፡ ኦ ጐይታ ብዝርጉሕ ቅልጽምካ እትቕበለና ንስኻ ጥራይ ኢኻ’ሞ ነመስግነካ ኣሎና ”።ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

No comments:

Post a Comment