Friday, March 1, 2019

ቤዛ (ካልኣይ ክፋል)


ቤዛ (ካልኣይ ክፋል)
ንገዛእቲ ጸልማት ዘዕነኻ፡ በቲ ዘይጠፍእ ብርሃን ሓደ ወድኻ ኸኣ ዝመላእካና ቅዱስ ኣቦ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንዓኻ ዝመስል ከኣ ሓደ እኳ የልቦን። ንወድኻ ምእንቲ ኩላትና ኣኅሊፍካ ደኣ ሃብካዮ እምበር ኣይነሓፍካዮን፡ ንሕና ኸኣ በዛ ቅድስቲ ግብሪ እዚኣ ሕይወት ረኸብና። ልዕሊ ኹሉ ንስኻ ኣብ ልብና ክትነግስ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽውዓካ ኣሎና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህናትና ንምዃን ብስጋን ደምን ከማና ሰብ ኰንካ፡ ንስኻ በይንኻ ኣብ የማን ኣቦ ዀንካ ክትዓርቀና እትኽእል መድኃኒና ኢኻ። ብዘሎ ምስጋና፡ውዳሴ፡ ዕልልታ ኾነ ጭብጨባ ንዓኻ ንበይንኻ ይግባእ። ሎሚ ውን ደምካ ሕያው እሞ ጐይታ ብጸጋኻ ርድኣና። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንኹለንትናና ግዛእ፡ ንስኻ ብእትደልዮ መገዲ ጥራይ ምርሓና። ከምታ ዝፈረሰት መቅደስ ኣምላኽ ግን ከኣ ብዘመን ዘሩባብኤል ብኃይልኻን ብርትዐኻን ዝተሓደሰት፡ ሎሚ ንዝፈረሰ፡ ምድረበዳ ንዝኾነ ሕይወት ክትሕድስ፡ መንፈስካ መሊእካ ንስም እግዚኣብሔር ዝውድስ ዓቢ ጭፍራ ክትገብሮ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንልምን ኣሎና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ዂሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፡ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ(ዮሃ3፡16)።

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት እሙንን ሓቀኛን  ኢኻ። ምሕረትካ ንዘልዓለም ዝነብር፡ እሙን ምዃንካ ውን ከም ሰማይ ጸኒዑ ከም ዝነብር እፈልጥ እየ። እቲ ንኣቦታትና ዝኃብካዮ ቅዱስ ኪዳን(ኪዳነ ምሕረት)፡ ንሱ ኸኣ “ ምስ ሕዝቢ እስራኤልን ሕዝቢ ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልታት ኪመጻ እየን” ዝበልካዮ ብደም ዝተሰርዐ፡ ንሕግኻ ኣብ ውሽጥና ዘንበረን ኣብ ልብና’ውን ዝጸሓፈ ቅዱስ ኪዳን፡ቤዛነት ሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።  ምእንትዚ ኸኣ በቲ ብቑዕ ደም ጻድቕ ሓደ ወድኻ ስለ ዝዓደግካና ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግነካ ኣሎና። ንሊቀ ካህንና፡ ጐይታ ሕይወትና ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን። መንፈስ ቅዱስ ካብ መዓሙቕ ልብታትና ውዳሴ ንዓኻ ይኹን።

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ትርጉም ቃል ቤዛ ብመንጽር መዝገበ ቃላት ተመልኪትና ኔርና። ከምኡ’ውን ክንሓስበሉን ኣብ ኣእምሮና ከነሰላስሎን “ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣቦን መንፈስ ቅዱስን ቤዛ ኢሉ ዘይጸወዐሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ዚብል ሕቶ ተዋሂብና ኔርና። ብምስትውዓል ክንመላለስን ከም ቃሉ ክንነብርን ተኣዚዝና ኢና እሞ ብትግሃት ንቃሉ ንመርምሮ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሳዕ ብዛዕባ ነገረ-ቤዛነት እኳ እንተተዛረበ ንእግዚኣብሔር ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ግን ቤዛ ኢሉ ኣይጸውዖምን። ኣብዚ ሓሳብ ንጹርን ብሩህን ርድኢት ‘ተሒዝና ነቶም ድሒርና እንርእዮም ኣብ ምድርናን ኣብ ቤተክርስቲያንን ዝተዘርኡ ክርዳዳት ምምሓው ኣይክንሽገርን ኢና።
ኣብ ከርሲ ቤዛነት ዝተሓቊፉ ክልተ መሠረታውያን ባህርያት ኣለዉ። እዚኣቶም ክሳዕ ዘይሃለዉ ኸኣ ቤዛነት ዝበሃል ውን የልቦን።


1. ጻድቕ ሰብ፦ ቤዛነት ዝጠልቦ ናይ መጀመርታ መስፈሪ እዩ። ጻድቕ፡ ብኃጢኣት ዘይንቀፍ፡ ኣበር፡ ኢንታ ዘይተረኽቦ ፍጹም ሰብ።

2. ሕይወቱ ምእንቲ ካልእ ዘሕልፍ፦ ሕይወት ክሳዕ ዘይሓለፈ ቤዛነት ህላወ የብሉን። ምእንቲ ኻልእ ዝፈስስ ብቑዕ ደም ክህሉ ግድን እዩ።

ስለዚ እምበኣር ብዛዕባ ቤዛነት ክንዛረብ ከሎና፡ እቲ ቤዛ ዝኸውን ዘሎ ኣካል፡ ጻድቕ ሰብ ከምኡ ውን ሕይወቱ ምእንቲ ኻልኦት ዘሕልፍ ክኸውን ኣለዎ።  ነገረ-ድኅነት ናይ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ዕዮ እኳ እንተዀነ፡ ነገረ-ቤዛነት ግን ነቲ ሰብ ዝዀነ፡ ምእንቲ ሰብ ውን ሕይወቱ ዘሕለፈ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ዝተዋዕበ ዕዮ እዩ። ሽዑ “ ኦ ኣምላኸይ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ፡ እነሆ ፍቓድካ ክፍጽም መጺአ ኣሎኹ” በልኩ(ዕብ10፡7)። ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ሰብ ስለ ዘይኮኑ፡ ምእንቲ ሰብ ውን ደሞም ስለ ዘየፍሰሱ መጽሓፍ ቅዱስ ቤዛ ብምባል ኣይጠቐሶምን። እግዚኣብሔር ኣቦ ብዛዕባ ወዱ ከምዚ በለ” ኪሳቐን ብመከራ ኽሕምሸሽን ፍቓደይ እዩ፡ ሞቱ ኅድገት ኃጢኣት ዘምጽእ መሥዋዕቲ ነበረ (ኢሳ 53፡10)። ነገረ-ቤዛነት፡ ናይ ጻድቕ ሰብ፡ ደም ምፍሳስ ዝገልጽ ምሥጢር እዩ።ኣእምሮና ከፊትና ንመልከቶ እዚ ዕዮ እዚ ብዘይካ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክፍጽሞ ዝኸኣለ ሓደ’ኳ የልቦን። ብዘይካ ክርስቶስ ኢየሱስ ምእንቲ ድኅነት ሰብ ቅዱስ፡ ጻድቕ ደም ዘፍሰሰ ሓደ’ኳ የልቦን። ካብ መንፈሳውያን ሰራዊት ቤዛ ተባሂሉ ክጽዋዕ ብቕዓት ዘለዎ ሓደ’ኳ የልቦን። ካብ ሰባት ውን ካብ ኣቤል ጀሚርካ ክሳዕ ምጽአተ ክርስቶስ ዘለዉ ሓደ’ኳ ቤዛ ተባሂሉ ክስየም ዝበቅዕ የልቦን።  ወእምዝ ሶበ ርእየ ከመ ኢባቁዕ ለአድኅኖተ ዓለም ደመ ነቢያት ቅዱሳን፡ እም ደመ አቤል ጻድቅ እስከ ደመ ዘካርያስ ወልደ ባራክዩ፡ ፈነወ ለነ ወልዶ መድኅነ ወመቤዝወ ከመ ይባልህ ወይቤዙ ወያብእ ቅድሜሁ ተዝካረ ሕያዋን ወሙታን።
   ብድኅርዚ ካብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ ክሳዕ ደም ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ ዘሎ፡ ደም ቅዱሳን ነቢያት ንምድኃን ዓለም ከም ዘይበቅዕ ምስ ረአየ፡ ክባልህን ክብጆን መዘከርታ ሕያዋንን ምዉታንን ድማ ናብ ቅድሚኡ ከእቱ፡ ተበጃውን መድኃንን ወዱ ሰደደልና። ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ ቁ.43። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ "ቤዛዊ ዓለም" ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ምኽንያቱ ኢየሱስ ክርስቶስ ከማና ሥጋን ደምን ተኻፊሉ ሰብ ዝኾነ፡ ምእንቲ ሰብ ውን ሕይወቱ ዘኅለፈ እንኮ፡ተደራቢ ዘይብሉ ቤዛ፡ ዝተሰውአ፡ ዝተሓርደ ገንሸል እዩ። ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ክብሪ ንእኡ ይኹን ኣሜን።



No comments:

Post a Comment