Friday, April 19, 2019

ቤዛ 8ይ ክፋል


ቤዛ 8ይ ክፋል
ድምጺ ባርያ!

ኦ ጐይታ ሠራዊት እግዚኣብሔር፡ ንስኻ በይንኻ ንሰማያት ዘርጋሕካዮ፡ ንምድሪ ውን በይንኻ ደኮንካያ፡ ጥበብካ ኸኣ ኪኖ ቃላት ዓቢይ እዩ፡ ክግለጽውን ኣይከኣልን እዩ። ብኹሉ ዘመናት ሕያው ኢኻ እምበር ዘይነበርካሉ ዘመናት ከቶ ኣይነበረን። ቅድሚ ወጋሕታ ምምጽኡ ንስኻ ሕያው ኢኻ። ምድሪ ቅድሚ ምፍጣራ ውን ንስኻ ትነብር ነበርካ፡ ከሃልነትካ ኸኣ ኣብ ኩሉ ምሉእ እዩ። መላእኽቲ ቅድሚ ምፍጣርካ ምስጋናኻ ምሉእ እዩ፡ ንዓኻ ዘማኽረካ ኮነ ዝረድኣካ ኸኣ ሓደ’ኳ የልቦን። ንምስሊ ቅዱስ ወድኻ ክንመስል ቀደም መደብካና፡ ብደሙ ተቐዲስና ኸኣ ካባኻ ርሑቓት ዝነበርና፡ ብኢየሱስ ቀረብና። ቅዱስ ወድኻ ምእንታና ዝለመነ፡ መሥዋዕቲ ዘቕረበ እሙን ሊቀ ካህንና እዩ፡ ንሱ ብሓቂ ናይ ምድኃንና ምኽንያት ኰነ። ኣበር ዘይብሉ ሊቀ ካህን ስለ ዝሾምካልና ብሓቂ ኦ ኣቦ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣለኹ። ንድምጺ ባርያኻ ምእንቲ ከነስተውዕል፡ ነቲ ዝቐባእካዮ መሲሕካ ውን ምእንቲ ክንቕበል ስለ ዝረዳእካና ተመስገን። መንፈስ ቅዱስ ሳላ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ተዋህበና፡ ንሱ ብሓቂ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና ዘኽብር፡ ነታ መርዓት ዘጸናንዕ ቅዱስ መንፈስ እዩ። ኦ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣባጊዐይ ንድምጸይ ይፈልጣኦ እየን ከም ዝበልካ፡ ሎሚ ንድምጽኻ ጥራይ እንሰምዕ ኣባጊዕካ ገይርካና ኣሎኻ’ሞ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ በይንኻ ኣብ ዝፋን ልብና ንገሥ፡ ንኣፍና ብምስጋናኻ ምልኣዮ፡ ብመንፈስ ተመሊእና ዘወትር ክንቃንየልካ መንፈስ ቅዱስ ይርድኣና። መንፈስ ቅዱስ ንባሮትካ ምስትውዓል ሃብ፡ ኣብዚ ምድሪ ብዝተዋህበና ዘመናት ኩሉ ንፍቓድካ ምእንቲ ክንነብር ምርሓና። ንሃገርናን ሕዝብናን ክትባርኽ፡ ብዘሎ ምርኮ ኸኣ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ንኣገልገልትኻ ቃልካ የዕጥቐና። ካብ ኃይልኻ ንዝኸውን ትንሳኤ ሕዝብና ክንርእዮ ናፊቕና ንጽበ ውን ኣሎና። መንፈስ ቅዱስ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ብፍሉይ ጥበብ ምስትውዓል እትዕድል ከኣ ንስኻ ኢኻ’ሞ ብርሃን ክኾነልና ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽሊ ኣሎና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ብሓቂ ዶ ኢደይ ንምብጃው ሓጻር እያ፧
ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት እግዚኣብሔር ንቓሉ ተዛረበ፡ እግዚኣብሔር ዝረስዖ፡ ግዲ ውን ዘይገበረሉ ወለዶ ከቶ የልቦን። ቓላቱ ሕይወት ምእንቲ ክኾነልና ሃበና፡ ንሕና’ውን ተቐቢልና ሕይወት ምእንቲ ክንፈሪ ፍቓዱ እዩ። እንተዀነ ብዙኃት ብዛዕባኡ፡ ብዛዕባ እቲ ባርያ እግዚኣብሔር ክሰምዑ ኣይደለዩን፡ ልቦም’ውን ከርሕዉ ኣይፈቐዱን። ነቢየ እግዚኣብሔር ኢሳይያስ ከምዚ እናበለ ብሓዘን ጸሓፈ፡ ብግፍዒ ሒዞም ፈረድዎ፡ ናብቲ ዚቕተለሉ ቦታ ጐቲቶም ወሰድዎ እሞ ቀተልዎ፡ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖ መከራ ዝተገደሰ ሓደ’ኳ የልቦን(ኢሳ 53፡8)።
እዞም ወለዶታት እዚኦም እቶም ኣብ ኩሉ ዘመናት ብዛዕባ መሲሕ ክፈልጡን፡ ከም ናይ ሕይወቶም ጐይታን መድኃንን ክቕበልዎ ዘይከኣሉ፡ኣንጻር ቅዱስ ደሙ ዝተዓጥቁ፡ ዘይኣመንቲ እዮም። ብዛዕባ ’ቲ ዝበጽሖ መከራ ክሓስቡ ኣይደለዩን፡ ግዱ’ውን ኣይገበሩን። ንኣና ነዞም ሎሚ ዘሎና ወለዶታት ውን ዝምከት እዩ፡ ሰብ ኣብ ዘመን ሕይወቱ ብዛዕባ ክርስቶስ ኢየሱስ ክግደስ እንተዘይክኢሉ ልቦናኡ በቲ ኽፉእ ተደፊኑ ከም ዘሎ ክርዳእ ኣለዎ። እቲ ገዛኢ እዛ ዓለም ዝኾነ ሰይጣን፡ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ከይርእዩ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ደፈኖ። እዚ ብርሃን እዚ ኸኣ ኽብሪ ናይቲ ኣርኣያ ኣምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ እዩ(2ቆሮ4፡4)። ወንጌል ብርሃንን ጸልማትን እዩ፡ ነቶም ዝኣምኑ ካብ ጸልማት ኣውጺኡ ናብ ዘደንቕ ብርሃን ዘእቱ፡ ነቶም ዘይቅበልዎ ኸኣ ሞት ዘስዕብ፡ ሲኢል ውን ዘደርቢ ኃይሊ ኣምላኽና እዩ። ኣምላኽ ብእምነት ምእንቲ ክንድኅን ዝሰርዖ ዘለዓለማዊ ሕይወት እዩ። ልብታትና ካብ ክርስቶስ ነጻ ክኸውን ኣይግብኦን፡ ድኅነት ሰብ በዚ መከራ እዚ ጥራይ’ዩ ክዉን ዝኸውን። ሊቀ ካህናት ብምዃን ኣብ ክንዳና ናብ ሰማያዊ መቕደስ ዝኣተወ ዘመድ ኣሎና፡ ንሱ ምእንታና ገዛእ ርእሱ መሥዋዕቲ ገይሩ ዘቕረበ፡ ብኣቦ ውን ተቐባልነት ዝረኸበ፡ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን መንጐኛ፡ ማእኸላይ፡ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

እግዚኣብሔር ንወለዶታት ይሓትት ኣሎ፡ እንታይ ኮን ክኸውን’ዩ መልስና፧ ነገረ-ቤዛነት ዓቢ ዛዕባ ኣምላኽና ደኣ እምበር ንፍጡራት ዝወሃብ ኣይኮነን። “ብሓቂ’ዶ ኢደይ ንምብጃው ሓጻር እያ፧” ዚብል ሕቶ ኣምላኽና ኣብ ልብና ነቐምጦ። ኣንታ ካብ ኣምላኽ እስራኤል ወጻኢ ካልእ በጃ እተናድን ሃሰስ እትብልን፡ ካብ ኣእላፍ መላእኽቲ ክብጀወካ ዝኽእል መን’ዩ፧ ካብቶም ካብ ኣንስቲ ዝተወልዱ ሰባት’ከ ክብጀወካ ዝኽእል መን’ዩ፧ ኢድ ኣምላኽና’ዶ ንምብጃው ሓጻር እያ፧ ኣብ ሰማያትን ምድርን ካብ ዘለዉ ሃሰስ ኢልና ደሊና፡ ተበጃዊና ኢልና ክንሰምዮ እንኽእል ብቑዕ ፍጡር የልቦን። ንሕቶ ኣምላኽ እስራኤል ብልብኻ መልሶ፡ ተጠዒስካ ተበጀወኒ እንተበልካዮ ኸኣ ኢየሱስ ክብጀወካ ዋጋ ከፊሉ እዩ እሞ ከድኅነካ፡ ብደሙ ብምእማንካ ውን ከጽድቐካ እዩ። ካባኻትኩምሲ ንእግዚኣብሔር ዝፈርህ፡ ንድምጺ ባርያኡ ውን ዝሰምዕ መን’ዩ፧ እቲ ብጸልማት ዝመላለስ ብርሃን ከኣ ዝስእን፡ ኣብ ስም እግዚኣብሔር ይወከል፡ ኣብ ኣምላኹ ውን ይጸጋዕ(ኢሳ 50፡10)፡ ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ እሞ ኦ ኣብ ጸልማት ዘሎኻ ወገነይ፡ ብብርሃን ምእንቲ ክትመላለስ ንድምጺ ባርያኡ ክትሰምዕ ንዓ። ንሱ ዝባኑ ንገረፍቲ፡ ምዕጉርቱ ኸኣ ንነጸይቲ ጸጒሪ ዝሃበ፡ንገጹ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ዘይከወለ፡ ንብዘሎ መቕጻዕትና ዝወሰደ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ሕያዋይ ጓሳ እዩ፡ እተን ኣባጊዑ ኸኣ ንድምጹ ስለ ዘለልያ ይስዕባኦ። ኢየሱስ ንሕይወቱ በጃ እተን ኣባጊዕ ከሕልፍ መጸ፡ እቶም ብእኡ ዝተዓርቑ፡ ብእኡ ኣትዮም ውን ዝደኃኑን መጓሰዪ ዝረኸቡ ኣመንቲ(ኣባጊዕ) ከኣ ድምጹ(ድምጺ ባርያ) ዝሰምዑ ሰባት እዮም። ኣቦ ንወልድ ከም ዝፈልጦ፡ ወልድ ውን ንኣቦ ከም ዝፈልጦ፡ ኢየሱስ ከኣ ነተን ድምጹ ዝሰምዓ ኣባጊዑ ይፈልጠን እዩ።
ኢድ እግዚኣብሔር ከተድኅነካ ተዘርጊሓ ኣላ፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ምእንቲ ክኾነካ ጸውዓዮ፡ ተቐበሎ’ውን። ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ በይኑ ክትድኅነሉ ዝተዋህበ ሓድሽ መገዲ እዩ። ኣዕይንትኻ ናብቲ መሲሕ ኣቕኒዕካ ፡ ብእምነት ከምዚ ኢልካ ጸሊ፦

 ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እደልየካ ኣሎኹ፡ ካብቲ ክፉእ ጸልማት ናብ ዘደንቕ ብርሃን ምእንቲ ክሰጋገር፡ ካብ ኃጢኣተይ ብደምካ ከተንጽኃኒ እጽሊ ኣሎኹ። ብዙኅ ዘመን ካብ ሑቕፍኻ ኮብሊለ እየ፡ ሎሚ ግን ናብ ልበይ ተመሊሰ፡ ንስኻ በይንኻ መድኃንየይ፡ ምስ ኣቦ እትዓርቐኒ ካህነይ፡ ምዃንካ ኣሚነ እጽውዓካ ኣሎኹ። ነቲ ዘደንቕ ፍቕርኻ ገሊጽካ፡ ምእንቲ ኃጢኣተይ ሞትካ፡ በቲ ንምድኃነይ ዝፈሰሰ ቅዱስ ሕያው ደምካ ሎሚ ውን ኣብ ቕድሚ ኣቦ ክትቖመለይ ትኽእል ኢኻ እሞ፡ ንዓ ንሕይወተይ ኣድኅና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወተይ ክትዓዪን ክትመልኣንን እልምነካ ኣሎኹ፡ ብመንገድኻ ምርሓኒ ጐይታይ።

Friday, April 12, 2019

ቤዛ 7ይ ክፋል


ቤዛ 7ይ ክፋል

ኢየሱስ ከኣ ንሕዝቢ ብደሙ ምእንቲ ክቕድስ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ተሳቐየ ዕብ 13፡12

ኦ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ንውርደት ኢዮርሳሌም ቀንጢጥካ፡ ዘውዲ ስለ ዝደፋእካላ አመስግነካ ኣሎኹ። ንስኻ ንጽዮን(ኢዮርሳሌም) ኃረኻያ፡ መኅደር ሥልጡን ኣምላኽ ያዕቆብ ክትከውን’ውን መረጽካያ። ብዘሎ ሥርዓታት ከኣ ኣብኣ ክኸውን መረጽካ ምእንቲ ቅዱስ ስምካ ውን ኣኽበርካያ። ንብዘለዉ ደቃ ካብ ኢድ ብርቱዓት ነገሥታት ኣናገፍካዮም፡ ብሓቂ ኸኣ ንሳ ከተማ እቲ ዓቢይ ንጉሥ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ እያ። ኦ ኣብ ሓደ ወድኻ ኣብ ወጻኢ እዛ ኸተማ ተሳቕዩ፡ ብደሙ ዓደገና፡ ምእንትዚ ኸኣ ብስም ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ነመስግነካ ኣሎና። ኦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ ክብርን ውዳሴን ምስጋናን ንዓኻ ይኹን። ንስኻ ገንሸል ፋሲካና ኢኻ፡ ኣብ ኢዮርሳሌም ዝተሠዋዕካ ቅቡእ ኣምላኽ ኢኻ። ብደምካ ሕይወት ኰይኑ’ዩ እሞ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ዝተበጀኻና እሞ ነፍሳትና ይባርኻኻ ኣለዋ። መንፈስ ቅዱስ ሓቐኛ መንፈስ፡ ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝመሃሩና ከነገልግለካ ደግፈና ካብ ቃልካ ወጻኢ ንዝዀነ ኩሉ ሓሶት ምእንቲ ክንቃወም መንፈስካ ይደግፈና። ኦ ቅዱስ መንፈስ ኣብ ዝሓለፉ ኩሎም ዘመናት ካብ ቃልካ ዝወጸ ሕይወትን ኣገልግሎትን ኣብ ምድርና ተገይሩ እዩ’ሞ ምሕረት ክትገብረና ንልምን ኣሎና። መንፈስ ቅዱስ ንሓሳብካን ምኽርኻን ምእንቲ ከይንቃወም ብመገድኻ ምርሓና። ኦ ኣቦይ ንስኻ ዝደረኽካዮምን ብመንፈስካ ዝምርሑን ወለዶ ግበረና፡ ብድፍረት ምእንቲ ከይንብድለካስ መንፈስ ቅዱስ ሓልወና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
“ቴቄል”፡ ብሚዛን ተመዚንካ ቐሊልካ ተረኸብካ (ዳን5፡27)

እቲ ብጥበብ ዝመርሕ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ምግላጹ የብዝሓልና። ንቃሉ ተኣዚዝና ምእንቲ ክንነብር መንፈስ ቕዱስ ይደግፈና።
ልብታትና ወርትግ እግዚኣብሔር እንታይ ኣዘዘ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ በለ ክብል ኣምላኽ ይደርኮ።  ነገረ-ቤዛነት ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሕይወትና እምነ- መኣዝን እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ብኣቓልቦ ከነስተንትኖን ክንፈልጦን ይግበኣና እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍ ንመሠውኢ ዝምልከት ዛዕባ ክህልወና እዩ። ኣቶኲሮና ኣብታ ቀዳመይቲ ኪዳን ብምግባር ነቲ ትእዛዝ ክንምልከቶ እዕድም። ኣብታ ቀዳመይቲ ኪዳን ዝሥውኡ ዝነበሩ ኲሎም መሥዋዕትታት ማለት ነንመዓልቲ ዝቐርቡ መሥዋዕትታት፡ በዋርኅን ብዓመታትን ዝቐርቡ መሥዋዕትታት፡ ኣብ ኢዮርሳሌም ጥራይ ዝቐርቡ መሥዋዕትታት እዮም ነይሮም። ኣርጊጺ ክብሎ ከመሓላልፎ ዝደለኹ መልእኽቲ ኸኣ ንሱ እዩ፡ ብዘለዉ መሥዋዕትታት ካብ ኢዮርሳሌም ወጻኢ ዝቐርቡ ኣይነበሩን። ኣብ ዝኃለፉ እዋናት ከም ዝረኣናዮ “ እታ ቐያሕ ኣርሒ” ’ውን ኣብ ወጻኢ ከተማ ትሓርር ነበረት። ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ዝቐርብ መሥዋዕትታት ኩሎም ከኣ ኣብዛ ኸተማ ይሓሩ ነበሩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ከምዚ በለ፡ “ ኢየሱስ ከኣ ንሕዝቢ ብደሙ ምእንቲ ክቕድስ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ተሳቐየ ዕብ 13፡12”።
እዛ ከተማ እዚኣ መን እያ? ኣገዳስነት እዛ ኸተማ’ኸ እንታይ እዩ? እቲ ዝቐደመ ሥርዓት ናይቲ ክግለጽ ዘለዎ ሓቂ ምሳሌ እዩ ዝነበረ። ኣብርሃም ንይስሓቕ ወዱ ኣብ እምባ ሞርያ ንኽሥውኦ ተኣዘዘ፡ ኣብ ክንዲ ይስሓቕ ከኣ ኣምላኽ ዘዳለዎ ገንሸል በጃ ይስሓቕ ኰነ። እዚ እምባ’ዚ መቕደስ ኣምላኽ ዝተደኰነሉ እምባ እዩ። ድኅሪ ባርነት ግብጺ መቕደስ ኣምላኽ ኣብ ኢዮርሳሌም ተደኰነ፡ እቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ኲሉ ኸኣ ይፍጸም ነበረ፡ ወርትግ ዝቐርብ መሥዋዕትታትን ካልኦት መሥዋዕትታትን ኣብዚ መቕደስ ይቐርብ ነበረ። ብዘመን ናቡከደነጾር መቕደስ ተቓጸለ፡ እስራኤላውያን ብሰይፊ ሞቱ፡ ገሊኣቶም ከኣ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ከዱ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም’ኳ እስራኤላውያን ተበቲኖም እንተነበሩ፡ ካብ ኢዮርሳሌም ወጻኢ ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ዝሰርሕዎ መቕደስ ኰነ፡ ዘቕረብዎ መሥዋዕትታት ውን የልቦን። እቲ እግዚኣብሔር ብኤርምያስ ገይሩ ዝተዛረቦ ቃል ምእንቲ ኪፍጽም ከኣ ኣምላኽ ንቂሮስ ኣለዓዓሎ።
“ቂሮስ ንጉሥ ፋርስ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሰማይ፡ ኣብ ኩሉ ዓለም ንጉሥ ከም ዝኸውን ገበረኒ፡ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ከኣ ቤት መቕደስ ክሠርሓሉ ኣዘዘኒ(እዝ 1፡2)”።   ሽዑ እቶም ኣምላኽ ዝደረኾም ዘበሉ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሔር ኪሰርሑ ክኸዱ ተዳለዉ(እዝ1፡5)። መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ዳግም ኣብ ኢየሩሳሌም ተሰረተ። ጸሓፊ ሕጊ ኣምላኽ ዝኾነ እዝራ፡ ንልበይ ዝማርኽ ቃል ጽሒፉ ኣሎ፡ “ ብዙኃት ካብቶም ነታ ቐዳመይቲ ቤተ መቕደስ ዝረኣዩ ኣረገውቲ ካህናትን ሌዋውያንን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ከኣ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኣብ ቅድሚኦም ምስ ተሠረተት ዓው ኢሎም በኸዩ። ብዙኃት ሰባት ድማ ብተሓጓስ ዓው ኢሎም እልል ይብሉ ነበሩ። እቲ ሕዝቢ ውን ብሓጐስ ዓው ኢሉ እልል ይብል ነበረ፡ እቲ ድምጺ ኸኣ ክሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ እሞ እቲ ሕዝቢ ነቲ ድምጺ እልልታ ካብ ድምጺ ብኽያት ክፈልዮ ኣይከኣለን(እዝ3፡12።
ክንድዚ ዝኣክል ዕልልታን ብኽያትን ክቱር ሓጐስን ዝተፈጥረሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ? እስራኤላውያን ኣብ ዝኸድዎ ዝፍራ ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት መቕደስ ዘይሰርሕሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ። እስራኤል ኣብ ቃል ኣምላኽ ዓሚቚ ዝዀነ ተገዳስነትን ክብርን ዘለዎም ዝተባረኹ ሕዝቢ እዮም። ንሥርዓታቱ ከም ባህትኦም ክጠውይዎ ኣይደለዩን። ህላውነት መቕደስ ኣብ ኢየሩሳሌም፡ ንምምጻእ መሲሕ ዝገልጽ ምልክት እዩ። ጐይታ ኢየሱስ ከምዚ በለ፡ ኣቦታትና ኣብዚ እምባ እዚ ሰገዱ፡ ንስኻትኩም ግና እታ ክሰግዱላ ዝግባእ ስፍራ ኣብ ኢየሩሳሌም እያ ኢኹም እትብሉ በለቶ። ኢየሱስ ከኣ፦ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና ምድኃን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ ንእንፈልጦ ኢና እንሰግድ(ዮሃ4፡20)። ምድኃን ካብ ኣይሁድ ምዃኑን መሲሕ ውን ኣብ ወጻኢ ከተማ ኢየሩሳሌም ከም ዝመውትን ተጻሒፉ እዩ። ቤዛ ብዘይካ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ካልእ ኣይሥዋእን(ኣይመውትን) እዩ። እነሆ ኸኣ ክልተ ሰባት፡ ሙሴን ኤልያስን፡ ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ። ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ክፍጸም ዘለዎ ሞቱ ድማ ይዘራረቡ ነበሩ(ሉቃ9፡31። ምእንትዚ ኸኣ ሽሕ’ኳ እስራኤላውያን ብስደት ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ እንተበሉ ትእዝዝ ኣምላኽ ጥሒሶም ዝደኰንዎ መቕደስ፡ ዘቕረብዎ መሥዋዕቲ፡ ዝሰገድዎ ስግደት የልቦን።
ንጉሥ ቂሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ፡ ዳግም ኢየሩሳሌም ንኽትሕደስ ኣዋጅ ኣወጀ። ኣብ ምድርና ምድረ-ኣግኣዚ ኰይኑ ንዝበሃል ነገራት ብቃል ኣምላኽ ክንመዝኖ እዋኑ እዩ። ካብ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት መቕደስ ከቕውም፡ ነቲ መጻሕፍቲ ዝኣዘዝዎ መሥዋዕትታት ወርትግ ከቕርብ፡ ሊቀ ካህን ብምዃን ናይ ደም መሥዋዕቲ ከቕርብ፡ ዝተኣዘዘ መን’ዩ? ካብ ትምክሕቲ ብምውጻእ “ ሽሕ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ንእግዚኣብሔር ዘምለኽና፡ኣምልኾ ዘቕረብና ኢና” ዚብል ጥሙሕ ብቓል ኣምላኽ ንምዘኖ። መቕደስ ካብ መሥዋዕትታት ኣይፍለይን’ዩ፡ እሞ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ኣብ ምድርና ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ዝቐረበ መሥዋዕቲ ሕሩድን ካልኦት መሥዋዕትታትን እንተ ተገብረ፡ ከንቱ ምዃኑ ክንርዳእን ክንሳሕን ይግበኣና እዩ። ብዘይካ ኣብ ኢየሩሳሌም መሥዋዕቲ ክቐርብ ኣይተኣዘዘን፡ ምኽንያቱ ኩሎም መሥዋዕትታት ንመሲሕ ዝገልጹ ምልክታት እዮም። ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕዝቢ ብደሙ ክቕድስ ኣብ ወጻኢ ከተማ ኢየሩሳሌም ተሳቐየ። ቤዛ ብዘይካ ካብ ኢየሩሳሌም  ኣይርከብን እዩ። ብዘይካ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ወጻኢ ከተማ ዝተቐትለ የልቦን፡ ክብሪ ንእኡ ንዝተሓርደ ገንሸል ይኹን። “ በዘን መዓልታት እዚአን ነዚ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻ’ዶ ጋሻ ኢኻ፧ (ሉቃ 24፡18)