Friday, April 19, 2019

ቤዛ 8ይ ክፋል


ቤዛ 8ይ ክፋል
ድምጺ ባርያ!

ኦ ጐይታ ሠራዊት እግዚኣብሔር፡ ንስኻ በይንኻ ንሰማያት ዘርጋሕካዮ፡ ንምድሪ ውን በይንኻ ደኮንካያ፡ ጥበብካ ኸኣ ኪኖ ቃላት ዓቢይ እዩ፡ ክግለጽውን ኣይከኣልን እዩ። ብኹሉ ዘመናት ሕያው ኢኻ እምበር ዘይነበርካሉ ዘመናት ከቶ ኣይነበረን። ቅድሚ ወጋሕታ ምምጽኡ ንስኻ ሕያው ኢኻ። ምድሪ ቅድሚ ምፍጣራ ውን ንስኻ ትነብር ነበርካ፡ ከሃልነትካ ኸኣ ኣብ ኩሉ ምሉእ እዩ። መላእኽቲ ቅድሚ ምፍጣርካ ምስጋናኻ ምሉእ እዩ፡ ንዓኻ ዘማኽረካ ኮነ ዝረድኣካ ኸኣ ሓደ’ኳ የልቦን። ንምስሊ ቅዱስ ወድኻ ክንመስል ቀደም መደብካና፡ ብደሙ ተቐዲስና ኸኣ ካባኻ ርሑቓት ዝነበርና፡ ብኢየሱስ ቀረብና። ቅዱስ ወድኻ ምእንታና ዝለመነ፡ መሥዋዕቲ ዘቕረበ እሙን ሊቀ ካህንና እዩ፡ ንሱ ብሓቂ ናይ ምድኃንና ምኽንያት ኰነ። ኣበር ዘይብሉ ሊቀ ካህን ስለ ዝሾምካልና ብሓቂ ኦ ኣቦ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣለኹ። ንድምጺ ባርያኻ ምእንቲ ከነስተውዕል፡ ነቲ ዝቐባእካዮ መሲሕካ ውን ምእንቲ ክንቕበል ስለ ዝረዳእካና ተመስገን። መንፈስ ቅዱስ ሳላ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ተዋህበና፡ ንሱ ብሓቂ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና ዘኽብር፡ ነታ መርዓት ዘጸናንዕ ቅዱስ መንፈስ እዩ። ኦ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣባጊዐይ ንድምጸይ ይፈልጣኦ እየን ከም ዝበልካ፡ ሎሚ ንድምጽኻ ጥራይ እንሰምዕ ኣባጊዕካ ገይርካና ኣሎኻ’ሞ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ በይንኻ ኣብ ዝፋን ልብና ንገሥ፡ ንኣፍና ብምስጋናኻ ምልኣዮ፡ ብመንፈስ ተመሊእና ዘወትር ክንቃንየልካ መንፈስ ቅዱስ ይርድኣና። መንፈስ ቅዱስ ንባሮትካ ምስትውዓል ሃብ፡ ኣብዚ ምድሪ ብዝተዋህበና ዘመናት ኩሉ ንፍቓድካ ምእንቲ ክንነብር ምርሓና። ንሃገርናን ሕዝብናን ክትባርኽ፡ ብዘሎ ምርኮ ኸኣ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ንኣገልገልትኻ ቃልካ የዕጥቐና። ካብ ኃይልኻ ንዝኸውን ትንሳኤ ሕዝብና ክንርእዮ ናፊቕና ንጽበ ውን ኣሎና። መንፈስ ቅዱስ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ብፍሉይ ጥበብ ምስትውዓል እትዕድል ከኣ ንስኻ ኢኻ’ሞ ብርሃን ክኾነልና ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽሊ ኣሎና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ብሓቂ ዶ ኢደይ ንምብጃው ሓጻር እያ፧
ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት እግዚኣብሔር ንቓሉ ተዛረበ፡ እግዚኣብሔር ዝረስዖ፡ ግዲ ውን ዘይገበረሉ ወለዶ ከቶ የልቦን። ቓላቱ ሕይወት ምእንቲ ክኾነልና ሃበና፡ ንሕና’ውን ተቐቢልና ሕይወት ምእንቲ ክንፈሪ ፍቓዱ እዩ። እንተዀነ ብዙኃት ብዛዕባኡ፡ ብዛዕባ እቲ ባርያ እግዚኣብሔር ክሰምዑ ኣይደለዩን፡ ልቦም’ውን ከርሕዉ ኣይፈቐዱን። ነቢየ እግዚኣብሔር ኢሳይያስ ከምዚ እናበለ ብሓዘን ጸሓፈ፡ ብግፍዒ ሒዞም ፈረድዎ፡ ናብቲ ዚቕተለሉ ቦታ ጐቲቶም ወሰድዎ እሞ ቀተልዎ፡ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖ መከራ ዝተገደሰ ሓደ’ኳ የልቦን(ኢሳ 53፡8)።
እዞም ወለዶታት እዚኦም እቶም ኣብ ኩሉ ዘመናት ብዛዕባ መሲሕ ክፈልጡን፡ ከም ናይ ሕይወቶም ጐይታን መድኃንን ክቕበልዎ ዘይከኣሉ፡ኣንጻር ቅዱስ ደሙ ዝተዓጥቁ፡ ዘይኣመንቲ እዮም። ብዛዕባ ’ቲ ዝበጽሖ መከራ ክሓስቡ ኣይደለዩን፡ ግዱ’ውን ኣይገበሩን። ንኣና ነዞም ሎሚ ዘሎና ወለዶታት ውን ዝምከት እዩ፡ ሰብ ኣብ ዘመን ሕይወቱ ብዛዕባ ክርስቶስ ኢየሱስ ክግደስ እንተዘይክኢሉ ልቦናኡ በቲ ኽፉእ ተደፊኑ ከም ዘሎ ክርዳእ ኣለዎ። እቲ ገዛኢ እዛ ዓለም ዝኾነ ሰይጣን፡ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ከይርእዩ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ደፈኖ። እዚ ብርሃን እዚ ኸኣ ኽብሪ ናይቲ ኣርኣያ ኣምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ እዩ(2ቆሮ4፡4)። ወንጌል ብርሃንን ጸልማትን እዩ፡ ነቶም ዝኣምኑ ካብ ጸልማት ኣውጺኡ ናብ ዘደንቕ ብርሃን ዘእቱ፡ ነቶም ዘይቅበልዎ ኸኣ ሞት ዘስዕብ፡ ሲኢል ውን ዘደርቢ ኃይሊ ኣምላኽና እዩ። ኣምላኽ ብእምነት ምእንቲ ክንድኅን ዝሰርዖ ዘለዓለማዊ ሕይወት እዩ። ልብታትና ካብ ክርስቶስ ነጻ ክኸውን ኣይግብኦን፡ ድኅነት ሰብ በዚ መከራ እዚ ጥራይ’ዩ ክዉን ዝኸውን። ሊቀ ካህናት ብምዃን ኣብ ክንዳና ናብ ሰማያዊ መቕደስ ዝኣተወ ዘመድ ኣሎና፡ ንሱ ምእንታና ገዛእ ርእሱ መሥዋዕቲ ገይሩ ዘቕረበ፡ ብኣቦ ውን ተቐባልነት ዝረኸበ፡ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ፡ ናይ ሓድሽ ኪዳን መንጐኛ፡ ማእኸላይ፡ ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።

እግዚኣብሔር ንወለዶታት ይሓትት ኣሎ፡ እንታይ ኮን ክኸውን’ዩ መልስና፧ ነገረ-ቤዛነት ዓቢ ዛዕባ ኣምላኽና ደኣ እምበር ንፍጡራት ዝወሃብ ኣይኮነን። “ብሓቂ’ዶ ኢደይ ንምብጃው ሓጻር እያ፧” ዚብል ሕቶ ኣምላኽና ኣብ ልብና ነቐምጦ። ኣንታ ካብ ኣምላኽ እስራኤል ወጻኢ ካልእ በጃ እተናድን ሃሰስ እትብልን፡ ካብ ኣእላፍ መላእኽቲ ክብጀወካ ዝኽእል መን’ዩ፧ ካብቶም ካብ ኣንስቲ ዝተወልዱ ሰባት’ከ ክብጀወካ ዝኽእል መን’ዩ፧ ኢድ ኣምላኽና’ዶ ንምብጃው ሓጻር እያ፧ ኣብ ሰማያትን ምድርን ካብ ዘለዉ ሃሰስ ኢልና ደሊና፡ ተበጃዊና ኢልና ክንሰምዮ እንኽእል ብቑዕ ፍጡር የልቦን። ንሕቶ ኣምላኽ እስራኤል ብልብኻ መልሶ፡ ተጠዒስካ ተበጀወኒ እንተበልካዮ ኸኣ ኢየሱስ ክብጀወካ ዋጋ ከፊሉ እዩ እሞ ከድኅነካ፡ ብደሙ ብምእማንካ ውን ከጽድቐካ እዩ። ካባኻትኩምሲ ንእግዚኣብሔር ዝፈርህ፡ ንድምጺ ባርያኡ ውን ዝሰምዕ መን’ዩ፧ እቲ ብጸልማት ዝመላለስ ብርሃን ከኣ ዝስእን፡ ኣብ ስም እግዚኣብሔር ይወከል፡ ኣብ ኣምላኹ ውን ይጸጋዕ(ኢሳ 50፡10)፡ ተባሂሉ ተጻሒፉ እዩ እሞ ኦ ኣብ ጸልማት ዘሎኻ ወገነይ፡ ብብርሃን ምእንቲ ክትመላለስ ንድምጺ ባርያኡ ክትሰምዕ ንዓ። ንሱ ዝባኑ ንገረፍቲ፡ ምዕጉርቱ ኸኣ ንነጸይቲ ጸጒሪ ዝሃበ፡ንገጹ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ዘይከወለ፡ ንብዘሎ መቕጻዕትና ዝወሰደ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ሕያዋይ ጓሳ እዩ፡ እተን ኣባጊዑ ኸኣ ንድምጹ ስለ ዘለልያ ይስዕባኦ። ኢየሱስ ንሕይወቱ በጃ እተን ኣባጊዕ ከሕልፍ መጸ፡ እቶም ብእኡ ዝተዓርቑ፡ ብእኡ ኣትዮም ውን ዝደኃኑን መጓሰዪ ዝረኸቡ ኣመንቲ(ኣባጊዕ) ከኣ ድምጹ(ድምጺ ባርያ) ዝሰምዑ ሰባት እዮም። ኣቦ ንወልድ ከም ዝፈልጦ፡ ወልድ ውን ንኣቦ ከም ዝፈልጦ፡ ኢየሱስ ከኣ ነተን ድምጹ ዝሰምዓ ኣባጊዑ ይፈልጠን እዩ።
ኢድ እግዚኣብሔር ከተድኅነካ ተዘርጊሓ ኣላ፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ምእንቲ ክኾነካ ጸውዓዮ፡ ተቐበሎ’ውን። ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ በይኑ ክትድኅነሉ ዝተዋህበ ሓድሽ መገዲ እዩ። ኣዕይንትኻ ናብቲ መሲሕ ኣቕኒዕካ ፡ ብእምነት ከምዚ ኢልካ ጸሊ፦

 ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እደልየካ ኣሎኹ፡ ካብቲ ክፉእ ጸልማት ናብ ዘደንቕ ብርሃን ምእንቲ ክሰጋገር፡ ካብ ኃጢኣተይ ብደምካ ከተንጽኃኒ እጽሊ ኣሎኹ። ብዙኅ ዘመን ካብ ሑቕፍኻ ኮብሊለ እየ፡ ሎሚ ግን ናብ ልበይ ተመሊሰ፡ ንስኻ በይንኻ መድኃንየይ፡ ምስ ኣቦ እትዓርቐኒ ካህነይ፡ ምዃንካ ኣሚነ እጽውዓካ ኣሎኹ። ነቲ ዘደንቕ ፍቕርኻ ገሊጽካ፡ ምእንቲ ኃጢኣተይ ሞትካ፡ በቲ ንምድኃነይ ዝፈሰሰ ቅዱስ ሕያው ደምካ ሎሚ ውን ኣብ ቕድሚ ኣቦ ክትቖመለይ ትኽእል ኢኻ እሞ፡ ንዓ ንሕይወተይ ኣድኅና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወተይ ክትዓዪን ክትመልኣንን እልምነካ ኣሎኹ፡ ብመንገድኻ ምርሓኒ ጐይታይ።

No comments:

Post a Comment