Saturday, March 9, 2019

ቤዛ ሳልሳይ ክፋል



ቤዛ ሳልሳይ ክፋል

ዎ ኣቦ አመስግነካ ኣሎኹ፡ ስለ እቲ ዓቢይ ውዕለትካ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹንካ። ሓደ ስለ ኹሉ ሞተ፡ ሓደ በጃ ኩላትና በደልና ጸይሩ ሞተ። እንኮ ቅዱስ ወድኻ ቤዛ ሕይወትና ኾነ፡ ምእንቲ‘ዚ ኸኣ ነመስግነካ ኣሎና። ሊቀ ካህናት፡ በደልና ዝጾርካ ድቤላ፡ ቅቡል መሥዋዕቲ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ። ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ ንስኻ ንበደልና ጼርካ መቕጻዕቲ ተቐበልካ፡ ኦ ጐይታ ከማኻ ዝበለ ቤዛ የልቦን እሞ ንባርኸካ ኣሎና። ብሕይወት ምእንቲ ክንነብርሲ ንስኻ ብደም ዓደግካና። ቅዱስ መንፈስ ነቲ ካባኻ ዝኾነ ግልጸት ክንርዳእ ኦ ጐይታ ኣእምሮና ኣብርህ፡ ብዘለዓለማዊ መገድኻ ኸኣ ምርሓና። ንዘለዓለም ሕያዋን ኮይና ምእንቲ ክንነብር መንፈስካ ተመሊእና ኢና’ሞ ስብሐት ይኹንካ። ነቲ ኹሉ ኣንጻር ቅዱስ ቃልካ ኣብ ምድርና ዝተዘርአ ክርዳድ፡ ከምቲ እሾዂ ብሓዊ ዝህሞኽ፡ በቲ ብርቱዕ ኃይልኻ ክትህሙኾ ብስም ጐይታ ኢየሱስ እልምነካ ኣሎኹ። ነቲ ኣብ ሕግኻ ዘሎ ጥበብ ምእንቲ ክንርዳእሲ መንፈስ ቅዱስ ኣዕይንትና ኣብርህ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
በደል ዝጸውር ድቤላ

ኣሮን ድማ ኽልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ብሕይወት ዘሎ ድቤላ የንብር እሞ፡ብዂሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኤልን ብዂሉ በደሎምን ብዂሉ ኃጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ ኸኣ የንብሮ፡ በቲ ነዚ ዝተመደበ ሰብኣይ ገይሩ ድማ ንምድረ በዳ ይስደዶ። እቲ ድቤላ ኸኣ ንዂሉ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኡ ጸይሩ ናብ ጽምዊ ቦታ ይኺድ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ንበረኻ ይፈንዎ (ዘሌ16፡21-22) ።
እግዚኣብሔር ንሙሴ ካብ ዝሃቦ ሕጊ ምንጻህ ሓደ ፍጻሜ ኾይኑ; ኣብታ ሥርየት ኃጢኣት ዝርከበላ መዓልቲ (Yom Kippur) ዝፍጸም ከኣ እዩ። ብኣተኲሮን ብምስትውዓልን ክንከታተሎ’ውን እዕድም። ኣብዛ ሥርዓት ምንጻህ ዝካየደላ መዓልቲ፡ ንመሥዋዕቲ ካብ ዝቐርቡ እንስሳታት   ድቤላ እዩ። ካብቶም ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ዝቐርቡ ክልተ ድቤላታት፡ እቲ ሓደ ኣብ መሠውዒ ንእግዚኣብሔር ዝቐርብ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብዘሎ ኽፍኣትን በደልን እስራኤል ጸይሩ ናብ ምድረ በዳ ዝለኣኽ ድቤላ እዩ። ኣብ ዘሌ16፡21-22  ብኣተኲሮ ተመዝጊቡ ካብ ዘሎ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ንሎሚ 3 መሰረታውያን ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

         1.  ህያው ድቤላ፦ እዚ ምእንቲ ሥርየት ኃጢኣት ዝቐርብ ዘሎ ድቤላ፡ ሕይወት ዘለዎ ኣካል እዩ። ሞት እቶም ዝኣበሱ ክወስድ እንተደኣ ዀይኑ ሕይወት ክህልዎ ናይ ግድን እዩ።
          2. ጸዋሪ ኽፍኣት፦ እዚ ድቤላ’ዚ በደል ዘይፈጸመ ንጹህ ክነሱ፡ ብዘሎ ኽፍኣት ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊኡ ዝጾረ እዩ።
             3. ተቐባሊ ፍርዲ(ሞት)፦ እዚ ድቤላ’ዚ ብሰሪ በደል እስራኤል፡ ኣብ ክንድኦም ፍርዲ ሞት  ተቐቢሉ ናብ በረኻ ዝተላእከ እዩ።

ስለዚ እምበኣር ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝሰርዖ ናይቲ ቐንዲ ክግለጽ ዘለዎ ሓቂ፡ ምሳሌ ዝኾኑ ሥርዓታት ብግሉጽ እንርእዮ ዘሎና ነገረ-ቤዛነት እዩ። ሕይወት ዘይብሉ ዝኾነ ይኹን ግኡዝ ነገር፡ በደል ክጸውር ብሰሪ እቲ ዝጾሮ’ውን ፍርዲ ክቕበል ስለ ዘይክእል “ቤዛ” ተባሂሉ ኣይስመን እዩ። ደጊመ ከስምረሉ እምበኣር፡ ብዛዕባ ቤዛነት ክትሓስቡ ከሎኹም ኣብ ኣእምሮኹም ቅጅል ክብለኩም ዘለዎ፡ እቲ ቤዛ ዝበሃል ዘሎ ሕይወት ኣለዎ ድዩ? ወይስ የብሉን ዝብል ሕቶ ክኸውን ይግባእ። ህያው ካብ ዘይኮነ ግን ቤዛ ክኸውን ከም ዘይክእል ኣጸቢቕኩም ተረድኡ። ስዒቡ ክለዓል ዝግብኦ ሓሳብ ከኣ እቲ ሕይወት ዘለዎ ’ኸ ኣበር ዘይተረኽቦ ጻድቕ ድዩ? ጽሑፍ ከኣ ከምዚ በለ፦ ሓደ’ኳ ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ’ኳ የልቦን(ሮሜ3፡10)። ካብ ደቂ ሰብ ሓደ’ኳ ጻድቕ የልቦን እሞ ንሳቶም ኲሎም ቤዛ ነፍሶም ዝደልዩ በደለኛታት እዮም። ስለዚ እምበኣር ነዚ ነገራት እዚ ክፍጽም ዝኽእል፡ ንሰባት ከኣ በጃ ሕይወቶም ክኃልፍ፡ መሊሱ ውን ብሕይወት ክነብር ዝኽእል ቤዛ ደኣ መን እዩ? ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ፡ “ ኣነ ግና ሕይወት ምእንቲ ኽረኽባ፡ ብምልኣት ውን ምእንቲ ኽረኽባ እየ ዝመጻኹ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ኣኅሊፉ ይህብ ዮሃ10፡10-11። ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ በይኑ ቤዛ ክኸውን ብቕዓት ዘለዎ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ወዲ ኣምላኽ ክነሱ ምእንቲ ክብጀወና ከማና ሥጋን ደምን ተኻፊሉ ሕይወት ዘለዎ ፍጹም ሰብ ኮነ። ኣብ ኣፉ’ኳ ሓሶት ዘይተረኽቦ ጻድቕ ብምዃኑ ንብዘሎ ኽፍኣትናን በደልናን ጾረ። ነቢይ ከምዚ በለ “ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ውን ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ ”ኢሳ53፡4፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ንብዘሎ በደልን ክፍኣትን ሰባት ጸይሩ ፍርዲ ዝተቐበለ ሕያው ድቤላ እዩ። ነቲ ብሰሪ ኣበሳና ዝሰዓበ መቕጻዕቲ(ሞት) ኣብ ልዕሊኡ ብምጻር ካብ ምድሪ ህያዋን ዝተወገደ ህያው ድቤላ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። “ኲላትና ከም ዝተባረራ ኣባጊዕ ነበርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖ፡  ኪሳቐን ብመከራ ክሕምሸሽን ፍቓደይ እዩ፡ ሞቱ ኅድገት ኃጢኣት ዘምጽእ መሥዋዕቲ ነበረ” ተባሂሉ ከም ዝተነግረ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ውን ተኸትከተ፡ ንብዘሎ ፍርዲ ኸኣ ጾረ። ምስ ዓመጽቲ ተቖጺሩ መቕጻዕቲ ተቐበለ፡ ቤዛናን ሊቀ ካህንናን ስለ ዝኾነ ኸኣ ምእንታና ለመነ። እቲ ብብዙሕ ገዓርን ንብዓትን ስቓይን ዝቐረበ ጸሎት ከኣ ኣብ ቕድሚ ኣቦ ተቐባልነት ረኸበ፡ ብእኡ በቲ ንሱ በይኑ ዝፈጸሞ ነገረ ቤዛነትን ዕርቕን ብምእማንና ከኣ ብደሙ ሥርየት ኃጢኣትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ረኸብና። ሎሚ ውን ኣብ ቕድሚ ኣቦ ካብ ደም ኣቤል ዝበለጸ ዝዛረብ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሎና።
ኣቱም ኩልኹም ንኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ሕይወትኩም ክትገብርዎ እትደልዩ ጸውዕዎ፡ ኣቱም ኩልኹም ዘለዓለማዊ ሕይወት እትብህጉ ብደሙ ሥርየት ኃጢኣትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ምእንቲ ክዀነልኩም “ ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እደልየካ ኣሎኹ፡ ከም ቓልካ ክነብር ደግፈኒ፡ ነቶም ዝተቐበሉኻ ኹሎም ውሉድ ኣምላኽ ክኾኑ ሥልጣን ከም ዝሃብካዮም፡ ኣነ ውን ከም ናይ ሕይወተይ በጃ፡ጐይታን መድኃን ገይረ እቕበለካ ኣሎኹ እሞ ብመንፈስካ ርድኣኒ” እናበልኩም ንሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ሕይወትኩም ዓድምዎ። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን! ኣሜን።

-

1 comment:

  1. ኣሜን ፔተር ሓወይ ፡ ብጎይታ ዘመንካ ይባረኽ።ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ይብዝሓልካ።

    ReplyDelete