Sunday, August 18, 2019

ኣምላኽ ካብ መላእኽቱስ ንመኖም እዩ ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ ዝበሎ? ዕብ 1፡5



ኣምላኽ ካብ መላእኽቱስ ንመኖም እዩ ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ ዝበሎ? ዕብ 1፡5

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ኣብ ብዙኅ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍልታት ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ውልድነት ወዱን ኣቦነቱን ተዛሪቡ እዩ። ኣብዚ ኹሉ ዘመናት`ከ ካብ መላእኽቱስ ንመኖም`ዩ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ ዝበሎ? ዚብል ዛዕባ ብምልዓል ኣዕሚቚና ምስ ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ ብምዃን ክንምርምር ይግበኣና እዩ። ኣብቲ ዓቢይ ኸረን(ደብረ ታቦር)  ዝተገልጸ ጥበብ ከኣ እዚ እዩ። ኣብ ዓድታት ቂሳርያ ዚተላዕለ ሕቶ ንኽብሪ ጐይታ ኢየሱስ ብዝግባእ ክንፈልጦን ክንኣምኖን ዝድርኽ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ዘግህድ ውን እዩ። ሕዝቢ እስራኤል ንኢየሱስ፡ንሱ ኤርምያስ፡ ዮሃንስ፡ ኤልያስ፡ ሓደ ካብ ነቢያት እዩ ብዚብል ጌጋ ርድኢት ይርድእዎ ብምንባሮም ክብሪ ኣምላኽ ክርእዩ ኣይከኣሉን። መሲሕነቱ በሪሁ ክርድኦምን ክግለጸሎምን ብዘይምኽኣሉ ኸኣ ኣብ ዘይምእማን ተዋሕጡ። እዚ ኹሉ ድምጺ ሰባት’ዩ ዝነበረ።

ድምጺ እግዚኣብሔር ኣቦ ካብዚ ዝተፈልየ ምስክርነት እዩ፡ ንወዱ ንኢየሱስ ውን ብኃይልን ብግርማን ከም ዘኽበሮ ኢና እንዕዘብ። ሰባት ንኣምላኽነት ኢየሱስ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰብኣውነት ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ክርድኡን ክኣምኑን ይግብኦም እዩ። መሲሕነት ኢየሱስ፡ ንሱ ሰብ ኰይኑ ምስ ዝፈጸሞም ተግባራት ድኅነት ዚተኣሳሰር እዩ። በዚ መዳይ እዚ ኸኣ እዩ ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ “ ኣምላኽ ካብ መላእኽቱስ ንመኖም’ዩ ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ ዝበሎ ብምባል ይሓትት”? ብርግጽ ከኣ ኣምላኽ ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ ዝበሎ ሓደ መልኣኽ እኳ የልቦን። እዚ ፍሉይ ኣጸዋውዓ’ዚ ንመሲሕ ጥራይ ዝወሃብ ምስ ድኅነት ሰብ ውን ጥቡቕ ዚምድና ከም ዘለዎ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ። ኢየሱስ ንሱ እቲ ንኣምላኽ ባህ ዘበለ፡ ንፍቓዱ ንምእዛዝ ከኣ ዝተላእከ ክሳዕ ሞት’ውን ዝተኣዘዘ ክርስቶስ እዩ። ኣምላኽ በቲ ኣብ ሕጊ ዝተሰርዐ’ሞ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋዕትታት ኣይሰመረን ባህ’ውን ኣይበሎን፡ ስለዚ ኸኣ እቲ መሲሕ ንኣቦ ከምዚ በሎ “ሽዑ ኸኣ ኣነ(መሲሕ) ኦ ኣምላኸይ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ እነሆ ፍቓድካ ኽፍጽም መጺአ ኣሎኹ” በልኩ (ዕብ 10፡7)። ኣምላኽ በቲ ዝለኣኾ ወዱ ኢየሱስ ብምዕጋቡን ብእኡ ውን ከም ዝሰመረ ብባህታ መስከረሉ፡ ስለዚ ኸኣ ኣብቲ እምባ “እዚ እቲ ዝሓረኽዎ ብእኡ ዝሰመርኩ ወደይ እዩ ንዕኡ ስምዕዎ” በለ። ኢየሱስ ንሱ ወዲ ኣምላኽ፡ ክርስቶስ ኮይኑ ብምምጽኡ  ንፍቓድ ኣቡኡ ክፍጽም፡ ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ሠውዐ፡ በዚ መሥዋዕትነት እዚ ኸኣ ንሕና ተቐደስና ናብ ኣቦ ውን በጻሕና። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መስቀል ዕዮ ንኣቦ ባህ ዘበለ፡ ድሌቱን ባህጉን ዝተፈጸመሉ ጥበብ እዩ። ኣምላኽ ድኅሪ ደጊም ዝሰርዖ ኾነ ዝቕበሎ ካልእ መሥዋዕቲ የልቦን፡ በቲ ሓንሳእ ዝዀነ መሥዋዕትነት ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ሰባት ናብ ሕይወት ክመጹ ይእውጅ ኣሎ።

እዚ ውህበት ኣምላኽ ደኣ እምበር ካብ ግብሪ ዝርከብ ጽድቂ ኣይኰነት። “ምእንቲ ክድኅን እንታይ ዕዮ ክዓዪ፡ ንኣምላኽ ብምንታይ ከስምሮ እየ” ኢልካ ኣይትድከም፡ ኣምላኽ በቲ ዘስመሮ ወዱ ክትኣምን ብእኡ ብደሙ ኸኣ ክትጸድቕ ቅድሚ ምፍጣር ዘመናት መዲብዎ እዩ። ነቶም ኣቐዲሙ ዝፈለጦም፡ ንሱ(ኢየሱስ) ንብዙኃት ኣኅዋት በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን  ንምስሊ ወዱ ክመስሉ ቐደም መደቦም(ሮሜ8፡29። ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ኢየሱስ ኣብ ማእከል ብዙኃት ኣሕዋት በዂሪ ክኸውን ዘለዓለማዊ መደቡ እዩ፡ ምእንትዚ እቲ ዝቕድስ ኢየሱስ ንሕና ምእንቲ ክንቕደስ ከማና ሰብ ኮነ፡ ክርስቶስ ኮይኑ ብምግላጹ ኸኣ ገዛእ ሕይወቱ መሥዋዕቲ ብምግባር፡ ኣብ ክንዳና መከራን ሽግርን ተቐበለ ንብዓትን ገዓርን ልመናን ከኣ ሊቀ ካህንና ብምዃን ናብ ኣቦ ኣቕረበ፡ ብምፍሳስ ደሙ ቐደሰናን ኣንጽሓናን፡ ኣጽደቐናን፡ ካብ ዘርኡ ብደሙ ዝተወለድና ብምዃንና ኸኣ ኣሕዋተይ በለና፡ ብደም ኢየሱስ ተሓጺብና ኸኣ ውሉድ ኣቦ ኾንና ኢየሱስ ውን ኣብ ማእከልና በዂሪ ኾነ። ምእንቲ ክንድኅን እንኸፍሎ ዋጋ የልቦን፡ ነቲ ዝተኸፍለ ደም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ውሉድ ኣምላኽ ክንከውን ተጸዊዕና ኢና። ኣቦ ውን በዚ ደም ቅዱስ ወዱ ኢየሱስ ክቕበለና ምሳና ኪዳን ኣትዩ እዩ። ከድኅን፡ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክህብ ሥልጣንን ዓቕምን ዘለዎ መልኣኽ ኮነ ሰባት ሓደ እኳ የልቦን። ንግብሪ ጸልማት ካብ የእዳውና ደርቢና ነቲ ንምድኃንና ዋጋ ዚኸፈለ፡ ወደይ ዚተባህለ መሲሕ ኢየሱስ ብምቕባል፡ ኣብ ሕይወትና ብምንጋስ ንዓለም ንኾንና። ነቶም ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ ኲነኔ የብሎምን። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን።