https://www.amazon.com/Purge-me-Hyssop-BSMIEZA-HTSEBENI/dp/1789726689/ref=mp_s_a_1_1?keywords=purge%20me%20with%20Hyssop&qid=1580237026&sr=8-1&fbclid=IwAR0XcX_S6bhuexxzhF5GJ0wVIFBPtueOOYeFxqnE33fIOxwroqdm3bMSA6A
ሰላም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትኩም ኣኅዋተይን ኣኃተን ይኹን፡ እቲ ብሰማያዊ በረኸት ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝባረኸና ኣምላኽ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹኖ። ኣብ ኩሉ መገድና ስለ ዝረድኣናን ዝሓለወናን ውን ደጊምና ዘወትር ነመስግኖ ኣሎና። ኣምላኸይ ንዓይ ንንኡስ ብጸጋኡ ጋሪዱን ደጊፉን ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ስለ ዘብጽሓኒ ዘለዓለማዊ ምስጋና ብስም ክርስቶስ ኢየሱስ ይብጽሓዮ።
ኣቀድም ኣቢለ ከም ዝሓበርኩኹም ሳላ እቲ ዓብይ ምሕረቱን ረዲኤቱን ኣብ ዙርያ ደም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተኲራ ዝተጻሕፈት “ብስምዕዛ ሕጸበኒ” መጽሓፍ እኩባት ግጥምታት፡ እነሆ ሎሚ በዚ ኣብ ታሕቲ ተዋሂቡ ዘሎ ጥብቆ ኣብ ኣማዞን(Amazon) ተዘርጊሓ ኣላ። ደንጉየ ይዝርግሓ ስለ ዘለኹ ኣቐዲመ ይቕሬታ እሓትት። መስርሕ ዝርግሐ መጽሓፍ ካብ ምሕታም ንላዕሊ ትዕግሥትን ዓቕልን ከም ዘድልዮ`ውን እግረ መገደይ ከተንብሃልኩም ባህ ይብለኒ። እዚ ናይ ኣማዞን ጥብቖ ኣብ ኣሜሪካ ንዘለዉ ዝያዳ ዝቐለለ እዩ፡ ተስፋ እገብር ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኤዉሮጳ ኣብ ዘለዋ ናይ ኣማዞን ማእከላት ብቕልጡፍ ክበጽሕ። እዚ ናይ ኣማዞን ዝርግሐ ኣብ ዘይብለን ሃገራት እትርከቡ ኣኅዋተይን ኣኃተይን በዚ ናይ ኢሜል ኣድራሻ(peternice2001@gmail.com) ወይ ውን በዚ ናይ ዋትስኣፕ ኣድራሻ (00447931315924)ጸሓፉለይ ክበጽሓኩም ዝኽእለሉ መገዲ ክንፈጥር ጐይታ ክረድኣና`ዩ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ(ኢንግላድ) እትርከቡ ተዀንኩም ግን ቀጥታ ብፖስታ ክሰደልኩም ስለ ዝኽእል ብመገዲ ኢሜል ወይ ዋትስኣፕ ክትጽሕፉለይ ብትሕትና እሓትት። ኣብ ኩሉ ዘመነይ ጐይታ ክረድኣኒ፡ ኣዕዚዝኩም ክትጽልዩለይ እምሕጸነኩም። ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን።
No comments:
Post a Comment