Friday, November 15, 2019

ጸጋ`ዶ ሕጊ፡ መነጽረ ጽድቂ? 1ይ ክፋል


ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ገበርቲ ሕጊ ደኣ እዮም ዚጸድቁ እምበር ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዚጸድቁ።
ሮሜ 2፡13

ዎ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ስለ እቲ መስተንክራውን ዓቢይን ምሕረትካ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣሎኹ። ኣብ ኩሉ ዘመናት ሕያው ኢኻ፡ ኣብ ኣዕይንትኻ ክፍኣት የልቦን፡ ንስኻ ብጽድቅኻ ፍሉጥ ኣምላኽ ኢኻ። ቃልካ ሓቂ`ዩ ከቶ ውን ክሰዓር ኣይክእልን እዩ፡ ዎ ጐይታ ሠራዊት ኣብ ቕድሜኻ ሓደ`ኳ ጻድቕ ከም ዘየልቦ ኩሉ ከም ዝዓለወን ከም ዝኃጥአን ገሊጽካልና ኢኻ፡ ኪኖ ጽድቂ ገዛእ ርእስና፡ ነቲ ናትካ ጽድቂ ክንቅበልን ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ከኣ ጽድቂ ክቚጸረልና ፍቓድካ እዩ። በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ ኣብ ኣዕይንትኻ ብደም ኢየሱስ ወቂብናን ተኸዲንና ክንርአ ዘልዓለማዊ ምኽርኻ ኮነ። ስለ ኹሉ ነገር ብስም ኢየሱስ ናዝራዊ አመስግነካ ኣሎኹ።
ሕጊ! (1ይ ክፋል)
ጸጋ`ዶ ሕጊ፡ መነጽረ ጽድቂ? ንዝብል ቃል መርሚርናዮ ክንከውን ተስፋ እገብር። ከም ፍቓድ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊርዎ ዘሎ ዘለዓለማዊ  ምኽሪ ከነጽንዕ ኢና። ነዚ ትምህርቲ ክንፈልጦን ከነጽንዖን ዝደረኸኒ ነገር፡ እቲ ሎሚ ከም ኢክርስቲያናዊ (ኢኦርቶዶክሳዊ) ትምህርቲ ዝቑጸር ዘሎ ነገረ-ጸጋ፡ ንሱ ኸኣ ሰብ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን፡ ብጸጋ እዩ ዚድኅን ዚብል ኣስተምህሮ ቅዱስ ወንጌል ኣብ ልብና ምውቃር እዩ። ኣብ መንጐ ሕግን ጸጋን ዘሎ ፍልልይ ዘይምርዳእ ነቲ ቅኑዕ ወንጌል ክብርዝ ዝኽእል ሳዕቤን ኣለዎ። ከምቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ገላትያ ዘጋጠመ፡ ካብ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ብምውጻእ ኣብ ትሕቲ እቲ ከጽድቕ ዘይክእል ሕጊ ብምቚራን፡ ካብ ኣምላኽ ዝወጸ፡ ንደም ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ዝነዓቐ ተርእዮን ሕይወትን ክፈጥር ይኽእል`ዩ።
ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ገበርቲ ሕጊ እዮም ዚጸድቁ እምበር ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዚጸድቁ ከም ዚበለ እቲ ሓዋርያ፡ ሰብ ነቲ ሕጊ ምስ ሰምዖ፡ ንእኡ ነቲ ዝሰምዖ ሕጊ ብምልኣት ካብ ዘይፈጸሞስ ካብ ተሓታትነት`ዶ የምልጥ`ዩ? ሕጊ ናብ ፍጻሜ ዘብጽሖ፡ ማለት በዚ ሕጊ እዚ ናብ ጽድቂ ዝበጽሐ መን`ዩ? እቶም ሕጊ ዝተቐበሉ ወገን እስራኤል ሽሕ`ኳ ነቲ ሕጊ ካብ ኣምላኽ እንተተቐበልዎ፡ ነቲ ሕጊ ውን ንወለዶታት ብምምሃር እንተኣመሓላለፍዎ፡ ከቶ እኳ ነቲ ሕጊ ብምልኣት ክገብርዎ ኣይከኣሉን። በዚ ሕጊ እዚ ኸኣ ናብ ፍጻሜ ዝበጽሐ ሓደ`ኳ የልቦን። ኣምላኽ ከምዚ በለ ” ሓደ`ኳ ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ`ኳ የልቦን። ዜስተውዕል ሓደ`ኳ የልቦን፡ ንኣምላኽ ዚደልዮ ኸኣ ሓደ`ኳ የልቦን። ኲላቶም ሓቢሮም`ውን ሰሓቱ፡ ጽቡቕ ዚገብር`ውን ሓደ`ኳ የልቦን(መዝ 14፡1-3/ ሮሜ 3፡10-12)። ኣምላኽ ንሰብ ጻድቕ ገይሩ ፈጠሮ፡ ሕጊ ውን ሃቦ። ሰብ ሕጊ ብምፍራሱ ዓመጸ በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ ሞት ናብ ዓለም ኣተወ። ኃጢኣት፡ ኃጢኣት ዝሽትት ሰብ ከመይ ኣቢሉ ንሕጊ ብምልኣት ክፍጽም ይከኣሎ? እቲ ኹሉ ኃጢኣት ዝፈጸመ ንሱ ባርያ ኃጢኣት ከም ዝዀነ ጐይታ መስኪርልና`ሎ። እቲ ሕጊ ቅዱስ`ዩ፡ ጽድቂ ዝኾነሉ ግን ነቲ ብምልኣት ክፍጽሞ ዝኸኣለ ሰብ ጥራይ`ዩ፡ ብኹሉ ፈጺሙ ኣብ ሓንቲ እንተወደቐ፡ እዚ ሰብ እዚ ኃጢኣቱ ክጸውር ዘለዎ በደለኛ እዩ። እቲ ንሕጊ ብምልኣት ዘይፍጽሞ ንሱ ብርግጽ በደለኛን ርጉምን እዩ። ነዚ ነገራት ምስ እንርዳእ ሕጊ ውን ብዘይ ምሕረት ዝቐጽዕ ምዃኑ ምስ ንግንዘብ፡ ሕጊ ደኣ ንምንታይ መጸ ኢልና ክንሓትት ባህርያዊ እዩ? ሕጊ እቲ ተስፋ ዚተዋህቦ ዘርኢ(ኢየሱስ ክርስቶስ) ክሳዕ ዝመጽእ፡ ኃጢኣት እንታይ ምዃኑ ኪገልጽ ዝተወሰኸ እዩ። ሕጊ ክሳዕ እቲ ዘመን ምግላጽ ወድ-ኣምላኽ ዝኣክል ኃጢኣት እንታይ ምዃኑ ክገልጽ ደኣ እምበር ንሕና ብእኡ ምእንቲ ክንጸድቕ ኣይተዋህበን። ስለዚ ኸኣ ቅዱስ መጽሓፍ ኩሉ ሰብ ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ኃጢኣት ምዃኑ ገለጸ(ገላ 3፡22)።

እምበኣር መጀመርታ ኩሉ ሰብ ብግሉ ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ኃጢኣት ከም ዝወደቐ፡ በደለኛን ርጉምን ከም ዝዀነ፡ ሕጊ ብምፍጻም ውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክጸድቕ ከም ዘይክእል ክኣምን ይግብኦ። እቲ ብሕጊ ክጸድቕ`የ ዚብል ኩሉ ኸኣ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ በደለኛ  ምዃኑ ዝዘንግዐን ኃጢኣቱ ዘይኣመነን ዓሻ ሰብ እዩ።  እዚ ሰብ`ዚ ንጽድቂ ኣምላኽ ብምንዓቕ፡ ጽድቁ ከርኢ ምስ ኣምላኽ ዝማጐት ኃጢኣተኛ እዩ።

Thursday, November 7, 2019

መልእኽቲ 2

ሰላም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትኩም ይኹን። ጽሑፋት ብቐሊሉ እትከታተልሉ መደብ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይዚ ብሎግ ተዳልዩልኩም ኣሎ። ኣብ ታሕቲ ኣብ ዘሎ ጥብቆ ኢሜልኩም ብምጽሓፍ ሳብሚት(submit) ምስ እትገብርዎ፡ ጽሑፋት ቀጻሊ ኣብ ኢሜይልኩም ክበጽሓኩም ይከኣል እዩ። ጸጋ ምስ ኩላትኩም ይኹን። ኣሜን።

Friday, November 1, 2019

መልእኽቲ


ሰላም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን ኣኅዋተይን ኣኃተይን ጸጋ ጐይታና ምስ ኩላትና ይኹን። ነዚ ብሎግ እትከታተሉ ኩላትኩም ኣኅዋተይን ኣኃተይን ከመይ ትኾኑ። እቲ ብጥበብ ዝመርሓና ክርስቶስ ኢየሱስ ሎሚ ውን ዓወት ክህበና ጸሎተይ እዩ። እዚ ናይ ብሎግ ኣገልግሎት ብኢሜይል ክበጽሓኩም እትደልዩ፡ ኢሜይልኩም በዚ ኣድራሻ ክትጽሕፉለይ ብትሕትና እሓትት። peternice2001@gmail.com. ኣብዚ ኣገልግሎት ናይ ሥነ-ጽሑፍ ዝህልወኩም ርእይቶ ይኹን ሓሳብ ክትጽሕፉለይ ውን ይከኣል እዩ። ኣምላኽ ብጸጋኡ ከዕብየኒ ምእንታይ ጸልዩ፡ ጐይታ ጸጋኡ የብዝኃልኩም።

ንምድርና ዝፍውስ ልቢ!



ንምድርና ዝፍውስ ልቢ!

ኦ ኣምላኸይ አመስግነካ ኣሎኹ፡ ኩሉ ነገር ስለ ዝገበርካልና ኸኣ እባርኸካ ኣሎኹ። ዘደንቕን መስደመምን ግብሪ ኣብ ቕድሜና ፈጺምካ ኢኻ`ሞ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ኪኖ ኩሉ ኩነታትን ፍጻሜታትን ኢኻ ብዘይካኻ ከድኅን ዝኽእል ከኣ የልቦን። ምጽብጻቡ እንተ ኸኣልኩም ዝገበርኩልኩም ግብሪ ጸብጽቡ እንተትብለናስ፡ ግብርኻ ኪኖ ብዝሒ እቲ ክቚጸር ዘይክእል ሑጻ ባሕሪ እዩ`ሞ ተገሪምናን ተዓኒድናን ምተረፍና። ኣብ ምድርና ዝገበርካዮ ሰናይ ነገር ብዙሕን ዘይቊጸርን እዩ፡ ምእንቲ`ዚ ኹሉ ኸኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣሎኹ። ምውዳቕና ጥራይ ዘይኰነስ ምትንሳእና ውን እንናፍቕ ሕዝቢ ምእንቲ ኽንከውን መንፈስካ ለኣኸልና። ንስኻ ርኅሩህን በዓል ብዙሕ ምሕረትን ምዃንካ ተዓዚበ እየ`ሞ ኦ እግዚኣብሔር መሓረና። ንስምካ ዝዝምር፡ዝዕልል፡ ሰንደቕ ዕላምኡ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ወለዶ ምርኣይ ደረት ዘይብሉ ሃረርታይን ጸሎተይን እዩ፡ ኣምላኸይ ከኣ ነዚ ከም እትገብሮ እኣምን`የ። እዚ ባህግን ሃረርታን እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ቅዱሳን ምዃኑ ውን ርጉጽ ሓቂ እዩ፡ ኣምላኽ ንንብዓት ኣዕይንቲ ቅዱሳንካ እትሕብስ፡ ንልቦም ከኣ ብደስታ እትፍጽም ኢኻ`ሞ ኦ ጐይታ ፈጢንካ ርድኣና። ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ናዝራዊ ስብሐት ይኹን።
ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ርእስና ከነትሕት፡ ንኣናን ንሕጻናትናን ንዂሉ ጥሪትናን ኣብ ጒዕዞና ምእንቲ ኺሕልወና ክንልምን ኢለ፡ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ። “ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንዚኣምንዎ ይባርኾም እዩ፡ ነቶም ዝኽሕድዎ ግና ኲራኡ የውርደሎም እዩ “ ኢለ ንንጉሥ ነጊረዮ ነበርኩ። ስለዚ ኣብ መገዲ ኻብ ጸላእትና ዜድኅኑና ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሓፈርኩ። ኣምላኽና ምእንቲ ኺሕልወና ኸኣ ጾምናን ጸሌናን። ንሱ ድማ ሰምዓና። እዝራ 8፡21-23

ጐይታ ሠራዊት እግዚኣብሔር ንጥበቡ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ኣባና ክገልጾ ዝፈተወ ምስጋና ይኹኖ። እዚ ጥበብ እዚ ምንጪ ኹሉ ዓወት እዩ። እቶም ነዚ ጥበብ ዝተቐበሉን ዝተኣዘዙን ሕዝብታት በረኸት ረኸቡ፡ እቶም ነዚ ጥበብ ዝነጸጉ ኸኣ ውርደትን መዓትን ረኸቡ። ኢየሱስ ክርስቶስ ጥበብ ኣምላኽና ዝተገልጸሉ ወይ ዝተጋህደሉ ሊቀ ካህናት እዩ። ንሱ ናይ ነቢያት ትንቢት፡ ናይ ሓዋርያት ውን ስብከት እዩ። ኣብ ምድርና ዝተኸስተ ክስተትን ውጽኢቱን ከኣ እነሆ ንርእዮን ንሰምዖን ኣሎና። ኪደት ሕይወት ምድርና ኣብ ዝዝክረሉ እዋን ዝሰኣለኒ፡ ስእሊ እታ ዝዓነወትን ዝመረራን ኢየሩሳሌም እዩ። ነቢየ እግዚኣብሔር እዝራ ብንብዓትን ጓህን ዝፍለጥ ኣገልጋሊ እዩ፡ እቲ ኣብ ሕዝቡ ዝነበሮ ናፍቖትን ፍቕርን ከኣ ብግሉጽ ኣብ ጽሑፋቱ ይርአ`ዩ። ውድቐት ሕዝቢ እስራኤል ካብቲ ትኹል ቃል ኣምላኽ ብምውጽኦም ዝሰዓበ መቕጻዕቲ ምዃኑ ኣጸቢቑ ስለ ዝተረድአ ከኣ’ዩ ወርትግ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ በደሉን በደል ኣቦታቱን ብንስሓን ጓህን ዝድፋእ ዝነበረ ። ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ ሕዝብን ኣብ ኣምላኽ ከም ዝዓመጹ፡ ንእኡ ውን ከም ዘጒሃዩ ብምእማኖም ከኣ እዩ ምድሮም ክፍወስ ዝኸኣለ። እቲ ዘጸናንዕ መንፈስ፡ ነቲ ዝተሰብረ ልብን ዝጐሃየ መንፈስን ኣይንዕቖን እዩ።

ምረት ምድርናን ሕሰምናን ውጽኢት ቃል ኣምላኽ ምንዓቕናን ኣብ ደም ወዱ ምዕማጽናን ምዃኑ ግሁድ ሓቂ እዩ። ምድርና ነቲ ክፍውሳ ዝተዋህባ ወንጌል ክትፍወሰሉን ክትዝነነሉን ኣይመረጸትን፡ ኣብ ኩሉ ዘመናት ከኣ ንቓል ኣምላኽ ተቓወመቶ። ሽሕ’ኳ ብኸቢድ መውቃዕቲ እንተተወቓዕና፡ ገጽና ናብ ኣምላኽ ክንመልስ ኣይከኣልናን። ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ተሳዒሩ ካልእ ወንጌል(ዘየድኅን ወንጌል) ክስበኽ ዘመናት ሓለፈ፡ ብሰሪ እዚ ኸኣ ኣብ ምድርና ንምፍሳስ ደም ቅዱሳን ቀሊል ተግባር ኮነ፡ እቲ ኣብ ሕይወተይ ኣዝዩ ዝገርመኒ ሓንቲ መዓልቲ ውን ትኹን ጌጋና ብምእማን ናብ ኣምላኽ ክንስሓሉ ዘይምሕላንና እዩ። ኪደት ታሪኽ 13 ከምኡ’ውን 14 ክፍለ ዘመናት ሰኒድዎ ዝርከብ ደም ምፍሳስን ግፍዕን መዐቐኒ የብሉን። መንፈስ ኣምላኽ ዝመልኦም ኣገልገልቲ፡ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ቕድሚ ኩሉ ነገር ነዚ ሕዝቢ ከም ዘድልዮ ሎሚ ክርድኡ ይግባእ። ወንጌል ኣብ ምድርና ኣፍ ደገ ስኢና ማዕጾ ክትኲሕኲሕ ዘመናት ኃሊፍዋ ኣሎ። ፈውሲ ምድርና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፡ ነዚ መውቓዕትና ክዝንን ዝኽእል ብዘይካኡ የልቦን። ካብ ንጉሥ ኬድኅኑ ዝኽእሉ ሠራዊትን ፈረሰኛታትን ምልማን ዘሕፍሮ፡ ልቡ ኣብቲ ዝኣመኖ ኣምላኽ ከውድቕ ዝኽእል፡ ንትንሣኤ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ሠራዊት ርእሱ ብምትሓት ብንብዓትን ጓህን ዝርአ በዓል ዓቢይ እምነት ዝዀነ ደንጋጺ ኣገልጋሊ የድልያ ኣሎ። ምድርና እትፍወስ ነቲ ዝሞተልና ኢየሱስ ምስ እተኽብር ጥራይ እዩ። ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ጐይታ ኢየሱስ’ዩ ንዕኡ ዝመስል ከኣ ከቶ የልቦን። ነፍሲ ወከፍና ኣምላኽ ከምዚ ዝዓይነቱ ልቢ ክህበና ክንጽሊ ይግበኣና እዩ። እቲ ብጥበብ ዘበለ ዝመልእ ጸጋኡ ኸኣ ዘብዝሕ ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እንተለመንናዮ ይህበና እዩ። ክቱር ሃረርታ ምድርና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣምላኽ ካብቲ ካብ መንፈሱ ዝርከብ ኃይሊ ከበርትዓናን ከሐይለና እዩ’ሞ ልብታትና ብመንፈሱ ይተዓጠቕ። ተስፋና ኸኣ ኣብቲ ንጸልማት ክጋልህ ዝኽእል እሙን ኮኾብ ጽባሕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ጸጋ ጐይታ ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን።