Saturday, February 22, 2020

ስእሊ መግለጺ መገዲ ጽድቂ(ጸሎት ዘቤተክርስቲያን)


ክርስቶስ ዝሞተ ኸኣ ሰብ ብግብሩ ክጸድቕ ዘይክእል ብምዃኑ እዩ(ጸሎት ዘቤተክርስቲያን)



መገዲ ጽድቂ

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዚ ዓለም`ዚ ቅድሚ ምምጽኡ፡ ሓቀኛ መገዲ ጽድቂ ኣይተፈልጠን ነበረ። እንተኾነ ሎሚ ግን ሰማያዊ ኣቦና እግዚኣብሔር፡ ሓቐኛ መገዲ ጽድቂ ኣርኣየና። እቲ መገዲ ጽድቂ ዝተባህለ ኸኣ፡ ሓደ ወዱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።ብዘይካ ንሱ(ኢየሱስ) ካልእ ናብ ሰማያዊ ኣቦና፡ ናብ እግዚኣብሔር ዝወስድ የለን። ንሱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ መገድን ሓቕን ሕይወትን ኣነ እየ፡ ብዘይ ብኣይ ሓደ`ኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የለን” ኢሉ ተዛሩቡ እዩ።(ዮሃ 14፡6)

ስለዚ ንሕና ኲላትና ነዚ ዘየጋጊ ሓቀኛ መገዲ ጽድቂ ዝዀነ ክርስቶስ ጥራይ ሒዝና እንተኸድና፡ ኩሉ ሳዕ ብናፍቖት ኣቦና እናበልና ናብ እንጽውዖ ሰማያዊ ኣቦና እግዚኣብሔርን ናብ ሰማያዊት ሃገርና ዝዀነት መንግሥተ ሰማያትን ክንበጽሕ ኢና። ከም እንደገና ብሥራሕና(ብግብርና) ክንጸድቕ ኢና፡ መንግሥተ ሰማያት ክንኣቱ ኢና ኢልና ኣይንምካሕን፡ እንጸድቀሉ እምነትና ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ስለዚ ኸኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይ`ውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።(ማቴ 11፡28-30)” በለ፡ እዚ ማለቱ ኸኣ ኣባይ ጽንዑ ማለቱ እዩ።

ከምኡ`ውን ቅዱስ ጳውሎስ፡ ጽድቂ ብእምነት ጥራይ ከም ዝርከብ፡ ሥራሕ ብምስራሕ ከም ዘይርከብ ኣብ ዝጸሓፎም ኩሎም መልእኽታቱ የስተምህር።” ስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይግብሪ ሕጊ ብእምነት ከም ዝጸድቕ፡ ንብል ኣሎና” በለ(ሮሜ3፡28)። ካብዚ ኣስዒቡ ውን` ኣብ ራብዓይ ምዕራፍ፡ ኣብ ቁጽሪ ኣርባዕተን ሓሙሽተን “ነቲ ዝዓዪ ሰብ ደሞዙ ኸም ግቡእ ዀይኑ እዩ ዚቚጸረሉ እምበር ከም ውህበት ኣይኮነን። ሰብ ሠናይ ምግባር እኳ እንተ ዘይብሉ፡ በቲ ንኃጢኣተኛታት ዜጽድቕ ኣምላኽ እንተ ኣሚኑ፡ እቲ እምነቱ ጽድቂ ኰይኑ ይቚጸረሉ እዩ” በለ።ከምኡ`ውን በቲ ኣዝዩ ዘረድእ ናይ ኤፌሶን መልእኽቱ “ ንክርስቶስ ብምእማን ብጸጋ ኢኹም ዝደኃንኩም። እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኰነን። ሓደ`ኳ ከይምካሕሲ ብግብሪ ኣይኮነን። ከምኡ`ውን ናብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ፡ ኣብ ቁጽሪ ዕስራን ሓደን፡ “ ኣነስ ንጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቆን እየ፡ ከመይ ጽድቂ፡ ሕጊ ብምፍጻም ዚርከብ እንተዀይኑ፡ ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ” እናበለ ተዛረበ። እዚ ኸኣ ኩሉ ሰብ  ብግብሩ ከም ዘይጸድቕ፡ ብጸጋ ኣምላኽን ብሞት ክርስቶስን ከም ዝጸድቕ የረድኣና። ክርስቶስ ዝሞተ ኸኣ ሰብ ብግብሩ ክጸድቕ  ዘይክእል ብምዃኑ እዩ።

ምንጪ፡ ጸሎት ዘቤተክርስቲያን (እዚ መጽሐፈ ጸሎት`ዚ ንመጀመርታ እዋን በቶም ኣብ ስደት ዝነበሩ ኣቦታት ቤተክርስቲያን ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ብ1931 ዓ.ም.ግ(1939ዓ.ም.ፈ) ተዳልዩ፡ ኣብ ለንደን ተሓቲሙ ኣብ ኣገልግሎት ዝወዓለ እዩ።)

Saturday, February 15, 2020

ሃይማኖተ አበው ዘኤጲፋንዮስ ምዕራፍ 58፡ ቁ.44-46



እግዚኣብሔር ቃል፡ ብፍቓዱ ንሙማት ሰብ ኮነ። ከመይ ቃል ንሞት ምእንቲ ከጥፍእ ሥጋ ሰብ ተዋሃደ። ብመለኮቱ መከራ ኣይተቐበለን ብሰብነቱ ግና መከራ ተቐበለ። ብመለኮቱ መከራ ዘይብሉ ክነሱ ግና በቲ ዝለበሶ ሥጋ ነቲ መከራ ናቱ ገበሮ። ንሱ ሕይወት ክነሱ ብሥጋኡ ንሞት ናቱ ገበሮ። ኬድኅነና ደኣ ሰብ ኮነ እምበር ሕይወት ንሓዋሩ ኣይመውትን እዩ። መጽሓፍ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ሰብ ዚእመን ርጉም ይኹን” ኢሉ እዩ’ሞ ድኅነትና ብተራ ሰብ ኣይኮነን። እምነትና`ውን ብሰብ ኣይኮነን።

ሃይማኖተ አበው ዘኤጲፋንዮስ ምዕራፍ 58፡ ቁ.44-46

Friday, February 14, 2020

Part 6 ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 8፡4)


ሕዝበይ ንኣይ ፈልፋሊ ማይ ሕይወት ንዝዀንኩ ብምኅዳጎምን፡ ንርእሶም ከኣ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ብምዂዓቶምን ክልተ ኃጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹም ውን ራዕራዕ በሉ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 212-13

ኣብ ኲሉ ዘመናት ህያው ዝዀንካ ኣምላኸይ፡ ብምሉእ ልበይ አመስግነካ ኣሎኹ። እቲ ኣባና ዝዀነ ተግባር ፍቕሪ መዘና የብሉን። ንብዘሎ ኣበሳና ኣብ ወድኻ ኣውደቕካዮ፡ ንሕና ምእንቲ ከይንጠፍእ ከኣ ብኽንድዚ ዓቢይ ፍቕሪ ንወድኻ ሃብካና። ንሱ ገዛእ ርእሱ ከም ቅቡል መሥዋዕቲ ኣብ ቅድሜኻ ኣቕረበ፡ ብመሥዋዕቲ ሓደ ወድኻ ኸኣ ባህ በለካ። ብምፍሳስ ደም ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ተቐዲስና ኢና። ኢንታ ዘይርከቦ ንጹሕ መሥዋዕቲ፡ ኃጢኣት ከርሕቕ ዝኽእል ብቑዕ ደም ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ምእንት`ዚ ዓቢይ ግብሪ ኸኣ ንድነቕን ንግረምን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ነመስግነካ ኣሎና። ኦ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓይ ንኃጥእ ከተጽድቕን ክትቅድስን ክቡር ደምካ ኣፍሲስካ ኢኻ`ሞ ስብሓት ይኹንካ። ንስኻ ብቑዕ ኢኻ፡ ካብ ብዘሎ ነገዳትን ሕዝብታትን ቋንቋታትን ንኣምላኽና ካህናትን መንግሥትን ክንከውን ተሓሪድካ ዓዲግካና ኢኻ፡ ብኣኻ ኣዚና ንሕጐስ ኣሎና ስምካ ይባረኽ። ንሞት ዝሰዓርካ፡ ሕይወት ከኣ ዝሃብካና በይንኻ ኢኻ`ሞ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹንካ። ነፍሳትና ብሳላኻ ፍጹም የዕሪፈንን ተናጊፈንን ኣለዋ፡ ክብሪ ኹሉ ንዓኻ ይኹን ገንሸለይ።  መንፈስ ቅዱስ ንኣመንቲ እተጸናንዕ እተበርትዕ ሓቅን ጽድቅን እትነግር መንፈስ ስምካ ይባረኽ። ምልኣት መንፈስ ደረት ኣልቦ`ዩ ኪኖ መዓሙቕ ባሕርን ብራኸ ኣኽራናትን እዩ። ኦ ጐይታ ብኃይልኻ ዓወት ረኺብና ኣሎና፡ ዘይነጽፍ ውሒዝ ፍቕርኻ ንልባትና ወርትግ ክመልኦ ንልምነካ ኣሎና። ብኹሉ ኃይልን ጥበብን ኣዕብየና፡ ሕግኻን ቃልካን ኣብ ልባትና ይንበር፡ ኦ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ውህበታትካ ከምቲ ካብ ላዕሊ ዝውሕዝ ወሓዚ፡ ንሕይወትና የጥለቕልቆ። መንፈስ ብርትዐን ኃይልን ሂብካና ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ንምድርና ከም ቃልካ ብወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ፈውሳ፡ ብኣኻ ንእመን ንተኣማመን ኢና። ምኽሪ ክፉኣት ሰባት ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈረሰ ይኹን፡ ብርሃንካ ኣብ ልቢ ሕዝብና ይብራህ። ስለ ዂሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

 ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 84)
ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእይን ኩነኔ?


እግዚኣብሔር ንግብጻውያን ክቐትል ክኃልፍ እዩ። ነቲ ደም ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን ኣብ ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ምስ ረኣየ ኸኣ ነታ ደገ ክኃልፋ እዩ፡ መልኣከ ሞት ናብ ቤትኩም ኣትዩ ኺቐትለኩም እውን ኣይኪሓድጎን እዩ(ዘጸ12፡23)።

ዘለዓለማዊ ዝዀነ ኣምላኽና ግብሩ መስተንክር፡ዕዮኡ`ውን ፍጹም ጐደሎ ዘይብሉ እዩ። ሓሳባቱ ካብ ሓሳባትና፡ መገድታቱ’ውን ካብ መገድና ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። እቲ ኣምላኽ ንዓና ዝሓሰቦ ሓሳብ ከኣ መፈጸምታን ተስፋን እንረኽበሉ ሠናይ እዩ። ነገረ-ድኅነት ዚብል ዛዕባ ኸኣ መለኮታዊ ኣጀንዳ እዩ። ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ብሚዛን ቃለ እግዚኣብሔር ኢና ንርኢ ዘሎና። ልብታትና ክሰፍሕ ምስትዋልና ክዓቢ ደኣ እምበር ስቕ ኢልካ ብሃውሪ ወይ ብሃሰሰ-ለባም እንጐዓዞ ሕይወት ክህሉ ኣይግባእን። ደራሲ/ት ኣብቲ ጽላሎትኪ ኣብ መፈጸምታ ኣንቀጽ ከምዚ ይብል፡ “ እቲ ናይ ሞት መልኣኽ ንድኅሪት ክምለስ/ ጸሎትኪ’ዩ ነይሩ ናይ ሕይወተይ ዋሕስ”። ኣብዚ ክፍሊ`ዚ ብኣተኲሮ ክንርእዮም ዝግበኣና ዓበይቲ ነጥብታት ኣለዉ። ናይ ሞት መልኣኽ ንድኅሪት ምምላሱ፡ ጸሎታ ውን ውሕስነት ሕይወት ምዃኑ ደራሲ ብኣተኲሮ ገሊጹ ይርከብ። ደራሲ/ት ነዚ ምንጪ`ዚ ካበይ ረኸቦ፧ መልኣከ ሞት`ከ መዓስ ኰን`ዩ ንድኅሪት ተመሊሱ፧ ጸሎት ድንግል ማርያም`ከ ውሕስነት ሕይወት ድዩ፧ ዚብሉ ሕቶታት ክለዓሉ ባህርያዊ እዩ። በሉ ንዑ ነቲ ቅዱስ ቃል መጽሓፍ ንመርምሮ፡ ጥበብን ሓቕን ከኣ ካብኡ ክንረክብ ኢና። ሞት ናብ ዓለም መዓስ`ዩ ኣትዩ ኢልና እንተሓተትና፡ ሰብ ምስ በደለ ዚብል መልሲ`ዩ ዝወሃበና። ሰብ ኃጢኣት ምስ ፈጸመ፡ ሞት ከኣ ደሞዝ ወይ ዓስቢ ኃጢኣት ስለ ዝዀነ ሞት ኣብ ልዕሊ ሰብ ነገሠ። ብዘሎ ሰብ ኃጥእ ከም ዝዀነ ቅዱስ መጽሓፍ ክምስክር ከሎስ፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሞት ከም ዝተገዝአ`ዶ ኣይኰነን ዝነግር ዘሎ፧ እሞ ዓስቢ ኃጢኣት ከይተኸፍለ`ኸ ከመይ ኣቢሉ`ዩ ሞት ንድኅሪት ዝምለስ፧ ንሕና ግና ኃጢኣት ገበርና፡ ንስኻ ድማ ኰረኻልና፡ ንሕና ኸኣ ኣብ ኃጢኣትና ንነዊሕ ዘመን ነበርና፡ ከመይ ኢልና ደኣ ክንድኅን ኢና፧ ኲላትና ብኃጢኣትና ረኸስና፡ ጽድቅና`ውን ከም ጨርቂ መርገም ኮነ፡ ብሰሪ ኃጢኣትና ኸኣ ከምቲ ንፋስ ንየው ነጀው ዚብቊጾ ንቑጽ ቈጽሊ ኾንና(ኢሳ64፡5-6)። ብምባል ነብያት ብሃረርታ ምድኃን ክመጻሎም ይጽበዩ ነበሩ። ዓስቢ ኃጢኣት ዝዀነ ሞት ብኸመይ ከም ዝስገር እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ኣርእዩ ኣሎ። ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ እስራኤላውያን ኰነ ግብጻውያን ካብ ኣዳም ዝተረኽቡ ሞት ከኣ ኣብኦም ዝሠልጠነ ነበሩ። እግዚኣብሔር ብመገዲ ነቢየ እግዚኣብሔር ሙሴ፡ ሥርዓት ፋሲካ(ምኅላፍ) ንእስራኤል ሃቦም።

“ በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ ክሓልፍ እየ፡ ንዂሉ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ክቐትል እየ። ንዂሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ኸኣ ኽቀጽዖም እየ። ኣነ እግዚኣብሔር እየ። እቲ ደም ኣበየኖት ኣባይቲ ከም ዘሎኹም ምልክት ኺኾነኩም እዩ፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ደም ምስ ረኣኹ ኽኃልፈኩም እየ።ንምድሪ ግብጺ ክወቕዓ ከለኹ ድማ እቲ ዝቐትል መዓት ኣይክትንክፈኩምን እዩ(ዘጸ12፡12-13)። እስራኤላውያን ካብቲ ዝወርድ ነበረ መዓት፡ ቤቶም ብደም ገንሸል ኣወቂቦም ምልክት ብምግባሮም ብሕይወት ተረፉ። እቲ መልኣከ ሞት ነቲ ደም ምስ ረኣየ፡ ነታ ደገ ኃሊፍዋ ከደ ምኽንያቱ ኣብ ክንድኦም ዝተሰውአ ገንሸል ንዕኦም ሓርነት ኣወጀሎም። እቶም ሞት ዝግብኦም ኣብ ጽላል ደም ብምጽላሎም፡ ካብ ሞት ደሓኑ። ኃይሊ ደም ንሞት ክገዝእ ዝኽእል ሥልጣን ከም ዘለዎ ኸኣ ተመስከረ። እዚ ምሳሌ ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ሠናይ ነገር ነበረ። ሰባት ከይሞቱ፡ እቲ ብምኽንያት ኃጢኣት ዝመጽእ ቊጥዓ ኸኣ ከይበጽሖምን ቀጺሉ ውን ውሕስነት ክህቦምን ዝኽእል ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ`ዩ(ቲቶ 2፡11)፡ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ንኃይሊ ሞት ክገዝእ፡ ነቶም ምሉእ ዕድሚኦም ከኣ ባራዩ ኰይኖም ዝነበሩ፡ ብምፍሳስ ደሙ ከድኅን ክርስቶስ ኢየሱስ ሰብ ኮነ። ስለዚ እምበኣር ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝነግሩና፡ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኣምን ብደሙ ተሓጺቡ ጻድቕ ስለ ዝኸውን ሞት ኣብኡ ሥልጣን የብሉን። ”ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ዂሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኪረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ንተመን ዝሰቐሎ፡ ወዲ ሰብ(ኢየሱስ) ድማ ክስቀል ይግባእ እዩ። በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፡ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድ`ዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ፡ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽትድኅን እምበር ንዓለም ኪፈርድ ኢሉ ኣይኮነን። እቲ ብእኡ ዚኣምን ኣይክፍረዶን እዩ፡ እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና ብሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ እዩ(ዮሃ3፡15-18)። 

እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ብደሙ ዝተቐደሰ ብምዃኑ ሞት ኣብኡ ሥልጣን የብሉን፡ ፍርሃት ሞት ከኣ ኣብኡ የልቦን። ሎሚ ብዙኃት ሰባት ሞት ክሰምዑ ከለዉ ይፈርሁን ይምብድበዱን ምኽንያቱ ኸኣ ብክርስቶስ ኢየሱስ ስለ ዘይኣመኑ እዮም። እቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣመኑ ግን ብደሙ ዝጸደቑ ስለ ዝዀኑ ኲነኔ የብሎምን፡ ንኣይ ሕይወተይ ማለት ክርስቶስ እዩ፡ ሙማት ከኣ ረብሓይ እዩ(ፊሊ1፡21) እናበሉ እዮም ዝዝምሩ። እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘይኣመኑ ንዕኡ ከም ጐይታን መድኃንን ሕይወቶም፡ ከም ወዲ ኣምላኽን ሊቀ ካህኖም(ዓራቒኦም) ዘይተቐበሉ ግን ፍርሃት ሞት ዘለዎም፡ ቊጥዓ ኣምላኽ ዝጽበዮም ሰባት እዮም። ውሕስነት ሕይወት ሰብ፡ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደም ጥራይ እዩ። በዚ ምኽንያት ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ንድንግል ማርያም ውሕስነት ሕይወትን ንመልኣከ ሞት ንድኅሪት እትመልስን ጌሩ ምቕማጡ፡ ካብ ትምህርቲ እግዚኣብሔር ዝወጸ ክሕደት እዩ። ሰብ ንክርስቶስ ኢየሱስ ብእምነት ብምቕባል ከም ዝድኅንን ውሕስነት ሕይወት ከም ዝረክብን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይዛረቡ ኣለዉ፡ እቲ ብናይ ሓሶት ትምህርቲ ነዚ ቅኑዕ ትምህርቲ ክጻረር ዝደሊ ግና ኣብ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዕሽሽ ብምባሉ ኣብ ቁጥዓ ከም ዝወደቐ ክፈልጥ ይግባእ። ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ። እቲ ብመላእኽቲ ዝተነግረ ቓል ክትእዘዞ ዝግባእ ሓቂ ካብ ኮነ፡ ኲሉ በደልን ዘይምእዛዝን ከኣ ፍርዱ ዚቕበል ካብ ኮነ፡ ንሕና ግዳ ንኽንድዚ ዚዓቢ ምድኃን ዕሽሽ ክንብል ከሎና ከመይ ጌርና ክንመልቚ ንኽእል፧ እዚ እቲ ብመጀመርታ ብጐይታ ዝተነግረ ድኅነት፡ በቶም ዝሰምዕዎ ተረጋጊጹልና እዩ። ኣምላኽ ከኣ ብትእምትርን ብዘደንቕ ነገራትን ብበበይኑ ዝኾነ ተኣምራትን በቲ ኸም ፍቓዱ ዚዕድሎ መንፈስ ቅዱስን ገይሩ ኣረጋጊጹልና እዩ(ዕብ2፡1-4)።  

ኦ ክቡር/ቲ ኣንባቢ/ት ነቲ ካብ ሰማይ ዝዛረበና ዘሎ ነቕልበሉ፡ ሕይወትናን ሕይወት ወለዶታትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክምራሕ ሎሚ ንወስን። ብዘይካ ኢየሱስ ክርስቶስ ሞት ዝስዕር ሓደ`ኳ የልቦን፡ ካብ ሞት ከድኅን ዝኽእል ውን ሓደ`ኳ የልቦን፡ ብእኡ ምእማን ብደሙ ምቕዳስን ዘለዓለማዊ ውሕስነትን ዘለዎ እዩ።  ደጊም ካብ ከንቱ ኣተሓሳስባ ሰባት ሓራ ክትወጹ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እምሕጸነኩም ኣሎኹ። ኣብ ሕይወትኩም ንዘይረብሑ ከንቱ ጽሑፋት ከተተግብሩ ኣይትድከሙ፡ ግዜኹም ከም ለባማት ተጠቐምሉ፡ መገድን ሓቕን ሕይወትን  ክርስቶስ ኢየሱስ ሎሚ ውን ኣእዳዉ ዘርጊሑ ይጽበየኩም ኣሎ። 

ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ብሚዛን ቃለ እግዚኣብሔር፡” ቴቄል”(ቴቄል፣ ብሚዛን ተመዚንካ፣ቀሊልካ ተረኽብካ(ዳን 5፡26-28)  ኰይና ተረኺባ እያ፡ ስለዚ ሕይወትና ክንሕሉ ይግባእ። ኣብ መፈጸምታ ንደረስቲ እዛ ድርሰት ኰነ፡ ንደረስቲ መዛሙር ሃገርና ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፡ ዕዮና ከም ፍቓድ ኣምላኽ ቅዱሳት መጻሕፍቲ(መጽሓፍ ቅዱስ) መሠረት ዝገበረ ይኹን፡ “እዞም ሓሰውቲ ጸሓፍቲ ንሕገይ ለዊጦሞ፡ ንቓለይ ከኣ ወጊዶሞ እዮም” ዚብል ሕያው ቃል ኣምላኽና ኣባና ከይፍጸም ንጠንቀቕ። ዝወደቐ ሰብ ከም ዝትንሥእ፡ መገዲ ዝተጋገየ ውን ከም ዝምለስ ንሕናውን ንበደልናን ንበደል ኣቦታትናን ክንስሓሉ ይግባእ እዩ። እቲ ብዘመናት ኩሉ ሕያው ዝዀነ ኣምላኽ፡ ከምቲ ፍቓዱን መደቡን ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ክንነጽህ ይጽወዓና ኣሎ`ሞ ንጽውዓኡ ተቐቢልና ብሓድሽ ሕይወት ንመላለስ። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

ተፈፀመ

Thursday, February 13, 2020

Part 5 ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 8፡4)


ሕዝበይ ንኣይ ፈልፋሊ ማይ ሕይወት ንዝዀንኩ ብምኅዳጎምን፡ ንርእሶም ከኣ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ብምዂዓቶምን ክልተ ኃጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹም ውን ራዕራዕ በሉ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 212-13

ኦ ኣምላኸይ እቲ ኣባና ዘርኣኻዮ ፍቕሪ መዘና የብሉን። ንሕና ገና ድኹማት ኩሎና ንሓደ ወድኻ መድኅን ዓለም ክኸውን ለኣኽካዮ፡ እዚ ፍቕሪ’ዚ ኸኣ ፍጹም ዘይዕቀን ዘለዓለማዊ እዩ። ኣብ ሃገር ምዉታን ንሰብ ተስፋ ዝዀነ`ኸ መን`ዩ፧ ሓደ`ኳ ኣይነበረን። ኣምላኸይ ብርሃን ጽድቂ ምእንቲ ክንርኢ ንቅዱስ ወድኻ ሓዋርያ ጌርካ ናባና ለኣኽካዮ። ስለ እዚ ዓቢይ ክብሪ ኸኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣሎኹ። ኣርዑት ሞት ካባና ከተርሕቕ፡ ነቶም ዝረኸሱ ክትቅድስ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት እንነብር ዝነበርና ኸኣ ብርሃን ኴንካ ዝተገለጽካ ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ንጥፉእ ክትደሊ ኢኻ ዝመጸኻ፡ ሓቂ ብሓቂ ኸኣ ተስፋ ኃጥኣን ንስኻ በይንኻ ኢኻ። ንስኻ`ኮ ብርሃን ክንርኢ ዝገበርካና፡ ኣረጊት መዋቲ ዘርኢ ሓዲግና ብሓድሽ መለኮታዊ ዘርኢ ክንነብር እንደገና ዝፈጠርካና እንኮ ፈታዊና ኢኻ። ደምካ ኃጢኣትና ሓጺቡ ኣጽዲቑና እዩ ምእንትዚ ኸኣ ንዘለዓለም ክንባርኸካ ኢና። ብቅዱስ መንፈስ ተሓቲምና ውሉድ ኣምላኽ ኢና`ሞ ዘፍርሃና ዀነ ዘሸብረና የልቦን። ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ሓይልኻ እናበልና ብሓይሊ ደምካ ንዘለዓለም ንምካሕን ንዝምርን ኣሎና። ምድርና ብወንጌልካ ምልኣያ፡ ኩሉ ዝርኡ ክርዳድ ከኣ ካብ ቃልካ ዝተላዕለ ከንቱ ይኹን። ንእግዚኣብሔር ኣቦና ስለ ኹሉ ነገር ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 84)
ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእይን ኩነኔ?


ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቕ እዩ” ዘፍ3፡15

ብድኅር`ዚ ካብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ ክሳዕ ደም ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ ዘሎ፡ ደም ቅዱሳን ነቢያት ንምድኃን ዓለም ከም ዘይበቅዕ ምስ ረኣየ፡ ክባልህን ክብጆን መዘከርታ ሕያዋንን ምዉታንን ድማ ናብ ቅድሚኡ ከእቱ፡ ተበጃውን መድኃንን ወዱ ሰደደልና(ቅ. ኤጲፋንዮስ ቁ. 43)። እግዚኣብሔር ንሰብ ካብ ኩሉ ፍጥረት ብዘደንቕ መገዲ እዩ ፈጢርዎ፡ ካብ እስትንፋስ ሕይወት ተኻፋሊ ዝዀነ ውን ንሱ ሰብ እዩ። ኣምላኽ ንሰብ መጠን ኣልቦ ፍቕሪ እዩ ዘለዎ። ሰብ ኃጢኣት ምስ ፈጸመ ውን እንተዀነ እቲ ካብቲ ሰብ ብፍታዉ ዝኣተዎ ማእሠር ሞት ከውጽኦ ብቕዓት ዘለዎ እግዚኣብሔር ጥራይ ብምዃኑ ተስፋ ኃጥኣን ኣብኡ ጥራይ እዩ ዝነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፡ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ኃጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፡ ብምኽንያት ኃጢኣት’ውን ሞት መጸ፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ተመሓላለፈ(ሮሜ5፡12)። ካብ ኣዳም ዝተወልደ ዘበለ ዂሉ ኣብ ትሕቲ ሞት ከም ዝተገዝአ መጽሓፍ ቅዱስ መዝጊብልና ኣሎ። በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ እዩ “ሓደ`ኳ ጻድቕ የልቦን” ዚበለ። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሰብ ኣብ ጸልማት ከምዝነብር ዘሎን ኲላቶም ካብቲ ዝወደቀ ባህርይ ዝተረኽቡ ብምዃኖም፡ ካብኦም ንኻልኦት ተስፋ ድኅነት ክኸውንሲ ይትረፍ ንርእሶም እኳ ከድኅኑ ከም ዘይክእሉ፡ ተስፋ ኃጥኣን ክኾኑ ከም ዘይክእሉ ገሊጹልና እዩ። “በቲ ለውሃት ምሕረት ኣምላኽና ካብ ላዕሊ ፀሓይ በሪቑ ኪበጽሓና እዩ። ንሱ(መሲሕ) ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ጽላሎት ሞትን ዚርከቡ ኼብርህ እዩ፡ ነእጋርና ኸኣ ናብ መገዲ ሰላም ኪመርሕ እዩ”(ሉቃ 1፡78-79)።

እዚ ዓለም`ዚ ሃገረ ሞት፡ ጸልማት ዚነግሠሉ ብምንባሩ ሓደ`ኳ ብርሃን ክኸውን ከም ዘይክእል መጻሕፍቲ ይምስክሩ(ዮሃ1፡6-9)። እዚ ጸልማት’ዚ ኃጢኣት ድኅሪ ምፍጻሙ ዝሰዓበ እዩ። እንተዀነ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን ተስፍኦም መን ነበረ፧ ካብ ገነት ክወጹ ከለዉ ብዘይ ተስፋ ኣይወጹን፡ ንኃጢኣተኛ ካብ ምድኃን ዝዓቢ ተስፋ የብሉን፡ በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ እግዚኣብሔር “ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቕ እዩ” ዚብል ተስፋ ድኅነት ሃቦም። ካብ ገነት`ውን ደበሎ ከዲኑ ኣውጽኦም፡ እቲ ዝፈሰሰ ደም ምሳሌ ናይቲ ንድኅነቶም ዝፈስስ ደም መሲሕ/ ኣድኃኒ ምዃኑ ኸኣ ተረድኡ። ብዘለዉ ቀዳሞት ኣቦታት ጽድቅና ከም ጽዩቕ ጨርቒ ኰነ ንዓ መጺኻ ኣድኅነና እናበሉ ብተስፋ ተጸበዩ። ምምጻእ መሲሕ ከኣ መተካእታ ዘይብሉ ተስፋ ኃጥኣን ነበረ። ንኣኻትኩም ነዞም እተኽብሩኒ ግና፡ ምድኃን ኃይለይ ከም ፀሓይ ጽድቂ ኺበርቀልኩም እዩ፡ ከም ጩራ ፀሓይ ከኣ ፈውሲ ከምጽኣልኩም እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ከም ፍታሕ ብተይ ክትወፁን ክትዕንድሩን ኢኹም(ሚልክ 4፡2)። ኣቀዲመ እቲ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘሎ ሓሳብ ክገልጽ ኢለ ምጅማረይ፡ ዝያዳ ኣተኲሮይ ኣብኡ ክገብር ስለ ዝደለኹ እየ። ኣብ ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ምስ’ዚ ሕያው ቃል ኣነጻጺርኩም ክትመዝኑን ክትዕይሩን ከኣ እላቦ።ደራሲ/ት ኣብ ድርሰቱ/ታ ከምዚ ይብል፦ “ደጋፊት ድኹማት ምርኩስ ተስፋ ኃጥኣን” እዚ ሓሳብ’ዚ ብመድሎተ ጽድቅ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመዝኖ ተራና እዩ። ንሕሙም ተስፍኡ ጥዕና፡ ንኃጥእ ከኣ ተስፋኡ ድኅነት እዩ። እዚ ተስፋ ድኅነት እዚ ኸኣ ብሞት እዩ ዝፍጸም። ቅዱሳን ኣቦታት ተስፋኦም ኣብ መሲሕ ምግባሮም ንሱ ነቲ ዝኣሠረና ገዛኢ ቀቲሉ ብደሙ ከም ዘድኅነና ስለ ዝኣመኑ እዮም። ከምቲ ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ ዝነግረና ዘሎ ተስፋ ኃጥኣን ኣብ ድንግል ማርያም እንተዝነብር ንምንታይ ኰን`ዩ ኣምላኽ ሰብ ክኸውን መሪጹ፧ ኣቦ ንሓደ ወዱ ዝሃበሉ ምኽንያት ኩሉ ሕዝቢ ካብ ዝጠፍእ ሓደ በጃ ዂሉ ምእንቲ ክመውት’ዶ ኣይኰነን ፧ ደራሲ/ት ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝዀነሉ ምሥጢር ዝተረድአ/ት ኣይመስለንን። እቲ ቅዱስ ንሱ በይኑ ተስፋ ኃጥኣን ብምዃኑ ከምዚ ከማና ሰብ ክኸውን ተገብኦ። እቶም ውሉድ ሥጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለ ዝዀኑ፡ ኢየሱስ`ውን ከምኦም ሰብ ኮነ፡ እዚ ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ክስዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባራዩ ኾይኖም ዝነበሩ ሓራ ምእንቲ ከውጽእ ኢሉ እዩ። ከመይ ብሓቂ፡ ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር ንመላእኽቲ ከድኅን ኣይመጸን(ዕብ2፡14-15)። ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋ ኃጥኣን ምዃኑ ባዕሉ ውን መስኪሩ እዩ። ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር፡ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡(ሉቃ5፡32)። ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ ኣ (ማቴ18፡11)። 

ስለዚ እምበኣር ካብ ጥንቲ ተስፋ ድኅነት እቶም ዝወደቑ ሰባት(ኃጥኣን) መሲሕ(ክርስቶስ) ደኣ እምበር ድንግል ማርያም ኣይኮነትን። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘይነገሩና መንፈስ ቅዱስ ዘይሃበና ትምህርቲ ኸኣ ክንጽየፎ እዩ ዘሎና። ተስፋ፡ ተስፋ ጥራይ ኰይኑ ኣይኰነን ዝነብር ዝፍጸመሉ እዋንን ግዜን ኣለዎ፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ንኣቦታትና ዝተዋህበ ተስፋ ኃጥኣን (መሲሕ) ዚመጸሉ እዋን ምስ በጽሐ፡ “ጊዚኡ ምስ በጽሐ፡ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ከድኅን፡ ንሕና`ውን ናይ ውልድነት ሥልጣን ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ(ዘፍ3፡15)፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ`ውን ዝኃደረ ወዱ ለኣኾ(ገላ4፡4-5)። ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን እቲ ክመጽእ`ዩ ዝተባህለ ንኃጥኣን ዝተዋህበ ተስፋ ተፈፀመ። ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ ውን ነቶም ኣብ ኣርዑት ኃጢኣት ዝተኣስሩ ከድኅን ዝኽእል እሙን ተስፋ እዩ። ንሱ ንኃጥኣን ዚቕበል፡ ብንጹሕ ደሙ ውን ዝዓርቕ ሊቀ ካህናት እዩ፡ ጾርኩም ሒዝኩም ንዑ ናብኡ፡ ብሓቂ ንሱ እሙንን ደንጋጽን ሊቀ ካህናት እዩ፡ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣቦ ዚመጹ ኸኣ ንዘለዓለም ክማልደሎም ዚነብር እዩ። ተስፍኡ ኣብ መዋቲ ሰብ ዝገብር ርጉም እዩ ከም ዝበለ ጽሑፍ፡ ተስፋኹም ኣብ ፍጡራት ዘይኰነስ ኣብቲ ከድኅነኩም ዝኽእል ኢየሱስ ክርስቶስ ግበሩ። ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዝተረኽበት ብዘይምዃና ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ መጻሕፍቲ ዝመስከርዎ፡ ነቢያት ዝተነበይዎ፡ ሓዋርያት ዝሰበኽዎ ቅኑዕ ወንጌል(ብሥራት) ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክትገልጽ ብዘይምኽኣላ ኢክርስቲያናዊት እያ። ልብናን ኣእምሮናን ናብቲ ሓቀኛ ዝዀነ ተስፋ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቕልብ። ንሱ ነቶም ብእምነት ክጸድቁ ዝደልዩ ቀረባኦም እዩክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ(1ጢሞ1፡15) መዓልቲ ምድኃን ሎሚ እያ፡ካብ ጸልማት ወጺእኩም ንብርሃን ሓቂ ተቐበሉ ጐይታ ከምዚ ይብል፡ ”ኣነ ንዓለም ብርሃኑ እየ፡ እቲ ዚስዕበኒ ኸኣ ብርሃን ሕይወት ኪረክብ እምበር ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ” (ዮሃ8፡12)።
………ይቕጽል

Tuesday, February 11, 2020

Part 4 ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 8፡4)



ሕዝበይ ንኣይ ፈልፋሊ ማይ ሕይወት ንዝዀንኩ ብምኅዳጎምን፡ ንርእሶም ከኣ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ብምዂዓቶምን ክልተ ኃጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹም ውን ራዕራዕ በሉ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 212-13

ሰማያዊ ጥበብን ኃይልን እትገልጽ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ብምሉእ ጥበብን ምስትውዓልን ቃልካ ክንርዳእ ክትህበና ብስም ሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ንልምነካ ኣሎና። ንስኻ ነቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን ዝኾነ መንግሥቲ ብርሃን ዘብቃዕካና ክቡር ኣቦና ኢኻ’ሞ ብምሉእ ሓጐስ ነመስግነካ ኣሎና። ካብ ሥልጣን ጸልማት ኣውጺእካ፡ ብኽቡር ደም መሲሕካ ኣንጺህካ ናብታ መንግሥቲ ቅዱስ ወድኻ ስለ ዘእተኻና ንባርኸካ ኣሎና። ብእኡ ሥርየትን ድኅነትን ምእንቲ ክዀነልና፡ ነቲ በዂሪ ወድኻ ርእሲ ማኅበር ጌርካ ኣቖምካዮ፡ ብእኡ ኸኣ ሲኦል ተዘምተ፡ ሞት ውን ተሳዕረ። ስለ ዂሉ ነገር ብስም ጻድቕ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ንባርኸካ ኣሎና። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ገንሸል ብምዃን ኣሳጊርካና ኢኻ፡ ብደምካ ውን እነና ሕያዋን ኰይንና ኣሎና። ሳላ ክቡር ደምካ ካብዚ ክፉእ ዓለም ተመንጢልና ብዋጋ ደም ተዓዲግና ናብ ሕይወት ኣቲና ኣሎና፡ እቲ ብኣኻ ዚኣምንስ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ደኣ ይሳገር እምበር ናብ ኲነኔስ ኣይወድቕን እዩ። ኦ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ብደምካ ንኃጥኣን ናብ ሕይወት ከተስግር ማእከላይ፡መንጐኛ፡ ኣታዓራቒ ኰይንካ ነፍሳትና ኣድኂንካየን ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ንመንፈስ ቅዱስ ኣቦና ምስጋና ይኹን፡ መገዲ ሓቕን ጽድቕን ዘብራህካልና፡ ኣብ ልባትና ብርሃን ይብራህ ዝበልካ፡ ቅዱስ መንፈስ ስምካ ይባረኽ። ክፍኣት ኣብ ቅድሜኻ ዕድመ ዘይብሉ ከንቱ እዩ፡ ሳላ ዓቢይ ብርሃንካ ጸልማትና ተቐንጢጡ ጠፊኡ እዩ። ንሕናስ ካብቶም ንድኅሪት ዝምለሱ ኣይኰንናን፡ ብበረኸት ዘበለ መሊእካናን ኣጸናኒዕካናን ኢኻ`ሞ ስምካ ይባረኽ። ንምድርና ብብርሃን ወንጌል ውረሶ፡ ክፍኣት ዘበለ ኩሉ ብኃይሊ ብርቱዕ ቃልካ ይመሖ፡ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ስም ኣሜን።

ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 84)

ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእይን ኩነኔ?


አማን፡ አማን እብለክሙ፡ ዘይሰምዕ፡ ቃልየ፡ ወየአምን፡ በዘፈነወኒ፡ይረክብ፡ሕይወተ፡ ዘለዓለም፡ ወኢየሐውር፡ውስተ፡ ደይን፡ አላ፡ ደወ፡ እሞት፡ ውስተ፡ ሕይወት

ዮሐ5፡24

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ካባና ዝጽበዮ ሓደ ነገር`ኳ የብሉን፡ ንሱ ግን ሕጉ ክሕሎ ብርቱዕ ድሌት ስለ ዘለዎ፡ ሕዝቡ ሕጉ ብምሕላው ክነብሩን ክባረኹን ደለየን መደበን። ሕጊ እግዚኣብሔር ጥበበኛ ዝገብር፡ ዓወት ዝዕድል፡ መገዲ ዘቕንዕ፡ ንሕይወት ዝመርሕ ሕያውን ዝዓዪን እዩ። እዞም ሎሚ ዘሎና ወለዶታት ቃሉ ክንጸውር ዘሎና ናይ ኣምላኽ ኅሩያት ኣገልገልቲ ክንከውን ኣምላኽ ይጽወዓና ኣሎ፡ ከም ፍቓዱ ክንነብር`ከ እንታይ ንግበር፧ ንቓሉ ዘወትር ንብልዓዮ። “ኣብቲ ጽላሎትኪ” ዚብል ድርሰት ብሚዛን ቃል ኣምላኽ ኣብ ንርእየሉ ዘሎና ኩነት፡ ልብታትና ብምስትውዓል ክመልኦ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ይርድኣና። እቲ ንዘመናት ክሰዓር ዘይክእል ቃል ሎሚ ውን ሕያው`ዩ። እቶም ኣገልገልቲ ክእሠሩ፡ ወይ ውን ብሞት ናብ ጐይታ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም ንሱ ግን( ቃል ኣምላኽ) ክእሠር ዘይክእል፡ ክመውት ዘይክእል፡ ንእሱራት ክፈትሕ ንሙታን ከኣ መገዲ ኣምላኽን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ከብርህ ዝኽእል ብርቱዕ ሰይፊ እዩ። ሎሚ ውን ከም መቐጸልታ እቶም ዝሓለፉ ክፋላት ካልእ መሠረታዊ ነጥቢ`ዛ ድርሰት ክንርኢ ኢና። ኣብ ትኅዝቶ ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ ከምዚ ዚስዕብ ቃል ሰፊሩ ይርከብ። “ ድልድል መሳገሪት ማዕዶት ናይ ሕይወትና”። ቅድሚ ኹሉ እቲ ሓሳብ ንጹርን ግሁድን ምእንቲ ክኸውን ማዕዶት እንታይ ማለት’ዩ ንዝብል ሕቶ፡ አለቃ ኪዳኔ ወልድ ክፍሌ ንዝጸሓፍዎ፡ “ መጽሐፈ ሰዋስው ወግስ፡ ወመዝገበ ቃላት ሐዲስ” ክንውከስ ኢና። ዐደወ፡ የዐዱ፡ ይዕዱ(ዕብራይስጥ፡ዐዳህ/ ሱርሰት፡ዕዳእ/ ዐረብ/ዐደእ)፡ ምስጋር፡ ምሕላፍ፡ ምዝላል፡ ምጒዓዝ፡ ዚብል ትርጉም ኣለዎ። ካብዚ ሥርወ ቃል`ዚ ኸኣ ማዕዶ/ማዕዶት ይወጽእ። “ማዕዶት፡ ዚብል ጥምሮ ቃል ከኣ ማይ/ ዕዶት ንዚብሉ ቃላት ጠሚሩ ዝሓዘ እዩ። ማይ/ሩባ ተሳጊርካ፡ሓሊፍካ ዘሎ ቦታ ዘመልክት እዩ። አለቃ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ ነዚ ሓሳብ ከረድኡ ከለዉ፡ “ዐደወ እሞት ውስተ ሕይወት” እናበሉ ኣብነት ድኅሪ ምቕራቦም፡ ብኣቆጻጽራ ቤተክርስቲያን “ማዕዶት” ተባሂላ ንዝተሰምየት ጽባሕ ትንሣኤ ዘላ መዓልቲ( ሰኑይ) ውን ወሲኾም ይጠቕሱ። በንጻር እዚ ደራሲ/ት ኣብቲ ጽላልሎትኪ ናይ ሕይወትና ድልድል መሳገሪት ማዕዶት እናበለ ንድንግል ማርያም ክጽውዓ እንከሎስ፡ ካበይ ናበይ ኰን’ዩ ተሳጊሩ፧ ዚብል ሕቶ ቅጅል ይብለኒ። “ዐደወ” ዚብል ቃል ካብ ሞት ናብ ሕይወት ንዘሎ ምስጋር ዝገልጽ ምዃኑ ደራሲ ኣብቲ ጽላሎትኪ ከስተውዕል ብዘይ ምኽኣሉ እነሆ ብድፍረት ተሳሒቡ ወዲቑ ንርእዮ ኣሎና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ እቲ ንነፍሳትና ከሳግር ዝኽእል ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብቓሉ ገሊጹልና ይርከብ። ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ እቲ ንቓለይ ዚሰምዕ፡ በቲ ዝለኣኸኒ`ውን ዚኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ፡ ንሱ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ይሳገር እምበር ናብ ፍርዲ ኣይክበጽሕን እዩ(ዮሃ5፡24)። ተግባር ምስጋር ብደም እዩ ዚፍጸም፡ ንሱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ከእትወና ኸሎ፡ በቲ ውሒዝ ደሙ ኣስጊሩ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ`ውን ከምዚ ይብል፡ ነቲ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ዝዀነ መንግሥቲ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ ብሓጐስ ከተመስግኑ ንጽሊ ኣሎና። ንሱ ካብ ሥልጣን ጸልማት ኣውጽኣና፡ ናብታ መንግሥቲ ፍቁር ወዱ`ውን ኣእተወና ቆሎ1፡13።

ማዕዶት እምበኣር ካብ ሞት ወጺእካ፡ ናብ ሕይወት ምስኣተኻ ዘሎ ኩነት ዚገልጽ ቃል እዩ። ቤተክርስቲያን ነፍሳት ብደም ክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ሲኦል ወጺአን ናብ ሕይወት ኣትየን ብምባል ጽባሕ ትንሣኤ እትሓስቦን እትዝክሮን። ሎሚ ውን ነፍሳት ካብ ሞት ናብ ሕይወት ክሳገራ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ክድኅና መንፈስ ቅዱስ ይዛረብ ኣሎ። ካብዚ ወጻኢ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ከሳግር ዝኽእል ፍጡር ሓደ`ኳ የልቦን። ትኅዝቶ ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ ኸኣ ነዚ ከም ጸሓይ ዝበረቐ ሓቂ ወንጌል ክጋርድን ክሽፍንን ዝተጻሕፈ ብምዃኑ ኣብ ቅድሚ ሚዛን ሓቂ፡ፈኲስን ውዱቕን፡ ከምኡ`ውን  ካብ ኣእምሮ ሰባት ደኣ እምበር ካብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘይተጻሕፈ ብግሁድ ተራእዩ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ገዛእ ርእሱ ከድኅንን ከምልጥን ይግባእ እዩ። ብቕኑዕ መንፈስ ነዚ ጽሑፍ`ዚ ብምንባብ ገጽና ናብቲ ካብ ሞት ከድኅነናን ናይ ኣቦኡ ካህናት ክገብረናን፡ ሊቀ ካህናት ብምዃን ገዛእ ርእሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣሕሊፉ ዝሃበ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ንምለስ። እቲ ካብ ኩሉ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ሕይወትኩም ይብጻሕ።
……..ይቕጽል

Sunday, February 9, 2020

Part 3 ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 8፡4)


ሕዝበይ ንኣይ ፈልፋሊ ማይ ሕይወት ንዝዀንኩ ብምኅዳጎምን፡ ንርእሶም ከኣ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ብምዂዓቶምን ክልተ ኃጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹም ውን ራዕራዕ በሉ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 212-13

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ኩሉ ነገራትካ መስተንክር እዩ። ንስኻ በይንኻ ፍሉይ ኢኻ፡ ነቲ ድኻ ካብ ሓመድ ኣልዒልካ ኣብ ዙፋን ተንብሮ፡ ንመኻን ከኣ ኣደ ቖልዑ ገይርካ ኣብ ቤት እተንብራ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። ምሕባንና ብኣኻ ጥራይ`ዩ ስለ ኩሉ ነገር ከኣ ብስም ኢየሱስ ናዝራዊ ንባርኸካ ኣሎና። ጐይታና ከም ቃልካ መገድና ምእንቲ ክቐንዕ መንፈስካ ይርድኣና። እቶም ሕግኻ ዘፍቅሩ ወርትግ ሰላም ኣለዎም ብሓቂ ንሳቶም ከኣ ከምታ ዘይትናወጽ ከረን ጽዮን እዮም።  ብእኡ በቲ ዘፍቀረና ቅዱስ ወድኻ ንሕበንን ንምካሕን ኣሎና፡ ንሱ ንጸላእቱ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ዝረግጽ ዓወት ዝለበሰ፡ ኣኽሊልናን ትምክሕትናን እዩ። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመናትና ንዓኻ ብምግልጋልን ምውዳስን ጥራይ ክሓልፉ ባርኸና። ብደም ዘድኃንካና ንስኻ በይንኻ ኢኻ`ሞ ክብሪ ይግበኣካ። መንፈስ ቅዱስ ኣቦና ምስትውዓትልን ኣብርሆትን ቃልካ ሃበና፡ ንሕግኻ ብኸምቲ ንስኻ እትእዝዞ ክንክተሎ ጸጋኻ ይርድኣና። “ እቶም ሕሡማት ጸሓፍቲ ንሕገይ ለዊጦ`ሞ እዮም” ከም ዝበልካ ጐይታየ ብዝተሰብረ ልቢ ንቓልካ ክንእዘዞ ደኣ እምበር ከይንቃወሞ ኲለንትናና ተቖጻጸር። ኣብ ምድርና ንዝተዘርአ ዕዮን ተግባርን ሕሱማት ጸሓፍቲ፡ ከምቲ ሓዊ ንእሾዂ ሞኽ ዘብሎ፡ ካብ ቃልካ ዝተላዕለ ዝፈረሰ ይኹን። ነዚ ነገራት እዚ ንምፍጻም ዝዓዩ ሕሱማን መንፈሳውያን ሠራዊት ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይሎም ዝደኸመ፡ ምኽሮም ከኣ ዝተሳዕረ ይኹን። ንእግዚኣብሔር ኣቦና ስለ ኹሉ ውህበታቱ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 84)
ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእይን ኩነኔ?

ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም “ ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሔር ድማ ምሳና ኣሎ” እትብሉ ዘሎኹም፧ እነሆ ሓሰውቲ ጸሓፍቲ ንሕገይ ለዊጦሞዎ እዮም። እዞም ጥበበኛታት እዚኣቶም ኪኃፍሩን ኪስምብዱን ብመፈንጠራ ኺተኃዙን እዮም። ንሳቶም ንቓለይ ወጊዶሞ እዮም፡ ሕጂ ደኣ ኣበይ ኣሎ እቲ ጥበቦም፧ ኤር 8፡8-9 እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ዝተዛረቦ ዘይሓልፍን ዘይሰዓርን ሕያው ቃል እዩ። ኣበይ`ሞ ነተን ዝሓለፋ ብሕሱማትን ሓሰውትን ጸሓፍቲ ተታሊልና ሕጊ ኣምላኽ ዘፍረስናለን መዓልታት ተመልኪትና እንተንንሳሕ፧ ኣበይ እሞ ኃጢኣትናን ዓመጻናን ኣሚንና እንተንምለስ፧ ምድርና ሰፈር ሞትን ሽቕለትን፡ ኲናትን ረሃብን ንምንታይ ኰነት፧ ንምንታይ ከ እዮም ኣጓብዝናን ጐራዙናን ብሰይፊ ዝተሰየፉ፡ ሽማግለታትና ኸኣ ክብሪ ዝሰኣኑ፧ ቀለውዕ ረዳኢ ዘይብሎም ዘኽቲሞም ዝተረፉ ኢልና እንተንምርምርስ ሽዑ እዚ ዝበጽሓናስ ሕጊ ኣምላኽ ብምቅዋምና፡ ንቓሉ`ውን ወጊድ ምባልና ዘስዓቦ ቑጥዓ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ክሰኣለና እዩ። እቶም ንትማሊ ክርእይዋ ዘይክእሉ ሰባት፡ ንሎሚ ኰነ ጽባሕ ክርእይወን ኣይክእሉን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡  ዕዮ ሰይጣን ምሕራድን ምኽታር ምዃኑ ብግልጺ ነጊሩና ይርከብ። እሞ እቶም ንሕዝበይ ሕጊ ኣምላኽ እናቐየሩ ዘታለልዎ፡ ኣብ ጉሁር እቶን ዘእተውዎ ሕሱማት ጸሓፍቲ ደኣ ፍርዶም ክሳዕ ክንድምንታይ ኮን ክብርትዕ እዩ፧ ልበይ ነዞም ዝሓለፉ ዘመናት ክርኢን ክሓስብን ከሎ እሓዝን፡ ወረ ሰላም ወንጌል ዝተሳእኖም ዘመናት ምንባሮም ከኣ ንሕዝብና ዘመነ ጸልማት ፈርዮም ይርከቡ። ግደ እዞም ሎሚ ዘሎና ወለዶታትከ እንታይ ይኹን፧ ሕሱማትን ሓሰውትን ጸሓፍቲ ንዝዓየይዎ ዕዮ`ዶ ኣሜን እናበልና ክንነብርን ንመጻኢ ወለዶ ኸኣ ጥፍኣት`ዶ ከነምጽእ ኢና፧ ኣይፋልን ንሕናስ ንመለስ ደኣ፡ መገዲ ተጋጊና ኢና`ሞ ንመለስ ንምንታይ`ከ ስቕ ኢልና ናብ ገደል ንኃትፍ፧

3. ንቓል ኣምላኽ ምልዋጥ ወይ ምውጋድ

ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ዚብል ድርሰት ብሚዛን ቃለ እግዚኣብሔር ርኢና ነይርና። ምስትውዓልና ከነዛይድ ሕጊ ኣምላኽና ውን ከነኽብር ግቡእና እዩ። ስለዚ እምበኣር ክቡራት ነበብቲ ብህድኣትን ትዂረትን ክትምርምሩ እምሕጸነኩም። ከም ሰብ ቤርያ “መጻሕፍቲ እንታይ ኮን`ዮም ዚብሉ” ዚብል ብርቱዕ መንፈስ ጥበብ ከነጥሪ ናብ ቅዱስ ኣምላኽና ብቕንዕና ንጸሊ።  ደራሲ/ት ኣብቲ ጽላሎትኪ ኣብ ካልኣይ አንቀጽ ናይ ድርሰቱ ከምዚ ይብል፡ “ኣኽሊል ትምክሕትና ጀማሪት እምነትና”። ማይ ካብ ምንጩ እንተዓርዓረ፡ እቲ ካብኡ ዝቕዳሕ ኩሉ ውን ይዕርዕር`ዩ። ደራሲ/ት ኣብ ድርሰቱ ካብ ክበበ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ወጺኡ/ኣ ኣብቲ ብግሉ ኣብ ኣእምርኡ ዝሰኣሎ ስእሊ ተመኲዙ ይጽሕፍ ምህላዉ ትኅዝቶ ጽሑፉ ይነግረና። ጸሓፊ “ኣኽሊል ትምክሕትና ጀማሪት እምነትና” እናበለ ክጽሕፍ ከሎ ጐሊሖም ዝረኣዩ ክልተ መሠረታውያን ባህርያት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይምፍላጥ ወይ`ውን ኮነ ኢልካ ንቓሉ ምልዋጥ`ዮም። እዚኣቶም ከኣ ናይ ዘይምእማን ምልክት እዮም። እቲ ንኣምላኽ ዝድረስ መዝሙር ካብ ልቢ ከም ዝግንፍል ጥራይ ዘይኰነስ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ዝርከብ ኃይሊ ከም ዝድረስ ኣብ መዝሙራት ዳዊት ክንዕዘብ ንኽእል ኢና። “ኣኽሊልና፡ ትምክሕትና፡ጀማሪት እምነትና” ዚብሉ ሠለስተ ኣመራት፡ ብሓቂ`ዶ ንድንግል ማርያም ኣደ ጐይታ ዝውክሉ እዮም፧ መገድና እጸቢቕና ንመልከት፡ እዚ ተግባር`ዚ ንኣምላኽና ዘሕጒስን ዘሞግስን ተግባር ድዩ? እዚኣቶም ኩሎም ብዘይካ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍጡራን ዝተዋህቡ ቅጽላት ከም ዘይኰኑ ብቕንዕና ክትርድኡ እላቦ። “ኣኽሊል” መግለጺ ክብርን ዓወትን ኮይኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሑፉ ኣሎ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣኽሊል(ዓወትን ክብርን) እቶም ብእኡ እንኣምን እዩ። ንሱ ርእሲ ቤተክርስቲያን ብምዃኑ ኣኽሊላን ክብራን`ውን እዩ። ጸላእቱ ብዓወት ዝረትዕ ወዲ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ  ደፊኡ ኣብ ደመና ሰማይ ተቐሚጡ ክመጽእ እዩ።( ራእ 6፡2/ራእ14፡14/ ራእ 19፡11)። ሕጂ ንሱ ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ክሳዕ ዝኾኑ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ ይጽበ ኣሎ(ዕብ 10፡12-14። ደራሲ/ት “ትምክሕትና” እናበለ ክጽሕፍ ከሎ፡ ኣብ ሕልንኡ ቃለ እግዚኣብሔር`ዶ ኣይቅጀሎን እዩ እናበልኩ እግረም ኣሎኹ። ኣብ መጻሕፍተ ብሉይ ኮነ ሐዲስ  ብግልጺ ሰባት ብመን ክምክሑ ከም ዘለዎም ተነጊሩ ኣሎ። ነቢየ እግዚኣብሔር ኤርምያስ ንዝጸሓፎ መጽሓፍ፡ ከም መወከሲ ብምጥቃም ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቆሮንቶስ ኣብ ዝጸሓፎም ክልተ መልእኽታቱ ኣስፉሩ ኣሎ። ዚሕበንሲ ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሔር ምዃነይ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይተሓበን፡ ንኣይ ባህ ዘብለኒ እዚ እዩ። ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ(ኤር 9፡23-24)። “እቲ ዝምካሕ ብእግዚኣብሔር ይመካሕ” ከም ዚበሎ..(2ቆሮ10፡17)፡ እዚ ኸኣ እቲ ዝምካሕ ብእግዚኣብሔር ደኣ ይመካሕ” ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ክፍጸም ኮነ(1ቆሮ1፡30-31። ደራሲ/ት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ንድንግል ማርያም ትምክሕትና ክብል ከሎስ ነቲ ቓል ኣምላኽ ይልውጦ ከም ዘሎዶ ኣየስተውዕልን እዩ፧ ንሕና ግን ጽሑፍ ከም ዝበሎ በቲ ንኣምላኽ ባህ ዘብሎ ተግባር፡ ብእኡ ብእግዚኣብሔር ንምካሕ ኣሎና ብዘይካኡ`ውን ካልእ ትምክሕቲ የሎን። 

ደራሲ/ት ኣብቲ ጽላሎትኪ በዚ ከየብቅዐ ውን ጀማሪት እምነትና ኢኺ ይብላ፡ ምስትውዓል ክጠፍእ ከሎ ኃጢኣት ውን መሊሳ እያ እትዛይድ። ነቶም ዘየስተውዕሉን ቃሉ ዘይምርምሩን እዚ ትምህርቲ እዚ ሃው ኣቢሉ ንሲኦም ዝኸትት ምስ ዲያብሎስ ዘዛምድ ከኣ እዩ። “ንሕገይ ለወጥዎ ፡ንቓለይ ወገድዎ” ዚብል ስምዕታ ረዚን እዩ። ኣዕይንትና እናረኣያ ቃል ብቓል መጽሓፍ ቅዱስ ተለዊጡ ንዘይግብኦ ክወሃብ ምርኣይ ከኣ ውርደት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናይ ዕብራውያን መልእኽቱ ከምዚ ይብል፡ እምበኣር ኣቱም ኣብ ሰማያዊ መጸዋዕታ ግደ ዘሎኩም ቅዱሳን ኣኅዋትና፡ ኣብቲ ናይ እምነትና ሓዋርያን ሊቀ ካህናትን ዝኾነ ኢየሱስ ኣቕልቡ(ዕብ 3፡1)። ናብቲ ኅፍረት ዘበለ ንዒቑ፡ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሠ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ዝተቐመጠ፡ ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት(ዕብ 12፡2) ስለዚ እምበኣር  ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ብመድሎተ ጽድቅ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ተዓይራን ተሰፊራን ቀሊላ ተረኺባ ኣላ። ኣንጻር ሕጊ እግዚኣብሔር ዝተጻሕፈት፡ ንደም ኢየሱስ ክርስቶስ ከንቱ ክትገብር ዝተተምየነት ብምዃና ክብሪ ዘይብላ ጦማረ ስሕተት`ያ። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝበሉና ናብቲ ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጠምት፡ ንሱ ኣኽሊልና ትምክሕትና ጀማርን ፈጻምን እምነትና እዩ። ክብሪ ነቲ ምእንታና ዝተሓርደ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ ይኹን። 
……..ይቕጽል

Friday, February 7, 2020

Part 2 ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 8፡4)


ሕዝበይ ንኣይ ፈልፋሊ ማይ ሕይወት ንዝዀንኩ ብምኅዳጎምን፡ ንርእሶም ከኣ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ብምዂዓቶምን ክልተ ኃጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹም ውን ራዕራዕ በሉ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 212-13

ኣምላኸይ ንዓኻ ዝመስል ኰነ ዝመዓራረየካስ መን`ዩ፧ ካብ ጥንቲ ብዘይካኻ ንምድሪ ዝሠረተ፡ ንሰማያት ከኣ ከም ድንኳን ዝገተረስ መን`ዩ፧ ንማያት በእዳዉ ዓሚዂ ዝሰፍር፡ ነኽራናት ብሚዛን ንዀረቢት ከኣ ብነጥሪ ዝመዝን መን`ዩ፧ ነዚኹሉ ክገብርን ክዓይን ዝኽእል ብዘይካኻስ ሓደ`ኳ የልቦን። እዚ ከም ሓሰኻ ንኡስን ንዑቕን ዝዀነ ሰብ ብዘይምሕረትካስ ከንቱን ካባኻ ኣዝዩ ርሑቕን እዩ። ንስኻ ስለ ዝጋረድካናን ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምፍሳስ ደሙ እንደገና ስለ ዝፈጠርካናን ግና እነሆ ክቡራን ተሰይምና ኣሎና። ነፍሰይ መርሚራ ክትበጽሖ ዘይትኽእል ፍቕሪ ኣብ ሕይወተይ ገሊጽካዮ ኢኻ`ሞ ብስም ቅዱስ ወድኻ ተባረኽ። ብእኡ ኩሉ ፍጥረት ዝቖመ፡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለዓለም ኣምላኽ ዝዀንካ ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ንዓይ ናብ ኣቦ ከተብጽሓኒ ሊቀ ካህነይ ኰንካ ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ንስኻስ ካብ ሞት ድኂነ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክሳገር ዝገበርካኒ ምክንያተ ድኂን( ምኽንያት ምድኃነይ) ኢኻ፡ ንዘለዓለም ክንዝምረልካን ክንውድሰካን ደምካ ተሰሊምና ጽድቕኻ ውን ተጐልቢብና ኣሎና። ሓቕን ጽድቕን ንልባትና እትህቦ፡ ኣብ ሕይወትና ዘሎኻ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንኽፍኣት ሕሱማት ጸሓፍቲ ብቓልካ ክንገልጽ ጥበብን፡ ምስትውዓልን ኃይልን ዓዲልካና ኢኻ`ሞ ንባርኸካ ኣሎና። መድኃኒት ምድርና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፡ ብእኡ በቲ ዘፍቀረና ኸኣ ግምብታት ሓሶት ክፈርሱን ሃደሽደሽ ክብሉን እዮም፡ድምጺ ዓቢይ ዕልልታ ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ኣብ ምድርና ውን ክስማዕ እዩ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ስለ እዚ ዓቢይ ነገር ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 84)
ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእይን ኩነኔ?

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ከምዚ ይብል፡ “እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ሕዝቢ ምስጋናይ ከዘንቱ እዩ(ኢሳ 43፡21)”። ስለዚ እምበኣር እቲ እግዚኣብሔር ዝደኰኖ ሕዝቢ ዘወትር ምስጋና እግዚኣብሔር ዘዘንቱ፡ ንእኡ ንበይኑ ዘምልኽን ዝዝምርን ብሩኽ ወለዶ እዩ። ገዛእ ርእስና በዚ ሚዛን`ዚ ክንዕይራ እንተንኽእል ከኣ ብዙኅ ምተመሃርና ኔርና። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከም ዝረኣናዮ “ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእይን ኩነኔ” እትብል ድርሰት፡ ካብቲ ፈላፋሊ ማይ ሕይወት  ዝዀነ እግዚኣብሔር ከም ዘይተቐድሐትን እኳ ደኣ ካብቲ ሕሱማት ጸሓፍቲ ዝኾዓትዎ ነቓዕ ሓጽብታት ከም ዝተቐድሐት ኣስተውዒልናን ተረዲእናን ኣሎና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካብ ርኹስ ንጹሕ ክወጽእ ስለ ዘይክእል፡ ንመሠረታዊ ትምህርቲ ክርስትና ዘፋለሰ፡ ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወጸ ውሽጣዊ ትኅዝቶ ኣካቲታ ተረኺባ ኣላ። ሎሚ ንኽልተ ዓበይቲ መሠረታውያን ነጥብታት እዛ ድርሰት ብሚዛን ቃል ኣምላኽ ክንርኢ ኢና፡ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ምስትውዓል ይሃበና።
2. ተፋልሶ ቅዱሳት መጻሕፍት(መጽሓፍ ቅዱስ)
“ምኽንያት ድሕነትና ኢኺ መራሒት ናይ ጽድቂ” ተባሂሉ ተደሪሱ ዘሎ ነግሒ ብመድሎተ ጽድቅ( መጽሓፍ ቅዱስ) ንዓይሮ። ደራሲ/ት ኣብ ድርሰቱ፡ ንድንግል ማርያም ”ምኽንያት ድሕነትና ኢኺ፡ ከምኡ`ውን መራሒት ጽድቂ ኢኺ” እናበለ ክደርስ ዘኽኣሎ ትብዓት እንታይ ኰን`ዩ፧ እናበልኩ ክሓስብ ከለኹ እግረም፡ እዚ ኸኣ ከምቲ ቀልጢፉ ዝበቑል፡ሱር ዘይሰደደ ስዒቡ ውን ዝሃጉግ ሓድሽ ተኽሊ እዩ። ክርስትና ኣብ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን ዝተመስረተ ኣስተምህሮ እዩ። ምእንቲ ከድኅን ዝሞተን ዘድኃነን ውን ንሱ በይኑ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ እናበለ ዘወትር ዝእውጅ፡ ድምጺ ኣዋጅ ኣመንቲ እዩ። ኣብ ዘመን ጐይታ ትእዛዝ ኣምላኽ እናጠሓሱን እናቐየሩን ዝነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ “ትእዛዝ ዓበይቲ/ኣቦታት” ነኽብር ኢና ይብሉ ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ነጊሩና ኣሎ። ቅድም ዝነበረ ኩሉ`ዶ ቅኑዕ`ዩ? ዚብል ሓታቲ ካብ ዘይተረኽበ፡ሕሉፍ ሓሊፍዎ ውን ንቃል መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከብሒ ኣቐሚጡ፡ ትእዛዝ ዓበይቲ አኽብርየ ዚብል ንቓል ኣምላኽ መዓሙቕ እናቐበረ፡ ንዕዮን ስራሕን ሕሱማት ጸሓፍቲ ከም መርሐ ጐደና ወሲዱን ተቐቢሉን ዝነብር ወለዶ ምፍጣሩ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ደራሲ/ት ምክንያተ ድኂን ንዝብል ቃል ከንቱ ካብ ዝዀኑ ጽሑፋት ከም ዝወሰዶ ዘጠራጥ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ`ከ እንታይ ይብል። መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ንቓሉ፡ ከይወሰኸን ከየጉደለን ነዚ ቃል`ዚ ኣቐሚጥዎ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ዝግብኦ ውን ሂብዎ ይርከብ።  ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናይ ዕብራውያን መልእክቱ፡ ብዛዕባ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህንነት፡ ኣተዓራቕነት፡ልመናን ክገልጽ ከሎ ከምዚ በለ።
ኢየሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸሎ፡ ናብቲ ካብ ሞት ከድኅኖ ዚኽእል፡ ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን፡ ጸሎትን ምህለላን ኣቕረበ። ንኣምላኽ ዝእዘዝ ስለ ዝነበረ ኸኣ ተሰምዐ።ወዲ ኣምላኽ`ኳ እንተዀነ በቲ ዝተቐበሎ ስቓይ እዙዝ ምዃን ተማህረ። ዕዮኡ ምስ ፈጸመ ድማ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዂላቶም ናይ ዘለዓለም ድኅነት ምኽንያት ኮኖም። ኣምላኽ ከኣ ከም ማዕርግ መልከጼዴቅ ሊቀ ካህናት ገበሮ(ዕብ 5፡7-10)።
እምበኣር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ነቶም ዝእዘዝዎ ኩላቶም ዘለዓለማዊ ሕይወት ንምርካብ ምኽንያት ድኅነቶም ኮነ። ንሱ ንሰብ ከድኅን ዝኽእል በይኑ ብምዃኑ ካብ ኣቦ ዝመጸ ሓዋርያ፡ ንደቂ ሰባት ከኣ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ ሊቀ ካህናት ብምዃኑ ነቶም ዝእዘዝዎ ብዘይካ በይኑ ምክንያተ ድኂን የብሎምን። እዚ ሚዛን ሓቂ ንዘለዓለም ክቕበር ዘይክእል ብምዃኑ ኣንጻር እዚ ሓቂ ክምጉት ዝድረስ ኩሉ ድርሰት ከኣ ኣንጻር ናይ ኢየሱስ ሊቀ ካህንነት ከም ዝቖመ ክፈልጥን ክርዳእን ይግብኦ። ኣስዒቡ ደራሲ/ት ኣብቲ ጽላሎታ “መራሒት ናይ ጽድቂ” እናበለ ይቕጽል። ብመሠረቱ መራሒ ካብ ናብ ዘብጽሕ እዩ። ኣብዚ ቃል እዚ ኸኣ ናብ ጽድቂ እተብጽሒ መራሒት እናበለ`ዩ ዝምስክር ዘሎ። ኣምላኽ ሓደ`ኳ ጻድቕ የልቦን ካብ ዝበሎ ፍጥረት ሰብ ናብ ጽድቂ ክመርሕ ዝኸኣለ መን`ዩ? ንሰብ ናብ ጽድቂ ክመርሖ፡ ናብቲ ሰማያዊ ክብሪ ክመልሶ ዝኸኣለ`ኸ መን`ዩ፧ ሰብ ናብ ጽድቂ ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ`ዶ ኣይኰነን ኣብ ኣርዑት ሞት ተቖሪኑ ዝነበረ፧ ኣምላኽ ንሰብ ናብ ጽድቂ ክመርሖ ዝለኣኾ እንኮ ወዱ ጥራይ እዩ። መጽሓፍ ከምዚ ይብል፡ “ እቲ ዂሉ ምእንትኡ ኩሉ ውን ብእኡ ዝተፈጥረ፡ ንብዙኃት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ኼእትዎም፡ ነቲ ናይ ድኅነቶም መራሒ ብስቓይ ፍጹም ክገብሮ ተገብኦ( ዕብ2፡10)። ቀጺሉ ውን ከምዚ በለ ስለዚ ኣኅዋተይ፡ ሳላ ደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ዜእቱ እምንቶ ረኺብና ኢና። እንኣትዎ ኸኣ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብሰብነቱ ዝተኸፍተ ሓድሽን ሕያውን ዝዀነ መገዲ ኣቢልና ኢና(ዕብ 10፡19-20)። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መራሒ ድኅነትና ወይ ውን ጽድቅና እዩ፡ እቶም ዝኣመንና ኸኣ ሳላ ደሙ ናብቲ ፈራዲ ኩሉ ዝዀነ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዘሎ እግዚኣብሔር ኣቦ በጺሕና ኢና። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ ናብ ጽድቂ ምእንቲ ክመርሓና ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ እዩ፡ ብዘይካኡ ኸኣ ሓደ እኳ መራሒ/ት ጽድቂ ተባሂሉ ክስመ ዝኽእል ብቑዕ የልቦን። ስለዚ ትኅዝቶ ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ካብ ቃል ሓቂ ዝወጸ ጥራይ ዘይኮነስ ክሕደት ውን እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ አፈ ወርቅ ኣብ ድርሰቱ ከምዚ ይብል” (ኢየሱስ ክርስቶስ) ላመኑበት ሰዎች ፍጻሜ ክብር ምክንያተ ድኂን ሆናቸው”/ ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍጻሜ ክብሪ እቶም ዝኣመንዎ ሰባት ምኽንያት ድሕነት(ምክንያተ ድኂን) ኮኖም።  ድርሳን ዘቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ገጽ 184 
…………ይቕጽል