Tuesday, September 1, 2020

ካብ ተፋልሶ ተሓለዉ!

 

ቃልካ ንዘለዓለም ጸኒዑ ይነብር(መዝ119፡89)


ቅድሚ ኩሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹን። ዘመናትና ዝባረኸ ንሱ በይኑ እዩ`ሞ ስሙ ይቀደስ። ኣብ ኩሉ ኲርንዓት `ዛ ዓለም ኮንኩም ነዚ ጽሑፍ እትነቡ ዘለኹም ኣቦታተይን ኣዴታተን ኣኅዋተይን ኣኃተይን ሰላም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን። ዕላማ እዚ ጽሑፍ “ ካብ ተፋልሶ ተሓለዉ” ዚብል እዩ። ብዕለት 29/08/2020 ዓ.ም ወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዝኾነት ልሳን ተዋሕዶ፡ ንምእራም መጻሕፍቲ ሓዲሳት ዚምልከት ሓበሬታ ዘርጊሓ ነይራ። እቲ ዝተቃንዐ ጉባኤ ኣብ ጉዳይ ሓድሽ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ዝገበሮ ኪደት ከኣ ኣብታ መርበብ ሓበሬታ ሰፊሩ ይርከብ። እቲ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዚሰፈረ ጽሑፍ ከኣ ከምዚ ይብል “ እዚ ጉባኤ`ዚ ብሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ተማእኪሉ ሰፊሕን ኣገዳስን ዕማም ከዕምም፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብደረጃ ቤተክርስቲያን ርቱዕ ካብ ህጸጽ ዝረሓቐ፡ መኣዛ ልሳን ቅድስት ቤተክርስቲያን ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሕታም ዝተቓንዐ እዩ።”

ክቡራት ኣቦታተይን ኣዴታተይን ኣኅዋተይን ኣኃተይን ነበብቲ እዚ ጽሑፍ፡ ዕላማ ጽሑፈይ ካብ ስሕተት ተሓሊና፡ ብድፍረት`ውን ኣብ ልዕሊ ቃል ኣምላኽ ኣእዳውና ከይነልዕል`ሞ ጥፍኣት ኣብ ምድርና ከም ውሒዝ ከይፈስስ ንምልባው እዩ። ናብ ድኅረ ባይታዊ ታሪኽ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ቅሩብ ክመልሰኩም ደስ ይብለኒ። ካብቶም ኣብ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ብቐዳምነት ዝስርዑ ዝነበሩ፡ አለቃ ተወልደመድኅን ገብሩ እዮም። እዞም ኣቦ እዚኦም ከኣ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ፍሉጥ ዝነበሩ፡ ብኽእለት ቋንቋ ትግርኛ ኾነ ካልኦት ቋንቋታት`ውን ብሱል ዝነበሩ እዮም። ኣብ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ(ሓድሽ ኪዳን) ኸኣ ዓቢ እጃም ዘበርከቱ ወንጌላዊ ኣቦ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ(ሓድሽ ኪዳን) ዝትርጉሙ ዝነበሩ ኣባላት መበቆላዊ ቋንቋ ሓድሽ ኪዳን ዝኾነ ግሪኽ ብዝግባእ ዝኽእሉን ከምኡ`ውን ተወሰኽቲ ቋንቋታት ከም ግእዝ፡ አማረኛ፡ ዕብራይስጥ፡ ስውዲሽ ዝመልኩ ምንባሮም ታሪኽ ይነግረና። ቋንቋ ግሪክ መሠረት ገይሩ ብብዙኅ ጻዕርን ድኻምን ዝተተርጎመ መጽሓፍ ብምዃኑ ኸኣ ሎሚ እኳ ክሳዕ ንግረም ይገብረና ኣሎ። ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ትግርኛ ብ1909ዓ.ም እዩ ተሓቲሙ። ካብዚ ዘመን`ዚ ጀሚርና ክሳዕ ዘለናዮ ዘመን እንተቖጸርና ኸኣ ናይ ኣስታት 100 ዓመታት ዕድመ ገይሩ ኣሎ።  ንዘመኑ ብዝጥዕም መልክዕ ከኣ ብመርሒነት ማኅበር መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ መሠረታዊ ናይ ግሪኽ ጽሑፍ ከይሓደገ ወለዶታት ክርድእዎ ብዝኽእሉ ተሓቲሙ ናብ ሕዝብና በጺሑ እዩ።

ኣብ መእተዊ ናይቲ ብ1990ዓ.ም ዝተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚብል ቃል ሰፊሩ ኣሎ። “በዝን ከምዝን ከኣ ማኅበር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ብዚርድእዎ ቛንቋ ኣተርጒሙ ወይ ኣመኃይሹ ንምቕራብ ዕላማኡ ስለ ዝኾነ ተገዲሱ፡ በቈጻጽራ ጎርጎርዮስ ብ1982ዓ.ም ኣብ ኤርትራ ንዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያንን ነዚ ሎሚ ናይ ማኅበር መጽሓፍ ቅዱስ ቦርድ ኮይኑ ዘሎን፡ ነዚ ወለዶ እዚ ብዚርድኦ ኣገላልጻ ጌርካ መጽሓፍ ቅዱስ ቀሪብካ ናብ ቃል ኣምላኽ ንምዕዳም ኣየናይ ይኃይሽ፧ ሓድሽ ትርጒምዶ ወይ ከም ብሓድሽ ምምኅያሽ ብዚብል ሓሳቦም ኪገልጹን ተርጐምቲ ኺመዝዙን ጸውዐ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ጨንፈር ማኅበር መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ምስ ኣብያተ ክርስቲያን ተመያይጡ፡ እቲ ብወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ብኅብረት ኣብያተ ክርስቲያን ተመኃይሹ ኺቐርብ መረጸ። በዚ መሠረት እቲ ዚድለ ምቅርራባትን ንተርጐምቲ ትምህርትን ምስ ተዋህበ ብ10 ኅዳር 1985ዓ.ም ከኣ ዕዮ ሓድሽ ኪዳን ተጀመረ። ናይዚ ዕዮ`ዚ ቐንዲ ናይ ትርጒም ኣማኸርቲ፡ ብኅቡራት ማኅበር መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመዘዙ፡ ቋንቋ ዕብራትስጥን ግሪኽን ኣጽፊፎም ዚፈልጡ ሊቃውንቲ ነበርዎ። መዝነት እዞም ሊቃውንቲ እዚኣቶም ነቲ ዝተተርጐመ ወይ ዝተመኃየሸ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብቲ ሓሳብ ግሪኽን ዕብራይስጥን ብስምዒት ተርጎምቲ ኸይልወጥ ወይ ካልእ ሓሳብ ከይውሰኾ 1. ትኽክል 2. ግልጺ 3. ልሙድ ኣዘራርባ ናይ ተቐባሊ ቛንቋ ምዃኑ መርሚርካ ምርግጋጽ ነበረ።”

 

ብመሠረት እዚ ሓጺር ጽሑፍ እኳ እንተረኣና ኪደት ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ማዕረ ኽንደይ ከም ዝተጻዕረሉን ብቅኑዕ መገዲ ማለት ትርጉም መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ግሪካዊ ሓሳብ ከይሰሓተ፡ ትርጉም መጽሓፍ ብሉይ ኪዳን ከኣ ዕብራይስጣዊ ሓሳብ ከይሓደገ ክትርጎም ተገይሩ እዩ።  እዚ ክቡር ዕዮ፡ ብቕኑዕ መገዲ ሎሚ ኣብ ኣእዳወይ ክበጽሕ ብተኣማንነት ንዘገልገሉ ኣቦታተይ ወርትግ እየ ዝባርኾም።  ከምቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘመንበረ ፓትርያርክ ሰፊሩ ዘሎ “ ርቱዕ ካብ ህጸጽ ዝረሓቐ፡ መኣዛ ልሳን ቅድስት ቤተክርስቲያን ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሕታም ዝተቓንዐ እዩ” ዝተባህለ`ዶ እዩ እቲ ሓቂ፧ ሎሚ ነፍሲወከፍና ክንምርምር ይግበኣና እዩ። ምትርጓም መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ዘገደሰሉን ዘድለየሉን ምኽንያት ኢርቱዕን(ዘይሓቀኛ) ካብ ህጸጽ`ውን ዘይረሓቐ (ህጸጽ ዝተረኽቦ) እዩ ኢና ንበሃል ዘሎና። ካብቲ መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ትግርኛ ዝተሓትመሉ ዘመን ክሳዕ ሎሚ ቀዳሞት ኣቦታትና ኮነ ንሕና ንኣስታት 111 ዓመታት  ክንጥቀመሉ`ዶ ኣይጸናሕናን፧ ህጸት ማለት ኑፋቄ ዘለዎ መጽሓፍ ምዃኑ እንተደኣ ትኣምን ኮይናኸ ንምንታይ እያ ቤተክርስቲያን ክሳዕ ለይተ-ሎሚ ኣብ ከብሓ ኣንቢራ ትምህረሉን ተስተምህረሉን ዘላ፧

እቲ ሓቂ ግን ከምቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘመንበረ ፓትርያርክ ሰፊሩ ዘሎ ኣይኮነን። ቀዳሞት ኣቦታትና ኮነ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብዚ ትርጉም ዝተሳተፉ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ እቲ ብ1990ዓ.ም ዝተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘርዚሩ ዘሎ ኸኣ ማዕረ እተን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ከም ዝተሳተፈት ተጻሒፉ ኣሎ። በእዳውካ ንዝጸሕፍካዮን ንዘሕተምካዮን መጽሓፍ ሎሚ ህጸት ኣለዎ ምባል ግን ናይ ነገር ጥዕና ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዱስ መለኮታዊ ናይ እግዚኣብሔር መልእኽቲ እዩ ምእንትዚ ኸኣ ዓቢይ ጥንቃቐ ዘድልዮ እዩ።  እቲ ሎሚ ኣብ ምድርና ዘንጸላሉ ዘሎ ሰርቢ ኸኣ ቀሊል ኣይኮነን ዓገብ ክንብሎን ክንኩንኖን ይግበኣና እዩ። መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ካብ ግእዝ ኣይኮነን ክትጎም ዘለዎ፡ ምኽንያቱ መበቆላዊ ቋንቋ መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ግሪክ ደኣ እምበር ግእዝ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተፈጸመ በደል ኣባና ከይድገም ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እምሕጸነኩም ኣሎኹ። ናይ 2ሽሕ ዓ.ም ሕታም ተባሂሉ ብናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ዝተሓትመ መጽሓፍ፡ ነቶም ክቕበልዎም ዘይደልዩ ወሰንቲ ጥቅስታትን ኣበሃህላታትን ብምቕያር ካብ መሠረታዊ ናይ ቛንቋ ግሪክ ትርጉም ዝዘበለን ዝተፋለሰን መጽሓፍ ተሓቲሙ እዩ። “ይማልዳል” ዚብል ቃል “ይፈርዳል” ብዝብሉ ቃላት እናተቐየረ ተፋሊሱ ይርከብ።

እምበኣር ንኣምላኽ ክትፈርሁን ክትእዘዙን ጸሎተይ እዩ፡ ነቲ ብጽፉፍ መገዲ ኣብ ኣእዳውና ዝበጽሐ መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ትግርኛ “ህጸጽ ኣለዎ” ብዝብል ምስምስ ኣይተፋልስዎ። ኣብ ታሪኽ ዓለምና እቶም ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ መለኮታዊ ሓቂ ብእምነት ክቕበሉ ዘይከኣሉ ሰባት ኮነ ሃይማኖታት ዝወስድዎ ናይ መጀመርታ ተበግሶ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ በቲ ንዕኦም ዝጥዕም ሓሳብ ምቕያርን ምፍላስን እዩ። ቀዳሞት ኣቦታትና ዋጋ ከፊሎም ከይበረዙ ኣብ ኣእዳውና ስለ ዘብጽሕዎ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ። ቃሉ ካብ ምቕያር ዚዓቢ በደልን ኃጢኣትን የልቦን እሞ ሓደራ ኣእዳውኩም ብድፍረት ኣይተልዕሉ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነዚ ተግባር`ዚ ብምቅዋም ዓገብ ክብል ይግባእ። ኦ ጐይታ ንሕዝብኻ ሓልወና፡  ምእንቲ ቅዱስ ስምካ ክትብል ከኣ መሓረና።

 

01/09/2020

 

Sunday, August 30, 2020

ሊቀ ካህናት 15

 

ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (15 ክፋል)


ሊቀ ካህናት ንምሻም ሥልጣን ዘለዎ መን`ዩ፧

ከማሁ ክርስቶስ አኮ ርእሶ ዘንእደ ከመ ይኩን ሊቀ ካህናት ዳእሙ ለሊሁ ዘይቤሎ ወልድየ አንተ ወአነ ዮም ወለድኩከ

ከምኡውን እቲ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዝበሎ ኣኽበሮ እምበር፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ርእሱ ኣየኽበረን። (ዕብ5፡5)

In the same way Christ did not take for himself the glory of being made a high priest, but was given it by him who said, You are my Son, this day I have given you being:

ቅድሚ ኲሉ ነገር ነፍሰይ ንኣኻ ኣምላኸይ ትባርኸካ ኣላ፡ በቲ ካብ መዓር ዝጥዕም ቃልካ ስለ ዘጽገብካያ ኸኣ ትባርኸካ ኣላ፡ ጐይታየ ስምካ ንውሉድ ወለዶ ይባረኽ ብስም ኢየሱስ እባርኸካ ኣሎኹ። ደገ ቃላትካ ክፈተልና፡ ነቲ ቅኑዕ መልእክቲ ወንጌል ብዘይምሽቕቃጥ ክንርድኦን ከነመሓላልፎን ጸጋኻ ይርድኣና። ንጐይታ ንኢየሱስ ክርስቶስ ክብ ዝበለ ምስጋን ይኹን፡ ከምኡ ዝበለ ካልእ ካህን ከቶ የብለይን`ሞ ስሙ ይቀደስ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ናብ መገዲ ሓቂ መሪሕካኒ ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ንልብታትና ብቃልካ ምልኣዮ። ንምስጢር ቃላትካ ምእንቲ ከነስተውዕል ከኣ ጥበብ ዓድለና፡ኣሜን።

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዘለኹም ጐይታ ዘፍቅረኩም ኣኅዋተይን ኣኃተይን ብክርስቶስ ኢየሱስ ሰላምኩም ይብዛሕ። ከም መቐጸልታ ናይቲ ዝጀመርናዮ ምህሮ ሊቀ ካህንነት ከኣ እንሆ ሎሚ ንቕጽል ኣሎና፡ ጐይታ ብጸጋኡ ክረድኣኒ ጸልዩለይ። ንሊቀ ካህንነት ኣሮንን መልከጸዴቅን ዝምልከት ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ ርኢና ኔርና፡ ሎሚ ኸኣ ብኣተኲሮ ንናይ ሓዲሽ ኪዳን ሊቀ ካህንነት ክንምልከት ኢና። እዚ ንዓና ረብሓ ዝኾነ ኣገልግሎት ሊቀ ካህንነት ኢየሱስ ስለ ዝኾነ ኸኣ፡ ካብ ፍልጠት ዝሓለፈ ብእምነት ክንቅበሎ ዝግበኣና እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ መዝጊብዎ ዘሎ ዓቢ ሓሳብ ጉዳይ ሊቀ ካህንነት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ሊቀ ካህናት ካብ ሰብ፡ ከምኡ`ውን ምእንቲ ሰብ ከም ዝሽየም ከኣ ኣብ ዕብራውያን ምዕራፍ 5 ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ኣሎ። ሊቀ ካህናት ናይ ምሻም ሥልጣን ዘለዎ ኣካል መን`ዩ፧ ዚብል ሕቶ ኸኣ ክንምልሶ ዝግበኣና እዩ። ኣሮን ኮነ ክርስቶስ ገዛእ ርእሶም ባዕሎም ከም ዘየኽበሩ ማለት ከም ዘይሾሙን፡ ንዕኦም ዝጸውዐን ዝሾመን በዓል ሥልጣን ከም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ነጊሩና ኣሎ። ኣሮን ብኣምላኽ ተጸዊዑ እዩ ናብዚ ክብሪ እዚ ኣትዩ፡ ክርስቶስ ውን ከምኡ በቲ ካብ ዘለዓለም ዘፍቀሮ ኣቦኡ፡ ተኃርዩን ተመሪጹን እዩ ዝተሾመ።  እቲ ንሽመት ኣሮን ኮነ ክርስቶስ ዝቃወም ከኣ ባእሱን ጽልኡን ምስቲ ንእኦም ዝሾመ በዓል ሥልጣን እዩ። ምእንት`ዚ ኸኣ እዩ ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ ከምዚ ዝበለ፡ ከምኡውን እቲ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዝበሎ ኣኽበሮ እምበር፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ርእሱ ኣየኽበረን። (ዕብ5፡5)። በዚ ሕያው ዝኾነ ቃል ከኣ ነቲ ኣብ ምድርና ዝተዘርአ ክርዳድ ነፍርሶን ንቃወሞን ኣሎና። ብዘይካ ኣቦ በይኑ ሊቀ ካህናት ክሸይም ዝኽእል ሓደ`ኳ የልቦን። ካብ ወረዳ ቤተ-ክህነት ብሹመት ጳጳሳት ዝጸንዕ ሽመት ሊቀ ካህንነት የልቦን። ምናልባት ሎሚ ብዙኃት “ሊቀ ካህናት እገለ” እናተባህሉ ይጽውዑ ኣለው፡ ብጐይታ ክብሎም ዝደሊ፡ ሓደ ነገር ጥራይ እዩ፡ ኣብ ዝቐደመ ኪዳን ሊቀ ካህናት ኮይኑ ዝተሾመ ኣሮን እዩ። ንሱ ውን ብኣምላኽ ተጸዊዑ ደኣ እምበር ብሰባት ዝተዋህቦ ኣይኮነን። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከኣ መተካእታ ዘይብሉ፡ ብኣምላኽ ዝተሾመ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ጥራይ እዩ። ንሱ ዘይመውት ስለ ዝኾነ ኸኣ ዘይድረት ክህነት ዘለዎ፡ ብሞት ዘይዕገት ሊቀ ካህናት እዩ። ልምዳዊ ዝኾነ ኣጸዋውዓን ክብርን ደርቢኹም ነቲ ሕያው ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ከተኽብሩ እጽውዕ። ምኽንያቱ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ሊቀ ካህናት በይኑ ኢየሱስ ጥራይ እዩ። “ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” ዚበሎ ኣቦ`ዩ ኣኽባሪኡ።  ድኅሪ ኢየሱስ ዝሽየም ካልእ ሊቀ ካህናት ካብ ዘይሃለወስ “ሊቀ ካህናት እገሌ” ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል ውን ሓደ`ኳ ብቑዕ የልቦን። እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኣመኑ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ካህናትን ነገሥታትን እዮም፡ ክርስቶስ ከኣ ኃውናን እሙን ሊቀ ካህናትን እዩ። ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ካህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ኵላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም። ዕብ 5፡9-10


ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን!




 

 

Sunday, July 12, 2020

ሊቀ ካህናት 14

ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (14 ክፋል)

ትንቢታዊ መልእኽቲ ሊቀ ካህንነት ኣሮን

ኦ ኣቦ ዂሉ ፍጥረት ዝኾንካ ኣምላኸይ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እባርኸካ ኣሎኹ። ነዚ ክቡር ዝኾነ መለኮታዊ ሓሳብካ ስለ ዝሃብካና ኸኣ ከም እንደገና እባርኸካ ኣሎኹ። ብምሉእ ጥበብን ጸጋን ገና ከተዕብየናን ከተሰልጥነናን ኢኻ`ሞ እባርኸካ ኣሎኹ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቦና ደገ ቃሉ ስለ ዝኸፈተልና መላሊሰ ክባርኾ ደስ ይብለኒ። ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ኮይንኩም ነዚ ጽሑፍ`ዚ እትነቡ ዘሎኹም ጸጋን ሰላምን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን። መደብ ኣምላኽ ካብ መደባትና፡ መገዲ ኣምላኽ ውን ካብ መንገድታትና ኣዝዩ ርሑቕ ብምዃኑ መንፈስ ቅዱስ ንቃሉ ከብርሃልና ከረድኣና ሎሚ ውን ምሳና ኣሎ። ትምህርቲ ሊቀ ካህንነት ኢየሱስ ክርስቶስ፡ መፍትሕ ናይቲ ሰፊሕ ዝኾነ መንግሥቲ ኣቦና እዩ። ደገ እታ ዓባይ መንግሥቲ በዛ እንኮ መፍትሕ እዚኣ ጥራይ እያ እትኽፈት። ነፍሲወከፍና በዛ ኣፍደገ እዚኣ ደኣ እምበር ብኻልእ ሓዂርና ኾነ ዘሊልና ክንኣቱ ከም ዘይንኽእል ከነስተውዕል ይግብኣና።

ሊቀ ካህንነት ኣሮን ብገዛእ ርእሱ ፍጻሜ ከም ዘይኮነ ግሁድ ሓቂ እዩ። ሓደ ኣብነት ንርአ፡ ሓደ ሰብ ብርሃን ጸሓይ ኣብ ዝወጸሉ፡ ጨው ቀትሪ ካብ ናብ እንተተጓዕዘ፡ ቅድሚ ቅድሚኡ ዝጎዓዝ፡ ንምስሉ ዝገልጽ ግን ከኣ ዘይጭበጥ፡ ዘይድህሰስ፡ ህላዌ ዘይብሉ “ጽላሎት” ዝበሃል ኣሎ። ዝኾነ ካልእ ሰብ ብሃንደበት ብቅድሚ እዚ ሰብ ጎፍ እንተበሎ፡ ንጽላለቱ ክዕዘብ ይኽእል እዩ፡ መልእኽቲ እቲ ጽላሎት ”እቲ ሓቀኛ ህላወ ዘለዎ ሰብ” ይመጽእ ኣሎ ዝብል እዩ። ጽላሎት እምበኣር እቲ ሓቀኛ ህላወ ዘለዎ ይመጽእ ምህላዉ ዘመልክት መሐበሪ እዩ። ኣብ መዝገብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ እዚ ሓቂ ሰፊሩ ኣሎ። ጽላሎታዊ ኣገልግሎት ኣሮንን ደቁን ከኣ፡ “ ሓደ መዓልቲ ካብዚ ጽላሎታዊ ኣገልግሎት ተላቒቕና፡ ነቲ ሓቀኛን ህላወ ዘለዎ ኣገልግሎት፡ ክንርኢ፡ ክንሰምዕ፡ ከነስተማቕር ኢና” ኢሉ ዝሕብር ሓባሪ ነበረ። ስለዚ ኸኣ መሲሕ ኣብ ነፍሲወከፍ ምዕራፍ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ብጽላሎት ተገሊጹ ብምንባሩ፡ ነቲ ዝተገልጸ ጽላሎት፡ ህላወ ክህቦ፡ ክፍጽሞ ክመጽእ ናይ ግድን ነበረ(ማቴ5፡17)።   

ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ነዞም ነገራት እዚኣቶም ምእንቲ ክፍጽሞም ከኣ ሰብ ክኸውን ናይ ግድን እዩ።

ካብ ማእከል ሰብ እተወልደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ መባእን ሕሩድን ስለ ሓጢኣት ምእንቲ ኺስውእ፡ ብናይ ኣምላኽ ነገር ስለ ሰብ እዩ ዚሽየም(ዕብ5፡1)። ሓደ መልኣኻዊ ባህሪ ዘለዎ ናብዚ ምድሪ`ዚ እንተመጸ ሊቀ ካህንና ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ፍሉይ ዝኾነ ኃይሊ ዝለበሰ ውን ካብ ላዕሊ ተላኢኹ እንተመጸ ማእከላይ፡ ወይ ዓራቒና ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ ናይ ምምላድ(ሊቀ ካህንነት) ዕዮ ዝፍጽም ከኣ ብግዲ ከማና ሰብ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ሊቀ ካህናት፡ ኣማላዲ፡ ወይ ውን ዓራቒ ኮይኑ ዝሽየም ካብ ወገን ሰብ ዝተወልደ ጥራሕ እዩ። እቲ ምእንቲ ሰብ ዝሽየም ሊቀ ካህናት፡ ካብ ማእከል ሰብ እተወልደ ክኸውን ብግዲ እዩ። በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ እዩ ቅዱስ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ዝመስከረ፡ ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና(ዮሃ1፡1፡14)። ኣካላዊ ቃል ሰብ ዝኾነሉ ምሥጢር፡ ሊቀ ካህንና ምእንቲ ክኸውን እዩ። ስለዚ ኸኣ ንሱ ኢየሱስ ወድ-ኣምላኽን ወድ-ሰብን ብምዃኑ መዝነት ሊቀ ካህንነት ካብ ኣቦ ኽቕበል ከኣለ። ትንቢታዊ መልእኽቲ ክህነት ኣሮን(ጽላሎት) ከኣ በቲ ዝተገልጸ ካልእ ካህን ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ወድ-ኣምላኽ ህላወ ረኸበ።

ኦ ፍቑራት ኣኅዋተን ኣኃተይን ኣዕይንትና ናበይ የማዕድዋ ኣለዋ፡ ናብቲ ጽላሎት`ዶ ወላስ ናብቲ ህላወ፧ ናብቲ ዝተሳዕረ`ዶ? ወላስ ናብቲ ዘይሰዓር ክህነት ኢየሱስ ክርስቶስ፧

 

ሕጂ ድማ ነዚ እንብሎ ዘሎና ኣውራ ነገሩ እዚ እዩ፡ ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ፡ ናይቲ፡ ጐይታ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ፡ ከምዚ ዘመሰለ ሊቀ ኻህናት አሎና። ዕብ 8፡1-2

 


Sunday, June 28, 2020

ሊቀ ካህናት 13 ክፋል


ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (13 ክፋል)

ንኣና ዘድልየና ሊቀ ካህናት ከመይ ዝበለ`ዩ፧

ኦ ዘለዓለማዊ ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ። መገዲ ምድኃንካ ዝገለጽካልና ንስኻ በይንኻ ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ስለ ኹሉ ነገር ብስም ጻድቕ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ተባረኽ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ንጥበቡ እንርድኣሉ ኣእምሮ ስለ ዝዓደለና ስሙ ይባረኽ። ኣምላኽ ንመንፈስና ይድርኾ ኣሎ፡ ምሥጢር ፍቓዱ ክንፈልጥ`ውን ሃረር ይብል ኣሎ። ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጥራይ ዝፍጸም ድኅነት ከነስተውዕሎ ጐይታ ይርድኣና። ትማሊ ኃሊፋ እያ፡ ኣምላኽ ከኣ እነሆ “ሎሚ” እትበሃል ብልጽቲ ህያብ ሂቡና ኣሎ። ትማሊ ንሊቀ ካህንነቱ ዝነጸግናሉ ዘመን ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ሎሚ ግን ንሊቀ ካህንነቱ ንቕበለሉ ዘመን እዩ። ዘመን ዕሽነትና ረሲዕና፡ ሎሚ ንኢየሱስ ኣብ ሕይወትና ከም ሊቀ ካህንና ብምቕባል እንሕደሰሉ ዘመን እዩ። ንኣይ/ ንኣኻ/ ንኣኺ/ ዝግባእ ሊቀ ካህናት ፈሊጥናዮዶ ኣሎና፧ ምድራዊ ኣብ ዝኾነ ጽላሎታዊ መቕደስ ዘገልግል ካህን`ዶ`ዩ ዘድልየኒ ዘሎ፧ ኣይፋል ንኣይ ዘድልየኒ ካህንሲ ካብዚ ምድሪ`ዚ ኣብ ዘይኮነት፡ ኣምላኽ ዝደኮና ሰማያዊት ድንኳን ዘገልግል ሰማያዊ ካህን`ዩ ዘድልየኒ ዘሎ፡ ንሱ ውን እዩ መጠነይ።

v ካብ ሰማያት ልዕል ዝበለ ካህን

ኣእምሮና ብዛዕባ እቲ ቐንዲ ኣገልግሎት ደኣ እምበር ብዛዕባ እቲ ብምሳሌ ዝተደኮነ ምድራዊ መቕደስን ኣገልግሎትን ብምሕሳብ ክጽመድ ኣይግባእን እዩ። እቲ ካብ ካልእ ዓሌት ዝተንሥአ ካህን ከምቶም ቀዳሞት ካህናት ኣይኮነን። እቶም ቀዳሞት ካህናት ካብዚ ምድሪ`ዚ እዮም፡ ንሱ ግን ካብዚ ምድሪ`ዚ ኣይኮነን። ንሱ ብባህሪኡ ኣርኣያ ኣምላኽ ዝኾነ፡ ንኹሉ ፍጥረት ውን ብኃይሊ ቃሉ ዘቆመ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ንሰማያት ዝፈጠረን ዝደኮነን፡ ከም መጋረጃ`ውን ዝገተረ እዩ። ንሱ ነቶም ሥልጡናት ዝኾኑ ሰማያውያን ኃይላትን ሥልጣናትን ዝፈጠረ እዩ። ንሱ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለዓለም እዩ። እግዚኣብሔር፡ “ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘሎኺ ቤተልሔም፡ ንስኺ ካብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኸተማታት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ካብ ጥንቲ ዝኾነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ካባኺ ከተንሥእ እየ” ይብል ኣሎ(ሚክ5፡2)።

እምበኣር ኣኅዋተየ እቲ ንኣና ዘድልየና ዘሎ ካህን፡ ቅዱስ፡ ንጹሕ፡ ካብ ኃጥኣን ዝተፈልየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ቅዱስን ጻድቕን ስለ ዝኾነ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ኣይከኣለን(ግብ2፡24)፡ ምእንት`ዚ ኸኣ ንሱ ብሞት ዘይሰዓር ክህነት ዝጨበጠ ሕያው ካህን ኮነ። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ሰማያውያን ፍጥረታት`ውን ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ንሱ ልዕሊ ኹሉ ዝኾነ ብሩኽ ኣምላኽ እዩ። ኣብታ ሰማያዊት ድንኳን ብክህነት ከገልግል ዝግብኦ፡  ደም ሒዙ ውን ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ ዝኽእል ኣካል፡ አምላክ ወሰብእ(ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን) ክኸውን ግዴታ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝነበረ ንፍጥረት ውን ህላዌ ዝሃበ ፍጹም ኣምላኽ እዩ፡ ከምኡ`ውን ምእንቲ ድኅነት ሰብ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ፍጹም ሰብ እዩ። ንሱ በይኑ ኸኣ ፍጹም ኣምላኽ ከምኡ`ውን ፍጹም ሰብ ስለ ዝኾነ፡ ኣምላኽ ብመሓላ ሊቀ ካህናት ገይሩ ሸሞ። እቲ ንኣና ዘድልየና ዘሎ ካህን ከኣ ከምዚ ዝበለ እዩ። ካብ መላእኽቲ`ኸ ኣምላኽ ንመኖም`ዩ ሊቀ ካህናት ገይሩ ዝሸሞ፧ ንመኖም`ዩ ኸ ንስኻ ከም ማዕርግ መልከጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ ዝበሎ፧ ወይ ውን ንመኖም`ዩ ኣብ መንጐ ኣምላኽን ሰብን መንጐኛ ገይሩ ዘቆሞ፧ ንመኖምከ`ዩ ንሰባት ክዓርቕ ዝኽእል ኪዳን ደም ዝሃቦ፧ ነዚ ነገራት`ዚ ኣምላኽ ንሓደ ካብ መላእኽቲ`ኳ ኣይሃቦን። ስለዚ ካብ ምድቃስና ክንበራበር ይግበኣና እዩ፡ “ንኣይ ዘድልየኒ ካህን መን`ዩ፧” ዚብል ሕልና ክህልወና ይግባእ እዩ።

ኣምላኽ ንእኡ ነቲ ዘፍቅሮ ወዱ፡ ዘለዓለማዊ ካህን ገይሩ ሸይምዎ እዩ። እቶም ንክህነት ኣሮን ዝተቓወሙ፡ ቆራሕ፡ ዳታንን ኣቢራምን ንኣምላኽ ብምንዓቖም ምድሪ ተኸፊታ ከም ዝወሓጠቶም ጽሑፍ እዩ (እግዚኣብሄር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና፡ እዚኣቶም ምስ ዅሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ኪወርዱ፡ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ እንተ ወሐጠቶም፡ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኦም ንእግዚኣብሄር ከም ዝነዐቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ በለ ዘኁ 16፡30) ። ንሕና እዞም ሎሚ ዘሎናኸ ደኣ ነቲ ኣምላኽ ከም ምኽሩን መደቡን ዝሠርዖ ሊቀ ካህንነት/ መንጐኛነት/ ኣተዓራቕነት/ ኣማላድነት ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይተቐበልናዮስ ካብ ቚጥዓኡ ነምልጥ`ዶ ይመስለና፧ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሕይወቱ ብቓል ኣምላኽ ክዕይራን ክሰፍራን ይግብኦ እዩ`ሞ ንተንስእ ንቓሉ ኸኣ ኣሜን ኢልና ንቀበሎ።

                

                        ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩልኻትኩም ይኹን