ቤዛ 9 ክፋል
ንሱ ኸኣ ኻባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ፡ ተምበርኪኹ፡ ኣቦይ ፍቓድካ
እንተዀይኑስ ነዛ ጽዋዕ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ ግናኸ ፍቓድካ እምበር ፍቓደይሲ ኣይኹን እናበለ ጸለየ። ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ
ተራእዮ። ጻዕሪ ሞት ሒዝዎ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። (ጥንታዊ ትርጉም መጽሓፍ
ቅዱስ ትግርኛ ሉቃ 22፡41-44) ።
ኦ ንዘለዓለም ሕያው ዝዀንካ ኣምላኽ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ንወለዶታት
እትባርኽ ከም ቓልካን ፍቓድካን ውን ምእንቲ ኽነብሩ እትእዝዝን እትመርሕን ኣቦ ኢኻ። ኦ ኣቦ ብርሃናት፡ “ ድኅሪ ስቓዩ ከም ብሓድሽ
ሓጐስ ክረክብ እዩ፡ንኸንቱ ከም ዘይተሳቐየ ኸኣ ክፈልጥ’ዩ” ኢሳ 53፡11 ከም ዝበልካ፡ ብሓቂ ብጸሎትን ልመናን ሓደ ወድኻ ስለ
ዝተቐበልካና አመስግነካ ኣሎኹ። ንሱ ካብ ሰማይ ምእንት’ዚ ዕዮ ዝለኣኽካዮ ሓዋርያ፡ ሊቀ ኻህንና ብምዃን ኣብ ክንዳና መሪር ንብዓትን
ጸሎትን ልመናን ብምቕራብ፡ ብደሙ ዝዓደገና ቕቡእ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ነዛ ጽዋእ እዚኣ ክቕበላ ዝኽእል ብዘይካኡ’ኸ መን
ኣሎ? ሓደ’ኳ ብቑዕ ኰይኑ ዝተረኽበ የልቦን። ኦ ጐይታ ኣእምሮና ነዚ ዘደንቕ ዕዮ ክርዳእ ብርሃን ኣብርሃሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ነዚ
ዘለዓለማዊ ኪዳን ደም፡ ምእንቲ ኽንርዳእ ምስትውዓል ሃበና። ነቲ ብደሙ ዘፍቀረና፡ ምእንቲ ሓጢኣትና’ውን ተምበርኪኹ ብዓቢይ ጭንቐትን
ገዓርን ናብ ኣቦ ዝጸለየ፡ ጸሎቱ ውን ዝተሰምዐ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹን። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ
ክርቶስ ስብሐት ይኹን።
ጸሎተ ሐሙስ
እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ነቲ ዘደንቕ ምድኃን ሰባት ፈጺምዎ እዩ። ኣቐዲሙ
ንኣቦታትና ዝተነግረ ተስፋ ኸኣ ነገረ-ቤዛነት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እዚ ወንጌል’ዚ እቲ ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ዝተሰብከ፡ ኣብርሃም
ውን ዝተቐበሎን ዝኣመኖን፡ ናይ ጸጋ ወንጌል እዩ። ሎሚ ውን ንኩሉ ፍጥረት ዝስበኽ ዘይባተኽ ወንጌል እዩ። ኩሉ ሰብ ሕጊ ብምፍጻም
ክጸድቕ ስለ ዘይክእል፡ ኣምላኽ ሰባት በቲ ኻልእ መገዲ ማለት ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ጥራይ ከም ዝድሕኑ፡ ብሞት ወዱ ኣዊጁ
ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ናይ ጸጋ ወንጌል እዩ።
ኣእምሮናን ልብናን ናብ ጌተሰማኒ መሊስና ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ዕዮ ኣምላኽና
ብመንጽር ቃሉ ክንምርምርን ክንኣምንን ፍቓድ ኣምላኽ’ዩ። ቃል ኣምላኽ ኣይእሰርን እዩ፡ እቲ ኢየሩሳሌም ክትቕበሎ ዝጸገማ ቃል፡
ኣብ ሰማርያ ብዙኃት ንጐይታ ክቕበሉን ብደሙ ክዕደጉን ረዲእዎም እዩ። ንቃል እግዚኣብሔር ክኽልክሎ ዀነ ካብ ምብጻሕ ከብክሮ ዝኽእል
የልቦን። ምኽንያቱ ቃሉ ብዕዮን መርሒነትን መንፈስ ቕዱስ ዝዝርጋሕ ኃይሊ ኣምላኽና ዝገሃደሉ ጥበብ እዩ። “ ጸሎተ ሐሙስ” ዝብል
ስያሜ ንመፍለይን መፍለጥን እታ ጐይታ ኣብ ኢድ ዓመጽቲ ዝኣተወላ ሰዓት ዝገልጽ’ዩ። እቲ ስም ከም ዝሕብረና’ውን ኣብቲ ዕለት ዝተፈጸመ
ዓቢይ ፍጻሜ፡ ጸሎት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ይነግረና። ነዚ ሓቂ’ዚ ብዘይ ምሽፋንን ምብራዝን ዘቐመጡልና ኣቦታትና ሓዋርያት
እዮም። ወንጌላዊ ሉቓስ ብዘገርም ጥበብ፡ ብዕምቖትን ብምስትንታን፡ ካብታ ካብ ደቂ መዛሙርቱ ዚተፈለየላ ሰዓት ክሳዕ ዝምለሶም ንዘለዋ
ፍጻሜታት ብደቒቕ‘ዩ መዝጊብዎ። ክሳዕ ክንዲ ምንታይ ብዕምቖት ከም ዝተመልከቶ ጽሑፋቱ ይነግሩናን የብርሁልናን እዮም። እቲ ኣዝዩ
ዝገርም ዕሽነት እዚ ዘመን ከኣ ክንርእዮን ክንምልከቶን ክሳዕ ዘይንደሊ ኣብዚ ፍጻሜ ክህልወና ዝግብኦ ተገዳስነት ባይታ ዘቢጡ ምርካቡ’ዩ።
እቲ ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ሕይወት፡ ነቲ ንሱ ዘቕረቦ ገዓርን ንብዓትን ጸሎትን ልመናን ምኽሓድ ወይ ውን ግዲ ብዘይምግባር
ኣይርከብን እዩ። ኢየሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸሎ ናብቲ ካብ ሞት ከድኅኖ ዝኽእል፡ ብብርቱዕ ገዓር ጸሎትን ልመናን ኣቕረበ ዚብል
ናይ መንፈስ ቅዱስ ቓል ሎሚ ውን ሕያው’ዩ። እዚ እምነት’ዚ ንሰብ ካብ ድቕድቕ ጸልማት ኣውጺኡ ሕይወት ዝዕድሎ እዩ፡ ምእንትዚ
ዕዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ብምውራድ ሰብ ኰይኑ እዩ። ንሱ ንሰባት ናብ ኣቦ ዘቕርብ እሙንን ደንጋጽን ሊቀ ካህናት እዩ።
ሎሚ ውን ሕይወት ንዝብህጉ ብዝርጉሕ ቅልጽም ዝጽበ፡ ምስ ኣቦ ዚዓርቕ፡ ማእከላይ፡ መንጐኛ፡ ሊቀ ካህናት እዩ። እቲ ንሱ ዘቕረቦ
ጸሎትን ልመናን ገዓርን ክቡር ደምን ሕያው’ዩ፡ ነቶም ብኢየሱስ ኣቢሎም ናብ ኣቦ ዚመጹ ኹሎም ከኣ ክዓርቕ ከድኅን ዝኽእል፡ ኣብ
የማን ልዑል እተቐመጠ ሊቀ ካህናት እዩ።
ኦ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሕያው ዝኾነ ቓልካ ብእምነት ምእንቲ ኽንቕበሎን
ብእኡ ውን ድኅነት ክኾነልናስ፡ ንብዘሎ ማእሰር ጸልማት ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብተኽ። ንሕዝብኻ ብምስትውዓትን ጥበብን ምላእ።
No comments:
Post a Comment