መገዲ
ጽድቂ
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዚ ዓለም`ዚ ቅድሚ ምምጽኡ፡ ሓቀኛ መገዲ ጽድቂ ኣይተፈልጠን ነበረ። እንተኾነ
ሎሚ ግን ሰማያዊ ኣቦና እግዚኣብሔር፡ ሓቐኛ መገዲ ጽድቂ ኣርኣየና። እቲ መገዲ ጽድቂ ዝተባህለ ኸኣ፡ ሓደ ወዱ ጐይታና ኢየሱስ
ክርስቶስ እዩ።ብዘይካ ንሱ(ኢየሱስ) ካልእ ናብ ሰማያዊ ኣቦና፡ ናብ እግዚኣብሔር ዝወስድ የለን። ንሱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ
“ መገድን ሓቕን ሕይወትን ኣነ እየ፡ ብዘይ ብኣይ ሓደ`ኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የለን” ኢሉ ተዛሩቡ እዩ።(ዮሃ 14፡6)
ስለዚ ንሕና ኲላትና ነዚ ዘየጋጊ ሓቀኛ መገዲ ጽድቂ ዝዀነ ክርስቶስ ጥራይ ሒዝና እንተኸድና፡ ኩሉ
ሳዕ ብናፍቖት ኣቦና እናበልና ናብ እንጽውዖ ሰማያዊ ኣቦና እግዚኣብሔርን ናብ ሰማያዊት ሃገርና ዝዀነት መንግሥተ ሰማያትን ክንበጽሕ
ኢና። ከም እንደገና ብሥራሕና(ብግብርና) ክንጸድቕ ኢና፡ መንግሥተ ሰማያት ክንኣቱ ኢና ኢልና ኣይንምካሕን፡ እንጸድቀሉ እምነትና
ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ስለዚ ኸኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይ`ውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።(ማቴ
11፡28-30)” በለ፡ እዚ ማለቱ ኸኣ ኣባይ ጽንዑ ማለቱ እዩ።
ከምኡ`ውን
ቅዱስ ጳውሎስ፡ ጽድቂ ብእምነት ጥራይ ከም ዝርከብ፡ ሥራሕ ብምስራሕ ከም ዘይርከብ ኣብ ዝጸሓፎም ኩሎም መልእኽታቱ የስተምህር።”
ስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይግብሪ ሕጊ ብእምነት ከም ዝጸድቕ፡ ንብል ኣሎና”
በለ(ሮሜ3፡28)። ካብዚ ኣስዒቡ ውን` ኣብ ራብዓይ ምዕራፍ፡ ኣብ ቁጽሪ ኣርባዕተን ሓሙሽተን “ነቲ ዝዓዪ ሰብ ደሞዙ ኸም ግቡእ
ዀይኑ እዩ ዚቚጸረሉ እምበር ከም ውህበት ኣይኮነን። ሰብ ሠናይ ምግባር እኳ እንተ ዘይብሉ፡ በቲ ንኃጢኣተኛታት ዜጽድቕ ኣምላኽ
እንተ ኣሚኑ፡ እቲ እምነቱ ጽድቂ ኰይኑ ይቚጸረሉ እዩ” በለ።ከምኡ`ውን በቲ ኣዝዩ ዘረድእ ናይ ኤፌሶን መልእኽቱ “ ንክርስቶስ
ብምእማን ብጸጋ ኢኹም ዝደኃንኩም። እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኰነን። ሓደ`ኳ ከይምካሕሲ ብግብሪ ኣይኮነን።
ከምኡ`ውን ናብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ፡ ኣብ ቁጽሪ ዕስራን ሓደን፡ “ ኣነስ ንጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቆን
እየ፡ ከመይ ጽድቂ፡ ሕጊ ብምፍጻም ዚርከብ እንተዀይኑ፡ ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ” እናበለ ተዛረበ። እዚ ኸኣ ኩሉ
ሰብ ብግብሩ ከም ዘይጸድቕ፡ ብጸጋ ኣምላኽን ብሞት ክርስቶስን ከም
ዝጸድቕ የረድኣና። ክርስቶስ ዝሞተ ኸኣ ሰብ ብግብሩ ክጸድቕ ዘይክእል
ብምዃኑ እዩ።
ምንጪ፡
ጸሎት ዘቤተክርስቲያን (እዚ መጽሐፈ ጸሎት`ዚ ንመጀመርታ እዋን በቶም ኣብ ስደት ዝነበሩ ኣቦታት ቤተክርስቲያን ኣብ ሃገረ እንግሊዝ
ብ1931 ዓ.ም.ግ(1939ዓ.ም.ፈ) ተዳልዩ፡ ኣብ ለንደን ተሓቲሙ ኣብ ኣገልግሎት ዝወዓለ እዩ።)
No comments:
Post a Comment