Monday, December 9, 2019

ብስምዕዛ ኣጽርየኒ/ ብደም ኢየሱስ ሕጸበኒ!


ብስምዕዛ ኣጽርየኒ/ ብደም ኢየሱስ ሕጸበኒ!

ኦ ሕያው ኣምላኽ ብዂለንትናይ ዕልል እብለልካ ኣሎኹ። ዑፍ እኳ ቤት ረኸበት፡ ለዃዂቶ`ውን ገዛ ረኸበት፡ ጨቓዊተን ከኣ፡ ኦ ንጉሠይን ኣምላኸይን ዝኾንካ ዂሉ እትኽእል እግዚኣብሔር ኣብ ጥቓ መሠውዒታትካ የንብራ። እቶም ኲሉ ጊዜ እናወደሱኻ ኣብ ቤትካ ዚነብሩ፡ ኣየ ክንደይ ተዓዊቶም።  መዝ 84፡2-4። እቲ ሕያው ዝዀነ ኣምላኸይ ዋልታን ከለናን ኮይንኒ እዩ`ሞ ስሙ ይባረኽ። ብኹሉ ዘመን ሕይወተይ ዝዓቀበንን ዝረድኣንን፡ ብደም ወዱ ተዓዲገ`ውን ሕያው ክኸውን ዝገበረኒ ንሱ በይኑ እዩ። ነዚ ልዑል ኣምላኽ እዚ መጠን ኣልቦ ምስጋና ይግብኦ እዩ፡ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ አመስግኖ ኣሎኹ። ኣእዳወይ ብርዒ ሒዘን ክጽሕፋ ዘለማመደን ንሱ እቲ ኃይለይ ዝዀነ ኣምላኽ እዩ፡ ዝገማዳሕ ማዕበላት ኣስጊሩ ደው ዘበለኒ ውን በይኑ ንሱ እዩ። እግዚኣብሔር ዚኣምላኹ ሕዝቢ ዘወትር ኃይሉ ከም ንስሪ እናተሓደሰ፡ ኪኖ ፍጥነት ኣፍራስ ዝጐዪ፡ ፈጺሙ ኸኣ ዘይዕንቀፍ እዩ። ኦ ጐይታና ብምሉእ ልበይ አመስግነካ ኣሎኹ፡ ናብዚ ዘብጻሕካኒ ንስኻ ኢኻ እሞ ኩሉ ክብሪ ንዓኻ ይኹን።
ነቲ ብደም ዘፍቀረና ንጉሥ ሕይወተይ ዝዀነ ክርስቶስ ኢየሱስ ምስጋና ይኹኖ፡ ከም ብሌን ዓይኒ ዝከባኸብ ዘለዓለማዊ ኣቦ፡ መለክዒ ዘይርከቦ ፍቕሩ ኣባይ፡ ኣብ ንኡስ ገሊጹ እዩ`ሞ ነፍሰይ ትናፍቖን ተኽብሮን ኣላ። ንዝመሃረኒ ቅዱስ መንፈስ ምስጋና ይኹን፡ ብርሃን ይብራህ ብምባል ንጸልማት ሕይወተይ ዝቐየረ፡ ፍቕሪ ዝባህሪኡ ክቡር መንፈስ፡ ኃላው ነፍሰይ ብምሉእ ልበይ አመስግኖ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

እነሆ ከም መጠን ምሕረትን ጸጋን ኣምላኸይ በዂሪ መጽሓፈይ ናባኹም አብላ። “ብስምዕዛ ኣጽርየኒ”፡ ብደም ኢየሱስ ሕጸበኒ” ዚተሰምየት መጽሐፍ ውህሉል ግጥምታት እያ። ኣብ ዙርያ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተኲራ ዝተዳለወት ብምዃና ሎሚ ውን ደሙ ሕያው፡ ሊቀ ካህንነቱ ውን ሕያው ምዃኑ`ያ እትምስክር። ኣብ ዝሓጸረ እዋናት ናብ ሕዝቢ እትበጽሓሉ መገድታት ክሕብረኩም እየ። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ክበዝሓለይ ጸልዩለይ፡ ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ፡ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ኣብ ዳሕረዋይ ገበር ናይ መጽሓፍ ዘላ “ጸሓፎ” እትብል ግጥሚ፡ ብመገዲ ገንሸል ኣምላኽ ናይ ዩ ቱብ ቻነል እጋብዘኩም ኣሎኹ፡ ተባረኹ።

https://youtu.be/j0G-nrG3EM0?fbclid=IwAR0vGMB12ZbrIbKVncA9Fmen3kEDb0xtV7iphF-IybG5qCHPIV5FLTzUakE

No comments:

Post a Comment