ጻድቕ
ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉ !!!
ኦ ዘለዓለማዊ ቕዱስ ኣቦ ስለ እቲ ዓቢይን ሠናይን ምኽርኻን እባርኸካ ኣሎኹ። ዘመናት ቅድሚ ምምጽኦም
ፍጥረታት ቅድሚ ምፍጣሮም ብቕድስና ክንከብር ካብ ጥንቲ መደብካና፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ሕያዋን ገበርካና። እወ ኦ ጐይታ ናባኻ
ክንቀርበሉ እንኽእል ሓንቲ ነገር`ኳ ኣይነበረናን፡ ስለ ዝፈተኻናን ዘፍቀርካናን ጽቡቕ ፍቓድካን መደብካን ስለ ዝዀነ ኸኣ ብክርስቶስ
ሕያዋን ገበርካና። ንዓኻ ንዘለዓለም ምስጋና ይግባእ። ዎ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ገንሸል ኣምላኽ ብምዃን ንኃጢኣትና ዘወገድካ
ክብሪ ይግበኣካ። ሳላ ክቡር ደምካ ኣምላኻይ ህያው ኰይነስ እባርኸካ ኣሎኹ። ምስትውዓልን ምግላጽን እተብዝሕ ክቡር መንፈስ ዘወትር
ክንባርኸካስ ከናፍርና ባርኽ። ነቲ ኣብ ኩሉ ዘመናት ዝተገልጸ ምሥጢርካ ክንርዳእ ምስትውዓል ሃበና፡ ዎ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንህይወትና
ንስኻ ተቖጻጸር፡ ንዘመናትና ባርኽ። ንእግዚኣብሔር ኣቦና ስለ ኹሉ ነገር ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነመስግኖ ኣሎና።
ኣቤል ካብ መሥዋዕቲ ቃየል ዚበልጽ መሥዋዕቲ ንኣምላኽ ኣቕረበ። ኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ፡
ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉ፡ ብምዉቱ ኸኣ ገና ብእኣ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ። ዕብ 11፡4
መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ኩሉ ዘመናት ሕያው`ዩ። ዘለዓለማዊ መደቡን ሓሳቡን ዝገልጸልና ኸኣ ንሱ በይኑ
እዩ። ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዮሃንስ ዘሎ ጽሑፋት ብኣተኲሮ ብዛዕባ እቲ ብክርስቶስ ዚፍጸም ድኅነት እዩ ዚዛረብ። እዚ እቲ
ካብ ጥንቲ ተሠዊሩ ዝነበረ፡ ሎሚ ግን ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተገልጸ መለኮታዊ መደብ እዩ።
ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዕብራውያን 11 ብዛዕባ እቶም ናይ እምነት መሰኻክር ክዛረብ ከሎ፡ መጀመርታ
ጠቒስዎ ዘሎ ኣቤል እዩ። መልእክተ ዕብራውያን ብኣተኲሮ ብዛዕባ ናይ ኢየሱስ ሊቀካህንነት(መንጐኛነት)ዚዛረብ ብምዃኑ ብዙኅ ሳዕ
ብዛዕባ ደም ተዛሪቡ ይርከብ። ስለዚ ኸኣ ብኣተኲሮ ነቶም ብነቢያትን ሓዋርያትን ዝተነግሩ ቃለ እግዚኣብሔር ብዛዕባ ደም ይትንትንን
ይዛረብን። ኣቤልን ቃየልን ሽሕ`ኳ ኣኅዋት እንተኾኑ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም እምነት ግን ማዕረ ኣይነበረን። ኣቤል ካብ ቃየል ዝበልጽ፡
ንኣምላኽ ከኣ ባህ ዘብል መሥዋዕቲ ብምቕራቡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ረኸበ እምነቱ ኸኣ ጽድቂ ኰይኑ ተቖጽረሉ። ጽድቂ ዝቊጸር
ደኣ እምበር ዚውህለል ከም ዘይኰነ ከተስተውዕልዎ ዚግባእ ሓቂ እዩ። ስለዚ ኸኣ ከም ውህበት እምበር ከም ዓስቢ ኣይኰነን።
ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንሰባት ብኪዳን
ደም ከም ዘድኅኖም ተዛሪቡ`ዩ። ካብ ማእከል ገነት ጀሚሩ ዝተነግረ ብሥራት ከኣ እዚ እዩ። ቃየልን ኣቤልን ባህሪ ኃጢኣት ዚለበሱ
በደለኛታት እዮም፡ ስለዚ ኸኣ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ሕጊ ብምፍጻም ክቐርቡ ወይ ክጸድቁ ኣይክእሉን እዮም። ኣቤል ካብ በዂራት ኣባጊዑን
ካብ ስብሐንን ኣምጻኤ። እግዚኣብሔር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መሥዋዕቱን ባህ ኢልዎ ረአየ። ዘፍ 4፡4
ዓስቢ ኃጢኣት ሞት እዩ ስለዚ ኸኣ ኩሉ
ሰብ ኃጢኣተኛ ብምዃኑ ምዉት እዩ። ኣቤል ዘስተውዓሎ ጥበብ ግን ቤዛነት
እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣቤል ብጽድቁ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክርአ ከም ዘይክእል ስለ ዘስተውዓለ ብኪዳን ደም ገንሸል ናብ ኣምላኽ ብእምነት
መሥዋዕቲ ኣቕረበ። እዚ እምነት እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽድቂ ተቖጽረሉ። ንሱ ብሓቂ እሙን ምስክር ናይቲ ኣምላኽ ኣብ ዳኅራይ
ዘመናት ዚፍጽሞ ምፍሳስ ደምን ንሱ ዘስዕቦ ሓርነትን ጽድቅን ኰነ። ኣቤል ምሳሌ ናይቶም ንደም ኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነት ብምቕባል
ዚጸደቁ ውሉድ ኣምላኽ እዩ። ብግብሮም ንኣምላኽ ባህ ከብሉ ከም ዘይክእሉ ዚተረድኡ`ሞ ብእምነት ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ጐይታን
መድኅን ሕይወቶምን ብምቕባል ዚጸደቑ እዮም።
ቃየል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ተግባር
ኣይፈጸመን፡ ንልቢ ኣምላኽ ውን ክረትዕ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ቃየል “ቤዛነት” ዚብሃል ምስጢር ኣምላኽ ኣየስተውዓለን። ስለዚ ኸኣ
ንጽድቂ ኣምላኽ ብምንዓቕ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ብጽድቁ ክርአ ፈተነ። እቲ ንሱ ዘቕረቦ ፍረ ረሃጹ፡ ፍረ ድኻሙ`ዩ እዚ ኸኣ ብፍጹም
ንቕዱስ ባህሪ ኣምላኽና ዘዕግብ ኣይኰነን። ኣብ ክንዲ ሕይወት ዚስዋዕ ሕይወት እዩ። ምኽንያቱ ብዘይ ምፍሳስ ደም ሥርየት ኃጢኣት
የለን። ቃየል ምሳሌ ናይቶም ብግብርና ክንጸድቕ ኢና ብምባል ዝደኽሙ ምስጢር ቤዛነት ዚዘንግዑ ሰባት እዩ። እዚኣቶም ጽድቂ ከዋህልሉ
ብምሕላኖም ነቲ ኣምላኽ ዚህቦ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ዕሽሽ ዚበሉ እዮም።
ከምቲ “ ጻድቕ ብእምነት`ዩ ዚነብር”
ዚብሎ፡ ኣብ ወንጌል እቲ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ፡ ማለት እቲ ኻብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ”
ተገሊጹ ኣሎ። ኲሎም እቶም ዚኣምኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዚጸድቁ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ።(ሮሜ1፡16/3፡22)
እሞ ጽድቂ ኣምላኽ ከም ኣቤል ብእምነት፡
ከም ህያብ ዶ ተቐቢልናዮ ኢና᎒ ወይስ ከም ቃየል ብግብርና ከነዋህልሎ ኢና ንደክም ዘሎና᎒
No comments:
Post a Comment