Friday, February 7, 2020

Part 2 ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 8፡4)


ሕዝበይ ንኣይ ፈልፋሊ ማይ ሕይወት ንዝዀንኩ ብምኅዳጎምን፡ ንርእሶም ከኣ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ብምዂዓቶምን ክልተ ኃጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹም ውን ራዕራዕ በሉ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 212-13

ኣምላኸይ ንዓኻ ዝመስል ኰነ ዝመዓራረየካስ መን`ዩ፧ ካብ ጥንቲ ብዘይካኻ ንምድሪ ዝሠረተ፡ ንሰማያት ከኣ ከም ድንኳን ዝገተረስ መን`ዩ፧ ንማያት በእዳዉ ዓሚዂ ዝሰፍር፡ ነኽራናት ብሚዛን ንዀረቢት ከኣ ብነጥሪ ዝመዝን መን`ዩ፧ ነዚኹሉ ክገብርን ክዓይን ዝኽእል ብዘይካኻስ ሓደ`ኳ የልቦን። እዚ ከም ሓሰኻ ንኡስን ንዑቕን ዝዀነ ሰብ ብዘይምሕረትካስ ከንቱን ካባኻ ኣዝዩ ርሑቕን እዩ። ንስኻ ስለ ዝጋረድካናን ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምፍሳስ ደሙ እንደገና ስለ ዝፈጠርካናን ግና እነሆ ክቡራን ተሰይምና ኣሎና። ነፍሰይ መርሚራ ክትበጽሖ ዘይትኽእል ፍቕሪ ኣብ ሕይወተይ ገሊጽካዮ ኢኻ`ሞ ብስም ቅዱስ ወድኻ ተባረኽ። ብእኡ ኩሉ ፍጥረት ዝቖመ፡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለዓለም ኣምላኽ ዝዀንካ ክርስቶስ ኢየሱስ፡ ንዓይ ናብ ኣቦ ከተብጽሓኒ ሊቀ ካህነይ ኰንካ ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ንስኻስ ካብ ሞት ድኂነ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክሳገር ዝገበርካኒ ምክንያተ ድኂን( ምኽንያት ምድኃነይ) ኢኻ፡ ንዘለዓለም ክንዝምረልካን ክንውድሰካን ደምካ ተሰሊምና ጽድቕኻ ውን ተጐልቢብና ኣሎና። ሓቕን ጽድቕን ንልባትና እትህቦ፡ ኣብ ሕይወትና ዘሎኻ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንኽፍኣት ሕሱማት ጸሓፍቲ ብቓልካ ክንገልጽ ጥበብን፡ ምስትውዓልን ኃይልን ዓዲልካና ኢኻ`ሞ ንባርኸካ ኣሎና። መድኃኒት ምድርና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፡ ብእኡ በቲ ዘፍቀረና ኸኣ ግምብታት ሓሶት ክፈርሱን ሃደሽደሽ ክብሉን እዮም፡ድምጺ ዓቢይ ዕልልታ ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ኣብ ምድርና ውን ክስማዕ እዩ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ስለ እዚ ዓቢይ ነገር ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 84)
ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእይን ኩነኔ?

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ከምዚ ይብል፡ “እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ሕዝቢ ምስጋናይ ከዘንቱ እዩ(ኢሳ 43፡21)”። ስለዚ እምበኣር እቲ እግዚኣብሔር ዝደኰኖ ሕዝቢ ዘወትር ምስጋና እግዚኣብሔር ዘዘንቱ፡ ንእኡ ንበይኑ ዘምልኽን ዝዝምርን ብሩኽ ወለዶ እዩ። ገዛእ ርእስና በዚ ሚዛን`ዚ ክንዕይራ እንተንኽእል ከኣ ብዙኅ ምተመሃርና ኔርና። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከም ዝረኣናዮ “ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእይን ኩነኔ” እትብል ድርሰት፡ ካብቲ ፈላፋሊ ማይ ሕይወት  ዝዀነ እግዚኣብሔር ከም ዘይተቐድሐትን እኳ ደኣ ካብቲ ሕሱማት ጸሓፍቲ ዝኾዓትዎ ነቓዕ ሓጽብታት ከም ዝተቐድሐት ኣስተውዒልናን ተረዲእናን ኣሎና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካብ ርኹስ ንጹሕ ክወጽእ ስለ ዘይክእል፡ ንመሠረታዊ ትምህርቲ ክርስትና ዘፋለሰ፡ ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወጸ ውሽጣዊ ትኅዝቶ ኣካቲታ ተረኺባ ኣላ። ሎሚ ንኽልተ ዓበይቲ መሠረታውያን ነጥብታት እዛ ድርሰት ብሚዛን ቃል ኣምላኽ ክንርኢ ኢና፡ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ምስትውዓል ይሃበና።
2. ተፋልሶ ቅዱሳት መጻሕፍት(መጽሓፍ ቅዱስ)
“ምኽንያት ድሕነትና ኢኺ መራሒት ናይ ጽድቂ” ተባሂሉ ተደሪሱ ዘሎ ነግሒ ብመድሎተ ጽድቅ( መጽሓፍ ቅዱስ) ንዓይሮ። ደራሲ/ት ኣብ ድርሰቱ፡ ንድንግል ማርያም ”ምኽንያት ድሕነትና ኢኺ፡ ከምኡ`ውን መራሒት ጽድቂ ኢኺ” እናበለ ክደርስ ዘኽኣሎ ትብዓት እንታይ ኰን`ዩ፧ እናበልኩ ክሓስብ ከለኹ እግረም፡ እዚ ኸኣ ከምቲ ቀልጢፉ ዝበቑል፡ሱር ዘይሰደደ ስዒቡ ውን ዝሃጉግ ሓድሽ ተኽሊ እዩ። ክርስትና ኣብ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን ዝተመስረተ ኣስተምህሮ እዩ። ምእንቲ ከድኅን ዝሞተን ዘድኃነን ውን ንሱ በይኑ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ እናበለ ዘወትር ዝእውጅ፡ ድምጺ ኣዋጅ ኣመንቲ እዩ። ኣብ ዘመን ጐይታ ትእዛዝ ኣምላኽ እናጠሓሱን እናቐየሩን ዝነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ “ትእዛዝ ዓበይቲ/ኣቦታት” ነኽብር ኢና ይብሉ ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ነጊሩና ኣሎ። ቅድም ዝነበረ ኩሉ`ዶ ቅኑዕ`ዩ? ዚብል ሓታቲ ካብ ዘይተረኽበ፡ሕሉፍ ሓሊፍዎ ውን ንቃል መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከብሒ ኣቐሚጡ፡ ትእዛዝ ዓበይቲ አኽብርየ ዚብል ንቓል ኣምላኽ መዓሙቕ እናቐበረ፡ ንዕዮን ስራሕን ሕሱማት ጸሓፍቲ ከም መርሐ ጐደና ወሲዱን ተቐቢሉን ዝነብር ወለዶ ምፍጣሩ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ደራሲ/ት ምክንያተ ድኂን ንዝብል ቃል ከንቱ ካብ ዝዀኑ ጽሑፋት ከም ዝወሰዶ ዘጠራጥ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ`ከ እንታይ ይብል። መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ንቓሉ፡ ከይወሰኸን ከየጉደለን ነዚ ቃል`ዚ ኣቐሚጥዎ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ዝግብኦ ውን ሂብዎ ይርከብ።  ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናይ ዕብራውያን መልእክቱ፡ ብዛዕባ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህንነት፡ ኣተዓራቕነት፡ልመናን ክገልጽ ከሎ ከምዚ በለ።
ኢየሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸሎ፡ ናብቲ ካብ ሞት ከድኅኖ ዚኽእል፡ ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን፡ ጸሎትን ምህለላን ኣቕረበ። ንኣምላኽ ዝእዘዝ ስለ ዝነበረ ኸኣ ተሰምዐ።ወዲ ኣምላኽ`ኳ እንተዀነ በቲ ዝተቐበሎ ስቓይ እዙዝ ምዃን ተማህረ። ዕዮኡ ምስ ፈጸመ ድማ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዂላቶም ናይ ዘለዓለም ድኅነት ምኽንያት ኮኖም። ኣምላኽ ከኣ ከም ማዕርግ መልከጼዴቅ ሊቀ ካህናት ገበሮ(ዕብ 5፡7-10)።
እምበኣር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ነቶም ዝእዘዝዎ ኩላቶም ዘለዓለማዊ ሕይወት ንምርካብ ምኽንያት ድኅነቶም ኮነ። ንሱ ንሰብ ከድኅን ዝኽእል በይኑ ብምዃኑ ካብ ኣቦ ዝመጸ ሓዋርያ፡ ንደቂ ሰባት ከኣ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ ሊቀ ካህናት ብምዃኑ ነቶም ዝእዘዝዎ ብዘይካ በይኑ ምክንያተ ድኂን የብሎምን። እዚ ሚዛን ሓቂ ንዘለዓለም ክቕበር ዘይክእል ብምዃኑ ኣንጻር እዚ ሓቂ ክምጉት ዝድረስ ኩሉ ድርሰት ከኣ ኣንጻር ናይ ኢየሱስ ሊቀ ካህንነት ከም ዝቖመ ክፈልጥን ክርዳእን ይግብኦ። ኣስዒቡ ደራሲ/ት ኣብቲ ጽላሎታ “መራሒት ናይ ጽድቂ” እናበለ ይቕጽል። ብመሠረቱ መራሒ ካብ ናብ ዘብጽሕ እዩ። ኣብዚ ቃል እዚ ኸኣ ናብ ጽድቂ እተብጽሒ መራሒት እናበለ`ዩ ዝምስክር ዘሎ። ኣምላኽ ሓደ`ኳ ጻድቕ የልቦን ካብ ዝበሎ ፍጥረት ሰብ ናብ ጽድቂ ክመርሕ ዝኸኣለ መን`ዩ? ንሰብ ናብ ጽድቂ ክመርሖ፡ ናብቲ ሰማያዊ ክብሪ ክመልሶ ዝኸኣለ`ኸ መን`ዩ፧ ሰብ ናብ ጽድቂ ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ`ዶ ኣይኰነን ኣብ ኣርዑት ሞት ተቖሪኑ ዝነበረ፧ ኣምላኽ ንሰብ ናብ ጽድቂ ክመርሖ ዝለኣኾ እንኮ ወዱ ጥራይ እዩ። መጽሓፍ ከምዚ ይብል፡ “ እቲ ዂሉ ምእንትኡ ኩሉ ውን ብእኡ ዝተፈጥረ፡ ንብዙኃት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ኼእትዎም፡ ነቲ ናይ ድኅነቶም መራሒ ብስቓይ ፍጹም ክገብሮ ተገብኦ( ዕብ2፡10)። ቀጺሉ ውን ከምዚ በለ ስለዚ ኣኅዋተይ፡ ሳላ ደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ዜእቱ እምንቶ ረኺብና ኢና። እንኣትዎ ኸኣ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብሰብነቱ ዝተኸፍተ ሓድሽን ሕያውን ዝዀነ መገዲ ኣቢልና ኢና(ዕብ 10፡19-20)። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መራሒ ድኅነትና ወይ ውን ጽድቅና እዩ፡ እቶም ዝኣመንና ኸኣ ሳላ ደሙ ናብቲ ፈራዲ ኩሉ ዝዀነ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዘሎ እግዚኣብሔር ኣቦ በጺሕና ኢና። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ ናብ ጽድቂ ምእንቲ ክመርሓና ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ እዩ፡ ብዘይካኡ ኸኣ ሓደ እኳ መራሒ/ት ጽድቂ ተባሂሉ ክስመ ዝኽእል ብቑዕ የልቦን። ስለዚ ትኅዝቶ ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ካብ ቃል ሓቂ ዝወጸ ጥራይ ዘይኮነስ ክሕደት ውን እዩ። ቅዱስ ዮሃንስ አፈ ወርቅ ኣብ ድርሰቱ ከምዚ ይብል” (ኢየሱስ ክርስቶስ) ላመኑበት ሰዎች ፍጻሜ ክብር ምክንያተ ድኂን ሆናቸው”/ ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍጻሜ ክብሪ እቶም ዝኣመንዎ ሰባት ምኽንያት ድሕነት(ምክንያተ ድኂን) ኮኖም።  ድርሳን ዘቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ገጽ 184 
…………ይቕጽል

2 comments: