Sunday, February 9, 2020

Part 3 ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 8፡4)


ሕዝበይ ንኣይ ፈልፋሊ ማይ ሕይወት ንዝዀንኩ ብምኅዳጎምን፡ ንርእሶም ከኣ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ብምዂዓቶምን ክልተ ኃጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹም ውን ራዕራዕ በሉ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 212-13

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ኩሉ ነገራትካ መስተንክር እዩ። ንስኻ በይንኻ ፍሉይ ኢኻ፡ ነቲ ድኻ ካብ ሓመድ ኣልዒልካ ኣብ ዙፋን ተንብሮ፡ ንመኻን ከኣ ኣደ ቖልዑ ገይርካ ኣብ ቤት እተንብራ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። ምሕባንና ብኣኻ ጥራይ`ዩ ስለ ኩሉ ነገር ከኣ ብስም ኢየሱስ ናዝራዊ ንባርኸካ ኣሎና። ጐይታና ከም ቃልካ መገድና ምእንቲ ክቐንዕ መንፈስካ ይርድኣና። እቶም ሕግኻ ዘፍቅሩ ወርትግ ሰላም ኣለዎም ብሓቂ ንሳቶም ከኣ ከምታ ዘይትናወጽ ከረን ጽዮን እዮም።  ብእኡ በቲ ዘፍቀረና ቅዱስ ወድኻ ንሕበንን ንምካሕን ኣሎና፡ ንሱ ንጸላእቱ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ዝረግጽ ዓወት ዝለበሰ፡ ኣኽሊልናን ትምክሕትናን እዩ። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመናትና ንዓኻ ብምግልጋልን ምውዳስን ጥራይ ክሓልፉ ባርኸና። ብደም ዘድኃንካና ንስኻ በይንኻ ኢኻ`ሞ ክብሪ ይግበኣካ። መንፈስ ቅዱስ ኣቦና ምስትውዓትልን ኣብርሆትን ቃልካ ሃበና፡ ንሕግኻ ብኸምቲ ንስኻ እትእዝዞ ክንክተሎ ጸጋኻ ይርድኣና። “ እቶም ሕሡማት ጸሓፍቲ ንሕገይ ለዊጦ`ሞ እዮም” ከም ዝበልካ ጐይታየ ብዝተሰብረ ልቢ ንቓልካ ክንእዘዞ ደኣ እምበር ከይንቃወሞ ኲለንትናና ተቖጻጸር። ኣብ ምድርና ንዝተዘርአ ዕዮን ተግባርን ሕሱማት ጸሓፍቲ፡ ከምቲ ሓዊ ንእሾዂ ሞኽ ዘብሎ፡ ካብ ቃልካ ዝተላዕለ ዝፈረሰ ይኹን። ነዚ ነገራት እዚ ንምፍጻም ዝዓዩ ሕሱማን መንፈሳውያን ሠራዊት ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይሎም ዝደኸመ፡ ምኽሮም ከኣ ዝተሳዕረ ይኹን። ንእግዚኣብሔር ኣቦና ስለ ኹሉ ውህበታቱ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 84)
ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእይን ኩነኔ?

ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም “ ንሕና ለባማት ኢና፡ ሕጊ እግዚኣብሔር ድማ ምሳና ኣሎ” እትብሉ ዘሎኹም፧ እነሆ ሓሰውቲ ጸሓፍቲ ንሕገይ ለዊጦሞዎ እዮም። እዞም ጥበበኛታት እዚኣቶም ኪኃፍሩን ኪስምብዱን ብመፈንጠራ ኺተኃዙን እዮም። ንሳቶም ንቓለይ ወጊዶሞ እዮም፡ ሕጂ ደኣ ኣበይ ኣሎ እቲ ጥበቦም፧ ኤር 8፡8-9 እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ዝተዛረቦ ዘይሓልፍን ዘይሰዓርን ሕያው ቃል እዩ። ኣበይ`ሞ ነተን ዝሓለፋ ብሕሱማትን ሓሰውትን ጸሓፍቲ ተታሊልና ሕጊ ኣምላኽ ዘፍረስናለን መዓልታት ተመልኪትና እንተንንሳሕ፧ ኣበይ እሞ ኃጢኣትናን ዓመጻናን ኣሚንና እንተንምለስ፧ ምድርና ሰፈር ሞትን ሽቕለትን፡ ኲናትን ረሃብን ንምንታይ ኰነት፧ ንምንታይ ከ እዮም ኣጓብዝናን ጐራዙናን ብሰይፊ ዝተሰየፉ፡ ሽማግለታትና ኸኣ ክብሪ ዝሰኣኑ፧ ቀለውዕ ረዳኢ ዘይብሎም ዘኽቲሞም ዝተረፉ ኢልና እንተንምርምርስ ሽዑ እዚ ዝበጽሓናስ ሕጊ ኣምላኽ ብምቅዋምና፡ ንቓሉ`ውን ወጊድ ምባልና ዘስዓቦ ቑጥዓ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ክሰኣለና እዩ። እቶም ንትማሊ ክርእይዋ ዘይክእሉ ሰባት፡ ንሎሚ ኰነ ጽባሕ ክርእይወን ኣይክእሉን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡  ዕዮ ሰይጣን ምሕራድን ምኽታር ምዃኑ ብግልጺ ነጊሩና ይርከብ። እሞ እቶም ንሕዝበይ ሕጊ ኣምላኽ እናቐየሩ ዘታለልዎ፡ ኣብ ጉሁር እቶን ዘእተውዎ ሕሱማት ጸሓፍቲ ደኣ ፍርዶም ክሳዕ ክንድምንታይ ኮን ክብርትዕ እዩ፧ ልበይ ነዞም ዝሓለፉ ዘመናት ክርኢን ክሓስብን ከሎ እሓዝን፡ ወረ ሰላም ወንጌል ዝተሳእኖም ዘመናት ምንባሮም ከኣ ንሕዝብና ዘመነ ጸልማት ፈርዮም ይርከቡ። ግደ እዞም ሎሚ ዘሎና ወለዶታትከ እንታይ ይኹን፧ ሕሱማትን ሓሰውትን ጸሓፍቲ ንዝዓየይዎ ዕዮ`ዶ ኣሜን እናበልና ክንነብርን ንመጻኢ ወለዶ ኸኣ ጥፍኣት`ዶ ከነምጽእ ኢና፧ ኣይፋልን ንሕናስ ንመለስ ደኣ፡ መገዲ ተጋጊና ኢና`ሞ ንመለስ ንምንታይ`ከ ስቕ ኢልና ናብ ገደል ንኃትፍ፧

3. ንቓል ኣምላኽ ምልዋጥ ወይ ምውጋድ

ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ዚብል ድርሰት ብሚዛን ቃለ እግዚኣብሔር ርኢና ነይርና። ምስትውዓልና ከነዛይድ ሕጊ ኣምላኽና ውን ከነኽብር ግቡእና እዩ። ስለዚ እምበኣር ክቡራት ነበብቲ ብህድኣትን ትዂረትን ክትምርምሩ እምሕጸነኩም። ከም ሰብ ቤርያ “መጻሕፍቲ እንታይ ኮን`ዮም ዚብሉ” ዚብል ብርቱዕ መንፈስ ጥበብ ከነጥሪ ናብ ቅዱስ ኣምላኽና ብቕንዕና ንጸሊ።  ደራሲ/ት ኣብቲ ጽላሎትኪ ኣብ ካልኣይ አንቀጽ ናይ ድርሰቱ ከምዚ ይብል፡ “ኣኽሊል ትምክሕትና ጀማሪት እምነትና”። ማይ ካብ ምንጩ እንተዓርዓረ፡ እቲ ካብኡ ዝቕዳሕ ኩሉ ውን ይዕርዕር`ዩ። ደራሲ/ት ኣብ ድርሰቱ ካብ ክበበ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ወጺኡ/ኣ ኣብቲ ብግሉ ኣብ ኣእምርኡ ዝሰኣሎ ስእሊ ተመኲዙ ይጽሕፍ ምህላዉ ትኅዝቶ ጽሑፉ ይነግረና። ጸሓፊ “ኣኽሊል ትምክሕትና ጀማሪት እምነትና” እናበለ ክጽሕፍ ከሎ ጐሊሖም ዝረኣዩ ክልተ መሠረታውያን ባህርያት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይምፍላጥ ወይ`ውን ኮነ ኢልካ ንቓሉ ምልዋጥ`ዮም። እዚኣቶም ከኣ ናይ ዘይምእማን ምልክት እዮም። እቲ ንኣምላኽ ዝድረስ መዝሙር ካብ ልቢ ከም ዝግንፍል ጥራይ ዘይኰነስ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ዝርከብ ኃይሊ ከም ዝድረስ ኣብ መዝሙራት ዳዊት ክንዕዘብ ንኽእል ኢና። “ኣኽሊልና፡ ትምክሕትና፡ጀማሪት እምነትና” ዚብሉ ሠለስተ ኣመራት፡ ብሓቂ`ዶ ንድንግል ማርያም ኣደ ጐይታ ዝውክሉ እዮም፧ መገድና እጸቢቕና ንመልከት፡ እዚ ተግባር`ዚ ንኣምላኽና ዘሕጒስን ዘሞግስን ተግባር ድዩ? እዚኣቶም ኩሎም ብዘይካ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍጡራን ዝተዋህቡ ቅጽላት ከም ዘይኰኑ ብቕንዕና ክትርድኡ እላቦ። “ኣኽሊል” መግለጺ ክብርን ዓወትን ኮይኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሑፉ ኣሎ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣኽሊል(ዓወትን ክብርን) እቶም ብእኡ እንኣምን እዩ። ንሱ ርእሲ ቤተክርስቲያን ብምዃኑ ኣኽሊላን ክብራን`ውን እዩ። ጸላእቱ ብዓወት ዝረትዕ ወዲ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ  ደፊኡ ኣብ ደመና ሰማይ ተቐሚጡ ክመጽእ እዩ።( ራእ 6፡2/ራእ14፡14/ ራእ 19፡11)። ሕጂ ንሱ ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ክሳዕ ዝኾኑ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ ይጽበ ኣሎ(ዕብ 10፡12-14። ደራሲ/ት “ትምክሕትና” እናበለ ክጽሕፍ ከሎ፡ ኣብ ሕልንኡ ቃለ እግዚኣብሔር`ዶ ኣይቅጀሎን እዩ እናበልኩ እግረም ኣሎኹ። ኣብ መጻሕፍተ ብሉይ ኮነ ሐዲስ  ብግልጺ ሰባት ብመን ክምክሑ ከም ዘለዎም ተነጊሩ ኣሎ። ነቢየ እግዚኣብሔር ኤርምያስ ንዝጸሓፎ መጽሓፍ፡ ከም መወከሲ ብምጥቃም ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቆሮንቶስ ኣብ ዝጸሓፎም ክልተ መልእኽታቱ ኣስፉሩ ኣሎ። ዚሕበንሲ ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ጽድቅን ዝገብር እግዚኣብሔር ምዃነይ ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይተሓበን፡ ንኣይ ባህ ዘብለኒ እዚ እዩ። ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ(ኤር 9፡23-24)። “እቲ ዝምካሕ ብእግዚኣብሔር ይመካሕ” ከም ዚበሎ..(2ቆሮ10፡17)፡ እዚ ኸኣ እቲ ዝምካሕ ብእግዚኣብሔር ደኣ ይመካሕ” ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ክፍጸም ኮነ(1ቆሮ1፡30-31። ደራሲ/ት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ንድንግል ማርያም ትምክሕትና ክብል ከሎስ ነቲ ቓል ኣምላኽ ይልውጦ ከም ዘሎዶ ኣየስተውዕልን እዩ፧ ንሕና ግን ጽሑፍ ከም ዝበሎ በቲ ንኣምላኽ ባህ ዘብሎ ተግባር፡ ብእኡ ብእግዚኣብሔር ንምካሕ ኣሎና ብዘይካኡ`ውን ካልእ ትምክሕቲ የሎን። 

ደራሲ/ት ኣብቲ ጽላሎትኪ በዚ ከየብቅዐ ውን ጀማሪት እምነትና ኢኺ ይብላ፡ ምስትውዓል ክጠፍእ ከሎ ኃጢኣት ውን መሊሳ እያ እትዛይድ። ነቶም ዘየስተውዕሉን ቃሉ ዘይምርምሩን እዚ ትምህርቲ እዚ ሃው ኣቢሉ ንሲኦም ዝኸትት ምስ ዲያብሎስ ዘዛምድ ከኣ እዩ። “ንሕገይ ለወጥዎ ፡ንቓለይ ወገድዎ” ዚብል ስምዕታ ረዚን እዩ። ኣዕይንትና እናረኣያ ቃል ብቓል መጽሓፍ ቅዱስ ተለዊጡ ንዘይግብኦ ክወሃብ ምርኣይ ከኣ ውርደት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ናይ ዕብራውያን መልእኽቱ ከምዚ ይብል፡ እምበኣር ኣቱም ኣብ ሰማያዊ መጸዋዕታ ግደ ዘሎኩም ቅዱሳን ኣኅዋትና፡ ኣብቲ ናይ እምነትና ሓዋርያን ሊቀ ካህናትን ዝኾነ ኢየሱስ ኣቕልቡ(ዕብ 3፡1)። ናብቲ ኅፍረት ዘበለ ንዒቑ፡ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሠ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ዝተቐመጠ፡ ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት(ዕብ 12፡2) ስለዚ እምበኣር  ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ብመድሎተ ጽድቅ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ተዓይራን ተሰፊራን ቀሊላ ተረኺባ ኣላ። ኣንጻር ሕጊ እግዚኣብሔር ዝተጻሕፈት፡ ንደም ኢየሱስ ክርስቶስ ከንቱ ክትገብር ዝተተምየነት ብምዃና ክብሪ ዘይብላ ጦማረ ስሕተት`ያ። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝበሉና ናብቲ ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጠምት፡ ንሱ ኣኽሊልና ትምክሕትና ጀማርን ፈጻምን እምነትና እዩ። ክብሪ ነቲ ምእንታና ዝተሓርደ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ ይኹን። 
……..ይቕጽል

No comments:

Post a Comment