ቤዛ 7ይ ክፋል
ኢየሱስ ከኣ ንሕዝቢ ብደሙ ምእንቲ
ክቕድስ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ተሳቐየ ዕብ 13፡12
ኦ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ንውርደት ኢዮርሳሌም ቀንጢጥካ፡ ዘውዲ ስለ
ዝደፋእካላ አመስግነካ ኣሎኹ። ንስኻ ንጽዮን(ኢዮርሳሌም) ኃረኻያ፡ መኅደር ሥልጡን ኣምላኽ ያዕቆብ ክትከውን’ውን መረጽካያ። ብዘሎ
ሥርዓታት ከኣ ኣብኣ ክኸውን መረጽካ ምእንቲ ቅዱስ ስምካ ውን ኣኽበርካያ። ንብዘለዉ ደቃ ካብ ኢድ ብርቱዓት ነገሥታት ኣናገፍካዮም፡
ብሓቂ ኸኣ ንሳ ከተማ እቲ ዓቢይ ንጉሥ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ እያ። ኦ ኣብ ሓደ ወድኻ ኣብ ወጻኢ እዛ ኸተማ ተሳቕዩ፡ ብደሙ
ዓደገና፡ ምእንትዚ ኸኣ ብስም ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ነመስግነካ ኣሎና። ኦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘሎ ክብርን ውዳሴን ምስጋናን
ንዓኻ ይኹን። ንስኻ ገንሸል ፋሲካና ኢኻ፡ ኣብ ኢዮርሳሌም ዝተሠዋዕካ ቅቡእ ኣምላኽ ኢኻ። ብደምካ ሕይወት ኰይኑ’ዩ እሞ ስምካ
ይባረኽ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ዝተበጀኻና እሞ ነፍሳትና ይባርኻኻ ኣለዋ። መንፈስ ቅዱስ ሓቐኛ መንፈስ፡ ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝመሃሩና
ከነገልግለካ ደግፈና ካብ ቃልካ ወጻኢ ንዝዀነ ኩሉ ሓሶት ምእንቲ ክንቃወም መንፈስካ ይደግፈና። ኦ ቅዱስ መንፈስ ኣብ ዝሓለፉ ኩሎም
ዘመናት ካብ ቃልካ ዝወጸ ሕይወትን ኣገልግሎትን ኣብ ምድርና ተገይሩ እዩ’ሞ ምሕረት ክትገብረና ንልምን ኣሎና። መንፈስ ቅዱስ ንሓሳብካን
ምኽርኻን ምእንቲ ከይንቃወም ብመገድኻ ምርሓና። ኦ ኣቦይ ንስኻ ዝደረኽካዮምን ብመንፈስካ ዝምርሑን ወለዶ ግበረና፡ ብድፍረት ምእንቲ
ከይንብድለካስ መንፈስ ቅዱስ ሓልወና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
“ቴቄል”፡ ብሚዛን ተመዚንካ ቐሊልካ
ተረኸብካ (ዳን5፡27)
እቲ ብጥበብ
ዝመርሕ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ምግላጹ የብዝሓልና። ንቃሉ ተኣዚዝና ምእንቲ ክንነብር መንፈስ ቕዱስ ይደግፈና።
ልብታትና
ወርትግ እግዚኣብሔር እንታይ ኣዘዘ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ በለ ክብል ኣምላኽ ይደርኮ። ነገረ-ቤዛነት ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሕይወትና እምነ- መኣዝን እዩ፡ ስለዚ
ኸኣ ብኣቓልቦ ከነስተንትኖን ክንፈልጦን ይግበኣና እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍ ንመሠውኢ ዝምልከት ዛዕባ ክህልወና እዩ። ኣቶኲሮና
ኣብታ ቀዳመይቲ ኪዳን ብምግባር ነቲ ትእዛዝ ክንምልከቶ እዕድም። ኣብታ ቀዳመይቲ ኪዳን ዝሥውኡ ዝነበሩ ኲሎም መሥዋዕትታት ማለት
ነንመዓልቲ ዝቐርቡ መሥዋዕትታት፡ በዋርኅን ብዓመታትን ዝቐርቡ መሥዋዕትታት፡ ኣብ ኢዮርሳሌም ጥራይ ዝቐርቡ መሥዋዕትታት እዮም ነይሮም።
ኣርጊጺ ክብሎ ከመሓላልፎ ዝደለኹ መልእኽቲ ኸኣ ንሱ እዩ፡ ብዘለዉ መሥዋዕትታት ካብ ኢዮርሳሌም ወጻኢ ዝቐርቡ ኣይነበሩን። ኣብ
ዝኃለፉ እዋናት ከም ዝረኣናዮ “ እታ ቐያሕ ኣርሒ” ’ውን ኣብ ወጻኢ ከተማ ትሓርር ነበረት። ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ዝቐርብ
መሥዋዕትታት ኩሎም ከኣ ኣብዛ ኸተማ ይሓሩ ነበሩ።
ቅዱስ ጳውሎስ
ኣብ መልእኽቱ ከምዚ በለ፡ “ ኢየሱስ ከኣ ንሕዝቢ ብደሙ ምእንቲ ክቕድስ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ተሳቐየ ዕብ 13፡12”።
እዛ ከተማ
እዚኣ መን እያ? ኣገዳስነት እዛ ኸተማ’ኸ እንታይ እዩ? እቲ ዝቐደመ ሥርዓት ናይቲ ክግለጽ ዘለዎ ሓቂ ምሳሌ እዩ ዝነበረ። ኣብርሃም
ንይስሓቕ ወዱ ኣብ እምባ ሞርያ ንኽሥውኦ ተኣዘዘ፡ ኣብ ክንዲ ይስሓቕ ከኣ ኣምላኽ ዘዳለዎ ገንሸል በጃ ይስሓቕ ኰነ። እዚ እምባ’ዚ
መቕደስ ኣምላኽ ዝተደኰነሉ እምባ እዩ። ድኅሪ ባርነት ግብጺ መቕደስ ኣምላኽ ኣብ ኢዮርሳሌም ተደኰነ፡ እቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ኲሉ
ኸኣ ይፍጸም ነበረ፡ ወርትግ ዝቐርብ መሥዋዕትታትን ካልኦት መሥዋዕትታትን ኣብዚ መቕደስ ይቐርብ ነበረ። ብዘመን ናቡከደነጾር መቕደስ
ተቓጸለ፡ እስራኤላውያን ብሰይፊ ሞቱ፡ ገሊኣቶም ከኣ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ከዱ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም’ኳ እስራኤላውያን
ተበቲኖም እንተነበሩ፡ ካብ ኢዮርሳሌም ወጻኢ ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ዝሰርሕዎ መቕደስ ኰነ፡ ዘቕረብዎ መሥዋዕትታት ውን የልቦን።
እቲ እግዚኣብሔር ብኤርምያስ ገይሩ ዝተዛረቦ ቃል ምእንቲ ኪፍጽም ከኣ ኣምላኽ ንቂሮስ ኣለዓዓሎ።
“ቂሮስ
ንጉሥ ፋርስ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሰማይ፡ ኣብ ኩሉ ዓለም ንጉሥ ከም ዝኸውን ገበረኒ፡ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ
ኢየሩሳሌም ከኣ ቤት መቕደስ ክሠርሓሉ ኣዘዘኒ(እዝ 1፡2)”። ሽዑ እቶም ኣምላኽ ዝደረኾም ዘበሉ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን
ካህናትን ሌዋውያንን፡ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሔር ኪሰርሑ ክኸዱ ተዳለዉ(እዝ1፡5)። መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ዳግም
ኣብ ኢየሩሳሌም ተሰረተ። ጸሓፊ ሕጊ ኣምላኽ ዝኾነ እዝራ፡ ንልበይ ዝማርኽ ቃል ጽሒፉ ኣሎ፡ “ ብዙኃት ካብቶም ነታ ቐዳመይቲ ቤተ
መቕደስ ዝረኣዩ ኣረገውቲ ካህናትን ሌዋውያንን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ከኣ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣ ኣብ ቅድሚኦም ምስ ተሠረተት
ዓው ኢሎም በኸዩ። ብዙኃት ሰባት ድማ ብተሓጓስ ዓው ኢሎም እልል ይብሉ ነበሩ። እቲ ሕዝቢ ውን ብሓጐስ ዓው ኢሉ እልል ይብል ነበረ፡
እቲ ድምጺ ኸኣ ክሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ እሞ እቲ ሕዝቢ ነቲ ድምጺ እልልታ ካብ ድምጺ ብኽያት ክፈልዮ ኣይከኣለን(እዝ3፡12።
ክንድዚ ዝኣክል ዕልልታን ብኽያትን
ክቱር ሓጐስን ዝተፈጥረሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ? እስራኤላውያን ኣብ ዝኸድዎ ዝፍራ ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት መቕደስ ዘይሰርሕሉ
ምኽንያት እንታይ’ዩ? ። እስራኤል ኣብ ቃል ኣምላኽ ዓሚቚ ዝዀነ ተገዳስነትን ክብርን ዘለዎም ዝተባረኹ ሕዝቢ እዮም። ንሥርዓታቱ
ከም ባህትኦም ክጠውይዎ ኣይደለዩን። ህላውነት መቕደስ ኣብ ኢየሩሳሌም፡ ንምምጻእ መሲሕ ዝገልጽ ምልክት እዩ። ጐይታ ኢየሱስ ከምዚ
በለ፡ ኣቦታትና ኣብዚ እምባ እዚ ሰገዱ፡ ንስኻትኩም ግና እታ ክሰግዱላ ዝግባእ ስፍራ ኣብ ኢየሩሳሌም እያ ኢኹም እትብሉ በለቶ።
ኢየሱስ ከኣ፦ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና ምድኃን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ ንእንፈልጦ ኢና እንሰግድ(ዮሃ4፡20)።
ምድኃን ካብ ኣይሁድ ምዃኑን መሲሕ ውን ኣብ ወጻኢ ከተማ ኢየሩሳሌም ከም ዝመውትን ተጻሒፉ እዩ። ቤዛ ብዘይካ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ
ካልእ ኣይሥዋእን(ኣይመውትን) እዩ። እነሆ ኸኣ ክልተ ሰባት፡ ሙሴን ኤልያስን፡ ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ። ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ
እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ክፍጸም ዘለዎ ሞቱ ድማ ይዘራረቡ ነበሩ(ሉቃ9፡31። ምእንትዚ ኸኣ ሽሕ’ኳ እስራኤላውያን ብስደት ኣብ መላእ
ዓለም ፋሕ እንተበሉ ትእዝዝ ኣምላኽ ጥሒሶም ዝደኰንዎ መቕደስ፡ ዘቕረብዎ መሥዋዕቲ፡ ዝሰገድዎ ስግደት የልቦን።
ንጉሥ ቂሮስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ፡
ዳግም ኢየሩሳሌም ንኽትሕደስ ኣዋጅ ኣወጀ። ኣብ ምድርና ምድረ-ኣግኣዚ ኰይኑ ንዝበሃል ነገራት ብቃል ኣምላኽ ክንመዝኖ እዋኑ እዩ።
ካብ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት መቕደስ ከቕውም፡ ነቲ መጻሕፍቲ ዝኣዘዝዎ መሥዋዕትታት ወርትግ ከቕርብ፡ ሊቀ ካህን ብምዃን ናይ
ደም መሥዋዕቲ ከቕርብ፡ ዝተኣዘዘ መን’ዩ? ካብ ትምክሕቲ ብምውጻእ “ ሽሕ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ንእግዚኣብሔር ዘምለኽና፡ኣምልኾ
ዘቕረብና ኢና” ዚብል ጥሙሕ ብቓል ኣምላኽ ንምዘኖ። መቕደስ ካብ መሥዋዕትታት ኣይፍለይን’ዩ፡ እሞ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ኣብ ምድርና
ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ዝቐረበ መሥዋዕቲ ሕሩድን ካልኦት መሥዋዕትታትን እንተ ተገብረ፡ ከንቱ ምዃኑ ክንርዳእን ክንሳሕን ይግበኣና
እዩ። ብዘይካ ኣብ ኢየሩሳሌም መሥዋዕቲ ክቐርብ ኣይተኣዘዘን፡ ምኽንያቱ ኩሎም መሥዋዕትታት ንመሲሕ ዝገልጹ ምልክታት እዮም። ኢየሱስ
ክርስቶስ ንሕዝቢ ብደሙ ክቕድስ ኣብ ወጻኢ ከተማ ኢየሩሳሌም ተሳቐየ። ቤዛ ብዘይካ ካብ ኢየሩሳሌም ኣይርከብን እዩ። ብዘይካ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ወጻኢ ከተማ ዝተቐትለ
የልቦን፡ ክብሪ ንእኡ ንዝተሓርደ ገንሸል ይኹን። “ በዘን መዓልታት እዚአን ነዚ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ
በይንኻ’ዶ ጋሻ ኢኻ፧ (ሉቃ 24፡18)
No comments:
Post a Comment