Friday, March 15, 2019

ቅዱስ ኪዳን





“ምስ ኅሩየይ ኪዳን ኣቶኹ፡ ንዳዊት ባርያይ ከኣ’ዘርእኻ ንዘለዓለም ከጽንዕ፡ ዝፋንካ ንውሉድ ወለዶ ክሃንጽ እየ’ ኢለ መሓልኩ” በልካ። (መዝ 89፡3-4)
ኦ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ስምካ ይባረኽ። እቲ ንኣቦታትና ዝሃብካዮ ተስፋ፡ ንሱ ኸኣ ቅዱስ ኪዳን ስለ ዝፈጸምካዮ አመስግነካ ኣሎኹ። እዚ ናይ ምሕረት ኪዳን፡ ዘለዓለማዊ ጽድቅን ቅንዕናን ዝነግሰሉ ኪዳን ሕይወት እዩ። ንስኻ ብማሓላ ኣጽኒዕካዮ ኢኻ እሞ፡ ሎሚ ንሕና ባሮትካ ነመስግነካ ኣሎና። እንኮ ተበጃውን መድኃንን ወድኻ፡ በይኑ ንዘለዓለም ንግሥነቱ ዝጸንዕ፡ ካብ ወገን ዳዊት ዝኾነ ንጉሥና እዩ። ምእንቲ እዚ ኹሉ ግብርኻ ኸኣ ብስም ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ አመስግነካ ኣሎኹ። ኦ ቅዱስ፡ ክቡር ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ። ዝፋንካ ንዘለዓለም ዝጸንዕ፡ ዓመታትካ ኸኣ ከቶ ዘይውዳእ እሙንን ጻድቕን ንጉሥና ኢኻ’ሞ፡ ነፍሳትና ብዕልልታ የመስግናኻ ኣለዋ። ወለዶታት ብደም ዓዲግካ፡ መቊሕ ሲኦል ዝሰበርካ ዘለዓለማዊ ንጉሥ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ። ኦ ኢየሱስ! ኣኃዋትካ ነመስግነካ ኣሎና፡ ዘይትናወጽ መንግሥቲ ዘሎካ ንጉሥና ኢኻ። መንፈስ ቅዱስ ነቲ ብኣፍ ነቢያት ዝተነግረ ዘለዓለማዊ ሓቂ ምእንቲ ክንርዳእ ኣእምሮና ኣብርህ። ዘወትር ደግፈናን ርድኣናን ብዘይካኻ ንሕና ከንቱ ኢና’ሞ፡ ኦ ጐይታ ጸጋኻ ምሳና ትኹን። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ነቲ ሕያው ቃሉ ክንርዳእ ብርትዐን ደገፍን ይሃበና። ኣብ ዝኃለፈ ሰሙን ብዛዕባ “ቅዱስ ኪዳን”፡ ናይ ምሕረት ኪዳን(ኪዳነ ምሕረት) ሒደት ሕቶታት ኣልዒልና ነይርና። ነቲ ኣብ መዝ89 ተጻሒፉ ዘሎ ሕያው ቃል ነቢብና ኣስተንቲንናዮ ክንከውን ተስፋ እገብር። ንዑ በሉ ሓቢርና ነቲ ሕያው ቃል ነጽንዓዮን ንመርምሮን፡ ትኹል ቃል ኣምላኽ ካብ ምትላልን ከንቱ ህይወትን እንድኅነሉ መጸግዒና እዩ።
ኣብዚ ክፍሊ ጽሑፍ ናይ መዝ 89፡ ወሃቢ ናይቲ ኪዳን ንዝተዛረቦ ቃል ኣብ ምልክት ጥቕሲ የእትዩ ብምህላዉ ነቲ ሓሳብ ግሉጽ ጌርዎ ኣሎ። እቲ ፍጻሜ መዓስ ከም ዝተፈጸመ እንተረኣና እቲ ሓሳብ ብሩህ ኰይኑ ይስመዓኒ።  ዳዊት ንታቦት ኪዳን ካብ ቂርየት የዓሪም ናብ ኢዮርሳሌም  ከምጽኦ ምስ ሓሰበ፡ ንብዘለዉ እስራኤላውያን መልእኽቲ ልኢኹ ድኅሪ ምእካቡ፡ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ቅኑዕ መሲሉ ስለ ዝተራእዮም ከም ዝሰመርዎ ኣብ 1ዜና 13 ተጻሒፉ ኣሎ። ታቦት ኪዳን ካብ ቂርየት የዓሪም ናብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም መጸ፡ ድኅሪ 3 ወርሒ ኸኣ ናብ ኢየሩሳሌም፡ ኣብቲ ዳዊት ዘዳለወሉ ሰፈር ከም ዝመጸ መጽሓፍ ቅዱስ መዝጊብዎ ዘሎ ሓቂ እዩ።  

ዳዊት ኣብቲ ብዘግባ ዝተሰርሐ ቤተ መንግሥቱ ኣብ ዝቕመጠሉ ዝነበረ እዋን ንነቢይ ናታን ከምዚ በሎ፡ “እነሆ ኣነ ብዘግባ ኣብ ዝተሠርሐ ቤት እቕመጥ ኣሎኹ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሔር ግና ኣብ ድንኳናት ይቕመጥ ኣሎ” በሎ።ናታን ከኣ ንዳዊት” ኣምላኽ ምሳኻ'ዩ እሞ፡ኣብ ልብኻ ዘሎ ግበር” በሎ። ድኅሪ’ዚ ፍጻሜ ስዒቡ ዝመጸ “ ቃል ኣምላኽ” እዩ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ናብ ናታን መጸ። እቲ ዝመጸ ቃል ኣምላኽ ንዳዊት ዝተነግረ እዩ። “ ንስኻ ሞይትካ ምስ ተቐበርካ፡ብድኅሬኻ ንሓደ ካብ ደቕኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ንመንግሥቱ ኸኣ ከጽንዓ እየ።…ኣብ ሕዝበይን ኣብ መንግሥተይን ደኣ ንዘለዓለም ከቚሞ እየ፡ዝፋኑ ኸኣ ንዘለዓለም ኪጸንዕ እዩ(1ዜና17፡11-15/2ሳሙ 7፡8-10) ዚብል እዩ ።በዛ ለይቲ እዚኣ ኣምላኽ ብራእይ ንነቢይ ናታን ብዝገለጾ ሓቂ፡ ንዳዊት ኪዳን ሃቦ። እዚ ኪዳን እዚ ኸኣ ብማሓላ ዝጸንዐ ኪዳን እዩ፡ “ሓደ ካብ ደቕኻ፡ ንዘለዓለም ኪነግሥ እዩ” ዚብል ዓቢ ተስፋ ተዋህቦ። ወሃቢ እዚ ቅዱስ ኪዳን እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት እዩ፡ እዚ ኪዳን እዚ ንበይኑ ንዳዊት ወዲ እሰይ ዝተነግረ እሙን ተስፋ እዩ። ኣብ መዝሙር89፡3 ኅሩየይ ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብ፡ ዳዊት ወዲ እሰይ እዩ፡ እቲ ኣምላኽ ዝኣተወሉ ኪዳን ከኣ “ ሓደ ካብ ዘርእኻ ንዘለዓለም ክነግስ፡ ዝፋንካ’ውን ንውሉድ ወለዶ ክሃንጽ’የ ” ዚብል እዩ ። “ዘርእኻ ደኣ እምበር “ኣዝርእትኻ” ኣይበሎን። ምኽንያቱ እቲ ንዘለዓለም ዝነግስ፡ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወልደ ሓደ እዩ።

ነቢየ እግዚኣብሔር ዳዊት ናይ መፈጸምታ ቃሉ፡ ለበውኡ ከምዚ ዚስዕብ ነበረ፦ “መንፈስ እግዚኣብሔር ብኣይ ተዛረበ፡ ቃሉ ኸኣ ኣብ ኣፈይ ነበረ። ኣምላኽ እስራኤል ተዛረበ፡ እቲ ዕቚባ እስራኤል ከምዚ በለኒ። እቲ ንሰብ ብቕንዕና ዝገዝእ ንጉሥ፡ እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ዝነግሥ፡ ንሱ ከምቲ ደመና ዘይብሉ ብጊሓት፡ ከምቲ ብድኅሪ ዝናብ ዜንጸባርቕ፡ ካብ ምድሪ ኸኣ ሣዕሪ ዜብቊል፡ፀሓይ ክትበርቕ ከላ ዝርአ፡ ብርሃን ወጋሕታ እዩ። እግዚኣብሔር ከኣ ንቤተይ ዚባርኻ ከምዚ ገይሩ እዩ፡ ከመይ ምሳይ ንዘለዓለም ዚጸንሕ ኪዳን ኣትዩለይ እዩ። እዚ ዘይልወጥ ዘይፈርስ ተስፋ እዩ። ንምድኃነይ ኣብ ፍረ ከብጽሖ እዩ፡ነቲ ዝበሃግክዎ ዘበለ ኸኣ ኪፍጽመለይ እዩ(2ሳሙ23፡2-5)። 

 እዚ ቅዱስ ናይ ምሕረት ኪዳን ንኣቦታትና ተዋህበ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ኣቦታትና ዝበሃግዎ ንተስፍኦም ፈጸመ። ክብሪ ኹሉ ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ይኹን። እታ ዝኣመነት ብጽእቲ ውን ዝተባህለት ድንግል ማርያም፡ ነዚ ተስፋ እዚ እያ ዝኣመነት። እቲ መልኣኽ ከምዚ በላ፡ “እነሆ ክትጠንሲ ወዲ ውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓቢይ ኪኸውን፡ ወዲ እቲ ልዑል ውን ክበሃል እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቡኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ሕዝቢ እስራኤል ንዘለዓለም ክነግሥ እዩ፡ ንመንግሥቱ ኸኣ መወዳእታ የብሉን በላ”(ሉቃ1፡31-33)። ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ንዘለዓለም ከድኅን ብቕዓት ዘለዎ ቅዱስ ኪዳን እዩ። ዘካርያስ ኣቦ ዮሃንስ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ከምዚ በለ፦ “ንሕዝቡ ስለ ዝበጽሖምን ዝተበጀዎምን እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ከምቲ ኻብ ጥንቲ ኂዙ ብኣፍ እቶም ቅዱሳን ነቢያት ዝተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ኃይሊ ምድኃን ኣተንሥኣልና። ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኲሎም እቶም ዚጻረሩናን ኣድኃነና። ምስ ኣቦታትና ምሕረት ክገብር ነቲ ቕዱስ ኪዳኑ ዘከሮ”(ሉቃ1፡69-72)። ብሓቂ እቲ ኣቦታትና ብርሑቕ ርእዮሞን ኣሚኖሞን ዝኃለፉ “ቅዱስ ኪዳን” ኪዳነ ምሕረት፡ በዘን ዳኅረዎት ዘመናት ተገሊጹ ብደሙ ምስ ኣቡኡ ዓረቐና። እግዚኣብሔር ኣቦ ከድኅነና ኢሉስ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ መንፈሳውያን ሕያው ፍጥረታት ቀርኒ መድኃኒ ኣየተንሥኣልናን። እቲ ንኣቦና ዳዊት ዝመሓለሉ ማሕላ ዘከረ፡ ቀርኒ መድኃኒና ኸኣ ካብ ቤት ዳዊት ኣተንስኣልና። ዳዊት ብዛዕባ ወልድ ከምዚ በለ፦ “ ኦ ኣምላኸይ! ዝፋንካ ንዘለዓለም ዓለም ይነብር፡ ንመንግሥትኻ ብጽድቂ ተመሓድር። ጽድቂ ፈቶኻ፡ ክፍኣት ጸላእካ፡ ስለዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኃለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ”ይብል። ከምኡ ድማ “ ኦ ጐይታይ፡ ንስኻ ካብ ቀደም ንምድሪ ፈጠርካያ፡ ሰማያት ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። ንሳቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ንዘለዓለም ትነብር፡ ንሳቶም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፡ ንስኻ ከም ዓለባ ክትጥቕልሎም ኢኻ፡ ንሳቶም ውን ክልወጡ እዮም። ንስኻ ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካ’ውን ኣይክውድኣን እየን” ይብል። ዕብ 1፡8-12

ኣነ’ውን ከምቲ ኣቦታተይ ዝበልዎ ክብል፡ እዚ ክንድዚ ዝኣክል ክብሪ ንሰብ ዝሃበ ኣምላኽ ስሙ ይባረኽ። ” ንኣይ ንባርያኻ ትፈልጠኒ ኢኻ እሞ፡ ደጊምከ ብዛዕባ እዚ ኽብሪ እንታይ ክብል እየ? ኦ እግዚኣብሔር፡ እዚ ዓቢይ ነገራት እዚ ዝገበርካለይ፡ ብድኅሪ ሕጂ ውን ዓቢይ ነገር ከም እትገብረለይ ዘፍለጥካንስ፡ ጽቡቕ ፍቓድካን መደብካን ስለ ዝኾነ እዩ(1ዜና17፡18-19)። ንሕና ውን በዞም ዘመናት እዚኦም ንኣምላኽ ሰማይ ልዕል ከነብሎ ይግበኣና እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምሕረት ኪዳን(ኪዳነ ምሕረት) እዩ። ንሱ በይኑ ብደሙ ዘለዓለማዊ ኪዳን ዘቖመ፡ ካብ ወገን ዳዊት ዝኾነ ንጉሥና እዩ። ልብታትና ነቲ ትኹል ቃል ኣምላኽ እንተበሃገን እንተደለየን በዚ ኪዳን እዚ ጥራይ’ዩ ዝዓግብን ዝዓርፍን። ሰይጣን ኣብ ምድርና ብሕሱማት ጸሓፍቲ ኣቢሉ ብዙኅ ክርዳድ ዘርአ፡ መንፈስ ቅዱስ ንዝበሎ ቃል ግን ፈጺሙ ከርሕቖ ኾነ፡ ክስዕሮ ኣይከኣለን። ንሰብ ዝተዋህበ ተወሳኺ ኪዳን የልቦን። መጻሕፍቲ ብሉይ ኮነ ሓዲስ  ብዘይካ እቲ ንኣቦታትና ዝተነግረ፡ ንሳቶም ውን ዝበሃግዎን ተስፋ ዝገበርሉን ቅዱስ ኪዳን ካልእ ኪዳን ኣይነገሩናን። ምእንትዚ ኸኣ ንሕና ውን ከምኣቶም በቲ ዝተበጀወናን ምእንታና’ውን ገዛእ ርእሱ መሥዋዕቲ ኃጢኣትና ገይሩ ዘዕረገ እንኮ ሊቀ ካህን፡ ብደሙ ኪዳን ዘቖመልና እሙን ጓሳ ኣባጊዕ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚንና ንምሥክር ውን ኣሎና። ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ  ብደም፡ብስቅያትን ገዓርን ልመናን ጥራይ ዘይኰነስ ብዓቢይ ግርማን ብንግሥነት ውን ክትግለጽ ኢኻ’ሞ ነመስግነካ ኣሎና። ምሳኻ’ውን ንዘለዓለም ክንነግሥ ናፊቕና ኣሎና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ጸሎት

እቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኽ፡ ብደም እቲ ናይ ዘለዓለም ኪዳን ገይሩ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትንሣእ ዓቢይ ጓሳ ኣባጊዕ ዝገበሮ፡ ፍቓዱ ምእንቲ ኽትፍጽሙ ብሠናይ ግብሪ ዘበለ ዂሉ የዕጥቕኩም። ብኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ከምቲ ንእኡ ባህ ዜብሎ ገይሩ ኣባና ይዕየ። ንእኡ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ክብሪ ይኹን።ኣሜን። (ዕብ13፡20-21) ።





No comments:

Post a Comment