Thursday, June 6, 2019

ስም ኣሮን ኣብ ልዕሊ በትሪ ሌዊ ጸሓፍ (1ይ ክፋል)


ስም ኣሮን ኣብ ልዕሊ በትሪ ሌዊ ጸሓፍ ዘኁ17፡4

1ይ ክፋል

ኦ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ብዘሎ ሥልጣንን ሽመትን ካባኻ እዩ እሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ንስኻ ከም መጠን ቅዱስ መደብካ ሥርዓት ሰራዕካልና፡ ዘወትር ምእንቲ ክንክተሎ መንፈስካ ይርድኣና። ንዓለም ከኣ በቲ ንስኻ ዝሸምካዮ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ከተድኅኖ መደብካ፡ ምእንት’ዚ ውን ንሕና ነመስግነካ ኣሎና። ኦ ኣምላኽ መጠን ጥበብካን ጸጋኻን ምእንቲ ክንርዳእ መንፈስካ ሃበና። ነቲ ዝሾምካዮ እሙን ካብ ኃጥኣን ዝተፈልየ ሊቀ ካህናት ከነኽብርን፡ ክንውድስን፡ ክንቅበልን ሓግዘና። ብሓቂ ንዓና ኸኣ ድኻም ዘይብሉ፡ ካብ ሰማያት ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና። መጠን ሰፊሕን ብሩህን ቃላትካ ክንርዳእ ሓግዘና፡ ስለ ኹሉ ነገር ከኣ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣሎኹ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህንና ንምዃን ሰብ ዝዀንካ ሊቀ ካህናት ኢኻ’ሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ኣብ ዘመነይ ንኽህነትካ ክቕበልን ክኣምንን ስለ ዝረዳእካኒ አመስግነካ ኣሎኹ፣ ንነፍሰይ ኩሉ ሳዕ እትቖመላ ሊቀ ካህናት በይንኻ ኢኻ፡ ኦ ጐይታ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ካብ ሰማያት ልዕል ዝበልካ፡ ብደምካ ወለዶታት ዓዲግካ ናብ ኣቦ እተቕርብ እሙንን ደንጋጽን ሊቀ ካህናት ኢኻ፡ በዚ ነገራት’ዚ እተኣማመን እምካሕ’ውን ኣሎኹ። ስምካ ንዘለዓለም ዓለም ይባረኽ! ሃሌ ሉያ። መንፈስ ቅዱስ ንድኻምና እትድግፎ ምስትውዓል ውን እትህበና በይንኻ ኢኻ፡ ሕይወትና ብሓርነት ምእንቲ ክትመላለስ ንምልኣት ቃልካ ኣብ ልብና ግለጽ። ነቲ ካብ ጥንቲ ዘመሓላለፍካዮ ሕያው ቃል ብምእማን ዳግም ክንህነጽ፡ ኦ ጐይታ ንመዓልታትና አሐድሶ። ብኃይሊ መንፈስካ ክንመላለስን ብደም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ብሊቀ ካህንነቱ፡ ማእከላውነቱ፡ ኣታዓራቕነቱ፡ መንጎኛነቱ ወርትግ ክንድገፍን ነቲ ዋና ነገር ከነጒልሕን ብርሃን ኣብርሃልና። ነቲ ብሰብ ዝተናዕቐ ብኣምላኽ ዝተሓርየ እሙን ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ክንግዛእ፡ ኣብ ልዕሊ ዘለዓለማዊ ክህነቱ’ውን ከይንዕምጽ ጐይታ ሓልወና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን ኣሜን።

እግዚኣብሔር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ ዓመጻ፡ ምእንቲ ከይሞቱ፡ ነቲ ናባይ ምጒርምራምም መወዳእታ ኽትገብር፡ ትእምርቲ ክትኮኖም፡ ንበትሪ ኣሮን፡ ኣብኡ ክትሕሎ ናብ ቅድሚ ምስክር ምለሳ በሎ። ዘኁ17፡10

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ብዓቢይ ትእምርትን መቕጻዕትን ፍርዱ ዘርኣየሉ ፍጻሜ እዩ። ብመሠረት’ዚ ጽሑፍ ኣምላኽ ኣብ ክህነት ኣሮን ተቓውሞ ብምርኣይ ኣብ እግዚኣብሔር ንዝዓመጹ መራሕቲ ኣኼባ እስራኤል ዘርኣዮ ቅኑዕን ግሉጽን ፍርድን ትእምርትን ክንርኢ ኢና። ዕላማ እዚ ጽሑፍ ኣምላኽ ኣብቲ ንሱ ዝሰርዖ ሥርዓት ክህነት ኣሮን፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ክቱር ድሌት ተላዒሎም ንዝዓመጹ ሰባት ዝሃቦ ፍርዲ ምግንዛብ፡ ከምኡ’ውን ኣምላኽ ኣብ ዝሰርዖን ሊቀ ካህናት ገይሩ ዝሸሞ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን ዝለዓል ተጻብኦን ዓመጽን ከቢድ ፍርዲ ዘስዕብ ግብሪ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ናይ ዘለዓለም ፍርድን ቁጥዓን ዘምጽእ ምዃኑ ውን ምዝኽኻር’ዩ።

ሀ. ኣብ ልዕሊ ሙሴ ዝተላዕለ ዓመጽ

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ብመርሒነት ሙሴ ምስ ኣውጽኦም፡ ነቲ ሕዝቢ ንኽመርሑ ውን መዝነት ዝሃቦም ሙሴን ኣሮንን እዮም። ኣብ ዘኁ ምዕራፍ 16 ተጻሒፉ ከም ዘሎ፡ ቆሬ ወዲ ይጽሃር ወዲ ቃሃት፡ካብ ነገድ ሌዊ፥ ዳታንን ኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ፡ ኦን ከኣ ወዲ ጴሌት ካብ ነገድ ሮቤልን፡ ምስኣቶም ድማ ኣስታት 250 ዝኣኽሉ ስሙያት መራሕቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሙሴ ብዓመጽ ተላዕሉ። እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ጽልእን ውልቃዊ ህርፋናቶም ንምርዋይ ብዓመጽ ዝተላዕሉ ሰብ ክኽተሎም ዝኽእል ስሙያት ሽማግለታት እዮም። ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሕዝብና ምስ መቕጻዕትን ፍርድን ኣብ ዝለዓሉ ዛዕባታት ታሪኾም ብዝተፈራረቐ መንገዲ ተነጊሩ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ነቲ መቕጻዕቲ ዘስዓበ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ዝተኻየደ ዓመጽ ዝጐሰየ፡ጭቡጥን ግሉጽን መብርሂ ዘይተኸተለ ኣዘናትዋ እዩ። ኣብዚ ክፍሊ ጽሑፍ ብዕምቆት ነቲ ዝተኸስተ ፍጻሜ ክንምልከቶ’ውን እምሕጸን። ካብዞም ኣስማቶም ተጠቒሱ ዘሎ 4 ሰባት፡ ኣብ ናይ ሌዋውያን ግደን መሰልን ዝነበሮ ቆሬ ጥራይ’ዩ፡ ንሱ ብዘርኡ ካብ ነገድ ሌዊ ኰይኑ ናይ ሌዋውያን ተግባር ደኣ እምበር ናይ ክህነት ኣገልግሎት ክፍጽም ዘይተፈቕደሉ ወዲ ቀሃት እዩ። እቲ ኣብ ልቡ ተላዒሉ ዝነበረ ሓሳብ ከኣ ኣብቲ ንኣሮንን ደቁን ዝተዋህበ ናይ ክህነት ኣገልግሎት ተሳታፊ ንኽኸውን፡ ግደን መሰልን ሌዋውያን ከም ዘየዕገቦ’ሞ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍቓድን ትምኒትን ክህነት ብምድላይ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ብዓመጽ ተላዕለ። ካብቶም ተቒሶም ዘለዉ ካልኦት ነገዳት እስራኤል ኣብ መቕደስ ኣምላኽ፡ ንኣምላኽ ከገልግል ዝተሾመ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ሥልጣንን ሽመትን ክህነት ብምብሃግ ንኣሮን ብምቅዋም ኣብ ኣምላኽ ከም ዝበደሉ ንዕዘብ ኣሎና። እዚኣቶም ኩሎም ኣኼባ ብምምካር ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮን ክሲ ዘልዓሉ መራሕቲ እዮም። “ እምብዛ ኣብዚኅኩሞ” ብዝመሰረቱ ካብ ውልቃዊ ባህጊ ሥልጣን ዝመንጨወ ክሲ ፈጢሮም፡ ኣብ ልዕሊ መርሒነት ሙሴን ኣሮንን ተቓውሞ ዘስምዑ፡ ንኣምላኽ ካብ ቅድሚኦም ዘርሓቑ መራሕቲ እዮም።
  

No comments:

Post a Comment