ሕዝበይ ንኣይ ፈልፋሊ ማይ ሕይወት ንዝዀንኩ ብምኅዳጎምን፡ ንርእሶም
ከኣ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ብምዂዓቶምን ክልተ ኃጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹም
ውን ራዕራዕ በሉ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 2፡12-13
ኦ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ኣብ ኩሉ ዘመናት ስለ ዝረዳእካና አመስግነካ ኣሎኹ። ሳላ ዓቢ ምሕረትካን
ለውሃንካን ካብ ምንጋጋ ጸላኢ ድኂንና ብሕይወት ንነብር ኣሎና። ንስኻ ዘለዓለማዊ ኣቦና ኢኻ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማንና ብዳግም
ልደት ውሉድካ ኰይና ኣሎና። ኦ ጐይታ እቲ ኣብ ምድርና ሕሱማት ጸሓፍቲ ዝጸሓፍዎ ከንቱ ጽሑፋት፡ ከጥፍኣናን ክብትተናን ስቕ ኢልካ
ኣይርአኻን እኳ ደኣ ብወንጌልካ ንልባትና ብርሃን ሂብካዮ ኣሎኻ፡ ስለ እዚ ዓቢ ግብሪ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እባርኸካ ኣሎኹ።
ኦ ጐይታ ሎሚ ውን ሱር ክፍኣት ካብ ምድርና ክንቐል ብስም ሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ እልምን ኣሎኹ፡ መንፈስ ቅዱስ ኃይሉ ዓዲሉና`ዩ
እሞ ከቶ ውን ንኽፍኣት ኣይክንግዛእን ኢና። ስለኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒
(ኤር 8፡4)
ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእይን ኩነኔ?
እቲ ካብ ኩሉ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ ምስ ኩላትኩም ይኹን። እዚ ጽሑፍ`ዚ ክጽሕፍ
ዝደረኸኒ፡ እቲ በብእዋኑ ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ዝዝርጋሕ መንፈሳዊ መኣዛ ዘይብሉ መዝሙራት ምዃኑ ክገልጸልኩም ባህ ይብለኒ። ዕላማ
እዚ ጽሑፍ`ዚ ሎሚ መገድና መርሚርና ናብቲ ቅኑዕ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣስተምህሮ ምምላስ`ዩ። መዝሙር ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት
ዝቐርብ ብመንፈስ እትቕነዮ ኣገልግሎት ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና ሓቂ እዩ። እሞ ሎሚ መዝሙራት ተባሂሎም ዝዝርግሑ ዘለዉ ብሓቂ
ከም ፍቓድ ኣምላኽ`ዶ እዮም ዚዳለዉ ዘለዉስ ወይ ውን ድምጺ ሰማዒ ንምርዋይ`ዮም ዝድረሱ ዘለዉ ኢልና ክንሓስብ ግቡእ ይመስለኒ።
ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ተዘርጊሐን ካብ ዘለዋ ሓንቲ “ ኣብቲ ጽላሎትኪ” እትብል ድርሰት`ያ። ንኹሉ ነገራት መምዘኒ ከም ዘለዎ፡ ትኅዝቶ
መዝሙራት ውን መድሎተ ጽድቅ(ሚዛን ሓቂ) ብዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክምዘኑ ናይ ግድን`ዩ። ንገለ ትኅዝቶታት እዛ ግጥሚ ብዝርዝር ክርኢ
ክፍትን እየ።
1 1. ደራሲ
ተጠቒምሉ ዘሎ ምንጪ ድርሰቱ ካበይ`ዩ?
ምንጪ ኩሎም ንኣምላኽ እነቕርቦም ድርሰታትና ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክኸውን ኣምላካዊ ትእዛዝ እዩ። ንትምህርቲ
መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ዘይገበረ ኩሉ ኸኣ ኣንጻር መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ምዃኑ ክበርህ ዝግብኦ ሓቂ`ዩ። ንፈልፋሊ ማይ ሕይወት
ዝዀነ እግዚኣብሔርን ቃሉን ኃዲግካ ዝኮዓት ነቓዕ ሓጽብታት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ኣነዋሪ ኃጢኣት`ዩ። እዚ ድርሰት`ዚ እምበኣር ነቲ
ብሕሱማት ጸሓፍቲ ተሃንዲሱን ተተምዩኑን ዝተጻሕፈ ከንቱ ታሪኽ፡ ንሱ ኸኣ ታሪኽ በላዔ ሰብእ መሠረት ጌሩ ዝተጻሕፈ እዩ። ብመሠረቱ
እዚ ታሪኽ`ዚ ብሕሱማት ጸሓፍቲ ዝተጻሕፈ፡ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ብንምዓቕ ከኣ ብሽፋን ስም ድንግል ማርያም ዝተደርሰ ናይ ሓሶት
ድርሰት`ዩ። ትኅዝቶ እዚ ታሪኽ ኣብ መጽሐፍ ተኣምረ ማርያም፡ “በእንተ ዘከመ ነሥአት ኪዳነ ምሕረት እምኅበ ወልዳ” ተዘርዚሩ ይርከብ።
ሕፍኒ ማይን 78 ነፍሳትን ኣብ ሚዛን ምስ ተቐመጡ ሚዛን እቶም ነፍሳት ልዕሊ ሚዛን እቲ ማይ ኰነ እሞ፡ ብድኅርዚ ድንግል ማርያም
ጽላሎታ ናብቲ ሕፍኒ ማይ ዘለዎ ወገን ሚዛን ኣንጸላለወት፡ ሽዑ ሚዛን እቲ ሕፍኒ ማይ ካብ ሚዛን እቶም ዝተበልዑ 78 ነፍሳት ዛየደ፡
በዚ መገዲ ኸኣ በላዔ ሰብእ ካብ ኩነኔ ደኃነ እናበለ እቲ ደራሲ ይጽሕፍ። መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ድኂሮም ዝመጹ ቅዱሳን አበው ግን
ድኅነት ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ደጋጊሞም ይነግሩና። ቅዱስ
ጳውሎስ እምበኣር ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ፡ ኲነኔ የብሎምን ይብለና(ሮሜ 8፡1)። ዮሃንስ ውን ኣስዒቡ እቲ ብእኡ ዚኣምን
ኣይክፍረዶን እዩ፡ እቲ ብእኡ ዘይኣመነ ግና ብሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ እዩ(ዮሃ3፡18) እናበለ ይምህረና።
ስለዚ “ኣብቲ ጽላሎታ” እትብል ድርሰት ቃል ኣምላኽ መሠረት ከይገበረት፡ ብሕሱማት ጸሓፍቲ ካብ ዝተጻሕፈ ዛንታ ተዃዒታ ብምውጽኣ፡
ነቲ ንሰባት ምኽንያት ድኅነቶምን ፍርዶምን ዝዀነ ኢየሱስ ብምሽፋን ፡ ኣብ ጽላሎታ ብምጽላል ካብ ኲነኔ ምምላጥ ከም ዝከኣል እትገልጽ
ኢክርስቲያናዊት ኢኦርቶዶክሳዊት ግጥሚ እያ።
………ይቕጽል
No comments:
Post a Comment