ሓቀኛ መድኃንየይ ፈሊጠዮ!
ስመይ ስዒድ እበሃል፡ ተወሊደ ዝዓበኽሉ ኣብ ውሽጢ ዞባ ኣርሲ እትርከብ ንእሽቶይ ከተማ እዩ። ስድራ-ቤተይ
ተኸተልቲ ባህላዊ እምነት ምስልምና ክዀኑ ኸለዉ፡ ኣተዓባብያይ`ውን በዚ ኪደት ነበረ። ገዛእ ርእሰይ ክፈልጥ ኣብ ዝጀመርኩሉ ዕድመ
ቁርኣን ብምቕራእን ካልኦት ትምህርቲ ምስልምና ብምምሃርን ብርቱዕ ኣስላማይ ንምዃን ልዑል ጻዕሪ ገይረ ኣሎኹ። ከምዚ ኸማይ ኣስላማይ
ዝነበረ ዓቢ ሓወይ ብምኽንያት ሥራሕ ርሕቕ ናብ ዝበለ ስፍራ ድኅሪ ምኻዱ እምነት ክርስትና ተቐቢሉ መጸ። ኣብ ገዛና ሓቢርና ኣብ
እንራኸበሉ እዋናት፡ ብዛዕባ መሲሕ ብዛዕባ ኢየሱስን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ክነግረና ከሎ፡ ካልእ ሓወይ ብዘይ ገለ ተቓውሞ ክሰምዖ
ኸሎ፡ ኣነ ግን ኣጽኒዐ እቃወሞ ነበርኩ፡ ሓሳቡ ምእንቲ ከይክበል ከኣ ቆራጽ መትከል ሒዘ ነበርኩ። እቲ ዓቢ ሓወይ ኣብ ገዛ መጽሓፍ
ቅዱስ ኣብ ዘንብበሉ ሰዓት ኣነ ኸኣ፡ ኣብ ፊቱ ቆይመ ቁርኣን እቀርእ ነበርኩ፡ ንዝዕዘብ ሰብ ከኣ ኣብ ህልኽ ዘሎና ንመስል ነበርና።
ድኅሪ ገለ እዋናት እቲ ካልእ ኃወይ ምስቲ ዓቢ ሓወይ ናብ ቤተክርስቲያን ከይዱ ናይ ንስሓ ጸሎት ምግባሩ ምስ ፈለጥኩ ኣዝየ ካብ
ልበይ ሓዘንኩ። ኣላህ ንኣሕዋተይ ካብዚ ከይዶሞ ዘለዉ ናይ ስሕተት መገዲ ናብቲ ቅኑዕ ምስልምናዊ መገዲ ክመልሶም ውን ተማሕጸንኩ።
ገዛእ ርእሰይ ክኢለ ክነብረሉ ዘይክእል ዕድመ ብምንባረይ፡ “ካፊር” ካብ ዝዀኑ ኣኅዋተይ ተፈልየ ክነብር`ኳ
እንተሸገረኒ፡ እንተዀነ ከም ነጂስ(ርኹስ) ቆጺረዮም፡ ንሳቶም ኣብ ዝበልዕሉ መኣዲ ከይበልዕ ብምውሳን ንበይነይ ክምገብ ጀመርኩ።
በዚ እዋን`ዚ እቲ ናቶም ናብ ክርስትና ምእታዎም ንዓይ ብርቱዕ ኣስላማይ ከም ዝኸውን ገበረኒ። ኩሉ ሥርዓታት ምምስልምና ኣብሊጸ
ብምሓዝ ጽኑዕ ኣስላማይ ንምዃን ብርቱዕ ጻዕሪ ገበርኩ።
ዓቢ ኃወይ ብዛዕባ መሲሕን ብዛዕባ ትምህርቲ ኢየሱስን፡ ብዛዕባ ዕዮ መስቀሉን ክነግረኒ ኸሎ ብዙሓት
ሕቶታት ይፍጠሩኒ ነበሩ። ትምህርቲ መሲሕ ኢየሱስን ትምህርቲ ነብዩ መሓመድን ብዙኅ ፍልልይ ከም ዘለዎምን ከም ዝጋጨውን`ውን ተረዳእኹ።
ኃወይ ደጋጊሙ ካብ ዝነግረኒ ዚነበረ ትምህርቲ ክርስቶስ፡ ዘገርመኒ ዝነበረ ጸላእትኻ ምፍቃርን ክፉእ ንዝገበሩኻ ሰባት ጽቡቕ ምግባርን
ዝብል ነበረ። ቃል ሰብ ጥራይ ከም ዝዀነ ካብ ዝሓስቦ መጽሓፍ ከምዚ ዓይነት ወርቃዊ መምርሒ ብምህላዉ እድነቕ ነበርኩ። ኣል-መሲሕ
ዒሳ ከማና ምግቢ ዝምገብ ሰብ ደኣ እምበር ኣምላኽ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ኢለ ኣጥቢቐ ዝኣምን ብምንባረይ “ከመይ ኢልኩም ንሰብ
ኣምላኽ’ዩ እናበልኩም ተምልኽዎ ኣለኹም? እናበልኩ እከራኸር ነበርኩ። “ሓደ ሰብ ከኣ ዝድኅን ብሥርሑ ደኣ እምበር ብሞት ካልእ
ሰብ ከመይ ኣቢሉ ይኸውን? እናበልኩ`ውን እሓቶም ነበርኩ። እዞም ሕቶታተይ መልሲ ከም ዘይብሎም ገይረ እሓስብ ነበርኩ። ሎሚ ግን
እዞም ሕቶታተይ ተመሊሶምለይ ኣነ ውን ብተራይ ኣብቲ ቅድም ዝነበርክዎ ጸልማት ንዘለዉ ወገናተይ፡ ሕቶታቶም ብምምላስ ብርሃን ክርስቶስ
እናብራህኩሎም እርከብ። ኣምላኽ ዝዀነ ኢየሱስ ሥጋ ለቢሱ ናብዚ ምድሪ ምምጽኡን ኣብ መስቀል ሙማቱን ንኸምዚ ኸማይ ዝዓይነቱ ተስፋ
ዘይብሉ ኃጢኣተኛ ከድኅን ምዃኑ ተረድኣኒ።
ድኅሪ ነዊሕ ግዜ ክርስቲያናት ንዝፍጽምዎ ተግባር ክርኢ ኣሎኒ ዝብል ህንጡይነት ስለ ዝሓደረኒ፡ ሓደ መዓልቲ ንምንታይ ናብቲ ንሳቶም ዝእከብሉ ስፍራ ከይደ
ዘይዕዘብ ዚብል ሓሳብ ቅጅል በለኒ። እንተዀነ ሓሳብ ገዛእ ርእሰይ መሊሱ ንዓይ`ውን ኣሰንበደኒ።ኃወይ ናብ ቤተክርስቲያን ሓቢረ
ምስኡ ክኸይድን ክዕዘብን ደጋጊሙ`ኳ እንተጋበዘኒ፡ ውሽጠይ እናደለየ ድፍረት ብምስኣነይ ሓቢረዮ ክኸይድ ኣይከኣልኩን። እዚ ከምዚ እናሃለወ ሓደ መዓልቲ ብንግሁኡ ዘሎኒ ድፍረትን ዓቕምን ኣኻኺበ፡
ባዕለይ ንቤተክርስቲያን ሒዝኒ ክኸይድ ሓተትክዎ። ሓወይ ብዂነታተይ እናተገረመ ብደስታ ሒዝኒ ኸደ። ናብ ቤተክርስቲያን ክኸይድ ዝወሰንክሉ
ምኽንያት ምስልምና ሓዲገ ክርስቲያን ንምዃን ኣይነበረን። እዝስ ኣሽንኳይ`ዶ ብውኖይ ብሕልመይ እኳ ሓሲበዮ ዘይፈልጥ እዩ። ትዝ
ዝብለኒ ሓደ ነገር ኣሎ፡ ሓንቲ ክርስቲያን ዝዀነት ጎርዞ “ስዒድ ሓደ መዓልቲ ክርስቲያን ምዃን ዘይተርፍ እዩ” ኢላ ክትዛረብ ብምስምዐይ
ኣዝየ ሓሪቐ፡ ነታ ጓል ብሕርቃንን ቊጥዓን ተዛረብክዋ። ንዓይ ካብ
ምስልምና ወጻኢ ካልእ እምነት ኣይረኣየንን ነበረ። ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ ናብ ቤተክርስቲያን ዘምራሕኩ ክርኢ ኣሎኒ ዝብል ህንጡይነት
ስለ ዝሓደረኒ ጥራይ እምበር ትምህርቲ ክርስትና ንምቕባል ኣይተዳለኹን። ኣብ እምነተይ ክጸንዕ ከም ዘሎኒ ብውሽጠይ መትከለይ ጸይረ፡
ልበይ ፍርህ ትብዕ እናበለ ንሓወይ ተኸቲለ ናብ ቦታ ጸሎት ኣተኹ። ጸሎት ተጸለየ፡ መዝሙር ተዘመረ። እዞም ክርስቲያናት ክጽልዩን
ክዝምሩን ኣሚኖም ገዛእ ርእሶም ወፍዮም ከም ዝዀነ ምስ ተረዳእኩ፡ ተደነቕኩ “ ሰብ ንሓሶት ከመይ ኣቢሉ ገዛእ ርእሱ ይዉፊ?”
እናበልኩ ብውሽጠይ ሓሰብኩ።
ኣብቲ ዕለት ዝነበረ ትምህርቲ፡ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘለዎ ዓቢ ዋጋ ዝገልጽ ነበረ። ሰባኺ
ክሰብኽ ከሎ ሕጉስ ነበረ፡ እቲ ሕዝቢ ውን ብደስታ ይሰምዖ ነበረ። ኣብቲ ስፍራ ዝነበረ ኩሉ ሰብ ገጹ ብፈገግታ ዝመልአ መሲሉ ተራእየኒ።
ኣዝየ ብምግራም ከኣ “ ከመይ ኣቢሎም እዚኦም ነጻን ሕጉሳትን ክዀኑ ክኢሎም? እናበልኩ ገዛእ ርእሰይ ሓተትኩ። ንሰላት ናብ መስጊድ
ኣብ ዝኸደሉ ጊዜያት ሕጉስ ገጽ ኣይርእይን ነበርኩ። ኣነ ውን ሰጊደ ድኅሪ ምምላሰይ ሓንቲ መዓልቲ ውን ትኹን ሕጉስ ኣይነበርኩን።
ኣብዚ ግን ኩሉ ሰብ ክርድኣለይ ዝደልዮ እዚ ሕጂ ዝዛረቦ ዘለኹ ምስልምና ስለ ዝገደፍኩ ዘይኮነስ ኣብቲ እዋን እቲ ዝስመዓኒ ዝነበረ
ስምዒት እዩ። እቲ ግዜ ‘ቲ ምስዚ ናይ ሎሚ ምስ ዘነጻጽሮ “ ሰላም እኃድገልኩም ኣለኹ፡ ሰላመይ ውን እህበኩም ኣለኹ። እቲ ኣነ
ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን” ብምባል መሲሕ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ቃል ትዝ ይብለኒ። ብሓቂ ኣብ ምስልምና ሓቀኛ
ሰላም ከምዘየሎ ርእየ ኣለኹ። ሓቀኛ ሰላም ግን ካብ ትሕቲ ኣእጋር መሲሕ ኢየሱስ ረኺበ ኣሎኹ።
ብድኅርዚ ብዛዕባ ክርስትናን መጽሓፍ ቅዱስን ኣዕዚዘ ክፈልጥ ኣሎኒ ዚብል ህንጡይነት ስለ ዝሓደረኒ
ደጋጊመ ናብ ቤተክርስቲያን ምኻድ ስርሐይ ኢለ ተተሓሓዝክዎ። ሰንበት መጸ ኣብ ድኅሪት ወንበር ተቐሚጠ ክርስቲያናት ዝገብርዎ ርእየን
ትምህርታቶም ሰሚዐን ናብ ገዛይ እምለስ ነበርኩ። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ትምህርቲ ቁርኣን ንላዕሊ ኃይሊ ዘለዎ፡ ብፍቕሪ ዝተመልአ፡
ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝመርሕ ምዃኑ እናተረዳእኩ ኣብ ዝመጸኹሉ እዋን ውሽጠይ ብፍርሃት መልአ። ምስልምና ሓዲገ ኣጽኒዐ ንዝቃወሞ
ዝነበርኩ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምቕባል ጉዕዞ ምጅማረይ ምእማን ሰኣንኩ። ካብ ሕጻንነተይ ጀሚሩ ኣብ ልበይ ዝተተኽለ ኣብ ትምህርቲ
ምስልምና ዝነበረኒ እምነት ብኸምዚ ዓይነት ፍጥነት ይፈርስ እዩ ዚብል ሓሳብ ኰነ እምነት ኣይነበረንን። ድኅሪ ብዙሕ ውሽጣዊ ቃልሲ
ብ 6 ጥቅምቲ 1997 ዓ.ም ንክርስቶስ ኢየሱስ ክኽተል ወሰንኩ፡ ብዙሕ ሕብረት ኣብ ዝነበሮ ጉባኤ ንዓይ ምስ ዝመስሉን ናይ ንስሓ
ጸሎት ጸለይኩ። እተቕባሕብሕ ዝነበረት ነፍሰይ ሓቀኛ መድኃኒ ስለዝፈለጠት ሰላምን ዕረፍትን ረኸበት። ሎሚ ንዓይ መሲሕ ኢየሱስ ዝፈትዎ
ቀረባ ፍትወይ እዩ። ቃል ሰብ ጥራይ ከም ዝዀነ ዝሓስቦ ዝነበርኩ መጽሓፍ ቅዱስ ውን ሓቐኛ ቃል ሕይወት ምዃኑ ተረዳእኩ። ካብ ምስልምና
ናብ ክርስትና ዝነበረኒ ጉዕዞ ኣዝዩ ፈታኒ ነበረ፡ ንኹሉ ነገራት ኣብ ሎሚ ኮይነ ክሓስቦ ከለኹ ይገርመኒ፡ ልዕሊ ኣእምሮ ውን ይዀነኒ።
ኣብ ሕይወተይ ኣዝዩ ዘሕዝነኒ ሓደ ነገር ኣሎ፡ኣቦይ ወላድየይ ኣነ ዝረኸብክዎ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝዀነ
ክርስቶስ ኢየሱስ ከይተቐበለ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዩ እዩ። ወላዲተይን ክልተ ኣኅዋተን ሠለስተ ኣኃተይን፡ ብኣጠቓላሊ ምሉእ ቤተሰብ
ኣብዚ ሰዓት`ዚ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ሰዓብቲ ብምዃኖም ንዓይ ካብ መጠን ንላዕሊ ሓጐስ ፈጢሩለይ ይርከብ።
ንሞስሊም ኣኅዋተይ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ እንተኣሎ፡ ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዘለዓለም ሕይወት
የለን። ሰብ ክድኅን ዝኽእል ክርስቶስ ኢየሱስ ምእንቲ ኃጢኣቱ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስአን ምእማን ምስ ዝኽእል ጥራይ እዩ። ምስ
እግዚኣብሔር እንተዓረቐሉ በይናዊ መገዲ፡ ወዲ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ምዃኑ ተረዲእኩም፡ ንዕኡ ብምፍላጥ ናብ እምነት ክትመጹ ጽውዓይ
አቕርብ። ናይ እግዚኣብሔር ሓቀኛ ቓል ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልኹም ብምጽናዕ እቲ ሓቂ ኣበይ ከም ዘሎ ክትግንዘቡ አበርትዓኩም
ኣሎኹ። ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዘለዓለማዊ ሕይወት ክትወርሱን ኣነ ዝረኸብክዎ ሓጐስ ልቢ ንስኻትኩም`ውን ክትካፈሉ ምንዮተይን
ናይ ወትሩ ጸሎተይን እዩ።
እግዚኣብሔር ኣምላክ ይባርኽኩም!
ኃዉኹም ስዒድ
(እውነት ለሁሉ ካብ ዚብል ድኅረ ገጽ ዝተተርጐመ ጽሑፍ እዩ)